ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ብዛዕባ ህይወት ዚልዓል ኣዝዩ ኣጸጋሚ ሕቶታት፡ ጽቡቕ መልሲ ይህብ እዩ። ምኽርታቱ ጠቓሚ ምዃኑ ድማ ንዘመናት ተመስኪሩሉ እዩ። ኣብዛ ዓምዲ እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ግብራዊ ምኽርታት ከም ዝሓዘ ኽትርኢ ኢኻ።—2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17

እዋናዊ

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ካብ ዘለዋ ኣንስቲ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ኣብ መንጎ እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ዘለዋ ኣብነታውያን ኣንስትን ካልኦት እኩያት ኣንስትን ዘሎ ፍልልይ ርአ።

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ካብ ዘለዋ ኣንስቲ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ኣብ መንጎ እተን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሰን ዘለዋ ኣብነታውያን ኣንስትን ካልኦት እኩያት ኣንስትን ዘሎ ፍልልይ ርአ።

ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ተምሃር

ነዚ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ፈትኖ

ብሓገዝ ናይ ብሕቲ መምህር ብናጻ እትምሃረሉ ኣሳታፊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሕተት።

ክትብጻሕ ሕተት

ብዛዕባ ሕቶ መጽሓፍ ቅዱስ ተመያየጥ፡ ወይ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝያዳ ፍለጥ።

ናውቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ንሕቶታትካ ዚምልሰልካን ንተግባር ዜለዓዕለካን ናውቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምረጽ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይሕግዘካ፧

ሰላምን ሓጐስን

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ማእለያ ንዘይብሎም ሰባት ንመዓልታዊ ጸቕጥታት ኪዋጽኡሉ፡ ኣካላውን ስምዒታውን ውጥረቶም ኪንክዩ፡ ትርጉምን ዕላማን ዘለዎ ህይወት ኪነብሩ ሓጊዝዎም እዩ።

እምነት ኣብ ኣምላኽ

እምነት ሕጂ ጽንዓት፡ ንመጻኢ ድማ ርግጽ ተስፋ ትህበካ።

ሓዳርን ስድራ ቤትን

ንሰብ ሓዳርን ንስድራ ቤትን ብዙሕ ጸገማት የጋጥሞም እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ግብራዊ ምኽርታት፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራ ቤት ንዘሎ ርኽብ ኬመሓይሾን ኬደልድሎን ይኽእል እዩ።

ንመንእሰያት

ኣብቲ ንመንእሰያት ዜጋጥሞም ኵነታትን ብድሆታትን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዝ ከም ዚኽእል ርአ።

ንጥፈታት ንቘልዑ

በዚ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ንጥፈታት ጌርካ፡ ንደቅኻ መንፈሳዊ ስርዓታት ምሃሮም።

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ፡ የሱስ፡ ጸሎት፡ ስድራ ቤት፡ መከራ፡ በዓላት፡ ህይወት፡ ሞት ከምኡ እውን ካልእ ጉዳያት ንዚልዓል ሕቶታት እንታይ መልሲ ኸም ዚህብ ኣንብብ።

ታሪኽን መጽሓፍ ቅዱስን

መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ኢሉ ኣባና ኸም ዝበጽሐ ዚገልጽ ዜደንቕ ታሪኽ ፍለጥ። ብታሪኻዊ መዳይ ብኸመይ ልክዕን ዜተኣማምንን ከም ዝዀነ መርምር።

ስነ ፍልጠትን መጽሓፍ ቅዱስን

መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ስነ ፍልጠት ይሰማማዕ ድዩ፧ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ምስቲ ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ዝረኸብዎ ምስ እነነጻጽሮ፡ ዜገርም ነገራት ክንፈልጥ ንኽእል ኢና።