ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ካብ ዛንታ ፍጥረት ኣትሒዙ ኽሳዕ ልደት የሱስ ክርስቶስን ክሳዕ ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽን ዚገልጽ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ተዘንትዩ ኣሎ።
ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ
ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ብኸመይ ክትጥቀመላ ትኽእል፧
ትምህርቲ 1
ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ፈጠረ
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ከም ዝፈጠረ ይገልጽ። ኣምላኽ ቅድሚ ዅሉ ሓደ መልኣኽ ዝፈጠረ ስለምንታይ እዩ፧
ትምህርቲ 2
ኣምላኽ ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ፈጠረ
ኣምላኽ ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ፈጢሩ ኣብ ገነት ኤደን ኣንበሮም። ስድራ ቤት ኪምስርቱን ንዅላ ምድሪ ገነት ኪገብርዋን ከኣ ይደልዮም ነበረ።
ትምህርቲ 3
ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ኣይተኣዘዝዎን
ሓንቲ ኣብ ገነት ኤደን ዝነበረት ኦም ብኸመይ እያ ፍልይቲ ነይራ፧ ሄዋን ካብታ ኦም እቲኣ ፍረ ዝበልዐት ስለምንታይ እያ፧
ትምህርቲ 4
ቍጥዓ ናብ ቅትለት መርሐ
ኣምላኽ ንመስዋእቲ ኣቤል ተቐበሎ፡ ንመስዋእቲ ቃየል ግና ኣይተቐበሎን። ቃየል ብዛዕባ እዚ ምስ ፈለጠ፡ ኣዝዩ ተቘጥዐ፡ ዜስካሕክሕ ነገር ድማ ገበረ።
ትምህርቲ 5
መርከብ ኖህ
መላእኽቲ ናብ ምድሪ መጺኦም ኣንስቲ ምስ ተመርዓዉ፡ ንጉዓት ኣወዳት ወለዱ። ኣብ ኵሉ ድማ ዓመጻ ሰፈነ። ኖህ ግና ካባታቶም እተፈልየ ነበረ፣ ንኣምላኽ የፍቅሮን ይእዘዞን ነበረ።
ትምህርቲ 6
ሸሞንተ ሰባት ደሓኑ
ማይ ኣይሂ 40 መዓልትን 40 ለይትን ዘነመ። ኖህን ስድራ ቤቱን ከኣ ኣብ ውሽጢ እታ መርከብ ብድምር ልዕሊ ሓደ ዓመት ዚኸውን ጸንሑ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣምላኽ ካብኣ ኺወጹ ነገሮም።
ትምህርቲ 7
ግምቢ ባቤል
ገሊኦም ሰባት ከተማ ኪሰርሑ፡ ክሳብ ሰማይ ዚበጽሕ ግምቢ ድማ ኪሃንጹ ወሰኑ። ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ብሃንደበት በብዓይነቱ ቛንቋታት ከም ዚዛረቡ ዝገበረ፧
ትምህርቲ 8
ኣብርሃምን ሳራን ንኣምላኽ ተኣዘዝዎ
ኣብርሃምን ሳራን ነቲ ኣብ ከተማ ዝነበሮም ህይወት ሓዲጎም ኣብ ምድሪ ከነኣን ኰለል ዚብሉ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧
ትምህርቲ 9
ኣብ መወዳእታኡ ወዲ ወለዱ!
ኣምላኽ ነቲ ንኣብርሃም ዘተስፈዎ ተስፋ ብኸመይ እዩ ፈጺምዎ፧ ነቲ ተስፋ ኣብ ምፍጻም እጃም ዝነበሮ ይስሃቅ ድዩ ወይስ እስማኤል፧
ትምህርቲ 10
ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ
ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ጎሞራን፡ ሓውን ዲንን ኣዝነመ። ስለምንታይ እየን እተን ከተማታት እቲአን ጠፊአን፧ ስለምንታይ ኢና ንሰበይቲ ሎጥ ክንዝክራ ዘሎና፧
ትምህርቲ 11
ናይ እምነት ፈተና
ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ‘ነቲ ሓደ ወድኻ ወሲድካ፡ ኣብ ምድሪ ሞርያ ኣብ ዚርከብ ከረን ሰውኣዮ’ በሎ። ኣብርሃም ነዚ ናይ እምነት ፈተና እንታይ ምላሽ ሂቡሉ፧
ትምህርቲ 12
ያእቆብ ውርሲ ወረሰ
ይስሃቅን ርብቃን፡ ኤሳውን ያእቆብን እተባህሉ ማንታ ኣወዳት ወለዱ። ኤሳው መጀመርታ ስለ እተወልደ፡ ፍሉይ ውርሲ ንምውራስ መሰል ነበሮ። ስለምንታይ እዩ ነዚ ብጸብሒ ሸይጥዎ፧
ትምህርቲ 32
ሓድሽ መራሕን ክልተ ተባዓት ኣንስትን
እያሱ ምስ ሞተ፡ እስራኤላውያን ንጣኦታት ኬምልኹ ጀመሩ። ድሕሪኡ ምስ ተሸገሩ፡ ካብ ባራቅን ካብ ነብዪት ዴቦራን ካብ ያዔልን ረድኤት ረኸቡ።
ትምህርቲ 33
ሩትን ናእሚን
ሰብኡተን ዝሞትወን ክልተ ኣንስቲ ናብ እስራኤል ተመልሳ። ሩት ዝስማ ሓንቲ ኻባታተን ክትዓዪ ናብ ግራውቲ ምስ ከደት ድማ፡ ቦኣዝ ዚብሃል ሰብኣይ ረኣያ።
ትምህርቲ 34
ጊዴዎን ንሚድያናውያን ሰዓሮም
ሚድያናውያን ንእስራኤላውያን ምስ ኣሸገርዎም፡ ህዝቢ እስራኤል ካብ የሆዋ ረድኤት ለመኑ። እሞኸ ጊዴዎንን ሒደት ሰራዊቱን ከመይ ገይሮም እዮም ን135,000 ተዋጋእቲ ዝሰዓሩ፧
ትምህርቲ 35
ሃና ወዲ ኺውሃባ ጸለየት
ኤልቃና ንሃናን ንጵኒናን ንደቁን ኣብ ሺሎ ናብ ዝነበረ ማሕደር ወሰዶም። ኣብኡ ኸኣ ሃና ወዲ ኺውሃባ ጸለየት። ድሕሪ ዓመት ድማ፡ ሳሙኤል ተወልደ።
ትምህርቲ 37
የሆዋ ንሳሙኤል ተዛረቦ
ደቂ ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብቲ ማሕደር ካህናት ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ፣ ሕግታት ኣምላኽ ግና ኣይእዘዙን ነበሩ። እቲ ንእሽቶ ዝነበረ ሳሙኤል ግና ካባታቶም እተፈልየ ነበረ። ሓደ ለይቲ፡ የሆዋ ንሳሙኤል ተዛረቦ።
ትምህርቲ 38
የሆዋ ንሲምሶን ኣሐየሎ
ኣምላኽ ንሲምሶን፡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኪዋጋእ ኢሉ ኣሐየሎ፣ ሲምሶን ሕማቕ ውሳነ ምስ ገበረ ግና፡ ፍልስጥኤማውያን ሓዝዎ።
ትምህርቲ 39
ቀዳማይ ንጉስ እስራኤል
ኣምላኽ ንእስራኤላውያን፡ ዚመርሕዎም ፈራዶ ወይ መሳፍንቲ እኳ እንተ ሃቦም፡ ንሳቶም ግና ንጉስ ደለዩ። ሳሙኤል ከኣ ቀዳማይ ንጉስ ቀብኣሎም፣ ደሓር ግና የሆዋ ንሳኦል ከይነግስ ነዓቖ። ስለምንታይ፧
ትምህርቲ 49
ሓንቲ እክይቲ ንግስቲ ተቐጽዐት
ኢዛቤል ንኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ክትወስዶ ስለ ዝደለየት ጥራይ፡ ናቦት ከም ዚቕተል ገበረት! የሆዋ ግና ነቲ እከያን ግፍዓን ይርእዮ ነበረ።
ትምህርቲ 51
እቲ ጅግና ተዋጋእን እታ ንእሽቶ ጓልን
ሓንቲ ንእሽቶ እስራኤላዊት ንእመቤታ ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ሓይሊ የሆዋ ነገረታ። እዚ እውን ናብ ተኣምር መርሐ።
ትምህርቲ 54
የሆዋ ንዮናስ ተዓገሶ
ሓደ ነብዪ ኣምላኽ ከመይ ኢሉ እዩ ብዓብዪ ዓሳ እተዋሕጠ፧ ካብኡኸ ኸመይ ኢሉ እዩ ዝወጸ፧ የሆዋኸ እንታይ ትምህርቲ ምሂርዎ፧
ትምህርቲ 73
ዮሃንስ መገዲ ኣዳለወ
ዮሃንስ ምስ ዓበየ፡ ነብዪ ዀነ። መሲሕ ይመጽእ ከም ዘሎ እውን መሃረ። እሞኸ እቶም ህዝቢ ብዛዕባ መልእኽቱ ኸመይ ተሰምዖም፧
ትምህርቲ 77
ኣብ ጥቓ እታ ዒላ ዝረኸባ ሰበይቲ
እታ ሳምራዊት ሰበይቲ በቲ የሱስ እተዛረባ ነገር ተገሪማ እያ። ስለምንታይ፧ የሱስከ ቕድሚኡ ንዋላ ሓደ ዘይነገሮ እንታይ ነገር እዩ ነጊርዋ፧
ትምህርቲ 78
የሱስ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ
የሱስ ንገሊኦም ደቀ መዛሙርቱ፡ ‘ገፈፍቲ ሰብ’ ኪዀኑ ጸውዖም። ኣብ ካልእ ግዜ፡ የሱስ ን70 ደቀ መዛሙርቱ፡ መልእኽቲ ብስራት ኪሰብኩ ኣሰልጠኖም።
ትምህርቲ 79
የሱስ ብዙሕ ተኣምራት ገበረ
ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዅሉ፡ ሕሙማት ሓገዙ ደልዮም ይመጽዎ ነበሩ፡ ንሱ እውን የሕውዮም ነበረ። ንሓንቲ ጓል ድማ ካብ ሞት ኣተንስኣ።