ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ

ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ካብ ዛንታ ፍጥረት ኣትሒዙ ኽሳዕ ልደት የሱስ ክርስቶስን ክሳዕ ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽን ዚገልጽ ዛንታታት መጽሓፍ ቅዱስ ተዘንትዩ ኣሎ።

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ብኸመይ ክትጥቀመላ ትኽእል፧

ትምህርቲ 1

ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ፈጠረ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ሰማይን ምድርን ከም ዝፈጠረ ይገልጽ። ኣምላኽ ቅድሚ ዅሉ ሓደ መልኣኽ ዝፈጠረ ስለምንታይ እዩ፧

ትምህርቲ 2

ኣምላኽ ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ፈጠረ

ኣምላኽ ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ፈጢሩ ኣብ ገነት ኤደን ኣንበሮም። ስድራ ቤት ኪምስርቱን ንዅላ ምድሪ ገነት ኪገብርዋን ከኣ ይደልዮም ነበረ።

ትምህርቲ 3

ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ኣይተኣዘዝዎን

ሓንቲ ኣብ ገነት ኤደን ዝነበረት ኦም ብኸመይ እያ ፍልይቲ ነይራ፧ ሄዋን ካብታ ኦም እቲኣ ፍረ ዝበልዐት ስለምንታይ እያ፧

ትምህርቲ 4

ቍጥዓ ናብ ቅትለት መርሐ

ኣምላኽ ንመስዋእቲ ኣቤል ተቐበሎ፡ ንመስዋእቲ ቃየል ግና ኣይተቐበሎን። ቃየል ብዛዕባ እዚ ምስ ፈለጠ፡ ኣዝዩ ተቘጥዐ፡ ዜስካሕክሕ ነገር ድማ ገበረ።

ትምህርቲ 5

መርከብ ኖህ

መላእኽቲ ናብ ምድሪ መጺኦም ኣንስቲ ምስ ተመርዓዉ፡ ንጉዓት ኣወዳት ወለዱ። ኣብ ኵሉ ድማ ዓመጻ ሰፈነ። ኖህ ግና ካባታቶም እተፈልየ ነበረ፣ ንኣምላኽ የፍቅሮን ይእዘዞን ነበረ።

ትምህርቲ 6

ሸሞንተ ሰባት ደሓኑ

ማይ ኣይሂ 40 መዓልትን 40 ለይትን ዘነመ። ኖህን ስድራ ቤቱን ከኣ ኣብ ውሽጢ እታ መርከብ ብድምር ልዕሊ ሓደ ዓመት ዚኸውን ጸንሑ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣምላኽ ካብኣ ኺወጹ ነገሮም።

ትምህርቲ 7

ግምቢ ባቤል

ገሊኦም ሰባት ከተማ ኪሰርሑ፡ ክሳብ ሰማይ ዚበጽሕ ግምቢ ድማ ኪሃንጹ ወሰኑ። ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ብሃንደበት በብዓይነቱ ቛንቋታት ከም ዚዛረቡ ዝገበረ፧

ትምህርቲ 8

ኣብርሃምን ሳራን ንኣምላኽ ተኣዘዝዎ

ኣብርሃምን ሳራን ነቲ ኣብ ከተማ ዝነበሮም ህይወት ሓዲጎም ኣብ ምድሪ ከነኣን ኰለል ዚብሉ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

ትምህርቲ 9

ኣብ መወዳእታኡ ወዲ ወለዱ!

ኣምላኽ ነቲ ንኣብርሃም ዘተስፈዎ ተስፋ ብኸመይ እዩ ፈጺምዎ፧ ነቲ ተስፋ ኣብ ምፍጻም እጃም ዝነበሮ ይስሃቅ ድዩ ወይስ እስማኤል፧

ትምህርቲ 10

ንሰበይቲ ሎጥ ዘክርዋ

ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሶዶምን ጎሞራን፡ ሓውን ዲንን ኣዝነመ። ስለምንታይ እየን እተን ከተማታት እቲአን ጠፊአን፧ ስለምንታይ ኢና ንሰበይቲ ሎጥ ክንዝክራ ዘሎና፧

ትምህርቲ 11

ናይ እምነት ፈተና

ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ‘ነቲ ሓደ ወድኻ ወሲድካ፡ ኣብ ምድሪ ሞርያ ኣብ ዚርከብ ከረን ሰውኣዮ’ በሎ። ኣብርሃም ነዚ ናይ እምነት ፈተና እንታይ ምላሽ ሂቡሉ፧

ትምህርቲ 12

ያእቆብ ውርሲ ወረሰ

ይስሃቅን ርብቃን፡ ኤሳውን ያእቆብን እተባህሉ ማንታ ኣወዳት ወለዱ። ኤሳው መጀመርታ ስለ እተወልደ፡ ፍሉይ ውርሲ ንምውራስ መሰል ነበሮ። ስለምንታይ እዩ ነዚ ብጸብሒ ሸይጥዎ፧

ትምህርቲ 13

ያእቆብን ኤሳውን ተዓርቁ

ያእቆብ ካብ መልኣኽ በረኸት ዝረኸበ ብኸመይ እዩ፧ ከመይ ገይሩ እዩኸ ምስ ኤሳው እተዓርቀ፧

ትምህርቲ 14

ንኣምላኽ እተኣዘዘ ባርያ

ዮሴፍ ቅኑዕ እኳ እንተ ገበረ፡ ብዙሕ መከራ ኣሕለፈ። ስለምንታይ፧

ትምህርቲ 15

የሆዋ ንዮሴፍ ፈጺሙ ኣይረስዖን

ዮሴፍ ካብ ቤተ ሰቡ ርሒቑ እኳ እንተ ነበረ፡ ኣምላኽ ግና ምስኡ ነበረ።

ትምህርቲ 16

እዮብ መን ነበረ፧

ከቢድ ኣብ ዝዀነሉ እዋን እኳ፡ ንየሆዋ ተኣዚዝዎ።

ትምህርቲ 17

ሙሴ ንየሆዋ ኼምልኽ መረጸ

ሙሴ ብሕጻንነቱ፡ በቲ ኣዲኡ እተጣበበቶ ሜላ ህይወቱ ደሓነ።

ትምህርቲ 18

እታ እትነድድ ቈጥቋጥ

እቲ ሓዊ ነታ ቘጥቋጥ ዘይበልዓ ስለምንታይ እዩ፧

ትምህርቲ 19

እቲ ቐዳማይ ሰለስተ መዓት

ፈርኦን ብትዕቢት ተደሪኹ ሓደ ቐሊል ነገር ምግባር ስለ ዝኣበየ፡ ኣብ ህዝቡ መዓት ኣምጽአ።

ትምህርቲ 20

እቲ ዝሰዓበ ሽዱሽተ መዓት

እዚ መዓታት እዚ ኻብቲ ቐዳማይ ሰለስተ መዓት ብምንታይ ይፍለ ነይሩ፧

ትምህርቲ 21

እቲ ዓስራይ መዓት

እዚ መዓት እዚ ኣዝዩ ኸቢድ ብምንባሩ፡ ፈርኦን እውን እንተ ዀነ ኣብ መወዳእታ ኢዱ ሃበ።

ትምህርቲ 22

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እተገብረ ተኣምር

ፈርኦን በቲ ዓሰርተ መዓት እኳ እንተ ዘይሞተ፡ ካብዚ ኣምላኽ ዝገበሮ ተኣምር ግና ድሒኑ ድዩ፧

ትምህርቲ 23

ንየሆዋ እተመባጽዑሉ መብጽዓ

እስራኤላውያን ኣብ እግሪ ኸረን ሲና ሰፊሮም ኣብ ዝነበሩሉ እዋን፡ ንኣምላኽ ፍሉይ መብጽዓ ተመባጽዑሉ።

ትምህርቲ 24

መብጽዓኦም ኣፍረሱ

ሙሴ ነተን ዓሰርተ ትእዛዛት ኪቕበል ምስ ከደ፡ እቶም ህዝቢ ኸቢድ ሓጢኣት ገበሩ።

ትምህርቲ 25

ንኣምልኾ ዚኸውን ማሕደር

ኣብዚ ፍሉይ ድንኳን እዚ፡ ታቦት ኪዳን ነበረ።

ትምህርቲ 26

እቶም ዓሰርተው ክልተ ሰለይቲ

እያሱን ካሌብን ካብቶም ንምድሪ ተስፋ ዝሰለዩ ዓሰርተ ሰለይቲ እተፈልዩ ነበሩ።

ትምህርቲ 27

ካብ የሆዋ ዓለዉ

ቆራሕን ዳታንን ኣቢራምን 250 ሰብኡትን ብዛዕባ የሆዋ ሓደ ኣገዳሲ ሓቂ ኣየስተውዓሉን።

ትምህርቲ 28

ኣድጊ በላዓም ተዛረበት

እታ ኣድጊ ነቲ ንበላዓም ዘይተራእዮ መልኣኽ ረኣየቶ።

ትምህርቲ 29

የሆዋ ንእያሱ መረጾ

ኣምላኽ ንእያሱ ዝሃቦ መምርሒ፡ ሎሚ ንዓና እውን ኪጠቕመና ይኽእል እዩ።

ትምህርቲ 30

ረሃብ ነቶም ሰለይቲ ሓብኣቶም

መካበብያ ያሪኮ ፈረሰ። ቤት ረሃብ ግና ኣብቲ መካበብያ እቲ ተሃኒጻ እኳ እንተ ነበረት፡ ኣይፈረሰትን።

ትምህርቲ 31

እያሱን ጊብዖናውያንን

እያሱ ናብ ኣምላኽ፡ ‘ኣቲ ጸሓይ፡ ደው በሊ’ ኢሉ ጸለየ። እሞኸ ኣምላኽ መሊሱሉዶ፧

ትምህርቲ 32

ሓድሽ መራሕን ክልተ ተባዓት ኣንስትን

እያሱ ምስ ሞተ፡ እስራኤላውያን ንጣኦታት ኬምልኹ ጀመሩ። ድሕሪኡ ምስ ተሸገሩ፡ ካብ ባራቅን ካብ ነብዪት ዴቦራን ካብ ያዔልን ረድኤት ረኸቡ።

ትምህርቲ 33

ሩትን ናእሚን

ሰብኡተን ዝሞትወን ክልተ ኣንስቲ ናብ እስራኤል ተመልሳ። ሩት ዝስማ ሓንቲ ኻባታተን ክትዓዪ ናብ ግራውቲ ምስ ከደት ድማ፡ ቦኣዝ ዚብሃል ሰብኣይ ረኣያ።

ትምህርቲ 34

ጊዴዎን ንሚድያናውያን ሰዓሮም

ሚድያናውያን ንእስራኤላውያን ምስ ኣሸገርዎም፡ ህዝቢ እስራኤል ካብ የሆዋ ረድኤት ለመኑ። እሞኸ ጊዴዎንን ሒደት ሰራዊቱን ከመይ ገይሮም እዮም ን135,000 ተዋጋእቲ ዝሰዓሩ፧

ትምህርቲ 35

ሃና ወዲ ኺውሃባ ጸለየት

ኤልቃና ንሃናን ንጵኒናን ንደቁን ኣብ ሺሎ ናብ ዝነበረ ማሕደር ወሰዶም። ኣብኡ ኸኣ ሃና ወዲ ኺውሃባ ጸለየት። ድሕሪ ዓመት ድማ፡ ሳሙኤል ተወልደ።

ትምህርቲ 36

መብጽዓ ይፍታሕ

ይፍታሕ እንታይ መብጽዓ እዩ ተመባጺዑ፧ ስለምንታይከ፧ ጓል ይፍታሕ ብዛዕባ መብጽዓ ኣቦኣ ምስ ፈለጠት እንታይ ገይራ፧

ትምህርቲ 37

የሆዋ ንሳሙኤል ተዛረቦ

ደቂ ኤሊ እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብቲ ማሕደር ካህናት ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ፣ ሕግታት ኣምላኽ ግና ኣይእዘዙን ነበሩ። እቲ ንእሽቶ ዝነበረ ሳሙኤል ግና ካባታቶም እተፈልየ ነበረ። ሓደ ለይቲ፡ የሆዋ ንሳሙኤል ተዛረቦ።

ትምህርቲ 38

የሆዋ ንሲምሶን ኣሐየሎ

ኣምላኽ ንሲምሶን፡ ምስ ፍልስጥኤማውያን ኪዋጋእ ኢሉ ኣሐየሎ፣ ሲምሶን ሕማቕ ውሳነ ምስ ገበረ ግና፡ ፍልስጥኤማውያን ሓዝዎ።

ትምህርቲ 39

ቀዳማይ ንጉስ እስራኤል

ኣምላኽ ንእስራኤላውያን፡ ዚመርሕዎም ፈራዶ ወይ መሳፍንቲ እኳ እንተ ሃቦም፡ ንሳቶም ግና ንጉስ ደለዩ። ሳሙኤል ከኣ ቀዳማይ ንጉስ ቀብኣሎም፣ ደሓር ግና የሆዋ ንሳኦል ከይነግስ ነዓቖ። ስለምንታይ፧

ትምህርቲ 40

ዳዊትን ጐልያድን

የሆዋ ንዳዊት፡ ዚቕጽል ንጉስ እስራኤል ኪኸውን ሓረዮ፣ እዚ ጽቡቕ ምርጫ ምዃኑ ድማ ዳዊት ኣርኣየ።

ትምህርቲ 41

ዳዊትን ሳኦልን

ሓደ ኻብዚኣቶም ነቲ ሓደ ዚጸልኦ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ እተጸልአ ግና እንታይ እዩ ገይሩ፧

ትምህርቲ 42

እቲ ተባዕን እሙንን ዮናታን

ወዲ ንጉስ እሙን ዓርኪ ዳዊት ኰነ።

ትምህርቲ 43

ሓጢኣት ንጉስ ዳዊት

ሕማቕ ውሳነ ናብ ብዙሕ ሽግር ይመርሕ።

ትምህርቲ 44

ንየሆዋ እትኸውን ቤተ መቕደስ

ኣምላኽ በቲ ሰሎሞን ዘቕረቦ ልማኖ ተሓጐሰ፡ ዓብዪ ኽብሪ እውን ሃቦ።

ትምህርቲ 45

ሓንቲ መንግስቲ ተመቕለት

ብዙሓት እስራኤላውያን ንየሆዋ ምግልጋል ሓደግዎ።

ትምህርቲ 46

ኣብ ከረን ቀርሜሎስ፡ መን ኣምላኽ ምዃኑ ተፈተነ

መን እዩ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፧ የሆዋዶ ወይስ በዓል፧

ትምህርቲ 47

የሆዋ ንኤልያስ ኣበርትዖ

ንዓኻ እውን ዚሕግዘካዶ ይመስለካ፧

ትምህርቲ 48

ወዲ ሓንቲ መበለት ካብ ሞት ተንስአ

ኣብ ሓንቲ ቤት ክልተ ተኣምር ተገብረ!

ትምህርቲ 49

ሓንቲ እክይቲ ንግስቲ ተቐጽዐት

ኢዛቤል ንኣታኽልቲ ወይኒ ናቦት ክትወስዶ ስለ ዝደለየት ጥራይ፡ ናቦት ከም ዚቕተል ገበረት! የሆዋ ግና ነቲ እከያን ግፍዓን ይርእዮ ነበረ።

ትምህርቲ 50

የሆዋ ንዮሳፋጥ ተኸላኸለሉ

ኣህዛብ ንይሁዳ ኼጥቅዑ ምስ መጹ፡ እቲ ቕኑዕ ዚገብር ዝነበረ ንጉስ ዮሳፋጥ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ተጸግዐ።

ትምህርቲ 51

እቲ ጅግና ተዋጋእን እታ ንእሽቶ ጓልን

ሓንቲ ንእሽቶ እስራኤላዊት ንእመቤታ ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ሓይሊ የሆዋ ነገረታ። እዚ እውን ናብ ተኣምር መርሐ።

ትምህርቲ 52

ናይ የሆዋ ሰራዊት ሓዊ

ጊልያ ኤልሳእ፡ ‘ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ኸም ዚበዝሑ’ ርእዩ እዩ።

ትምህርቲ 53

ትብዓት የሆያዳ

ሓደ እሙን ካህን ብትብዓት ንሓንቲ እክይቲ ንግስቲ ተቓወማ።

ትምህርቲ 54

የሆዋ ንዮናስ ተዓገሶ

ሓደ ነብዪ ኣምላኽ ከመይ ኢሉ እዩ ብዓብዪ ዓሳ እተዋሕጠ፧ ካብኡኸ ኸመይ ኢሉ እዩ ዝወጸ፧ የሆዋኸ እንታይ ትምህርቲ ምሂርዎ፧

ትምህርቲ 55

መልኣኽ የሆዋ ንህዝቅያስ ኣዕቈቦ

ጸላእቲ ይሁዳ፡ የሆዋ ንህዝቡ ኸም ዘየዕቍብ እኳ እንተ ተዛረቡ፡ ዓብዪ ጌጋ እዮም ተጋግዮም!

ትምህርቲ 56

ዮስያስ ሕጊ ኣምላኽ ይፈቱ ነበረ

ዮስያስ ወዲ ሸሞንተ ዓመት ከሎ፡ ንጉስ ይሁዳ ዀነ፣ ንህዝቡ ድማ ንየሆዋ ኼምልኽዎ ሓገዞም።

ትምህርቲ 57

የሆዋ ንኤርምያስ ኪሰብኽ ለኣኾ

እዚ ንእሽቶ ነብዪ እተዛረቦ ቓል ንዓበይቲ ይሁዳ ብዙሕ ኣቘጥዖም።

ትምህርቲ 58

የሩሳሌም ጠፍአት

ህዝቢ ይሁዳ ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ የምልኹ ነበሩ፣ ስለዚ፡ የሆዋ ሓደጎም።

ትምህርቲ 59

ንየሆዋ እተኣዘዙ ኣርባዕተ መንእሰያት

መንእሰያት ኣይሁድ ኣብ ቤተ መንግስቲ ባቢሎን እውን እንተ ዀነ ንየሆዋ እሙናት ኪዀኑ ቘረጹ።

ትምህርቲ 60

ንዘለኣለም እትነብር መንግስቲ

ዳንኤል ንነቡካድነጻር፡ ትርጉም እቲ ፍልይ ዝበለ ሕልሙ ይገልጸሉ።

ትምህርቲ 61

ኣይሰገዱን

ሲድራቅን ሚሳቅን ዓብድ-ኔጎን ንህይወቶም ኣብ ሓደጋ ኣእትዮም ነቲ ንጉስ ባቢሎን ዝገበሮ ምስሊ ወርቂ ምስጋድ ኣበዩ።

ትምህርቲ 62

ከም ዓባይ ኦም ዝኣመሰለት መንግስቲ

ሕልሚ ነቡካድነጻር ብዛዕባ መጻኢኡ ዚገልጽ ትንቢት ነበረ።

ትምህርቲ 63

ኣብ መንደቕ እተጻሕፈት ጽሕፈት

እዛ ምስጢራዊት ጽሕፈት መዓስ ተራእያ፧ ትርጉማኸ እንታይ እዩ፧

ትምህርቲ 64

ዳንኤል ኣብ ጕድጓድ ኣናብስ

ከም ዳንኤል፡ መዓልቲ መዓልቲ ናብ የሆዋ ጸሊ!

ትምህርቲ 65

ኣስቴር ንህዝባ ኣድሓነቶም

ጓና እኳ እንተ ነበረት፡ ካብ ዝኽትምና ተላዒላ ንግስቲ ዀነት።

ትምህርቲ 66

እዝራ ሕጊ ኣምላኽ መሃረ

እስራኤላውያን ንእዝራ ምስ ሰምዕዎ፡ ንኣምላኽ ፍሉይ መብጽዓ ተመባጽዑሉ።

ትምህርቲ 67

መካበብያ የሩሳሌም

ነህምያ፡ ጸላእቶም ኬጥቅዑ ውዲት ከም ዝኣለሙ ፈለጠ። እሞ ደኣ ስለምንታይ እዩ ዘይፈርሀ፧

ትምህርቲ 68

ኤልሳቤጥ ወለደት

ስለምንታይ እዩ ንሰብኣይ ኤልሳቤጥ፡ እቲ ሕጻን ክሳዕ ዚውለድ ምዝራብ ከም ዚስእን እተነግሮ፧

ትምህርቲ 69

ገብርኤል ንማርያም በጽሓ

ንህይወታ ዚቕይር መልእኽቲ ነገራ።

ትምህርቲ 70

መላእኽቲ ብዛዕባ ልደት የሱስ ኣበሰሩ

እቶም ነቲ ብስራት ዝሰምዑ ጓሶት ተቐላጢፎም ስጕምቲ ወሰዱ።

ትምህርቲ 71

የሆዋ ንየሱስ ኣዕቈቦ

ሓደ እኩይ ንጉስ ንየሱስ ኪቐትሎ ደለየ።

ትምርህቲ 72

የሱስ ብንእስነቱ

ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ መምህራን ዘስተንከሮም ብኸመይ እዩ፧

ትምህርቲ 73

ዮሃንስ መገዲ ኣዳለወ

ዮሃንስ ምስ ዓበየ፡ ነብዪ ዀነ። መሲሕ ይመጽእ ከም ዘሎ እውን መሃረ። እሞኸ እቶም ህዝቢ ብዛዕባ መልእኽቱ ኸመይ ተሰምዖም፧

ትምህርቲ 74

የሱስ መሲሕ ኰነ

ዮሃንስ ንየሱስ ገንሸል ኣምላኽ ኢሉ ኺጽውዖ ኸሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

ትምህርቲ 75

ድያብሎስ ንየሱስ ፈተኖ

ድያብሎስ ንየሱስ ሰለስተ ሳዕ ፈተኖ። እቲ ሰለስተ ፈተናታት እንታይ እዩ ነይሩ፧ የሱስከ እንታይ ኢሉ እዩ መሊሱሉ፧

ትምህርቲ 76

የሱስ ነታ ቤተ መቕደስ ኣጽረያ

የሱስ ንእንስሳታት ካብ ቤተ መቕደስ ዘውጽአን ንሰደቓ ኣሽረፍቲ ዝገልበጠን ስለምንታይ እዩ፧

ትምህርቲ 77

ኣብ ጥቓ እታ ዒላ ዝረኸባ ሰበይቲ

እታ ሳምራዊት ሰበይቲ በቲ የሱስ እተዛረባ ነገር ተገሪማ እያ። ስለምንታይ፧ የሱስከ ቕድሚኡ ንዋላ ሓደ ዘይነገሮ እንታይ ነገር እዩ ነጊርዋ፧

ትምህርቲ 78

የሱስ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ

የሱስ ንገሊኦም ደቀ መዛሙርቱ፡ ‘ገፈፍቲ ሰብ’ ኪዀኑ ጸውዖም። ኣብ ካልእ ግዜ፡ የሱስ ን70 ደቀ መዛሙርቱ፡ መልእኽቲ ብስራት ኪሰብኩ ኣሰልጠኖም።

ትምህርቲ 79

የሱስ ብዙሕ ተኣምራት ገበረ

ኣብ ዝኸዶ ዘበለ ዅሉ፡ ሕሙማት ሓገዙ ደልዮም ይመጽዎ ነበሩ፡ ንሱ እውን የሕውዮም ነበረ። ንሓንቲ ጓል ድማ ካብ ሞት ኣተንስኣ።

ትምህርቲ 80

የሱስ ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት ሓረየ

ንምንታይ እዩ ሓርይዎም፧ ስማቶም ትዝክሮዶ፧

ትምህርቲ 81

ኣብ ከረን እተዋህበ ስብከት

የሱስ ንህዝቢ ጠቓሚ ትምህርቲ መሃረ።

ትምህርቲ 82

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ምጽላይ መሃሮም

ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እንታይ ነገራት እዩ ብቐጻሊ ኺልምኑ ነጊርዎም፧

ትምህርቲ 83

የሱስ ንኣሽሓት መገበ

እዚ ተኣምር እዚ ብዛዕባ የሱስን የሆዋን እንታይ ይሕብረና፧

ትምህርቲ 84

የሱስ ብማየ ማይ ከደ

ሃዋርያት ነዚ ተኣምር እዚ ምስ ረኣዩ እንታይ ከም እተሰምዖምሲ ኽትግምትዶ ትኽእል፧

ትምህርቲ 85

የሱስ ብሰንበት ኣሕወየ

በቲ ንሱ ዝገበሮ ነገር ዚሕጐሱ ዅሎም ዘይነበሩ ስለምንታይ እዮም፧

ትምህርቲ 86

የሱስ ንኣልኣዛር ኣተንስኦ

የሱስ ንማርያም ክትበኪ ምስ ረኣያ፡ ንሱ እውን ነብዐ። ነዊሕ ከይጸንሐ ግና ንብዓቶም ናብ ሓጐስ ተቐየረ።

ትምህርቲ 87

ናይ መወዳእታ ድራር የሱስ

የሱስ ኣብቲ ምስ ሃዋርያቱ ዝበልዖ ናይ መወዳእታ ድራር፡ ኣገዳሲ መምርሒታት ሃቦም።

ትምህርቲ 88

የሱስ ተታሕዘ

ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ንየሱስ ምእንቲ ኺሕዝዎ ኢሉ ኣስያፍን ኣባትርን ንዝሓዙ ህዝቢ ናብ ስፍራ ኣታኽልቲ ጌተሴማኔ መሪሕዎም መጸ።

ትምህርቲ 89

ጴጥሮስ ንየሱስ ከሓዶ

ኣብ ኣጸድ እንዳ ቀያፋ እንታይ እዩ ዀይኑ፧ ኣብ ውሽጢ እቲ ቤትከ የሱስ እንታይ ይኸውን ነይሩ፧

ትምህርቲ 90

የሱስ ኣብ ጐልጎታ ሞተ

ስለምንታይ እዩ ጲላጦስ፡ የሱስ ኪቕተል ዝፈቐደ፧

ትምህርቲ 91

የሱስ ተንስአ

ድሕሪ ሞት የሱስ ኣብ ዝነበራ መዓልትታት፡ እንታይ ዜደንቕ ነገራት ኰይኑ፧

ትምህርቲ 92

የሱስ ነቶም ገፈፍቲ ዓሳ ተራእዮም

ኣቓልቦኦም ንምርካብ እንታይ ገይሩ፧

ትምህርቲ 93

የሱስ ናብ ሰማይ ተመልሰ

ከምኡ ቕድሚ ምግባሩ ግና፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኣዝዩ ኣገዳሲ መምርሒታት ሃቦም።

ትምህርቲ 94

እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ

መንፈስ ቅዱስ እንታይ ተኣምራዊ ኽእለት እዩ ሂብዎም፧

ትምህርቲ 95

ዋላ ሓደ ደው ኬብሎም ኣይከኣለን

እቶም ንየሱስ ዝቐተልዎ መራሕቲ ሃይማኖት ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ስቕ ኬብልዎም ፈተኑ። ግናኸ፡ ኣይከኣሉን።

ትምህርቲ 96

የሱስ ንሳውል ሓረዮ

ሳውል ሕሱም ጸላኢ ክርስትያናት ነበረ፣ እዚ ግና ተቐየረ።

ትምህርቲ 97

ቆርኔሌዎስ፡ መንፈስ ቅዱስ ተቐበለ

ስለምንታይ እዩ ኣምላኽ ንጴጥሮስ ናብ ቤት እዚ ኣይሁዳዊ ዘይኰነ ሰብ ልኢኽዎ፧

ትምህርቲ 98

ክርስትና ናብ ብዙሓት ኣህዛብ ተዘርግሐ

ሃዋርያ ጳውሎስን ሚስዮናውያን ብጾቱን ነቲ ኣብ ርሑቕ ሃገራት ዚግበር ዕዮ ስብከት ጀመርዎ።

ትምህርቲ 99

ሓደ ሓላው እሱራት ሓቂ ፈለጠ

ኣብዚ ዛንታ እዚ፡ ጋኔንን ምንቅጥቃጥ ምድርን ሰይፍን ብኸመይ ተጠቒሱ ኣሎ፧

ትምህርቲ 100

ጳውሎስን ጢሞቴዎስን

እዞም ክልተ ሰባት ንብዙሕ ዓመታት ኣዕሩኽን መገላግልትን ኰይኖም ዓይዮም እዮም።

ትምህርቲ 101

ጳውሎስ ናብ ሮሜ ኸደ

እቲ ጕዕዞ ሓደገኛ እኳ እንተ ነበረ፡ ነዚ ሃዋርያ እዚ ኺዓግቶ ዝኸኣለ ጸገም ኣይነበረን።

ትምህርቲ 102

ራእይ ዮሃንስ

የሱስ ብዛዕባ መጻኢ ዚገልጽ ተኸታታሊ ራእያት ኣርእዮ።

ትምህርቲ 103

“መንግስትኻ ትምጻእ”

ኣብ ራእይ ዮሃንስ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ኣብ ምድሪ ዚህሉ ህይወት ብኸመይ ከም እትቕይሮ ተገሊጹ ኣሎ።