ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዉ ናይ እምነት ሰብኡትን ኣንስትን ብምጽናዕ ሕጂ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

ሰሌዳ ግዜ

እቲ ሰሌዳ ግዜን ካርታታትን፡ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዘለዉ ገጸ ባህርያት ኣበይን መዓስን ይነብሩ ኸም ዝነበሩ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእል ኪሕግዘካ እዩ።

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

ኣመሓዳሪ ኣካል ኵላትና ኻብዛ መጽሓፍ እዚኣ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽንጥቀም ብብሕትና ዀነ ምስ ስድራ ቤትና ኸነንብባን ከነጽንዓን የተባብዓና።

መእተዊ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ብእምነት እተመላለሱ ሰብኡትን ኣንስትን ዚገልጽ ናይ ሓቂ ዛንታታት ሒዙ ኣሎ። ካብ ኣብነቶም ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

ኣቤል

“ምዉት ክነሱ . . . ብእምነቱ ይዛረብ ኣሎ”

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣቤል ብዙሕ ዘይተጠቕሰ ኽነሱ፡ ካብኡን ካብ እምነቱን እንታይ ኢና ኽንምሃር እንኽእል፧

ኖህ

“ምስቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ተመላለሰ”

ኖህን ሰበይቱን ደቆም ኣብ ምዕባይ እንታይ ብድሆ እዩ ነይርዎም፧ መርከብ ኪሰርሑ ኸለዉ እምነት ዘርኣዩኸ ብኸመይ እዮም፧

ኣብራም

‘ኣቦ ዅሎም እቶም ዚኣምኑ’

ኣብራም እምነት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ በየናይ መገድታት ኢኻ ነታ ኣብራም ዝሓደጋ እምነት ክትስዕብ እትደሊ፧

ሩት

“ናብ እትኸድዮ እኸይድ”

ሩት ቤተ ሰባን ዓዳን ክትሓድግ ፍቓደኛ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽብርቲ ዝገበራ ባህርያት እንታይ እዩ ነይሩ፧

ሩት

“ብልጽቲ ሰበይቲ”

እቲ ሩትን ቦኣዝን ዝመስረትዎ ሓዳር ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ብዛዕባ ስድራ ቤት ካብ ሩትን ናእሚን እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ሃና

ብጸሎት ልባ ናብ ኣምላኽ ኣፍሰሰት

እታ ሃና ኣብ የሆዋ ዝነበረታ እምነት፡ ነቲ ኽትጻወሮ ዘይክኣል ዝመስል ዝነበረ ዅነታት ንኽትጻወሮ ሓጊዛታ እያ።

ሳሙኤል

“ኣብ ቅድሚ የሆዋ ይዓቢ ነበረ”

ሳሙኤል ፍልይ ዝበለ ኣተዓባብያ ዝነበሮ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ ማሕደር የሆዋ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ድልድልቲ እምነት ንኼጥሪ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

ሳሙኤል

ዜጕሂ ነገራት እናኣጋጠሞ ኽነሱ ጸንዐ

ኵላትና ንእምነትና ዚፍትን ሽግራትን ዜጕሂ ነገራትን የጋጥመና እዩ። ካብቲ ሳሙኤል ዘርኣዮ ጽንዓት እንታይ ንምሃር፧

ኣቢጋይል

ብምስትውዓል ስጕምቲ ወሰደት

ካብቲ ኣቢጋይል ዝነበራ ተካል ሓዳር እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧

ኤልያስ

ንንጹህ ኣምልኾ ተሓለቐሉ

ነቶም ንትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጻረሩ ሰባት ክንዛረቦም ከለና፡ ንኤልያስ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ኤልያስ

ብንቕሓት ተኸታተለን ተጸበየን

ነብዪ ኤልያስ እቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ተስፋ ኺፍጸም እናተጸበየ ብጸሎት ነቒሑ ዝነበረ ብኸመይ እዩ፧

ኤልያስ

ብኣምላኹ ተጸናንዐ

ንኤልያስ ተስፋ ቘሪጹ ሞት ከም ዚምነ ዝገበሮ ፍጻመታት እንታይ እዩ ነይሩ፧

ዮናስ

ካብ ጌጋታቱ ተማህረ

ብዛዕባ እቲ ኻብ የሆዋ ዚውሃበካ ዕዮ፡ ከም ዮናስ ፍርሂ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ዛንታ ዮናስ ብዛዕባ ትዕግስትን ምሕረትን የሆዋ ይምህረና እዩ።

ዮናስ

ብዛዕባ ምሕረት ተማህረ

ዛንታ ዮናስ ንርእስና ብቕንዕና ኽንምርምራ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

ኣስቴር

ንህዝቢ ኣምላኽ ተሓለቐትሎም

ከም ኣስቴር ጥቕሚ ርእስና ብምስዋእ ፍቕሪ ኸነርኢ እምነትን ትብዓትን ይሓትት

ኣስቴር

ብጥበብን ብትብዓትን ጥቕሚ ርእሳ ብምስዋእን ስጕምቲ ወሰደት

ኣስቴር ምእንቲ የሆዋን ምእንቲ ህዝቡን ጥቕሚ ርእሳ ብምስዋእ ስጕምቲ ዝወሰደት ብኸመይ እያ፧

ማርያም

“እነኹ ባርያ የሆዋ”

እቲ ማርያም ንገብርኤል መልኣኽ ዝሃበቶ ምላሽ ብዛዕባ እምነታ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧ ማርያም እንታይ ካልእ ጽቡቕ ባህርያት እዩ ነይርዋ፧

ማርያም

‘ኣብ ልባ ትሓስቦ ነበረት’

እቲ ማርያም ኣብ ቤት-ልሄም ዘጋጠማ ነገራት ነቲ ኣብ ተስፋታት የሆዋ ዝነበራ እምነት ኣደልዲሉላ እዩ።

ዮሴፍ

ስድራ ቤቱ ዘዕቈበን ዝናበየን ጽኑዕ ኣቦ

ዮሴፍ ስድራ ቤቱ ዘዕቈበ ብኸመይ እዩ፧ ንማርያምን ንየሱስን ናብ ግብጺ ዝወሰዶም ስለምንታይ እዩ፧

ማርታ

“ኣሚነ ኣለኹ”

ማርታ ኣብ ሓዘና እውን እተደንቕ እምነት ዘርኣየት ብኸመይ እያ፧

ጴጥሮስ

ምስ ፍርህን ጥርጣረን ተቓለሰ

ጥርጣረ ኣዝዩ ጐዳኢ እዩ። ጴጥሮስ ግና ነቲ ንየሱስ ብዛዕባ ምስዓብ ዝነበሮ ጥርጣረ ኣሰኒፍዎ እዩ።

ጴጥሮስ

ብተኣማንነት ፈተናታት ሰገረ

እምነትን ተኣማንነትን ጴጥሮስ ነቲ ኻብ የሱስ እተዋህቦ መአረምታ ኪቕበል ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

ጴጥሮስ

ካብ ጐይታኡ፡ ይቕረ ምባል ተማህረ

የሱስ ንጴጥሮስ ብዛዕባ ይቕረ ምባል እንታይ እዩ ምሂርዎ፧ የሱስ ንጴጥሮስ ይቕረ ኸም ዝበለሉ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

መደምደምታ

ንእምነትካ ኸተደልድላን ንተስፋኻ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእላን እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

እዚ ዚስዕብ እውን ኣሎ

እምነት ኣብ ኣምላኽ

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

ኣስኣሰር ኣብነት እቶም ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ስዓብ፡ ንኣምላኽ ከኣ ቅረቦ።

ቪድዮታት

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ—ቪድዮታት

ኣብዚ ተኸታታሊ ቪድዮታት፡ ካብቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሶም ዚርከቡ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ተምሃር።