መክብብ 3:1-22

  • ንዅሉ ገግዜኡ ኣለዎ (1-8)

  • ብህይወት ምንባር፡ ውህበት ኣምላኽ እዩ (9-15)

    • ዘለኣለማውነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣሎ (11)

  • ኣምላኽ ንዅሉ ብፍትሒ ይፈርድ (16, 17)

  • ሰባት ኰኑ እንስሳታት ይሞቱ (18-22)

    • ኵላቶም ናብ ሓመድ ይምለሱ (20)

3  ንዅሉ ገግዜኡ ኣለዎ፣ኣብ ትሕቲ ሰማያት ንዘሎ ዅሉ ንጥፈት ገግዜኡ ኣለዎ፦   ንምውላድ ግዜ ኣለዎ፡ ንሙማት ድማ ግዜ ኣለዎ፣ንምትካል ግዜ ኣለዎ፡ እተተኽለ ንምምሓው ከኣ ግዜ ኣለዎ፣   ንምቕታል ግዜ ኣለዎ፡ ንምሕዋይ ድማ ግዜ ኣለዎ፣ንምፍራስ ግዜ ኣለዎ፡ ንምህናጽ ከኣ ግዜ ኣለዎ፣   ንምብካይ ግዜ ኣለዎ፡ ንምስሓቕ ድማ ግዜ ኣለዎ፣ዋይዋይ ንምባል ግዜ ኣለዎ፡ ንምስዕሳዕ* ከኣ ግዜ ኣለዎ፣   ኣእማን ንምድርባይ ግዜ ኣለዎ፡ ኣእማን ንምእካብ ድማ ግዜ ኣለዎ፣ንምሕቋፍ ግዜ ኣለዎ፡ ንዘይምትሕቝቛፍ ከኣ ግዜ ኣለዎ፣   ንምድላይ ግዜ ኣለዎ፡ ከም ዝጠፍአ ጌርካ ተስፋ ንምቝራጽ ድማ ግዜ ኣለዎ፣ንምእርናብ ግዜ ኣለዎ፡ ንምድርባይ ከኣ ግዜ ኣለዎ፣   ንምቕዳድ ግዜ ኣለዎ፡+ ንምስፋይ ድማ ግዜ ኣለዎ፣ስቕ ንምባል ግዜ ኣለዎ፡+ ንምዝራብ ከኣ ግዜ ኣለዎ፣+   ንምፍቃር ግዜ ኣለዎ፡ ንምጽላእ ድማ ግዜ ኣለዎ፣+ንውግእ ግዜ ኣለዎ፡ ንሰላም ከኣ ግዜ ኣለዎ።  ዓያዪ ኻብ ኵሉ ጻዕርታቱ እንታይ ረብሓ ይረክብ፧+ 10  ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ኪዓይይዎ ዝሃቦም ዕዮ ረኣኹ። 11  ንዅሉ በብግዜኡ ጽቡቕ* ገበሮ።+ ንዘለኣለማውነት እኳ ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ፣ ሰብ ግና ነቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ካብ መጀመርታ ኽሳዕ መወዳእታ ዝገበሮ ግብሪ ኸቶ ምሉእ ብምሉእ ኣይኪፈልጦን እዩ። 12  ንዓታቶምሲ ብህይወት ከለዉ ኻብ ምሕጓስን ጽቡቕ ካብ ምግባርን ዚሓይሽ ነገር ከም ዘይብሎም ደምደምኩ፣+ 13  ኵሉ ሰብ እውን ይብላዕን ይስተን፡ ብዅሉ ጻዕሩ ድማ ይተሓጐስ። እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ።+ 14  እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ንዘለኣለም ከም ዚነብር ድማ ፈለጥኩ። ኣብኡስ ሓንቲ እኳ ኺውሰኽ፡ ካብኡ እውን ሓንቲ እኳ ኺንከ ኣይከኣልን እዩ። ሰባት ምእንቲ ኺፈርህዎስ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከምኡ ገበሮ።+ 15  ዚኸውን ዘበለ፡ ድሮ ዝዀነ እዩ፣ ዚመጽእ ዘበለ እውን፡ ድሮ ዝነበረ እዩ፣+ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ግና እተሳዕበ* እዩ ዚደሊ። 16  ኣብ ትሕቲ ጸሓይ እውን ረኣኹ፦ ኣብ ቦታ ፍትሕስ እከይ ኣሎ፣ ኣብ ቦታ ጽድቂ ኸኣ እከይ ኣሎ።+ 17  ስለዚ፡ ብልበይ፡ “ንዅሉ ንጥፈትን ንዅሉ ተግባርን ገግዜኡ ኣለዎ እሞ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንጻድቕን ንእኩይን ኪፈርዶም እዩ” በልኩ።+ 18  ብዛዕባ ደቂ ሰብ እውን፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከም ዚፍትኖምን ከም እንስሳታት ምዃኖም ከም ዜርእዮምን፡ ብልበይ በልኩ፣ 19  ከመይሲ፡ ንደቂ ሰብ መወዳእታ ኣለዎም፡ ንእንስሳታት እውን መወዳእታ ኣለዎም፣ ኵላቶም ሕደ መወዳእታ ኣለዎም።+ ከምቲ እዚ ዚመውት፡ እቲ እውን ይመውት፣ ኵላቶም ሓደ መንፈስ ኣለዎም።+ ኵሉ ኸንቱ እዩ እሞ፡ ሰብ ካብ እንስሳ ኣይበልጽን እዩ። 20  ኵላቶም ናብ ሕደ ቦታ ይኸዱ።+ ኵላቶም ካብ ሓመድ ይመጹ፡+ ኵላቶም ድማ ናብ ሓመድ ይምለሱ።+ 21  መንፈስ ደቂ ሰብ ናብ ላዕሊ ዚድይብ እንተ ዀይኑ፡ መንፈስ እንስሳታት ከኣ ናብ ምድሪ ዚወርድ እንተ ዀይኑ መን ይፈልጥ፧+ 22  ንሰብሲ እዚ ጻማኡ* ስለ ዝዀነ፡ ብዕዮኡ ኻብ ምሕጓስ ዚሓይሽ ዋላ ሓንቲ ኻልእ ከም ዘይብሉ ረኣኹ።+ ንሱ ምስ ከደ እንታይ ከም ዚኸውን ኪርኢ ዜኽእሎስ መን ኣሎ፧+

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ንምስርሳር።”
ወይ፡ “ብጽቡቕ እተሰርዐ፣ ግቡእ።”
ወይ፡ “ዝሓለፈ” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ ግዲኡ።”