መዝሙር 87:1-7
-
ጽዮን፡ ከተማ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ
-
ኣብ ጽዮን እተወልዱ (4-6)
-
ናይ ደቂ ቆራሕ።+ መዝሙር። ማህሌት።
87 መሰረት ከተማኡ ኣብ ቅዱስ ኣኽራን እዩ።+
2 የሆዋ ኻብ ኵሉ ድንኳናት ያእቆብሲ፡ንኣፍ ደገታት ጽዮን ይፈቱ።+
3 ኦ ኸተማ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ብዛዕባኺ ኽቡር ነገር ይዝረብ ኣሎ።+ (ሴላ)
4 ንረሃብን+ ንባቢሎንን ካብተን ዚፈልጣኒ* ክቘጽረን እየ፣ፍልስጥኤምን ጢሮስን ምስ ኩሽ እነዋ።
“እዚኣ ኣብኣ እተወልደት እያ” ኺብሃል እዩ።
5 ብዛዕባ ጽዮን ድማ፡“ነፍሲ ወከፍ ኣብኣ ተወሊዱ” ኺብሃል እዩ።
እቲ ልዑል ከኣ ኬጽንዓ እዩ።
6 የሆዋ ንህዝብታት ኪምዝግቦም ከሎ፡“እዚ ኣብኣ እተወልደ እዩ” ኺብል እዩ። (ሴላ)
7 ዘመርትን*+ ብኽቢ ዚስዕስዑ ሳዕሳዕትን፡+“ኵሉ ዓይኒ ማያተይ ኣባኺ እዩ”*+ ኺብሉ እዮም።