መዝሙር 87:1-7

  • ጽዮን፡ ከተማ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ

    • ኣብ ጽዮን እተወልዱ (4-6)

ናይ ደቂ ቆራሕ።+ መዝሙር። ማህሌት። 87  መሰረት ከተማኡ ኣብ ቅዱስ ኣኽራን እዩ።+   የሆዋ ኻብ ኵሉ ድንኳናት ያእቆብሲ፡ንኣፍ ደገታት ጽዮን ይፈቱ።+   ኦ ኸተማ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ ብዛዕባኺ ኽቡር ነገር ይዝረብ ኣሎ።+ (ሴላ)   ንረሃብን+ ንባቢሎንን ካብተን ዚፈልጣኒ* ክቘጽረን እየ፣ፍልስጥኤምን ጢሮስን ምስ ኩሽ እነዋ። “እዚኣ ኣብኣ እተወልደት እያ” ኺብሃል እዩ።   ብዛዕባ ጽዮን ድማ፡“ነፍሲ ወከፍ ኣብኣ ተወሊዱ” ኺብሃል እዩ። እቲ ልዑል ከኣ ኬጽንዓ እዩ።   የሆዋ ንህዝብታት ኪምዝግቦም ከሎ፡“እዚ ኣብኣ እተወልደ እዩ” ኺብል እዩ። (ሴላ)   ዘመርትን*+ ብኽቢ ዚስዕስዑ ሳዕሳዕትን፡+“ኵሉ ዓይኒ ማያተይ ኣባኺ እዩ”*+ ኺብሉ እዮም።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ዚእመናለይ።”
ወይ፡ “ደረፍትን።”
ወይ፡ “ንስኺ ንዓይ ምንጪ ዅሉ ኢኺ።”