ሚልክያስ 2:1-17

  • እቶም ካህናት ነቲ ህዝቢ ኣይምሃርዎን (1-9)

    • ከናፍር ካህናት ፍልጠት ኪሕሉ ይግባእ (7)

  • እቶም ህዝቢ ዘይግቡእ ፍትሕ ብምግባር በደሉ (10-17)

    • “‘ኣነስ ፍትሕ እጸልእ እየ’ ይብል የሆዋ” (16)

2  “ኣቱም ካህናት፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ንዓኻትኩም እዩ።+  ምስማዕ እንተ ኣቢኹምን ንስመይ ምኽባር ኣብ ልብኹም እንተ ዘየሕዲርኩምን” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት፡ “መርገም ክሰድደልኩም እየ፣+ በረኸትኩም ከኣ ናብ መርገም ክልውጦ እየ።+ እወ፡ ኣብ ልብኹም ስለ ዘየሕደርኩምዎ፡ በረኸትኩም ናብ መርገም ለዊጠዮ ኣለኹ።”  “እንሆ፡ ብሰርኹም ንዘራእትኹም ከጥፍኦ፡*+ ኣብ ገጽኩም ከኣ ፈርሲ፡ ፈርሲ በዓላትኩም ክብትነልኩም እየ፣ ምስኡ እውን ክትውሰዱ ኢኹም።*  ሽዑ፡ ምስ ሌዊ ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ ኪቕጽልሲ፡ ኣነ እዚ ትእዛዝ እዚ ኸም ዝሃብኩ ኽትፈልጡ ኢኹም”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።  “እቲ ንዕኡ ምስ ፍርሃት* ዝሃብክዎ ምስኡ ዝኣቶኽዎ ኺዳነይ ናይ ህይወትን ናይ ሰላምን እዩ ነይሩ። ንሱ ይፈርሃኒ ነይሩ፣ እወ፡ ንስመይ ይፈርሆ ነይሩ።  ሕጊ* ሓቂ ኣብ ኣፉ ነይሩ፣+ ኣብ ከናፍሩ እውን ዓመጻ ኣይተረኽበን። ምሳይ ብሰላምን ብቕንዕናን ተመላሊሱ፣+ ንብዙሓት ከኣ ካብ ስሕተት መሊሱ።  ከመይሲ፡ ካህን ልኡኽ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ስለ ዝዀነ፡ ከናፍሩ ፍልጠት ኪሕሉ፡ ሰባት እውን ካብ ኣፉ ሕጊ* ኺደልዩ ይግባእ።+  “ንስኻትኩም ግና ካብታ መገዲ ኣልጊስኩም። በቲ ሕጊ* ኸኣ ንብዙሓት ኣዐንቂፍኩምዎም።+ ኪዳን ሌዊ ድማ ኣፍሪስኩም”+ ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት።  “ስለዚ፡ መገድታተይ ስለ ዘይሓሎኹም፡ የግዳስ፡ ነቲ ሕጊ ኽትዓይዩሉ ኸለኹም ኣድልዎ ስለ ዝገበርኩም፡ ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ንዑቓትን እተዋረዱን ክገብረኩም እየ።”+ 10  “ኵላትናስ ሓደ ኣቦ ደይኰነን ዘሎና፧+ ሓደ ኣምላኽ ደይኰነን ዝፈጠረና፧ ስለምንታይ ደኣ ኺዳን ኣቦታትና ብምርካስ ንሓድሕድና እንጣለም፧+ 11  ይሁዳ ነቲ የሆዋ ዚፈትዎ ቕድስና ኣርኪስዎ፡*+ ጓል ጓና ኣምላኽ ድማ ተመርዕዩ እዩ እሞ፡+ ይሁዳ ጠሊሙ፡ ኣብ እስራኤልን ኣብ የሩሳሌምን ከኣ ፍንፉን ነገር ተገይሩ ኣሎ። 12  የሆዋ ኸምዚ ንዚገብር ሰብ፡ መን ምዃኑ ብዘየገድስ፡* ንየሆዋ ጐይታ ሰራዊት መባእ እኳ እንተ ኣቕረበሉ፡ ካብ ድንኳናት ያእቆብ ኪምንቍሶ እዩ።”+ 13  “መሰውኢ የሆዋ ብንብዓትን ብብኽያትን ብእህህታን ከም ዚኽደን ዚገብር ካልእ* እትገብርዎ ነገር ከኣ ኣሎ፣ ስለዚ ድማ፡ ንመባእኩም ቈላሕታ ኣይገብረሉን፡ ካብ ኢድኩም ንዚውሃብ እውን ብሞገስ ኣይጥምቶን እዩ።+ 14  ንስኻትኩም ከኣ፡ ‘ስለምንታይ እዩ፧’ ትብሉ ኣለኹም። የሆዋ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እታ ብጸይትኻን ብዓልቲ ኺዳንካን* ክነሳ ዝጠለምካያ ሰበይቲ ንእስነትካን ምስክር ስለ ዝዀነ እዩ።+ 15  ካብቲ መንፈስ ዝተረፈ ስለ ዝነበሮ፡ ከምኡ ዘይገበረ ሓደ ግና ኣሎ። ንሱኸ እንታይ እዩ ዚደሊ፧ ዘርኢ ኣምላኽ። ስለዚ፡ መንፈስኩም ሓልዉ፣ ሓደ እኳ ንሰበይቲ ንእስነቱ ኣይጥለም። 16  ኣነስ ፍትሕ እጸልእ እየ”*+ ይብል የሆዋ ኣምላኽ እስራኤል፡ “ንኽዳኑ ብዓመጻ ዚኸድን* እውን እጸልእ እየ” ይብል የሆዋ ጐይታ ሰራዊት። “መንፈስኩም ድማ ሓልዉ፡ ኣይትጥለሙ እውን።+ 17  “ንየሆዋ ብቓላትኩም ኣድኪምክምዎ።+ ንስኻትኩም ግና፡ ‘ከመይ ጌርና ኢና ኣድኪምናዮ፧’ ትብሉ ኣለኹም። ‘ክፉእ ዚገብር ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ጽቡቕ እዩ፣ ንሱ እውን ብእኡ ባህ ይብሎ እዩ’ ብምባልኩም+ ወይ ‘ፍትሒ ኣምላኽ ኣበይ ኣሎ፧’ ብምባልኩም እዩ።”

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ክገንሖ።”
ማለት፡ ናብቲ ኻብ መስዋእቲ ዚርከብ ፈርሲ ዚውሰደሉ ቦታ።
ወይ፡ “ኣኽብሮት።”
ወይ፡ “ትምህርቲ።”
ወይ፡ “ትምህርቲ።”
ወይ፡ “ብትምህርትኹም” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ነታ የሆዋ ዚፈትዋ መቕደስ ኣርኪስዋ” ኪኸውን ይኽእል።
ቃ.ቃ.፡ “ነቲ ንቑሕን ነቲ ዚምልስን።”
ቃ.ቃ.፡ “ካልኣይ።”
ወይ፡ “ሕጋዊት ሰበይትኻን።”
ቃ.ቃ.፡ “ንሱስ ፍትሕ ይጸልእ እዩ።”
ወይ፡ “ዚዕምጽ።”