ማቴዎስ 24:1-51

  • ምልክት እቲ ክርስቶስ ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን (1-51)

    • ውግእ፡ ጥሜት፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ (7)

    • ብስራት ይስበኽ (14)

    • ብርቱዕ ጸበባ (21, 22)

    • ትእምርቲ ወዲ ሰብ (30)

    • ኦም በለስ (32-34)

    • ከም ዘመን ኖህ (37-39)

    • ንቕሑ (42-44)

    • እቲ እሙን ባርያን እኩይ ባርያን (45-51)

24  የሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ኪኸይድ ከሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ነቲ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኬርእይዎ ናብኡ ቐረቡ።  ንሱ ድማ፡ “እዚ ዅሉስ ትርእይዎዶ ኣለኹም፧ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ኣብዚ፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ተነቢሩ ኸይፈረሰ ኸቶ ኣይኪተርፍን እዩ” በሎም።+  ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብሕት ኢሎም፡ “እስከ ንገረና፡ እዚ መዓስ ኪኸውን እዩ፧ ምልክት እቲ ኣብዚ እትህልወሉ እዋንን*+ መደምደምታ እቲ ስርዓትንከ* እንታይ እዩ፧” እናበሉ ናብኡ ቐረቡ።+  የሱስ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ፣+  ከመይሲ፡ ‘ኣነ ክርስቶስ እየ’ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም፣ ንብዙሓት እውን ኬስሕቱ እዮም።+  ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም፣ ኣይትሰምብዱ። እዝስ ኪኸውን ኣለዎ፣ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ።+  “ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኺልዓል እዩ፣+ ኣብ በቦታኡ ኸኣ ጥሜትን+ ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ።+  እዚ ዅሉ፡ መጀመርታ ቕልውላው እዩ።  “ሽዑ፡ ንጸበባ ኣሕሊፎም ኪህቡኹምን+ ኪቐትሉኹምን እዮም፣+ ስለ ስመይ ብዅሎም ኣህዛብ ክትጽልኡ ኢኹም።+ 10  ብዙሓት ድማ ኪዕንቀፉን ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃሃቡን ንሓድሕዶም ኪጻልኡን እዮም። 11  ብዙሓት ናይ ሓሶት ነብያት ከኣ ኪትንስኡን ንብዙሓት እውን ኬስሕቱን እዮም፣+ 12  ጥሕሰት ሕጊ ስለ ዚበዝሕ ድማ፡ ናይ መብዛሕትኦም ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። 13  እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚጻወር ግና ኪድሕን እዩ።+ 14  እዚ ብስራት መንግስቲ ኸኣ፡ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ኵላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፣+ ሽዑ፡ መወዳእታ ኺመጽእ እዩ። 15  “እምበኣር፡ እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ዜጥፍእ ጽያፍ ኣብ ቅዱስ ቦታ ደው ኢሉ ምስ ረኣኹም፡+ (እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡) 16  ሽዑ፡ እቶም ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ።+ 17  ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘሎ፡ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ፣ 18  ኣብ ግራት ዘሎ ድማ፡ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። 19  በተን መዓልትታት እቲአን፡ ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይለአን! 20  ህድማኹም ብኽረምቲ ወይስ ብሰንበት ከይከውን ብቐጻሊ ጸልዩ፣ 21  ሽዑስ፡ ካብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሕጂ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን+ ብርቱዕ ጸበባ ኪኸውን እዩ።+ 22  እተን መዓልትታት እቲአን እንተ ዘይሓጽራስ፡ ስጋ ዘበለ ኣይምደሓነን፣ ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና፡ እተን መዓልትታት እቲአን ኪሓጽራ እየን።+ 23  “ሽዑ፡ ዝዀነ ሰብ፡ ‘እንሆ፡ ክርስቶስ ኣብዚ’+ ወይ ‘ኣብቲ’ እንተ ኢሉኩም፡ ኣይትእመኑ።+ 24  ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን+ ኪትንስኡ፡ እንተ ተኻኢሉ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ምእንቲ ኼስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትታትን ተኣምራትን እውን ኪገብሩ እዮም።+ 25  እንሆ፡ ኣጠንቂቐኩም ኣለኹ። 26  እምበኣር፡ ‘እንሆ፡ ኣብ በረኻ እዩ’ እንተ ኢሎምኹም፡ ኣይትውጽኡ፣ ‘እንሆ፡ ኣብ ውሽጣዊ ኽፍልታት ቤት እዩ’ እንተ ኢሎምኹም፡ ኣይትእመኑ።+ 27  በርቂ ኻብ ምብራቕ በሪቑ ኽሳብ ምዕራብ ከም ዜብርህ፡ ወዲ ሰብ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን* ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ።+ 28  ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ንስርታት ኪእከቡ እዮም።+ 29  “ደድሕሪ ጸበባ እተን መዓልትታት እቲአን፡ ጸሓይ ክትጽልምት፡+ ወርሒ እውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፣ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያት እውን ኪናወጹ እዮም።+ 30  ሽዑ፡ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርአ፡ ኵሎም ነገዳት ምድሪ ደረቶም እናወቕዑ ኼልቅሱ እዮም፣+ ወዲ ሰብ ብሓይልን ብዓብዪ ኽብርን ብደበናታት ሰማይ ኪመጽእ ከሎ፡ ኪርእይዎ እዮም።+ 31  ንሱ ድማ ንመላእኽቱ ብዓብዪ ደሃይ መለኸት ኪልእኮም፡ ንሳቶም እውን ንሕሩያቱ ኻብ ኣርባዕተ ንፋሳት፡ ካብ ሓደ ወሰን ሰማያት ክሳብ እቲ ኻልእ ወሰን ኪእክብዎም እዮም።+ 32  “ካብ ኦም በለስ፡* እዚ ምሳሌ እዚ ተምሃሩ፦ ጨናፍራ ምስ ጠጥዐን ምስ ለምለመን፡ ሓጋይ* ከም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም።+ 33  ከምኡ ድማ፡ ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ምስ ረኣኹም፡ ንሱ ናብ ኣፍ ደገ ምቕራቡ ፍለጡ።+ 34  እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸቶ ኣይኪሓልፍን እዩ፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 35  ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ፡ ቃለይ ግና ከቶ ኣይኪሓልፍን እዩ።+ 36  “ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን፡+ ኣቦ ጥራይ እምበር፡ መላእኽቲ ሰማያት ኰኑ ወይስ ወዲ ዀነ፡ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን።+ 37  ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡+ ወዲ ሰብ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን* ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ።+ 38  ከምቲ ቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ መዓልትታትሲ፡ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ ይበልዑን ይሰትዩን ይምርዓዉን የመርዕዉን ነበሩ፣+ 39  ማይ ኣይሂ መጺኡ ንዅላቶም ክሳዕ ዚዅስትሮም ኣየስተውዓሉን፣+ ወዲ ሰብ ኣብዚ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ። 40  ሽዑ፡ ክልተ ኣብ ግራት ኪዀኑ እዮም፣ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ። 41  ክልተ ኣብ መጥሓን ኪጥሕና እየን፣ እታ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ እታ ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ።+ 42  እምበኣር፡ ጐይታኹም በየነይቲ መዓልቲ ኸም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ።+ 43  “ግናኸ፡ ሓደ ነገር ፍለጡ፦ ብዓል ቤት፡ ሰራቒ ኣበየናይ እዋን ሓለዋ* ኸም ዚመጽእ እንተ ዚፈልጥ ነይሩ፡+ ምነቕሐ፡ ሰራቒ ናብ ቤቱ ኺኣቱ እውን ኣይምፈቐደን።+ 44  ስለዚ፡ ንስኻትኩም እውን፡ ወዲ ሰብ ብዘይሓሰብኩምዋ ሰዓት ኪመጽእ እዩ እሞ፡ ድሉዋት ኩኑ።+ 45  “እቲ ጐይታኡ ምግቦም ብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ ቤቱ ዝሸሞ እሙንን ኣስተውዓልን* ባርያ መን ኰን እዩ፧+ 46  እቲ ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምኡ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ሕጉስ እዩ!+ 47  ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፡ ኣብ ኵሉ ንብረቱ ኺሸሞ እዩ። 48  “እቲ እኩይ ባርያ ግና ብልቡ፡ ‘ጐይታይ ይድንጒ እዩ’ እንተ ኢሉ፡+ 49  ነቶም ብጾቱ ባሮት ኪወቕዖም እንተ ጀሚሩ፡ ምስ ዝወጸሎም ሰኽራማት ከኣ ኪበልዕን ኪሰትን እንተ ጀሚሩ፡ 50  ጐይታ እቲ ባርያ፡ ንሱ ብዘይጽበያ መዓልትን ብዘይፈልጣ ሰዓትን ኪመጽእ እዩ፣+ 51  ብዜስካሕክሕ መገዲ ኪቐጽዖ፡* ግዲኡ ድማ ምስ ግቡዛት ኪገብሮ እዩ። ኣብኡ ኸኣ ኪበክን ኣስናኑ ኺሕርቅምን እዩ።+

እግረ ጽሑፍ

ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “መዋእልከ።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ስርዓት” ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ኣብ እስራኤል፡ ሓጋይ ኣእዋም ዚፈርየሉ ወቕቲ እዩ።
ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ሰራቒ ብለይቲ በየነይቲ ሰዓት።”
ወይ፡ “ለባምን፣ ጥበበኛን።”
ወይ፡ “ኣብ ክልተ ኺጭንድሖ።”