ምሳሌ 20:1-30
20 ወይኒ መላገጺ፡+ ኣልኮላዊ መስተ ኸኣ ሃዋኺ እዩ፣+ብእኡ ዚስሕት ጥበበኛ ኣይኰነን።+
2 ንጉስ ከም ሕኒንታ ሽደን ኣንበሳ የሸብር፣*+ዜቘጥዖ ድማ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ የእቱ።+
3 ንሰብሲ ኻብ ባእሲ ምርሓቕ፡ ክብሩ እዩ፣+ዓሻ ዘበለ ግና ህሩግ ኢሉ ናብኡ ይኣቱ።+
4 ሃካይ ብኽረምቲ ኣይሓርስን፣ስለዚ፡ ብቐውዒ ሓንቲ እኳ ዘይብሉ ምስ ኰነ፡ ይልምን።*+
5 ሓሳባት* ልቢ ሰብ ከም ዓሚቝ ማያት እዩ፣ኣስተውዓሊ ሰብ ግና ይቐድሖ።
6 ብዙሓት ሰባት ብተኣማንነት ብዛዕባ ዜርእይዎ ፍቕሪ ይዛረቡ፣እሙን ሰብ ግና መን ይረኽቦ፧
7 ጻድቕ ብንጽህናኡ ይመላለስ።+
ድሕሪኡ ዚመጹ ደቁ ሕጉሳት እዮም።+
8 ንጉስ ኪዳኒ ኣብ ዝፋን ምስ ዚቕመጥ፡+ንዅሉ እከይ ብኣዒንቱ መምዩ የውጽኦ።+
9 “ንልበይ ኣጽርየዮ፣ካብ ሓጢኣተይ ንጹህ እየ” ኺብል ዚኽእል መን እዩ፧+
10 ዘይቅኑዕ መምዘንን ዘይልክዕ መስፈርን፡*ክልቲኡ ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ።+
11 ቈልዓ እኳ ጠባዩ ንጹህን ቅኑዕን እንተ ዀይኑ፡ብተግባራቱ ይፍለጥ እዩ።+
12 ንእትሰምዕ እዝንን ንእትርኢ ዓይንን፡ንኽልቲአን ዝገበረን የሆዋ እዩ።+
13 ድቃስ ኣይትፍቶ፡ እንተ ዘይኰነስ ክትደኪ ኢኻ።+
ኣዒንትኻ ኽፈት እሞ፡ እንጌራ ኽትጸግብ ኢኻ።+
14 ዓዳጊ፡ “ሕማቕ እዩ፡ ሕማቕ እዩ!” ይብል፣ድሕሪኡ፡ መገዱ ኸይዱ፡ ብዛዕባ ርእሱ ይምካሕ።+
15 ወርቅን ብዙሕ ኣዕናቝን* ኣሎ፣ከናፍር ፍልጠት ግና ክቡራት እየን።+
16 ንዘይፈልጦ ንእተዋሕሰ፡ ክዳኑ ውሰደሉ፣+ካብቲ ንጓና ሰበይቲ* ኸምኡ ዝገበረ፡ ትሕጃ ውሰድ።+
17 ብምትላል ዚርከብ እንጌራ ንሰብ ጥዑም እዩ፣ደሓር ግና ኣፉ ጸጸር ይመልእ።+
18 ውጥናት ብምኽሪ ይሰልጥ፣*+ብጥበባዊ መምርሒ ኸኣ ተዋጋእ።+
19 ሓማዪ እናዞረ ምስጢር ይቐልዕ፣+ወረ ምስ ዚፈቱ* ሰብ ኣይትሕበር።
20 ንኣቦኡን ንኣዲኡን ዚረግም፡ጸልማት ኪመጽእ ከሎ፡ መብራህቱ ይጠፍእ።+
21 ኣብ ፈለማ ብስስዐ እተረኽበ ርስቲ፡ኣብ መወዳእታ ኣይባረኽን።+
22 “ክፉእ ክፈዲ እየ!” ኣይትበል፣+ብየሆዋ ተስፋ ግበር፣+ ንሱ ድማ ኬድሕነካ እዩ።+
23 ዘይቅኑዕ መምዘኒ* ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ፣ዜታልል ሚዛን ከኣ ጽቡቕ ኣይኰነን።
24 ስጕምቲ ሰብ ብየሆዋ እዩ ዚቐንዕ፣+ሰብ ከመይ ገይሩ ንመገዱ* ኺርድኣ ይኽእል፧
25 ሰብ ተሃዊኹ “ቕዱስ!” ድሕሪ ምባሉ+ነቲ መብጽዓኡ ዚምርምሮ እንተ ዀይኑ፡ መፈንጠራ ይዀኖ።+
26 ጥበበኛ ንጉስ ንእኩያት መምዩ የውጽኦም፣+ኣብ ልዕሊኦም ከኣ መንኰርኰር መኼዳ የኽይድ።+
27 ትንፋስ ሰብሲ መብራህቲ የሆዋ እዩ፣እዚ ንውሽጣዊ እንታይነቱ ይምርምሮ።
28 ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ተኣማንነትን ንንጉስ ይሕልዋኦ፣+ንሱ በቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ንዝፋኑ የጽንዖ።+
29 ንኣጕባዝሲ ሓይሎም ክብሮም እዩ፣+ንኣረገውቲ ኸኣ ሽበቶም ግርማኦም እዩ።+
30 ስምብራትን ቍስልን ካብ እከይ የንጽህ፣+መውቃዕቲ ድማ ውሽጣዊ እንታይነት የጽሪ።
እግረ ጽሑፍ
^ ወይ፡ “የፍርህ።”
^ ወይ፡ “ብቐውዒ ይደሊ፡ ግናኸ ሓንቲ እኳ ኣይረክብን” ኪኸውን ይኽእል።
^ ወይ፡ “ሃቐናታት።” ቃ.ቃ.፡ “ምኽሪ።”
^ ወይ፡ “ክልተ ዓይነት ንመምዘኒ ዚኸውን እምንን ክልተ ዓይነት መስፈርን።”
^ ወይ፡ “ንጓና።”
^ ወይ፡ “ይጸንዕ።”
^ ወይ፡ “ብኸናፍሩ ምስ ዜስሕት።”
^ ወይ፡ “ክልተ ዓይነት ንመምዘኒ ዚኸውን እምኒ።”
^ ወይ፡ “ንዚኸደላ መገዲ።”