ምሳሌ 20:1-30

  • ወይኒ መላገጺ እዩ (1)

  • ሃካይ ብኽረምቲ ኣይሓርስን (4)

  • ሓሳባት ሰብ ከም ዓሚቝ ማይ እዩ (5)

  • ተሃዊኽካ ኸይትመባጻዕ እተዋህበ መጠንቀቕታ (25)

  • ንኣጕባዝሲ ሓይሎም ክብሮም እዩ (29)

20  ወይኒ መላገጺ፡+ ኣልኮላዊ መስተ ኸኣ ሃዋኺ እዩ፣+ብእኡ ዚስሕት ጥበበኛ ኣይኰነን።+   ንጉስ ከም ሕኒንታ ሽደን ኣንበሳ የሸብር፣*+ዜቘጥዖ ድማ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ የእቱ።+   ንሰብሲ ኻብ ባእሲ ምርሓቕ፡ ክብሩ እዩ፣+ዓሻ ዘበለ ግና ህሩግ ኢሉ ናብኡ ይኣቱ።+   ሃካይ ብኽረምቲ ኣይሓርስን፣ስለዚ፡ ብቐውዒ ሓንቲ እኳ ዘይብሉ ምስ ኰነ፡ ይልምን።*+   ሓሳባት* ልቢ ሰብ ከም ዓሚቝ ማያት እዩ፣ኣስተውዓሊ ሰብ ግና ይቐድሖ።   ብዙሓት ሰባት ብተኣማንነት ብዛዕባ ዜርእይዎ ፍቕሪ ይዛረቡ፣እሙን ሰብ ግና መን ይረኽቦ፧   ጻድቕ ብንጽህናኡ ይመላለስ።+ ድሕሪኡ ዚመጹ ደቁ ሕጉሳት እዮም።+   ንጉስ ኪዳኒ ኣብ ዝፋን ምስ ዚቕመጥ፡+ንዅሉ እከይ ብኣዒንቱ መምዩ የውጽኦ።+   “ንልበይ ኣጽርየዮ፣ካብ ሓጢኣተይ ንጹህ እየ” ኺብል ዚኽእል መን እዩ፧+ 10  ዘይቅኑዕ መምዘንን ዘይልክዕ መስፈርን፡*ክልቲኡ ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ።+ 11  ቈልዓ እኳ ጠባዩ ንጹህን ቅኑዕን እንተ ዀይኑ፡ብተግባራቱ ይፍለጥ እዩ።+ 12  ንእትሰምዕ እዝንን ንእትርኢ ዓይንን፡ንኽልቲአን ዝገበረን የሆዋ እዩ።+ 13  ድቃስ ኣይትፍቶ፡ እንተ ዘይኰነስ ክትደኪ ኢኻ።+ ኣዒንትኻ ኽፈት እሞ፡ እንጌራ ኽትጸግብ ኢኻ።+ 14  ዓዳጊ፡ “ሕማቕ እዩ፡ ሕማቕ እዩ!” ይብል፣ድሕሪኡ፡ መገዱ ኸይዱ፡ ብዛዕባ ርእሱ ይምካሕ።+ 15  ወርቅን ብዙሕ ኣዕናቝን* ኣሎ፣ከናፍር ፍልጠት ግና ክቡራት እየን።+ 16  ንዘይፈልጦ ንእተዋሕሰ፡ ክዳኑ ውሰደሉ፣+ካብቲ ንጓና ሰበይቲ* ኸምኡ ዝገበረ፡ ትሕጃ ውሰድ።+ 17  ብምትላል ዚርከብ እንጌራ ንሰብ ጥዑም እዩ፣ደሓር ግና ኣፉ ጸጸር ይመልእ።+ 18  ውጥናት ብምኽሪ ይሰልጥ፣*+ብጥበባዊ መምርሒ ኸኣ ተዋጋእ።+ 19  ሓማዪ እናዞረ ምስጢር ይቐልዕ፣+ወረ ምስ ዚፈቱ* ሰብ ኣይትሕበር። 20  ንኣቦኡን ንኣዲኡን ዚረግም፡ጸልማት ኪመጽእ ከሎ፡ መብራህቱ ይጠፍእ።+ 21  ኣብ ፈለማ ብስስዐ እተረኽበ ርስቲ፡ኣብ መወዳእታ ኣይባረኽን።+ 22  “ክፉእ ክፈዲ እየ!” ኣይትበል፣+ብየሆዋ ተስፋ ግበር፣+ ንሱ ድማ ኬድሕነካ እዩ።+ 23  ዘይቅኑዕ መምዘኒ* ኣብ የሆዋ ፍንፉን እዩ፣ዜታልል ሚዛን ከኣ ጽቡቕ ኣይኰነን። 24  ስጕምቲ ሰብ ብየሆዋ እዩ ዚቐንዕ፣+ሰብ ከመይ ገይሩ ንመገዱ* ኺርድኣ ይኽእል፧ 25  ሰብ ተሃዊኹ “ቕዱስ!” ድሕሪ ምባሉ+ነቲ መብጽዓኡ ዚምርምሮ እንተ ዀይኑ፡ መፈንጠራ ይዀኖ።+ 26  ጥበበኛ ንጉስ ንእኩያት መምዩ የውጽኦም፣+ኣብ ልዕሊኦም ከኣ መንኰርኰር መኼዳ የኽይድ።+ 27  ትንፋስ ሰብሲ መብራህቲ የሆዋ እዩ፣እዚ ንውሽጣዊ እንታይነቱ ይምርምሮ። 28  ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ተኣማንነትን ንንጉስ ይሕልዋኦ፣+ንሱ በቲ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕሪ ንዝፋኑ የጽንዖ።+ 29  ንኣጕባዝሲ ሓይሎም ክብሮም እዩ፣+ንኣረገውቲ ኸኣ ሽበቶም ግርማኦም እዩ።+ 30  ስምብራትን ቍስልን ካብ እከይ የንጽህ፣+መውቃዕቲ ድማ ውሽጣዊ እንታይነት የጽሪ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “የፍርህ።”
ወይ፡ “ብቐውዒ ይደሊ፡ ግናኸ ሓንቲ እኳ ኣይረክብን” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ሃቐናታት።” ቃ.ቃ.፡ “ምኽሪ።”
ወይ፡ “ክልተ ዓይነት ንመምዘኒ ዚኸውን እምንን ክልተ ዓይነት መስፈርን።”
ቃ.ቃ.፡ “መርጀንን።” ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “መርጀን” ርአ።
ወይ፡ “ንጓና።”
ወይ፡ “ይጸንዕ።”
ወይ፡ “ብኸናፍሩ ምስ ዜስሕት።”
ወይ፡ “ክልተ ዓይነት ንመምዘኒ ዚኸውን እምኒ።”
ወይ፡ “ንዚኸደላ መገዲ።”