ሮሜ 8:1-39

  • ብመንፈስ ዚርከብ ህይወትን ሓርነትን (1-11)

  • መንፈስ ውሉድነት ይምስክር (12-17)

  • ፍጥረት፡ ሓርነት ደቂ ኣምላኽ ይጽበ (18-25)

  • ‘እቲ መንፈስ ይልምነልና’ (26, 27)

  • ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዝመደቦ (28-30))

  • ብፍቕሪ ኣምላኽ ንስዕር ኢና (31-39)

8  እምበኣር፡ እቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ሓድነት ዘለዎም፡ ኵነኔ የብሎምን።  ከመይሲ፡ እቲ ምስ ክርስቶስ የሱስ ብዘሎካ ሓድነት ህይወት ዚህብ ሕጊ እቲ መንፈስ፡ ካብ ሕጊ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ኣውጺኡካ ኣሎ።+  ሕጊ ብስጋ ብምድካሙ+ ኺገብሮ ዘይከኣለስ፡+ ኣምላኽ ንወዱ፡ ንሓጢኣት ምእንቲ ኼወግድ ብኣምሳል እቲ ሓጥእ ስጋ ብምልኣኽ፡+ ነቲ ብስጋ ዝዀነ ሓጢኣት ኰኒንዎ እዩ።  እዚ ድማ እቲ ብሕጊ ዚድለ ስርዓታት ጽድቂ ኣባና፡ ኣብቶም ብስጋ ዘይኰነስ፡ ብመንፈስ እንመላለስ፡ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ።+  እቶም ብስጋ ዚነብሩስ፡ ናይ ስጋ እዮም ዚሓስቡ፣+ እቶም ብመንፈስ ዚነብሩ ግና፡ ናይ መንፈስ እዮም ዚሓስቡ።+  ናይ ስጋ ምሕሳብ፡ ሞት እዩ፣+ ናይ መንፈስ ምሕሳብ ግና፡ ህይወትን ሰላምን እዩ፣+  ምኽንያቱ፡ ናይ ስጋ ምሕሳብ፡ ንሕጊ ኣምላኽ ዚግዛእ ኣይኰነን፡ ኪኸውን እውን ኣይክእልን እዩ እሞ፡ ጽልኢ ምስ ኣምላኽ እዩ።+  እቶም ምስ ስጋ ተሰማሚዖም ዚመላለሱስ፡ ንኣምላኽ ኬሐጕስዎ ኣይክእሉን እዮም።  ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም እንተ ሓዲሩስ፡ ምስ ስጋ ዘይኰነስ፡ ምስ መንፈስ ኢኹም ተሰማሚዕኩም እትመላለሱ።+ መንፈስ ክርስቶስ ዘይብሉ እንተ ኣልዩ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነን። 10  ግናኸ፡ ምስ ክርስቶስ ሓድነት እንተ ኣልዩኩም፡+ ሰብነትኩም ብሰሪ ሓጢኣት ምዉት እዩ፣ እቲ መንፈስ ግና ሳላ ጽድቂ፡ ህይወት እዩ። 11  መንፈስ እቲ ንየሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ ኣባኻትኩም ሓዲሩ እንተ ኣልዩ፡ እቲ ንክርስቶስ የሱስ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ+ ነቲ መዋቲ ሰብነትኩም በቲ ኣባኻትኩም ዚሓድር መንፈሱ ገይሩ ህያው ኪገብሮ እዩ።+ 12  እምበኣር፡ ኣሕዋተየ፡ ግዴታስ ኣሎና፣ ግናኸ፡ ንስጋ፡ ማለት ብስጋ ኽንነብር ኣይኰነን፣+ 13  ብስጋ እንተ ነቢርኩምሲ፡ ክትሞቱ ኢኹም፣ ግብሪ ሰብነት ብመንፈስ እንተ ቐቲልኩም ግና፡+ ብህይወት ክትነብሩ ኢኹም።+ 14  ከመይሲ፡ ኵሎም እቶም ብመንፈስ ኣምላኽ ዚምርሑ፡ ንሳቶም ውሉዳት ኣምላኽ እዮም።+ 15  ንስኻትኩምሲ ነቲ ብእኡ ኣቢልና፡ “ኣባ፡* ኣቦ!” ኢልና እንጽውዓሉ መንፈስ ውሉድነት ኢኹም እተቐበልኩም እምበር፡ ከም ብሓድሽ ዜፍርሃኩም መንፈስ ባርነት ኣይተቐበልኩምን።+ 16  ውሉዳት ኣምላኽ ምዃንና፡+ እቲ መንፈስ ባዕሉ እዩ ምስ መንፈስና ዀይኑ ዚምስክር።+ 17  ውሉዳት ካብ ኰንናስ፡ ወረስቲ ድማ ኢና፣—ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ ከኣ መዋርስቱ፡+—ምስኡ መከራ እንተ ጸጊብና፡+ ምስኡ እውን ክንከብር ኢና።+ 18  እዚ ኣብዚ እዋን እዚ ዘሎ መከራ ምስቲ ኣባና ዚግለጽ ክብሪ ኺነጻጸር ከሎስ፡ ኣብ ግምት ከም ዘይኣቱ ገይረ እየ ዝቘጽሮ።+ 19  ከመይሲ፡ ፍጥረት ንምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ብሃረርታ ይጽበ ኣሎ።+ 20  ምኽንያቱ፡ ፍጥረት ብፍቓዱ ዘይኰነስ፡ በቲ ዘግዝኦ፡ ብተስፋ ንኸንቱ እዩ ተገዚኡ፣+ 21  እዛ ተስፋ እዚኣ ኸኣ፡ ፍጥረት ንባዕሉ እውን፡ ካብ ባርነት ጥፍኣት ሓራ ኺወጽእን+ ክቡር ሓርነት ደቂ ኣምላኽ ኪህልዎን እያ። 22  ኵሉ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ብሓባር የስቈርቍርን ይሳቐን ከም ዘሎስ፡ ንፈልጥ ኣለና። 23  ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሕና ብዅርነት፡ ማለት መንፈስ ዘሎና እውን፡ እወ ንሕና እኳ ውሉድነት፡+ ማለት ብጀዋ ሰብነትና ተሃንጢና እናተጸበና፡ ብውሽጥና ነስቈርቍር ኢና።+ 24  ከመይሲ፡ በዛ ተስፋ እዚኣ ኢና ድሒንና፣ እትርአ ተስፋ ግና፡ ተስፋ ኣይኰነትን፣ ንዚርአ ነገር ተስፋ ዚገብርከ መን ኣሎ፧ 25  ንዘይንርእዮ+ ተስፋ እንተ ጌርና ግና፡+ ብተጻዋርነት ተሃንጢና ኢና እንጽበዮ።+ 26  ከምኡ ድማ፡ እቲ መንፈስ እውን ንድኻምና ይድግፎ እዩ፣+ ክንጽሊ ኼድልየና ኸሎስ፡ እንታይ ክንብል ከም ዚግብኣና ኣይንፈልጥን ኢና፣ እቲ መንፈስ ባዕሉ ግና ብዘይተዘርበ እህህታ ገይሩ ይልምነልና እዩ። 27  ንሱ ኸም ፍቓድ ኣምላኽ ገይሩ ምእንቲ ቕዱሳት ይልምን እዩ እሞ፡ እቲ ልቢ ዚምርምር፡+ ሓሳብ እቲ መንፈስ እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። 28  ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ፡ ማለት ነቶም ከም ዕላማኡ እተጸውዑ፡ ንጽቡቖም ኢሉ ንዅሉ ግብሩ ኸም ዜዋድዶ፡ ንፈልጥ ኢና፣+ 29  ምኽንያቱ፡ ወዱ ኻብ መንጎ ብዙሓት ኣሕዋት+ በዅሪ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡+ ነቶም ቅድም ዝፈለጦም፡ ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ እውን ኣቐዲሙ መዲብዎም እዩ።+ 30  እቶም ኣቐዲሙ ዝመደቦም ከኣ፡+ እቶም ዝጸውዖም እዮም፣+ እቶም ዝጸውዖም ድማ፡ እቶም ዘጽደቖም እዮም።+ እቶም ዘጽደቖም እውን፡ እቶም ዘኽበሮም እዮም።+ 31  ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ደኣ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣምላኽ ምሳና ኻብ ኰነኸ፡ መን እዩ ዚቃወመና፧+ 32  ንወዱ እኳ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ኻብ ሃቦ እምበር፡+ ካብ ዘይነሓፎ፡ ስለምንታይ ደኣኸ ምስኡ ዅሉ ብለውሃት ዘይህበና፧ 33  ነቶም ሕሩያት ኣምላኽ ዚኸስሶም መን እዩ፧+ ኣምላኽ እዩ ዜጽድቖም።+ 34  እቲ ዚዅንንከ መን እዩ፧ እቲ ዝሞተ፡ እኳ ደኣስ ዝተንስአ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑ+ እውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ፡ ክርስቶስ የሱስ እዩ።+ 35  ካብ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧+ ጸበባዶ፡ ጭንቂዶ፡ መስጐጕቲዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ሓደጋዶ፡ ወይስ ሰይፊ፧+ 36  ከምቲ፡ “ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል ኣለና፣ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲ እውን ንቝጸር ኣለና” ዚብል እተጻሕፈ እዩ።+ 37  እኳ ደኣስ፡ ኣብ ኵሉ እዚ ነገራት እዚ፡ በቲ ዘፍቀረና ምሉእ ብምሉእ ንስዕር ኢና።+ 38  ከመይሲ፡ ሞት ኰነ፡ ህይወት ኰነ፡ መላእኽቲ ዀኑ፡ መንግስትታት ኰኑ፡ ዘሎ ዀነ፡ ዚመጽእ ኰነ፡ ሓይልታት ኰነ፡+ 39  ልዕል ዝበለ ዀነ፡ ትሕት ዝበለ ዀነ፡ ካልእ ፍጥረት እውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪፈልየና ኸም ዘይክእል፡ ርግጸኛ እየ።

እግረ ጽሑፍ

“ኣቦ” ዝትርጉሙ ቓል እብራይስጢ ወይ ኣራማይስጢ።