እብራውያን 10:1-39

  • መስዋእቲ እንስሳታት ውጽኢታዊ ኣይነበረን (1-4)

    • ሕጊ፡ ጽላሎት እዩ (1)

  • መስዋእቲ ክርስቶስ ሓንሳእ ንሓዋሩ ቐረበ (5-18)

  • መእተዊ ዚኸውን ሓድሽን ህያውን መገዲ (19-25)

    • ኣኼባና ኣይንሕደግ (24, 25)

  • ነቶም ፈትዮም ዝሓጥኡ እተዋህበ መጠንቀቕታ (26-31)

  • ተጻዋርነት ምእንቲ ኺህልወና ዜድሊ እምንቶን እምነትን (32-39)

10  ሕጊ፡ ጽላሎት+ እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገራት ዘለዎ እምበር፡+ እቲ ናይ ሓቂ ምስሊ ስለ ዘይኰነ፡ በቲ በብዓመት ብቐጻሊ ዚስዋእ ሕደ መስዋእትታት ገይሩ፡ ነቶም ዚቐርቡ ፍጹማት ኪገብር ከቶ ኣይክእልን እዩ።*+  እንተ ዘይኰነስ፡ እቶም ዜገልግሉ* ሓንሳእ ብምንጻሆም ደጊም ኣብ ሕልናኦም ሓጢኣት ስለ ዘይስምዖም፡ ምስዋእዶ ኣይምሓደግዎን ነይሮም፧  እኳ ደኣስ፡ እዚ መስዋእትታት እዚ ኣብ ዓዓመት መዘከርታ ሓጢኣት እዩ፣+  ከመይሲ፡ ደም ኣብዑርን ድቤላታትን ሓጢኣት ኬርሕቕ ኣይክእልን እዩ።  ስለዚ፡ ናብ ዓለም ኪመጽእ ከሎ፡ ከምዚ ይብል እዩ፦ “‘ሰብነት ደኣ ኢኻ ኣዳሊኻለይ እምበር፡ መስዋእትን መባእን ኣይደለኻን።  ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሓጢኣትን ባህ ኣይበለካን።’+  ሽዑ ኸኣ ኣነ፡ ‘እነኹ፡ መጺአ። ኣብታ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ብዛዕባይ ተጻሒፉ እዩ። ኦ ኣምላኽ፡ ፍቓድካ ኽገብር መጺአ’ ኢለ።”+  ቅድም፡ “መስዋእትን መባእን ብምሉኡ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሓጢኣትን ኣይደለኻን፡ ባህ እውን ኣይበለካን” ድሕሪ ምባሉ፡—እዚ ኸኣ ከምቲ ሕጊ ጌርካ ዚቐርብ መስዋእቲ እዩ፡—  ድሕሪኡ፡ “እነኹ፡ ፍቓድካ ኽገብር መጺአ” ይብል እዩ።+ ነቲ ኻልኣይ ምእንቲ ኺስርት ኢሉ፡ ነቲ ቐዳማይ ስዒርዎ እዩ። 10  በዚ “ፍቓድ” እዚ፡+ በቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ እተሰውአ ሰብነት የሱስ ክርስቶስ ተቐዲስና ኣለና።+ 11  ካህን ዘበለ መዓልቲ መዓልቲ ቕዱስ ኣገልግሎት ኬቕርብን*+ ሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ኬርሕቕ ከቶ ዘይክእል+ ሕደ መስዋእቲ ብዙሕ ሳዕ ኬቕርብን+ ይቐውም እዩ። 12  እዚ ግና ምእንቲ ሓጢኣት ንሓዋሩ ሓደ መስዋእቲ ኣቕሪቡስ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጡ እዩ፣+ 13  ካብኡ ኣትሒዙ ጸላእቱ ድኳ እግሩ ኽሳዕ ዚዀኑ ይጽበ ኣሎ።+ 14  ከመይሲ፡ ነቶም ዚቕደሱ ብሓደ መስዋእቲ እዩ ንሓዋሩ ፍጹማት ዝገበሮም።+ 15  መንፈስ ቅዱስ እውን ይምስክረልና ኣሎ፣ ከመይሲ፡ 16  “‘ድሕሪ እተን መዓልትታት እቲአን ምስ ቤት እስራኤል ዝኣትዎ ኺዳን እዚ እዩ፡’ ይብል የሆዋ።* ‘ንሕግታተይ ኣብ ልቦም ከእትዎ፡ ኣብ ኣእምሮኦም እውን ክጽሕፎ እየ’” ምስ በለ፡+ 17  “ሓጢኣቶምን ዓመጻኦምን እውን ደጊም ኣይክዝክርን እየ” ይብል እዩ።+ 18  እምበኣር፡ ኣብቲ ሕድገት ሓጢኣት ዘለዎ፡ ደጊም ስለ ሓጢኣት መስዋእቲ የልቦን። 19  ስለዚ፡ ኣሕዋተየ፡ ብደም የሱስ ናብታ መቕደስ+ ንምእታው ትብዓት* ካብ ሃለወና፡— 20  እዚ ኸኣ በቲ መጋረጃ፡+ ማለት ብስጋኡ ዝመረቐልና ሓድሽን ህያውን መገዲ እዩ፡— 21  ኣብ ቤት ኣምላኽ+ እውን ዓብዪ ኻህን ካብ ሃለወና፡ 22  ልብና ኻብ ክፉእ ሕልና ብምንጻግ ነጺሁ፡+ ሰብነትና እውን ብጽሩይ ማይ ተሓጺቡ፡+ ብቕኑዕ ልብን ብምሉእ እምነትን ንቕረብ። 23  እቲ ዘተስፈወና እሙን እዩ እሞ፡ ነቲ ምእማን ተስፋና ብዘይ ውልውል ኣጽኒዕና ንሓዞ።+ 24  ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ* ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል።*+ 25  ንሓድሕድና ንተባባዕ እምበር፡+ ከምቲ ገሊኦም ልማድ ዚገብርዎ፡ ኣኼባና ኣይንሕደግ።+ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ ኽትርእዩ ኸለኹም ከኣ፡ ነዚ ብዝያዳ ግበርዎ።+ 26  ልክዕ ፍልጠት ሓቂ ምስ ተቐበልናስ፡+ ፈቲና ብሓጢኣት እንተ ተመላሊስና፡ ደጊም ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን፣+ 27  የግዳስ፡ ዜፍርህ ትጽቢት ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ ዚበልዕ ዚነድድ ቍጥዓን እዩ ዘሎ።+ 28  ንሕጊ ሙሴ ዘፍረሰ፡ ብምስክርነት ክልተ ወይ ሰለስተ፡ ብዘይ ርሕራሐ እዩ ዚመውት።+ 29  ንወዲ ኣምላኽ ዝረገጸ፡ ነቲ እተቐደሰሉ ደም ኪዳን+ ከኣ ከም ተራ ዝቘጸረ፡ ንመንፈስ ጸጋ እውን ብንዕቀት ዘቘጥዐ ግዳ ኽንደይ ዝገደደ መቕጻዕቲ ዘይግብኦ ይመስለኩም፧+ 30  ነቲ፡ “ሕነ ናተይ እዩ፣ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡” ደጊሙ ኸኣ፡ “የሆዋ* ንህዝቡ ኺፈርዶ እዩ” ዝበለስ ንፈልጦ ኢና።+ 31  ኣብ ኢድ እቲ ህያው ኣምላኽ ምውዳቕ፡ ዜፍርህ እዩ። 32  ነተን ብርሃን ምስ በርሃልኩም፡+ ብርቱዕ ቃልስን መከራን እተጻወርኩምለን ቀዳሞት መዓልትታት ግና ዘክርወን። 33  ኣብ ገሊኡ እዋን ንጸርፍን ንጸበባን ተቓሊዕኩም* ኔርኩም ኢኹም፣ ኣብ ገሊኡ እዋን ከኣ መማቕልቲ* እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ዝበጽሖም ኴንኩም ኢኹም። 34  ዚሓይሽን ዚነብርን ገንዘብ ከም ዘሎኩም ፈሊጥኩም፡+ ነቶም እሱራት ደንጊጽኩምሎም፡ ንምዝማት ንብረትኩም ድማ ብሓጐስ ተቐቢልኩምዎ ኢኹም።+ 35  እምበኣር፡ ነቲ ብዙሕ ዓስቢ ዘለዎ ናይ ምዝራብ ትብዓትኩም ኣይትደርብይዎ።+ 36  ፍቓድ ኣምላኽ ምስ ገበርኩም፡ ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትረኽብዋስ፡ ተጻዋርነት የድልየኩም ኣሎ።+ 37  ከመይሲ፡ ድሕሪ “ኣዝዩ ቝሩብ ግዜ፡”+ “እቲ ዚመጽእ ኪመጽእ እዩ፡ ኣይኪድንጕን ከኣ እዩ።”+ 38  “ጻድቐይ ግና ብእምነት ይነብር፡”+ ድማ “እንተ ኣድሓርሒሩ፡ ኣነ ብእኡ ባህ ኣይብለንን እዩ።”*+ 39  ንሕናስ ምስቶም ህይወቶም* ንምድሓን ዚኣምኑ እምበር፡ ምስቶም ናብ ጥፍኣት ዜድሓርሕሩ ኣይኰንናን።+

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሰባት በቲ በብዓመት ብቐጻሊ ዚስውእዎ ሕደ መስዋእትታት ገይሮም፡ ነቶም ዚቐርቡ ፍጹማት ኪገብርዎም ከቶ ኣይክእሉን እዮም” ኪኸውን ይኽእል።
ወይ፡ “ቅዱስ ኣገልግሎት ዜቕርቡ።”
ወይ፡ “ህዝባዊ ኣገልግሎት ኪህብን።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “እምንቶ።”
ወይ፡ “ንምድራኽ፣ ንምልዕዓል።”
ወይ፡ “ንሓድሕድና ንተሓላለ፣ ኣብ ንሓድሕድና ነቕልብ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ቃ.ቃ.፡ “ከም ኣብ ምርኢት ተቓሊዕኩም።”
ወይ፡ “ኣብ ጐድኒ።”
ወይ፡ “ነፍሰይ ብእኡ ባህ ኣይብላን እዩ።”
ወይ፡ “ነፍሶም።”