ዘፍጥረት 2:1-25

  • ኣምላኽ ኣብ ሻውዐይቲ መዓልቲ ይዓርፍ (1-3)

  • የሆዋ ኣምላኽ፡ ፈጣሪ ሰማይን ምድርን (4)

  • ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ገነት ኤደን (5-25)

    • ሰብኣይ ካብ ሓመድ ተገብረ (7)

    • እታ እተኸልከለት ኦም ፍልጠት (15-17)

    • ኣፈጣጥራ ሰበይቲ (18-25)

2  በዚ ኸምዚ ሰማያትን ምድርን ኵሉ ኣባታቶም ዘሎን* ተፈጸመ።+  ኣምላኽ ከኣ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ነቲ ዚገብሮ ዝነበረ ግብሪ ፈጸሞ፣ ኣብታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ድማ ካብ ኵሉ እቲ ዚገብሮ ዝነበረ ግብሩ ኺዓርፍ ጀመረ።+  ኣምላኽ ከኣ ካብቲ ዝፈጠሮን ኪገብሮ ዝመደቦን ኵሉ ግብሩ ብእኣ ይዓርፍ ስለ ዘሎ፡ ነታ ሻውዐይቲ መዓልቲ ባረኻን ቀደሳን።  ታሪኽ ሰማያትን ምድርን በታ እተፈጥሩላ መዓልቲ፡ ማለት በታ የሆዋ* ኣምላኽ ምድርን ሰማይን ዝገበረላ መዓልቲ እዚ እዩ።+  የሆዋ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ገና ኣየዝነመን ነበረ፡ ንምድሪ ዚዓዪ ሰብ እውን ኣይነበረን እሞ፡ ኣብ ምድሪ ገና ቘጥቋጥ መሮር ኣይነበረን፡ ኣትክልቲ መሮር እውን ኣይበቘለን ነበረ።  ግናኸ፡ ግመ ኻብ ምድሪ ይልዓል፡ ንብዘሎ ገጽ ምድሪ እውን የስቲ ነበረ።  የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ+ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ፡+ እቲ ሰብ ከኣ ህያው ፍጡር* ኰነ።+  የሆዋ ኣምላኽ ድማ ኣብ ኤደን ብሸነኽ ምብራቕ ገነት* ተኸለ፣+ ነቲ ዝገበሮ ሰብ ድማ ኣብኣ ኣንበሮ።+  የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ምርኣዩ ባህ ዜብልን ምብላዑ ዝጥዑምን ኵሉ ኦም ካብ ምድሪ ኣብቈለ፣ ኣብ ማእከል እታ ገነት ከኣ ኦም ህይወትን+ ኦም ፍልጠት ጽቡቕን ክፉእን ነበራ።+ 10  ነታ ገነት ዜስቲ ፈለግ ከኣ ካብ ኤደን ይውሕዝ ነበረ፣ ካብኡ ድማ ናብ ኣርባዕተ ኣፍላግ ይምቀል ነበረ።* 11  ስም እቲ ቐዳማይ ጲሶን እዩ፣ ንሱ ነታ ወርቂ ዘለዋ ብዘላ ምድሪ ሓዊላ ይዞራ። 12  ወርቂ እታ ምድሪ እቲኣ ድማ ጽቡቕ እዩ። ኣብኡ እውን ዕንዲዳ ብዶላሕን እምኒ ኦኒክስን ኣሎ። 13  ስም እቲ ኻልኣይ ፈለግ ከኣ ጊሖን እዩ፣ ንሱ ንዅላ ምድሪ ኩሽ ይዞራ። 14  ስም እቲ ሳልሳይ ፈለግ ድማ ሂዴቄል*+ እዩ፣ ንሱ ናብ ምብራቕ ኣሶር+ ኣቢሉ ዚኸይድ እዩ። እቲ ራብዓይ ፈለግ ከኣ ኤፍራጥስ እዩ።+ 15  የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ወሲዱ፡ ምእንቲ ኺዓይያን ኪከናኸናን ኣብ ገነት ኤደን ኣቐመጦ።+ 16  የሆዋ ኣምላኽ ድማ ንሰብ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞ፦ “ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ምብላዕካ ብላዕ።+ 17  ብዛዕባ እታ ኦም ፍልጠት ጽቡቕን ክፉእን ግና፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፣ ከመይሲ፡ በታ ኻብኣ እትበልዓላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ።”+ 18  የሆዋ ኣምላኽ ከኣ፡ “ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን። ንዕኡ መመላእታ እትዀኖ ሓጋዚት* ክገብረሉ እየ” በለ።+ 19  የሆዋ ኣምላኽ ድማ ንዅሉ እንስሳ መሮርን ንዅሉ በራሪ ፍጡር ሰማያትን ካብ ምድሪ ይገብር ነበረ፣ እንታይ ኢሉ ኸም ዚሰምዮም ምእንቲ ኺርኢ ኸኣ፡ ናብቲ ሰብኣይ ኣምጽኦም፣ ህያው ፍጡር* ዘበለ ኸኣ ስሙ ኸምቲ እቲ ሰብኣይ ዝሰመዮ ዀነ።+ 20  እቲ ሰብኣይ ከኣ ንዅሉ እንስሳ ዘቤትን በረርቲ ፍጡራት ሰማያትን ንዅሉ እንስሳ መሮርን ሰስሙ ሃቦ፣ ንሰብኣይ ግና መመላእታ እትዀኖ ሓጋዚት* ኣይነበረቶን። 21  የሆዋ ኣምላኽ ከኣ ነቲ ሰብኣይ ከቢድ ድቃስ ኣደቀሶ፣ ንሱ ደቂሱ ኸሎ ኸኣ፡ ሓንቲ ኻብ መሰናግለኡ ወሲዱ፡ ኣብ ቦታኣ ስጋ መልአ። 22  የሆዋ ኣምላኽ ድማ ነታ ኻብቲ ሰብኣይ ዝወሰዳ መሰንገለ፡ ሰበይቲ ገይሩ ሰርሓ እሞ፡ ናብቲ ሰብኣይ ኣምጽኣ።+ 23  እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ “እዚኣስ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ። ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞ፡እዚኣ ሰበይቲ ትብሃል” በለ።+ 24  ስለዚ፡ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ፡* ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።+ 25  እቲ ሰብኣይን እታ ሰበይቱን ድማ ክልቲኦም ጥራዮም ነበሩ፣+ ግናኸ፡ ኣይሓንኩን ነበሩ።

እግረ ጽሑፍ

ቃ.ቃ.፡ “ኵሉ ሰራዊቶምን።”
እቲ יהוה (የሀወሀ) ዚብል ኣምላኽ በይኑ ዚልለየሉ ብሕታዊ ስሙ ፈለማ ዚርከበሉ ቦታ። ኣብ መ.ጽ. ሀ4 ርአ።
ወይ፡ “ነፍሲ።” ብእብራይስጢ ነፈሽ፣ ቃል ብቓሉ “ዜተንፍስ ፍጡር” ማለት እዩ። ኣብ ማህደረ ቓላት ርአ።
ወይ፡ “ስፍራ ኣታኽልቲ።”
ቃ.ቃ.፡ “ኣርባዕተ ርእሲ ዀነ።”
ወይ፡ “ጢግሪስ።”
ወይ፡ “ረዳኢት፣ ደጋፊት።”
ወይ፡ “ነፍሲ።”
ወይ፡ “ረዳኢት፣ ደጋፊት።”
ወይ፡ “ይነብር።”