ይሁዳ 1:1-25

  • ሰላምታ (1, 2)

  • ፍርዲ ናይ ሓሶት መምህራን ርግጽ እዩ (3-16)

    • ሚካኤል ምስ ድያብሎስ ተኸራኸረ (9)

    • ትንቢት ሄኖክ (14, 15)

  • ንርእስኹም ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ (17-23)

  • ንኣምላኽ ክብሪ ይኹኖ (24, 25)

 ይሁዳ ባርያ የሱስ ክርስቶስን ሓው ያእቆብን+ ነቶም ብኣምላኽ ኣቦ እተፈቕሩን ንየሱስ ክርስቶስ እተሓለዉን+ ጽዉዓት፦+  ምሕረትን ሰላምን ፍቕርን ይብዝሓልኩም።  ኣቱም ፍቑራተይ፡ ብዛዕባ ድሕነትና ኽጽሕፈልኩም እኳ ሃረር እንተ በልኩ፡+ ነታ ሓንሳእ ንሓዋሩ ንቕዱሳት እተዋህበት እምነት ምእንቲ ኽትጋደሉ፡+ ክጽሕፈልኩም ኣድላዪ ዀይኑ ረኺበዮ እየ።  ምኽንያቱ፡ ብቕዱሳት ጽሑፋት ኣቐዲሙ ነዚ ፍርዲ እዚ እተነግረሎም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ገለ ሰባት ሰሊኾም ኣትዮም ኣለዉ፣ ንሳቶም ብጸጋ ኣምላኽና ኣመኽንዮም ንውርምና*+ ዚገብሩን ነቲ በይኑ ዋናናን ጐይታናን ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ዚኽሕዱን እዮም።+  ነዚ ዅሉ ኣጸቢቕኩም ትፈልጥዎ እኳ እንተ ዀንኩም፡ የሆዋ* ንህዝቡ ኻብ ግብጺ ኣድሒኑ፡+ ደሓር ነቶም ዘይኣምኑ ኸም ዘጥፍኦም ከዘኻኽረኩም እደሊ እየ።+  ነቶም መንበሪኦም ዝሓደጉ እምበር፡ ቦታኦም ዘይሓለዉ መላእኽቲ እውን፡+ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ንፍርዲ እታ ዓባይ መዓልቲ ብናይ ዘለኣለም መቓውሕ ኣሲሩ ዓቚርዎም ኣሎ።+  ሶዶምን ጎሞራን ኣብ ከባቢአን ዝነበራ ኸተማታትን እውን፡ ከማታቶም እምብዛ ምስ መንዘራን* ዘይባህርያዊ ትምኒት ስጋ ምስ ሰዓባን፡+ በቲ ዝወረደን መቕጻዕቲ ናይ ዘለኣለም ሓዊ ንመለበሚ ዀይነናና ኣለዋ።+  እዚ ዀይኑ ግና፡ እዞም ሓለምቲ እዚኦም እውን ስጋ የርክሱን ስልጣን የቃልሉን ንኽቡራት ይጸርፉን ኣለዉ።+  ሚካኤል+ እቲ ሊቀ መላእኽቲ+ ግና፡ ብዛዕባ ሬሳ ሙሴ+ ምስ ድያብሎስ ዜከራኽር ኣልይዎ ምስ ተማጐተ፡ “የሆዋ* ይግናሕካ” ደኣ በሎ እምበር፡+ ብጸርፊ ኺፈርዶ ኣይደፈረን።+ 10  እዚኣቶም ግና ብዛዕባ ዅሉ እቲ ዘይፈልጥዎ ነገራት ይጻረፉ ኣለዉ።+ ብዅሉ እቲ ኸም ዘይሓስቡ እንስሳታት+ ብባህረት ዚፈልጥዎ ነገራት ንርእሶም የበላሽዉ ኣለዉ። 11  ብመገዲ ቃየል+ ስለ ዝኸዱ፡ ምእንቲ ዓስቢ ኢሎም ናብ ስሕተት በላዓም+ ህሩግ ስለ ዝበሉ፡ ብዘረባ ዕልወት+ ቆራሕ+ ከኣ ስለ ዝጠፍኡ፡ ወይለኦም። 12  እዚኣቶም ምሳኻትኩም ኣብ ናይ ፍቕሪ መኣድኹም ዚበልዑ ዘለዉ ኣብ ትሕቲ ማይ እተሓብኡ ኣኻውሕ፡+ ብዘይ ፍርሃት ንርእሶም ዚምግቡ ጓሶት፡+ ብንፋስ ናብዝን ናብትን ዚድፍኡ ማይ ዘይብሉ ደበና፡+ ኣብ መወዳእታ ኣዝመራ ዘይፈርያን ክልተ ሳዕ ዝሞታን* ካብ ሱረን እተመንቈሳን ኣእዋም እዮም፣ 13  ነውሮም ዜዕፍሩ ብርቱዓት ማዕበል ባሕሪ፡+ ግብ ዝበለ ጸልማት ንዘለኣለም እተዓቝረሎም ኣንፈት ዘይብሎም ከዋኽብቲ እዮም።+ 14  እቲ ኻብ ኣዳም ሻውዓይ ዝዀነ ሄኖክ+ እውን፡ ከምዚ ኢሉ ብዛዕባኦም ተነብዩ እዩ፦ “እንሆ፡ የሆዋ* ምስ ኣእላፋት*+ ቅዱሳቱ መጺኡ ኣሎ። 15  ንዅላቶም ኪፈርዶም፡+ ንዅሎም እቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ድማ ብዛዕባ እቲ ብእኩይ መገዶም ዝገበርዎ ዅሉ እኩይ ግብሮም፡ ነቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሎም ሓጥኣን ከኣ ብዛዕባ እቲ እተዛረብዎ ዜሰምብድ ዘረባ ኺረትዖም መጺኡ ኣሎ።”+ 16  እዚኣቶም መጕረምረምቲ፡+ ብህይወቶም ዜማርሩ፡ ብትምኒቶም ዚመላለሱ፡+ ምእንቲ ጥቕሞም ንሰባት እናሸሓጡ* ቓላት ትዕቢት ዚዛረቡ እዮም።+ 17  ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቑራተይ፡ ነቲ ብሃዋርያት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣቐዲሙ እተነግረ ነገር ዘክርዎ። 18  ንሳቶም፡ “በቲ ዳሕራይ ግዜ፡ ብእኩይ ትምኒቶም ዚመላለሱ መላገጽቲ ኺመጹ እዮም” ኢሎም ይነግሩኹም ነይሮም እዮም።+ 19  እዚኣቶም ፈላለይቲ፡+ ስጋውያን፡ ዘይመንፈሳውያን* እዮም። 20  ንስኻትኩም ግና፡ ኣቱም ፍቑራተይ፡ በታ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሃነጽኩም፡ ብመንፈስ ቅዱስ እናጸለኹም፡+ 21  ነቲ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዜብጽሕ ምሕረት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እናተጸበኹም፡+ ንርእስኹም ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ።+ 22  ኣብ ርእሲ እዚ፡ ንገሊኦም ዚጠራጠሩ፡+ ምሕረት ግበሩሎም፣+ 23  ካብ ሓዊ መንዚዕኩም ኣናግፍዎም።+ ንገሊኦም ድማ፡ ነቲ ብስጋ ዝረኸሰ ኽዳን እናጸላእኩም፡ ብፍርሃት ምሕረት ግበሩሎም።+ 24  ነቲ ኸይትዕንቀፉ ኺሕልወኩም፡ ብዓብዪ ሓጐስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኽብሩ ብዘይ ኣበር ኬቝመኩም ዚከኣሎ፡+ 25  ነቲ መድሓኒና ዝዀነ ሓደ በይኑ ኣምላኽ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ* ካብ ዘለኣለምን ሕጅን ንዘለኣለምን ክብሪ፡ ግርማ፡ ሓይሊ፡ ስልጣን ይኹኖ። ኣሜን።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሕንኪ ኣልቦነት።” ብግሪኽኛ ኣሰልጌያ። ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ንውርምና” ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ምንዝርና” ርአ።
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ፈጺመን ዝሞታን።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።
ወይ፡ “ዓሰርተታት ኣሽሓት።”
ወይ፡ “እናነኣዱ።”
ቃ.ቃ.፡ “መንፈስ ዘይብሎም።”
ወይ፡ “ነቲ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ መድሓኒና ዝዀነ ሓደ በይኑ ኣምላኽ” ኪኸውን ይኽእል።