ግብሪ ሃዋርያት 1:1-26

  • ናብ ቴዎፍሎስ እተጻሕፈ (1-5)

  • ክሳብ ወሰናት ምድሪ መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም (6-8)

  • የሱስ ናብ ሰማይ ዓረገ (9-11)

  • ደቀ መዛሙርቲ ብሓደ ተኣከቡ (12-14)

  • ማትያስ ንይሁዳ ኺትክእ ተሓርየ (15-26)

1  ኦ ቴዎፍሎስ፡ ኣብቲ ቐዳማይ ዛንታ፡ ካብቲ የሱስ ኪገብርን ኪምህርን ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ፡+  ክሳዕ እታ ነቶም ዝሓረዮም+ ሃዋርያት ብመንፈስ ቅዱስ ትእዛዝ ምስ ሃበ ዝዓረገላ+ መዓልቲ ጽሒፈልካ እየ።  መከራ ድሕሪ ምጽጋቡ፡ 40 መዓልቲ እናተራእዮምን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እናነገሮምን፡+ ብብዙሕ ዜእምን መርትዖታት፡ ህያው ከም ዝዀነ ገዛእ ርእሱ ኣርኣዮም።+  ምሳታቶም ኪራኸብ ከሎ ኸኣ፡ ከምዚ ኢሉ ኣዘዞም፦ “ነቲ ኻባይ ዝሰማዕኩምዎ ኣቦ ዘተስፈዎ ተስፋ ደኣ ተጸበዩ እምበር፡+ ካብ የሩሳሌም ኣይትውጽኡ፣+  ዮሃንስሲ ብማይ እዩ ኣጥሚቑ፣ ንስኻትኩም ግና ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ብመንፈስ ቅዱስ ክትጥመቑ ኢኹም።”+  ምስ ተኣከቡ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ኣብዚ ግዜ እዚዶ ናብ እስራኤል መንግስቲ ኽትመልስ ኢኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ።+  ንሱ ድማ፡ “ነቲ ኣቦ ኣብ ትሕቲ ስልጣኑ ዝመደቦ ግዜያት ወይ እዋናት ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን።+  መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ እሞ፡+ ኣብ የሩሳሌምን+ ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን+ ክሳብ ወሰናት ምድርን+ መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም”+ በሎም።  እዚ ምስ በለ፡ እናረኣዩ ዓረገ፣ ደበና ኸኣ ካብ ኣዒንቶም ሰወሮ።+ 10  ንሱ ኺዓርግ ከሎ፡ ንሳቶም ከኣ ናብ ሰማይ ኪጥምቱ ኸለዉ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኡት+ ብሃንደበት ኣብ ጥቓኦም ደው በሉ፣ 11  “ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ደው ኢልኩም ናብ ሰማይ ትጥምቱ ኣለኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ የሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪኸይድ ከሎ ዝረኣኹምዎ፡ ከምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ” ድማ በልዎም። 12  ሽዑ፡ ካብቲ መገዲ ሰንበት ጥራይ ርሒቑ ዚርከብ ጥቓ የሩሳሌም ዘሎ ደብረ ዘይቲ ዚብሃል ከረን ናብ የሩሳሌም ተመልሱ።+ 13  ምስ በጽሑ ኸኣ፡ ናብታ ዝቐነዩላ ደርቢ ደየቡ። ኣብኣ ድማ ጴጥሮስን ዮሃንስን ያእቆብን እንድርያስን ፊልጶስን ቶማስን በርተሎሜዎስን ማቴዎስን ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን ስምኦን እቲ ቐናእን ይሁዳ ወዲ ያእቆብን ነበሩ።+ 14  ኵሎም እዚኣቶም፡ ምስ ገሊአን ኣንስትን+ ምስ ማርያም ኣደ የሱስን ምስ ኣሕዋቱን+ ኰይኖም፡ ሓቢሮም ጸሎት የዘውትሩ ነበሩ። 15  በተን መዓልትታት እቲአን፡ 120 ዚኣኽሉ ሰባት ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጴጥሮስ ኣብ ማእከል እቶም ኣሕዋት ተንሲኡ ኸምዚ በለ፦ 16  “ኣቱም ሰባት፡ ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እቲ መንፈስ ቅዱስ ብዳዊት ኣቢሉ ብዛዕባ እቲ ነቶም ንየሱስ ዝሓዝዎ ዝመርሖም+ ይሁዳ+ ብትንቢት እተዛረቦ ቕዱስ ጽሑፍ ኪፍጸም ነይርዎ። 17  ንሱስ ምሳና ተቘጺሩ ነይሩ፣+ ኣብዚ ኣገልግሎት እዚ ድማ ግደ ነይርዎ። 18  (እምበኣር፡ ንሱ በቲ ዓስቢ ዓመጻ፡ ግራት ዓዲጉ፣+ ቍልቁል ርእሱ ወዲቑ፡ ከብዱ ተተርቲሩ፡ ኵሉ ኣምዑቱ እውን ወጺኡ።+ 19  እዚ እውን፡ ኣብ ኵሎም እቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩ ስለ እተፈልጠ፡ እታ መሬት ብቛንቋኦም ኣከልደማ፡ ማለት “መሬት ደም” ተባሂላ ኣላ።) 20  ኣብ መጽሓፍ መዝሙርሲ፡ ‘መንበሪኡ ትባድም፡ ሓደ እኳ ኣብኣ ኣይንበር’+ ድማ ‘ሓላውነቱ* ኻልእ ይውሰዶ’ ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ።+ 21  ስለዚ፡ ካብዞም ጐይታና የሱስ ኣብ መንጎና ተግባራቱ ይገብር ኣብ ዝነበረሉ* ዅሉ እዋን ምሳና ዝነበሩ ሰብኡት፡ 22  ማለት ካብዞም ካብታ ብዮሃንስ እተጠምቀላ ግዜ ኣትሒዙ+ ኽሳዕ እታ ኻባና ዝዓረገላ መዓልቲ+ ምሳና ዝነበሩ ሰብኡት፡ ሓደ ኻብዚኣቶም ብዛዕባ ትንሳኤኡ ምሳና ምስክር ኪኸውን ይግባእ እዩ።”+ 23  ንኽልተ ኸኣ፡ ማለት ነቲ በርሰባስ ዚብሃል፡ ዮስጦስ እውን ዝሰመይዎ ዮሴፍን ንማትያስን ኣቕረቡ። 24  ከምዚ ኢሎም ከኣ ጸለዩ፦ “ኦ ልቢ ዅሉ እትፈልጥ የሆዋ፡*+ ካብዞም ክልተ ሰብኡት ኣየናይ ከም ዝሓረኻ ኣርኢ፣ 25  ንሱ ነዛ ይሁዳ ናብ ቦታኡ ምእንቲ ኪኸይድ ዝሓደጋ ቦታ ኣገልግሎትን ሃዋርያነትን ኪቕበል እዩ።”+ 26  ዕጫ ኸኣ ኣውደቑሎም፣+ እታ ዕጫ ድማ ኣብ ማትያስ በጽሐት፣ ምስቶም 11 ሃዋርያት እውን ተቘጽረ።

እግረ ጽሑፍ

ወይ፡ “ሓላፍነቱ።”
ቃ.ቃ.፡ “ይኣቱን ይወጽእን ኣብ ዝነበረሉ።”
ኣብ መ.ጽ. ሀ5 ርአ።