ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

[ካብ ጸጋም ናብ የማን] ማርሰሎ፡ ዮማራ፡ ሂቨር። ነፍሲ ወከፎም ብብረይል እተዳለወ ናይ ስጳንኛ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ሒዞም ኣለዉ

ፍቕሪ ብግብሪ ርእዮም

ፍቕሪ ብግብሪ ርእዮም

ዮማራ ምስቶም ማርሰሎን ሂቨርን ዚብሃሉ ኣሕዋታ፡ ኣብ ጓተማላ ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ቝሸት እያ እትነብር። ፈለማ፡ ዮማራ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ጀመረት። ጸኒሖም ከኣ ኣሕዋታ ኣብቲ መጽናዕቲ ተጸምበርዋ። እንተዀነ ግና፡ ሓደ ጸገም ነበሮም። ሰለስቲኦም ዓይነ ስዉራን እዮም፡ ብረይል ኬንብቡ እውን ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዜጽንዖም ዝነበረ መምህሮም ነቲ ዚጽናዕ ጽሑፍን ኣብቲ ትምህርቲ ዚርከብ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስን የንብበሎም ነበረ።

ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ እውን ካልእ ብድሆ ኣጓነፎም። ናብታ ዝቐረበት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምብጻሕ፡ 40 ደቒቕ ዚወስድ ጕዕዞ ባዕሎም ኪገብሩ ኣይከኣሉን። ኣብታ ጉባኤ ዚርከቡ ኣሕዋት ግና ናብ ኵሉ ኣኼባታት ኪወስድዎም መሰናድዎ ገበሩ። እዞም ዓይነ ስዉራን ኣብ ኣኼባታት መንጎ ሰሙን ናይ ተምሃራይ ክፍልታት ኬቕርቡ ምስ ጀመሩ ኸኣ፡ ነቲ ዜቕርብዎ ኽፍልታት ምእንቲ ኼጽንዕዎ፡ ኣሕዋት ሓገዝዎም።

ኣብ ግንቦት 2019፡ ኣኼባታት ጉባኤ ኣብ ቍሸቶም ኪግበር ተጀመረ። ቅድሚ እቲ ግዜ እቲ ኸኣ፡ ሰብ ሓዳር ዝዀኑ ስሩዓት ፈለምቲ ናብታ ቝሸት ግዒዞም ነበሩ። ንሳቶም ድማ ነዞም ሰለስተ ዓይነ ስዉራን ብብረይል ምንባብን ምጽሓፍን ኪምህርዎም ሸቶ ኣውጽኡ። ይኹን እምበር፡ እዞም ሰብ ሓዳር እዚኦም ብኸመይ ብረይል ከም ዜንብቡ እኳ ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። ስለዚ፡ ናብ ቤተ መጻሕፍቲ ኸይዶም፡ ስርዓት ብረይል ከመይ ምዃኑን ንኻልኦት ብኸመይ ከም ዚምህሩን ዚሕግዝ መጻሕፍቲ ኣጽንዑ።

ማርሰሎ ኣብ ሓደ ኣኼባ ጉባኤ ሓሳብ እናሃበ

ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ፡ እዞም ሰለስተ ዓይነ ስዉራን ብረይል ብቐሊሉ ኼንብቡ ኸኣሉ፣ እዚ ድማ ተወሳኺ መንፈሳዊ ዕቤት ኪገብሩ ኣኽኣሎም። a ሕጂ ዮማራን ማርሰሎን ሂቨርን ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ማርሰሎ ድማ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይኑ የገልግል ኣሎ። ምሉእ ሰሙን ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታት ጽቡቕ ተሳትፎ ይገብሩ እዮም። እቲ ውዕዉዕ መንፈሶም ድማ ተመሓላላፊ እዩ።

እዞም ሰለስተ ዓይነ ስዉራን ነቲ ኻብ ጉባኤ ዚረኽብዎ ፍቕራዊ ደገፍ የመስግኑሉ እዮም። ዮማራ፡ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ መጀመርታ ኣትሒዞም ናይ ሓቂ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ኣርእዮምና እዮም” ትብል። ማርሰሎ ድማ፡ “ኣብ ጉባኤና ጥዑማት ፈተውቲ ኣለዉና። ክፍሊ እቲ ብፍቕሪ እተኣሳሰረ ዓለምለኻዊ ሕውነት እውን ኢና” ይብል። ዮማራን ኣሕዋታን ነቲ ምድሪ ናብ ገነት እትቕየረሉ እዋን ኪርእዩ ሃረር ኢሎም ይጽበዩ ኣለዉ።—መዝ. 37:10, 11፣ ኢሳ. 35:5

a ለርን ቱ ሪድ ብረይል (ንባብ ብረይል ተምሃር) ዘርእስታ ብሮሹር፡ ንዓይነ ስዉር ወይ ናይ ምርኣይ ጸገም ንዘለዎ ሰብ ብብረይል ምንባብን ምጽሓፍን ትሕግዝ።