ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንቕሑ! ቍ. 3 2021 | ብፈጣሪ ኽትኣምን ኣሎካዶ፧—ባዕልኻ ወስን

መበቈል ዩኒቨርስን መበቈል እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ህይወትን ብዙሕ ዜከራኽር ጕዳይ እዩ። እዛ ሕታም ንቕሑ! እዚኣ፡ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ መሳጢ ሓቅታት ክትምርምርን ኣብ ናትካ መደምደምታ ኽትበጽሕን ተተባብዓካ ኣላ። ዩኒቨርስ ብወዝቢ ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ፈጣሪ እዩ ፈጢርዎ፧ መልስኻ ኻብቲ እትሓስቦ ንላዕሊ ኼገድስ ይኽእል እዩ።

 

ብኸመይ ክትውስን ትኽእል፧

ብዛዕባ ፍጥረትን መበቈል ህይወትን ዚልዓል ሕቶታት ንብዙሓት ይጽንክሮም እዩ።

ዩኒቨርስ እንታይ ይነግረና፧

ዩኒቨርስን ምድርን ንህይወት ተባሂሉ እተነድፈ እዩ ዚመስል። ከምኡ መሲሉ ዚርአ ዘሎ፡ ብሓቂ ስለ ተነድፈ ደዀን ኪኸውን ይኽእል፧

ህይወት እንታይ ይነግረና፧

ህያዋን ነገራት ንፕላነትና ኻብ ካልኦት በይና ጽብቕቲ ኸም እትኸውን ይገብርዋ እዮም። እሞ ደኣ ህይወት ብዛዕባ መበቈሉ እንታይ ይነግረና፧

ስነ ፍልጠተኛታት ኪነግሩና ዘይክእሉ ነገራት

ዩኒቨርስን ህይወትን ብኸመይ ከም ዝጀመረ ብስነ ፍልጠት ይፍለጥ ድዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይነግረና፧

እቲ ዚብሎ ነገር፡ ምስ ጭቡጥ ስነ ፍልጠታዊ ሓቅታት ይሰማማዕዶ፧

መልሱ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዘሎ ብመርትዖ እንተ ኣሚንካ፡ ሕጅን ኣብ መጻእን ትጥቀም ኢኻ።

ነቲ መርትዖ መርምሮ

ኣብ ህልውና ፈጣሪ ኽትኣምን ዜኽእል መሰረት እንተ ኣልዩ ባዕልኻ ወስን።