ግምቢ ዘብዐኛ—ሕታም መጽናዕቲ ታሕሳስ 2016

እዛ ሕታም እዚኣ፡ ካብ 30 ጥሪ ኽሳዕ 26 ለካቲት 2017 ዚጽናዕ ዓንቀጻት መጽናዕቲ ዝሓዘት እያ።

ታሪኽ ህይወት

ንዅሎም ዓይነት ሰባት ኵሉ ዀይነ

እቲ ንደንተን ሆፕኪንሰን ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ እተዋህቦ በበይኑ ዕዮታት፡ የሆዋ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ከም ዜፍቅሮም ኪርኢ ኣኽኢልዎ።

ብጸጋ ሓራ ወጺእኩም ኢኹም

የሆዋ ኻብ ሓጢኣት ብኸመይ ሓራ ኸም ዜውጽኣካ ምስ እትምርምር፡ ብዙሕ ጥቕሚ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

‘ናይ መንፈስ ምሕሳብ፡ ህይወትን ሰላምን እዩ’

ሮሜ ምዕራፍ 8፡ ነቲ የሆዋ ንዅሎም ደቂ ሰብ ክፉት ዝገበሮ ዓስቢ ኸመይ ጌርና ኸም እንረኽቦ ትምዕደና።

ትዝክሮዶ፧

ነቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ዝወጸ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ ብጥንቃቐ ኣንቢብካዮዶ፧ ክንደይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሕቶታት ክትምልስ ከም እትኽእል ርአ።

ንዅሉ ጭንቀትካ ናብ የሆዋ ደርብዮ

ኣገልገልቲ ኣምላኽ ሓድሓደ እዋን ይጭነቑ እዮም። “ሰላም ኣምላኽ” ንምርካብ ኪሕግዘካ ዚኽእል ኣርባዕተ ስጕምቲ ኣሎ።

የሆዋ ነቶም ኣጸቢቖም ዚደልይዎ ዓስቢ ይህቦም

ካብ የሆዋ ዓስቢ ኸም እንረክብ ተስፋ ምግባርና ብኸመይ እዩ ዚጠቕመና፧ የሆዋ ጥንቲ ንኣገልገልቱ ዓስቢ ዝሃቦም ብኸመይ እዩ፧ ሎሚኸ ነዚ ብኸመይ እዩ ዚገብሮ ዘሎ፧

ልእመት—መገዲ ጥበብ

ዘይፍትሓዊ ዅነታት ኬጋጥመካ ኸሎ ስምዒትካ ምቍጽጻር ኬጸግመካ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት ልኡማት ኪዀኑ የተባብዖም እዩ። ነዛ ኣምላኻዊት ባህርይ እዚኣ ኸተማዕብል እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

መሐበሪ ርእሰ ነገር ግምቢ ዘብዐኛ 2016

ኣብ ሕታም ህዝብን ኣብ ሕታም መጽናዕትን እተሓትመ ዝርዝር ዓንቀጻት።