ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ሰባት ይቕይር

ክመውት ኣይደልን እየ ነይረ!

ክመውት ኣይደልን እየ ነይረ!
  • ዓመተ ልደት፦ 1964

  • መበቈል ሃገር፦ ዓዲ እንግሊዝ

  • ታሪኽ፦ ፋሉል ዝዀነት ጐርዞ ኣደ

ሕሉፍ ህይወተይ

ኣብቲ ብዙሕ ሰብ ዚነብረሉ ፓዲንግተን ዚብሃል ከባቢ ናይ ከተማ ለንደን፡ ዓዲ እንግሊዝ እየ ተወሊደ። ምስ ኣደይን ምስ ሰለስተ ዓበይቲ ኣሓተይን እየ ዝነብር ነይረ። ኣቦይ ብሰንኪ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ሓንሳእ ምሳና ሓንሳእ ምስ ካልእ ይቕመጥ ስለ ዝነበረ ጥቡቕ ርክብ ኣይነበረናን።

ቈልዓ ኸለኹ፡ ኣደይ ምሸት ምሸት ክጽሊ ምሂራትኒ እያ። መጽሓፍ መዝሙር ጥራይ ዝሓዘት ንእሽቶ መጽሓፍ ቅዱስ ነይራትኒ፣ ምእንቲ ኽዝምሮ ኢለ ድማ ዜማ ይገብረሉ ነይረ። እታ ሓደ እዋን ኣብ ዓለማዊ መጻሕፍተይ ዘንበብክዋ፡ “ሓደ እዋን፡ ጽባሕ ዚብሃል ኣይክህሉን እዩ” እትብል ሓረግ ክሳዕ ሎሚ ኻብ ኣእምሮይ ኣይወጸትን። እዘን ቃላት እዚአን፡ ብዛዕባ መጻኢ ኽሓስብ ምሉእ ለይቲ ድቃስ ዘይብለይ ከም ዝሓድር ገይረናኒ እየን። ‘ህይወት ካብዚ ዚዓቢ ዕላማ ኺህልዋ ኣለዎ፣’ ‘ንምንታይ እየ ተፈጢረ፧’ ብምባል እሓስብ ነይረ። ክመውት ኣይደልን እየ ነይረ!

ብዛዕባ ጥንቈላ ናይ ምፍላጥ ህንጥዮት ነይሩኒ። ምስ ምዉታት ክዛረብ እፍትን፡ ምስ መማህርተይ ኰይነ ድማ ናብ መቓብራት እኸይድን ዜፍርህ ፊልምታት እርእን ነይረ። በቲ ሓደ ወገን ባህ ዜብል በቲ ሓደ ወገን ከኣ ዜፍርህ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑና።

ገና ጓል ዓሰርተ ዓመት ጥራይ ከለኹ፡ ፋሉል እናዀንኩ ክኸይድ ጀሚረ። ሽጋራ እውን ከትክኽ ጀሚረ፣ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ድማ ብወልፊ ተታሒዘ። ድሕሪ ግዜ ኸኣ ማሪዋና ኸትክኽ ጀሚረ። ጓል 11 ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣልኮላዊ መስተ ኽሰቲ ጀሚረ። መቐረቱ ደስ እኳ እንተ ዘይበለኒ፡ ስለ ዜስክረኒ ጥራይ እፈትዎ ነይረ። ሙዚቃን ሳዕስዒትን ኣዝየ እየ ዝፈቱ ነይረ፣ በዚ ድማ ኣብ ዝረኸብክዎ ኣጋጣሚ ናብ ፓርትን ለይታዊ ትልሂትን እኸይድ ነይረ። ለይቲ ኻብ ገዛ ሰላሕ ኢለ እወጽእ፡ ከይወግሐ ድማ እምለስ ነይረ። ንጽባሒቱ ስለ ዝደክም፡ ካብ ትምህርቲ ቐጻሊ እየ ዘብኵር። ናብ ትምህርቲ እንተ ኸይደ እውን ኣብ መንጎ ናይ ትምህርቲ ኽፍለ ግዜ መስተ እሰቲ ነይረ።

ኣብ መወዳእታ ዓመተ ትምህርተይ ትሑት ነጥቢ እየ ኣምጺአ። ኣደይ ፋሉል ከም ዝኸድኩ ስለ ዘይፈለጠት፡ ኣዝያ ጕህያን ሓሪቓን እያ። በዚ ዝመጸ ምስ ኣደይ ምስ ተበኣስና ኻብ ገዛ ዀብሊለ ንገለ ግዜ ምስቲ ራስታ ዝነበረ ቶኒ ዚብሃል ዓርከይ ተቐሚጠ። ንሱ ኣብ ንኣሽቱ ገበናት ይሳተፍን ሓሽሽ ይሸይጥን ከም ኣዝዩ ዓመጸኛ ሰብ ይፍለጥን ነይሩ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ጥንሲ ሒዘ፣ ጓል 16 ዓመት ጥራይ ከለኹ ድማ ንወድና ወለድኩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዝቐየረሉ መገዲ

ንዘይተመርዓዋ ኣዴታትን ውሉዳተንን ተባሂሉ ምግብን መደቀስን ኣብ ዚቕረበሉ ሆስተል እናነበርኩ ኸለኹ፡ ንመጀመርታ እዋን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኺበ። ኣብኡ ድማ ሰበ ስልጣን እቲ ኸባቢ ሓንቲ ኽፍሊ ሂቦምኒ ነይሮም። ክልተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብኡ ንዝነበራ ብዕድመ ንኣሽቱ ኣዴታት ብስሩዕ ይበጽሓአን ነይረን እየን። ነተን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጌጋ ኽረኽበለን ስለ ዝደለኹ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብቲ ዚገብራኦ ዝነበራ ምይይጥ ተኻፈልኩ። ኰይኑ ግና፡ ንዅሉ ሕቶታተይ ህድእ ኢለን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር እየን መሊሰናለይ። እቲ ሕያውነትን ህድኣትን ዝመልኦ ባህርያተን ኣዝዩ ስለ ዝሰሓበኒ ኸኣ፡ ምሳታተን መጽሓፍ ቅዱስ ከጽንዕ ተሰማሚዐ።

ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወተይ ዚቕይር ትምህርቲ ተማሂረ። ገና ንእሽቶ ቘልዓ ኸለኹ ኣትሒዘ፡ ከይመውት እፈርህ ነይረ። ሕጂ ግና፡ እቲ የሱስ ብዛዕባ ትንሳኤ ዝመሃሮ ትምህርቲ ተረዲኡኒ እዩ። (ዮሃንስ 5:28, 29) ኣምላኽ ብብሕቲ ኸም ዚሓልየለይ እውን ተገንዚበ እየ። (1 ጴጥሮስ 5:7) እተን ኣብ ኤርምያስ 29:11 ዚርከባ “‘ኣነ ዝሓስበልኩም ዘለኹ ሓሳብሲ ኣጸቢቐ እፈልጦ እየ’ ይብል የሆዋ፡ ‘ብሩህ መጻእን ተስፋን ክህበኩም፡ ሓሳብ ሰላም እምበር፡ ናይ መዓት ኣይኰነን’” ዚብላ ቓላት ኣዝየን እየን ተንኪፈናኒ። ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኸም ዘሎኒ ድማ ኣመንኩ።—መዝሙር 37:29

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኣርእዮምኒ እዮም። ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሓደ ኻብ ኣኼባታቶም ምስ ተኻፈልኩ፡ እቲ ሃዋህው ፍቕሪ ዝዓሰሎን ዚስሕብን እዩ ነይሩ፣ ኵላቶም ምቝሉላት እዮም ነይሮም! (ዮሃንስ 13:34, 35) ምስቲ ኣብ ከባቢና ኣብ ዝነበረት ቤተ ክርስትያን ዚግበረለይ ዝነበረ ኣተሓሕዛ ኺነጻጸር ከሎ ናይ ሰማይን ምድርን ፍልልይ እዩ ነይርዎ። ኵነታተይ ሕማቕ እኳ እንተ ነበረ፡ እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓንጐፋይ ኢሎም እዮም ተቐቢሎምኒ። ግዜን ቈላሕታን ሂቦምኒ፡ ሓልዮት ኣርእዮምኒ፡ ሓያሎ ግብራዊ ሓገዝ ድማ ገይሮምለይ እዮም። ኣባል ሓንቲ ዓባይን ፍቕሪ ዝመልኣን ስድራ ቤት ከም ዝዀንኩ እዩ ተሰሚዑኒ።

ካብቲ ዝገበርክዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስ ልዑል ስነ ምግባራዊ መለክዒታት ኣምላኽ ተሰማሚዐ ምእንቲ ኽነብር፡ ኣብ ህይወተይ ዓብዪ ለውጢ ኽገብር ከም ዜድልየኒ ተገንዚበ። ገሊኡ ሙዚቃ፡ ማሪዋና ኸትክኽ ንዝነበረኒ ድሌት ከም ዜለዓዕለለይ ስለ ዘስተብሃልኩ እውን ነቲ ዝሰምዖ ዝነበርኩ ሙዚቃ ቐየርክዎ። ስኽራን ምእንቲ ኸይደግሰኒ ድማ ናብ ከም ፓርትታትን ለይታዊ ትልሂታትን ዝኣመሰለ መስተ ንኽሰቲ ዚደፋፍኣኒ ቦታታት ምኻድ ኣቋሪጸዮ። ብድሕሪኡ፡ ኣብዚ ሓድሽ ኣነባብራይ ኣወንታዊ ጽልዋ ኺገብሩለይ ምስ ዚኽእሉ ሓደስቲ ኣዕሩኽ ክቀራረብ ጀሚረ።—ምሳሌ 13:20

ኣብቲ ግዜ እቲ፡ ቶኒ እውን ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዕ ነይሩ። እቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሕቶታቱ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ መለስሉ፡ ንሱ እውን እቲ ዚምሃሮ ዝነበረ ሓቂ ምዃኑ ኣመነ። ካብቶም ዓመጽቲ ዝዀኑ ናይ ቀደም ኣዕሩኹ ብምርሓቕ፡ ኣብ ንኣሽቱ ገበናት ምስታፍን ማሪዋና ምትካኽን ብምግዳፍ፡ ኣብ ህይወቱ ዓበይቲ ለውጥታት ገበረ። ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኸነሐጕሶ ነቲ ዘይስነ ምግባራዊ ኣነባብራና ኽንሓድጎ፡ ንወድና ድማ ርጉእ ሃዋህው ክንፈጥረሉ ኸም ዘሎና ስለ እተገንዘብና፡ ብ1982 ተመርዓና።

“ደጊም ብዛዕባ መጻኢ ዀነ ብዛዕባ ሞት ተጨኒቐ ድቃስ ዘይብለይ ኣይሓድርን እየ”

ኣብ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡ ድማ ንቕሑ! * ዚወጽእ ታሪኽ ህይወት ናይቶም ከምቲ ኣነ ኽገብሮ ዝደሊ ለውጢ ኣብ ምግባር ዕዉታት ዝዀኑ ሰባት ክፍትሽ ትዝ ይብለኒ። ካብ ኣብነቶም ብዙሕ እየ ተተባቢዐ! ተስፋ ኸይቈረጽኩ ኽጽዕር ሓይሊ ረኺበ እየ። የሆዋ ብኣይ ተስፋ ምእንቲ ኸይቈርጽ እውን ብቐጻሊ እጽሊ ነይረ። ኣብ ሓምለ 1982 ከኣ ኣነን ቶኒን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኴንና ተጠመቕና።

ዝረኸብክዎ ጥቕሚ

ምስ የሆዋ ዕርክነት ምምስራተይ ንህይወተይ ኣድሒንዋ እዩ። ኣነን ቶኒን ኣብ ኣጸጋሚ እዋናት ደገፍ የሆዋ ርኢና ኢና። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣጸጋሚ እዋናት ኣብ ኣምላኽ ክንውከል ተማሂርና ኢና፣ ንስድራ ቤትና ወትሩ ኸም ዝደገፋን እተኸናኸናን ከኣ እዩ ዚስምዓና።—መዝሙር 55:22

ልክዕ ከምቲ ኣነ ንየሆዋ ዝፈለጥክዎ ደቀይ እውን ንዕኡ ኺፈልጥዎ ብምሕጋዘይ ባህ እዩ ዚብለኒ። ሕጂ፡ ደቂ ደቀይ እውን ብፍልጠት ኣምላኽ ኪዓብዩ ኽርኢ ኸለኹ ተመሳሳሊ ሓጐስ እዩ ዚፈጥረለይ።

ደጊም ብዛዕባ መጻኢ ዀነ ብዛዕባ ሞት ተጨኒቐ ድቃስ ዘይብለይ ኣይሓድርን እየ። ኣነን ቶኒን ንኣሕዋትና ምእንቲ ኸነተባብዖም፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ናብ እተፈላለያ ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እናገሽና ብምብጻሕ ትሑዛት ኢና። ምስተን ጉባኤታት ሓቢርና፡ ንኻልኦት ሰባት ኣብ የሱስ እምነት እንተ ኣሕዲሮም ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ ኸም ዚኽእሉ ንምህሮም ኢና።

^ ሕ.ጽ. 17 ብናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚሕተማ።