ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እትፈትዎ ሰብካ ምስ ዚመውት

እትፈትዎ ሰብካ ምስ ዚመውት

“ዓብዪ ሓወይ ብሃንደበት ምስ ሞተ፡ ዝገብሮ ሓርቢቱኒ። ድሕሪ ኣዋርሕ ብሃንደበት እዝክሮን ሕማቕ ይስምዓንን ነይሩ፣ ካራ ይወግኣኒ ኸም ዘሎ ዀይኑ ይስምዓኒ ነይሩ። ሓድሓደ ግዜ፡ እሓርቕ ነይረ። ስለምንታይ እዩ ሓወይ ሞይቱ፧ ምስኡ ዝያዳ ግዜ ብዘይምሕላፈይ እውን እጥዓስ ነይረ።”—ቫነሳ፡ ኣውስትራልያ።

እትፈትዎ ሰብካ እንተ ሞይቱካ፡ በብዓይነቱ ስምዒታት ተሰሚዑካ ይኸውን እዩ። ሓዘንን ጽምዋን ረዳኢ ኣልቦነትን ተሰሚዑካ ይኸውን። ምናልባት ድማ ሕርቃንን ጣዕሳን ፍርህን ተሰሚዑካ ይኸውን። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ብህይወት ምንባር ዚሓይሽ እንተ ዀይኑ ሓሲብካ ትኸውን።

ሓዘን ምልክት ድኽመት ኣይኰነን። የግዳስ፡ ንሰብካ ኽሳዕ ክንደይ ከም እትፈትዎ እዩ ዚሕብር። ይኹን እምበር፡ ካብቲ መሪር ሓዘንካ እተወሰነ እፎይታ ኽትረክብ ትኽእል ዲኻ፧

ገሊኦም ብኸመይ ከም ዝኸኣልዎ

ስቓይካ መወዳእታ ዘይብሉ ኺመስል ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ እዚ ዚስዕብ ሓሳባት ግና ኬደዓዕሰካ ይኽእል እዩ፦

ንሓዘንካ ግዜ ሃቦ

ኵሉ ሰብ ብሕደ መገዲ ወይ ብሕደ ንውሓት ግዜ ኣይኰነን ዚሓዝን። ይኹን እምበር፡ ሓዘንካ ምእንቲ ኺወጸልካ፡ ብኽያት ኪሕግዝ ይኽእል እዩ። እታ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰት ቫነሳ፡ “እበኪ ነይረ፣ ስቓየይ ከውጽኦ ነይሩኒ” ትብል። ሓብታ ብሃንደበት ዝሞተታ ሶፊያ ኸኣ፡ “ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ምሕሳብ፡ ንዝረኸሰ ቝስሊ ኸፊትካ ኸም ምጽራይ ኣዝዩ ኸቢድ እዩ ነይሩ። እቲ ስቓይ ዳርጋ ዘይጽወር እዩ ነይሩ፡ ቍስለይ ኪሓዊ ግና ኣኽኢሉ እዩ” ትብል።

ብዛዕባ ሓሳባትካን ስምዒታትካን ተዛረብ

ሓድሓደ ግዜ፡ በይንኻ ኽትከውን ትደሊ ትኸውን። ንሓዘን በይንኻ እንተ ተሰኪምካዮ ግና፡ ከቢድ ጾር እዩ ዚዀነካ። ኣቦኡ ዝሰኣነ ጃረድ ዝስሙ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ፡ “ብዛዕባ ስምዒታተይ ንኻልኦት ተዛሪበ። እቲ ዝበልክዎም እንተ ተረዲእዎም እኳ እንድዒ፣ ሓሳባትካ ኽትገልጽ ምኽኣል ግና ጽቡቕ እዩ” ኢሉ ተዘክሮኡ ይገልጽ። ኣብ መኽፈቲ ዓንቀጽ እተጠቕሰት ጃኒስ ድማ፡ “ንኻልኦት ምዝራብ ዓብዪ መጸናንዒ እዩ። ከም እተረድኡኒ እዩ ተሰሚዑኒ፣ በይነይ ከም ዝዀንኩ እውን ኣይተሰምዓንን” ብምባል ካልእ ጥቕሚ ትገልጽ።

ሓገዝ ተቐበል

ሓንቲ ሓኪም፡ “እቲ ንፈተውቱን ንኣዝማዱን [ኣብቲ] ናይ ፈለማ እዋን [ስምባድ] ኪሕግዝዎ ዚፈቅድ መቕርቡ ዝሞቶ ሰብ፡ ነቲ እተፈላለየ መድረኻት ሓዘን ብቐሊሉ ይሰግሮ እዩ” ትብል። ንፈተውትኻ ብኸመይ ኪሕግዙኻ ኸም ዚኽእሉ ኣፍልጦም፣ ኪሕግዙኻ እናደለዩ፡ እንታይ ከም ዚገብሩ ይጠፍኦም እዩ።—ምሳሌ 17:17

ንኣምላኽ ብዝያዳ ቕረቦ

ቲና ኸምዚ ትብል፦ “ሰብኣየይ ብሃንደበት ብሕማም መንሽሮ ምስ ሞተ፡ መኻፍልቲ ምስጢረይ እየ ስኢነ። ስለዚ፡ ንኣምላኽ ኵሉ እነግሮ እየ! መዓልቲ መዓልቲ፡ ነታ ዕለት ንምስጋራ ኺሕግዘኒ ብምልማን እየ ዝጅምር። ኣምላኽ፡ ዘርዚረ ኽውድኦ ብዘይክእል መገድታት ሓጊዙኒ እዩ።” ኣዲኣ ኽትሞታ ኸላ ጓል 22 ዓመት ዝነበረት ታርሻ ድማ፡ “ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ መዓልታዊ ምንጪ መጸናንዒ ዀይኑለይ ነይሩ። ካብኡ ዜተባብዕ ሓሳብ እረክብ ነይረ” ትብል።

ንትንሳኤ ብኣእምሮኻ ስኣሎ

ቲና ኣስዕብ ኣቢላ ኸምዚ ትብል፦ “ኣብ ፈለማ፡ ተስፋ ትንሳኤ ኣየጸናንዓንን፣ ስለምንታይሲ፡ ንዓይ ሰብኣየይ ሽዑሽዑ እዩ ዜድልየኒ ነይሩ፡—ንደቀይ እውን ኣቦኦም ሽዑሽዑ እዩ ዜድልዮም ነይሩ። ሕጂ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ግና፡ ነቲ ተስፋ ኣጥቢቐ እየ ዝሕዞ። ከም ገመድ መድሓን ነፍሲ እዩ ዀይኑለይ። ነቲ ንዕኡ ዝርእየሉ እዋን ብኣእምሮይ እስእሎ እየ፣ እዚ ድማ ብዙሕ ሰላምን ሓጐስን የምጽኣለይ እዩ።”

ልክዕ እዩ፡ ካብ ሓዘንካ ብኡብኡ እፎይታ ኣይትረክብን ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ነቲ ቫነሳ ኸምዚ ዚስዕብ ኢላ እተዛረበቶ ምፍላጥካ የጸናንዓካ ይኸውን፦ “ከቶ ዘይስገር እዩ ዚመስለካ፣ ግናኸ፡ ብሩህ መዓልትታት ክትርኢ ኢኻ።”

ዋላ እኳ እቲ ኣብ ልብኻ ዚስምዓካ ባዶነት እንተ ዘይጠፍአ፡ ብህይወት ምንባር ከም ዚሓይሽ ኣይትረስዕ። በቲ ኣምላኽ ብለውሃቱ ዚህበካ ሓገዝ፡ ሕጂ ምስ ሰባት ጽቡቕ ዕርክነት ከተስተማቕርን ኣብ ህይወትካ ዕላማ ኺህልወካን ይኽእል እዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ ኸኣ፡ ኣምላኽ ንምዉታት ኬተንስኦም እዩ። ንእትፈትዎ ሰብካ ዳግም ክትሓቍፍ ይደልየካ እዩ። ሽዑ፡ እቲ ኣብ ልብኻ ዚስምዓካ ዘሎ ስቓይ ንሓዋሩ ኺፍወስ እዩ።