ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ቃለ መጠይቕ | ሴሊን ግራኖለራስ

ሓንቲ ኽኢላ ሕክምና ዅሊት ብዛዕባ እምነታ ዝገለጸቶ

ሓንቲ ኽኢላ ሕክምና ዅሊት ብዛዕባ እምነታ ዝገለጸቶ

ዶክተር ሴሊን ግራኖለራስ ኣብ ፈረንሳ እትነብር ሓኪም ኰይና፡ ክኢላ ሕማም ኵሊት እያ። ሓኪም ካብ እትኸውን ልዕሊ 20 ዓመት ጸኒሓ፡ ብዛዕባና ዚሓሊ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ደምደመት። ንቕሑ! ብዛዕባ ስራሓን ብዛዕባ እምነታን ሓቲታታ ኣላ።

ብዛዕባ እዋን ቍልዕነትኪ እስከ ንገርና።

ጓል ትሽዓተ ዓመት ከለኹ፡ ወለደይ ካብ ስጳኛ ናብ ፈረንሳ ገዓዙ። ወለደይ ካቶሊክ እዮም ነይሮም፣ ኣነ ግና ጓል 16 ዓመት ከለኹ እየ ኣብ ኣምላኽ ምእማን ኣቋሪጸዮ። ሃይማኖት ንህይወት ኣገዳሲ ዀይኑ ኣይስምዓንን እዩ ነይሩ። ሰባት፡ ‘ኣምላኽ እንተ ዘየልዩ ደኣ እሞ፡ ህይወት ብኸመይ ጀሚሩ፧’ ኢሎም እንተ ሓቲቶምኒ፡ “ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ነዛ ሕቶ እዚኣ ሕጂ እኳ እንተ ዘይመለስዋ፡ ሓደ መዓልቲ ግና ኪምልስዋ እዮም” እብሎም ነይረ።

ብዛዕባ ሕማም ኵሊት ንኸተጽንዒ ዝደረኸኪ እንታይ እዩ፧

ኣብቲ ኣብ ሞንፐልየ፡ ፈረንሳ ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና እየ ኣጽኒዐ። ኣብኡ ድማ ሓደ ፕሮፌሰር፡ ኣብቲ ንዀላሊት እውን ዜጠቓልል ኒፍሮሎጂ ዚብሃል ጨንፈር ሕክምና ኽዓዪ ኸም ዝኽእል ነገረኒ። እቲ ዕዮ፡ ምርምር ምግባርን ንሕሙማት ምክንኻንን ዜጠቓልል እዩ ነይሩ። ኣነ እውን ከምኡ ኽገብር እየ ዝደሊ ነይረ። ብ1990 ኣብቲ ብዛዕባ ክሊኒካዊ ኣጠቓቕማ ኢሪትሮፖየቲን (ኢ.ፒ.ኦ.) ዚግበር ዝነበረ ምርምር ክካፈል ጀመርኩ፣ ኢሪትሮፖየቲን፡ ንቝጽሪ እቶም ኣብ ኣዕጽምትና ዚዳለዉ ቐያሕቲ ዋህዮታት ደም እዩ ዚቈጻጸር። ኣብቲ እዋን እቲ፡ እዚ ምርምር እዚ ሓድሽ ዓውዲ እዩ ነይሩ።

ብዛዕባ ኣምላኽ ከም እትሓስቢ ዝገበረኪ እንታይ እዩ፧

ብ1979 ፍሎሬል ሰብኣየይ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረ። ኣነ ግና ተገዳስነት ኣይነበረንን። ገና ኻብ ቍልዕነተይ፡ ሃይማኖት ኣጽሊኡኒ እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ ሰብኣየይን ደቀይን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ኰኑ፡ ብዙሕ ከይጸንሐ ዳርጋ ዅሎም ፈተውትና ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ነይሮም። እታ ሓንቲ ኻባታቶም ዝዀነት ፓትሪሻ፡ ክጽሊ ኣተባብዓትኒ። “ኣብ ሰማይ ዝዀነ ይኹን ኣካል እንተ ዘየልዩ፡ ብምጽላይኪ ኣይክትጕድእን ኢኺ፣ እንተ ኣልዩ ግና፡ ነቲ ዜጋጥም ክትርእይዮ ኢኺ” በለትኒ። ዓመታት ጸኒሑ፡ ብዛዕባ ትርጕም ህይወት ክሓስብ ምስ ጀመርኩ፡ ነቲ ፓትሪሻ ዝበለትኒ ዘከርክዎ። ትርጕም ህይወት ምእንቲ ኺርድኣኒ ድማ ክጽሊ ጀመርኩ።

ብዛዕባ ትርጕም ህይወት ከም እትሓስቢ ዝገበረኪ እንታይ እዩ፧

እቲ ኣብ ኒው ዮርክ ኣብ ዚርከብ ማእከል ንግዲ ዓለም ዘጋጠመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፡ እከይ ብዛዕባ ዚበዝሓሉ ዘሎ ምኽንያት ከም ዝሓስብ ገበረኒ። ‘ሃይማኖታዊ ጥሩፍነት ንመጻኢና ኣብ ሓደጋ እዩ ዜእትዎ። ኣነ ግና በዞም ሰላማውያን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እየ ተኸቢበ ዘለኹ። ጥሩፋት ኣይኰኑን። መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ እዮም ዚስዕቡ። ስለዚ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብሎ ኽምርምሮ ኣሎኒ’ ኢለ ሓሰብኩ። ሽዑ መጽሓፍ ቅዱስ ከንብብ ጀመርኩ።

ከም ሓኪም መጠን፡ ኣብ ፈጣሪ ኽትኣምኒ ኣጸጊሙኪዶ፧

ኣየጸገመንን። ነቲ እተሓላለኸ ንድፊ ሰብነትና ኣኽብሮት ኣሎኒ። ንኣብነት፡ ኰላሊትና ንብዝሒ እቶም ኣብ ደምና ዘለዉ ቐያሕቲ ዋህዮታት ደም ዚቈጻጸራሉ መገዲ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ።

ከምዚ ኽትብሊ ዝኸኣልኪ ስለምንታይ ኢኺ፧

ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዜደንቕ ስርዓት ኪነድፎ ዚኽእል፡ ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ ተገንዘብኩ

ከም እትፈልጦ፡ ቀያሕቲ ዋህዮታት ደም፡ ኦክስጅን እዮም ዜብጽሑ። ብዙሕ ደም እንተ ፈሲሱካ ወይ ከኣ ናብ ዝለዓለ ብራኸ ዘለዎ ቦታ እንተ ኼድካ፡ ሰብነትካ ኦክስጅን ይሓጽሮ እዩ። ኰላሊትና ድማ ንዋሕዲ ኦክስጅን ዜለሊ ሜላ ኣለወን። ኣብ ደምና ዋሕዲ ኦክስጅን ከም ዘሎ እንተ ፈሊጠን፡ ኢሪትሮፖየቲን ከም ዚዳሎ ይገብራ፣ ኣብ ደምና ዚህሉ መጠን ኢሪትሮፖየቲን ድማ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዕጽፍታት ኪበጽሕ ይኽእል እዩ። ኢሪትሮፖየቲን ንኣንጕዕ ኣዕጽምቲ፡ ዝያዳ ቐያሕቲ ዋህዮታት ደም ንኼዳሉ ይእዝዞ፣ እዚ ኸኣ ዝያዳ ኦክስጅን ከም ዚበጽሕ ይገብር። እዚ ኣዝዩ ዜደንቕ እዩ! እቲ ዜገርም፡ ነዚ መስርሕ እዚ ንዓሰርተ ዓመት እኳ እንተ ኣጽናዕክዎ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዜደንቕ ኣሰራርሓ ኺነድፎ ዚኽእል፡ ኣምላኽ ጥራይ ምዃኑ ጸኒሑ እዩ ተረዲኡኒ።

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ነይሩኪ፧

ብዙሕ መጻሕፍቲ ታሪኽን ህቡባት ልቢ ወለዳትን ኣንቢበ እየ፣ መጽሓፍ ቅዱስ እተፈለየ ምዃኑ ግና ሽዑ ንሽዑ እዩ ተረዲኡኒ። እቲ ዚህቦ ምኽሪ፡ ግብራዊ ስለ ዝዀነ፡ ምንጩ ኣምላኽ ምዃኑ እዩ ዚሕብር። ባህርያት የሱስ እውን ኣደኒቑኒ እዩ። ብሓቂ ዝነበረ ሰብ እዩ ነይሩ። ስምዒት ነይርዎ እዩ፣ ኣዕሩኽ እውን ነይሮምዎ እዮም። ሕቶ ኺህልወኒ ኸሎ፡ ጽሑፋት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክጥቀም ስለ ዘይደሊ ዝነበርኩ፡ ኣብ ኢንሳይክሎፔድያን ካልእ መወከሲ ጽሑፋትን ምርምር እገብር ነበርኩ።

ብዛዕባ እንታይ ኢኺ ምርምር ጌርኪ፧

ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ምርምር ገበርኩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ እዚ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኣብ ልክዕ ግዜኡ ኸም እተፈጸመ . . . ደምደምኩ

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጥምቀት የሱስ እተነበየሉ መገዲ፡ ካብ ካልእ ጕዳያት ንላዕሊ ኣዝዩ ሰሓበኒ። ካብ መበል 20 ዓመት ግዝኣት ኣርታሕሻስታ ንጉስ ፋርስ፡ ክሳዕ እቲ የሱስ መሲሕ ዚዀነሉ እዋን፡ ክንደይ ግዜ ኸም ዝዀነ ብልክዕ ይገልጽ እዩ። a ምርምር ምግባር ክፍሊ ስራሐይ ስለ ዝዀነ፡ ለሚደዮ እየ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ግዝኣት ኣርታሕሻስታን ኣገልግሎት የሱስን ምእንቲ ኸረጋግጽ፡ ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ምርምር ገበርኩ። ኣብ መወዳእታኡ፡ እዚ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኣብ ልክዕ ግዜኡ ኸም እተፈጸመን መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምዃኑን ደምደምኩ።

a ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 197-199 ርአ።