ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ስለምንታይ እየ ብህይወት ዝነብር፧

ተስፋ ስለ ዘሎ

ተስፋ ስለ ዘሎ

“ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፡ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።”—መዝሙር 37:11

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህይወት ‘ብሓሳር’ ዝመልአት ምዃና ይገልጽ እዩ። (እዮብ 14:1) ሎሚ ዳርጋ ኵሉ ሰብ፡ እተፈላለየ ዜሕዝን ነገራት ዜጋጥሞ እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊኦም ሰባት ግና ህይወት ምንም ተስፋ ዘይብላ፡ ዝሓሸ መጻኢ ኸኣ ዘየለ ዀይኑ እዩ ዚስምዖም። ንዓኻኸ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንዓኻ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንዅሎም ደቂ ሰብ ናይ ሓቂ ተስፋ ኸም ዚህቦም ከነረጋግጸልካ ንፈቱ። ንኣብነት፦

  • መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ኣምላኽ ብዛዕባና ጽቡቕ ዕላማ ኸም ዘለዎ ይምህረና እዩ።—ዘፍጥረት 1:28

  • የሆዋ ኣምላኽ ንምድርና ገነት ከም ዚገብራ ተመባጺዑ እዩ።—ኢሳይያስ 65:21-25

  • እዚ መብጽዓ እዚ ብርግጽ ኪፍጸም እዩ። ራእይ 21:3, 4 ከምዚ ትብል፦

    “እንሆ፡ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱ እውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፣ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም። ኣምላኽ ባዕሉ እውን ምሳታቶም ኪኸውን እዩ። ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”

እዚ ተስፋ እዚ፡ ትምኒት ጥራይ ኣይኰነን። የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኪፍጽሞ ምዃኑ ዕላማ ገይሩ ኣሎ፣ ክእለትን ድሌትን ድማ ኣለዎ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ተስፋ ዜተኣማምን እዩ፣ ነታ፡ “ስለምንታይ እየ ብህይወት ዝነብር፧” እትብል ሕቶ ኸኣ ጽቡቕ ገይሩ ይምልሳ እዩ።

ነዚ ዘክሮ፦ ስምዒታትካ፡ ልክዕ ከምታ ኣብ ዚናወጽ ባሕሪ ዘላ ጃልባ፡ ንየው ነጀው ዚብል እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ ተስፋ ግና፡ ልክዕ ከም መልህቕ ኬህድኣካ ይኽእል እዩ።

ሎሚ ኽትገብሮ እትኽእል፦ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ እንታይ ናይ ሓቂ ተስፋ ኸም ዚህብ ክትምርምር ጀምር። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ባህ ኢልዎም ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ከባቢኻ ኽትረኽቦም ትኽእል ኢኻ፣ ወይ ከኣ ኣብቲ jw.org/ti ዚብሃል ወብ ሳይቶም ጠቓሚ ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። a

a ርእይቶ፦ ኣብ jw.org/ti ኣቲኻ፡ ኣብ ትሕቲ ሕታማት > ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ርአ። ኣብኡ ኸኣ፡ ከም “ጭንቀት” ወይ “ርእሰ ቕትለት” ዚብል ቀንዲ ቓላት ጽሒፍካ ዝያዳ ሓገዝ ድለ።