ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተነዲፉ ድዩ፧

ነዳዲ ዘይቲ ዜሕቅቑ ደቀቕቲ ተህዋስያን

ነዳዲ ዘይቲ ዜሕቅቑ ደቀቕቲ ተህዋስያን

ብ2010 ሓንቲ ኣብ ትሕቲ መሬት ንዚርከብ ነዳዲ ዘይቲ ንምውጻእ ጕድጓድ እትፍሕር ማሽን ተፈንጂራ ብምጥሓላ፡ ዳርጋ ሓሙሽተ ሚልዮን በርሚል (800 ሚልዮን ሊትሮ) ዚኸውን ዘይተጻረየ ነዳዲ ዘይቲ ናብ ወሽመጥ መክሲኮ ፈሰሰ። ኣብ ውሽጢ ሒደት ኣዋርሕ ግና መብዛሕትኡ እቲ ዝፈሰሰ ነዳዲ ዘይቲ ጠፍአ። እዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ብኸመይ እዩ፧

ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ስነ ፍልጠታዊ ምርምር ከም ዚሕብሮ፡ እተፈላለዩ ዓይነት ባክተርያ ባሕሪ፡ ነቲ ኣብ ነዳዲ ዘይቲ ዚርከብ ነዊሕ ሰንሰለት ካርቦን ሞለክዩላት ኬሕቅቕዎ ይኽእሉ እዮም። ክኢላ ኣከባብያዊ ማይክሮባዮሎጂ ዝዀነ ፕሮፌሰር ቴሪ ሃዜን፡ ነዞም ተህዋስያን ከም “ነዳዲ ዘይቲ ዜናድዩ ሚሳይላት” ገይሩ ገሊጽዎም ኣሎ። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ተህዋስያን ነቲ ኣብ ወሽመጥ መክሲኮ ዝፈሰሰ ነዳዲ ዘይቲ ኣብ ምጽራይ ተራ ነይርዎም እዩ።

ቢቢሲ ብዛዕባ እዞም ተህዋስያን እዚኦም ከምዚ ዚብል ጸብጻብ ኣቕረበ፦ “ነዳዲ ዘይቲ ዚምገቡ ደቀቕቲ ተህዋስያን ኣብ ባሕሪ ኺህልዉ ዜገርም ኣይኰነን። ምኽንያቱ፡ ነዳዲ ዘይቲ ኻብ ባይታ ውቅያኖስ ናብ ማያት ዓለምና ንማእለያ ዘይብሉ ዓመታት ልሒኹ እዩ።”

ሰባት ንዝፈሰሰ ነዳዲ ዘይቲ ንምጽራይ ዚገብርዎ ጻዕርታት ውጽኢታዊ ምዃኑ ዚከሓድ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ካብ ጥቕሙ ጕድኣቱ ዚዛይድ ኪኸውን እውን ይኽእል እዩ። ንዝፈሰሰ ነዳዲ ዘይቲ ዜጽሪ ሰብ ዝሰርሖ ቐመማት፡ ንባህርያዊ መስርሕ ምሕቃቕ ነዳዲ ዘይቲ ኺዓናቕፍ ይኽእል እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ቐመማት መርዛምን ኣብ ኣከባቢ ነባሪ ዝዀነ ጐዳኢ ሳዕቤናት ዘለዎን እዩ። ይኹን እምበር፡ እቲ ተፈጥሮ ዘለዎ ንዝፈሰሰ ነዳዲ ዘይቲ ናይ ምሕቃቕ ዓቕሚ፡ እንተላይ ነቶም ነዳዲ ዘይቲ ዚምገቡ ደቀቕቲ ተህዋስያን ሓዊስካ፡ ብዘይ እቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣገባብን ንሱ ዜምጽኦ ኣሉታዊ ሳዕቤናትን፡ ባሕሪ ባዕሉ ንባዕሉ ናይ ምጽራይ መስርሕ ንኼካይድ ይሕግዞ። *

እንታይ ይመስለካ፧ እቲ ደቀቕቲ ተህዋስያን ባሕሪ ዘለዎም ነዳዲ ዘይቲ ናይ ምሕቃቕ ክእለት ብፍልቀት ድዩ መጺኡ፡ ወይስ ተነዲፉ እዩ፧

^ ሕ.ጽ. 6 እቲ ኣብ ወሽመጥ መክሲኮ ዘጋጠመ ሓደጋ፡ ኣብቶም ኣብ ባሕሪ ዚነብሩ ህይወታውያን ኪህልዎ ዚኽእል ነባሪ ዝዀነ ሳዕቤናት፡ ኣብዚ ግዜ እዚ ኺፍለጥ ኣይከኣልን እዩ።