ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፈትዮም ይመጹ ብራዚል

ፈትዮም ይመጹ ብራዚል

ፈትዮም ይመጹ ብራዚል

ገለ ዓመታት ይገብር፡ ሕጂ ኣብ 30 ዓመት ዕድሚኣ እትርከብ ሩብያ (1)፡ ኣብ ደቡብ ብራዚል ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ጉባኤ ፈላሚት ኰይና ንእተገልግል ሳንድራ (2) ኽትበጽሓ ኸደት። ሽዑ፡ ናብራኣ ኸም እትቕይር ዝገበራ ነገር ኣጋጠማ። እንታይ እዩ ኣጋጢሙዋ፧ ሩብያ ባዕላ ኽትነግረና እያ።

“ኣዝዩ ደንጸወኒ”

“ሳንድራ ንሓንቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሓላ ሰበይቲ ንኽንበጽሓ ሒዛትኒ ኸደት። ኣብ እዋን እቲ መጽናዕቲ፡ እታ ሰበይቲ ብወዝቢ፡ ‘ኣብ ስራሐይ መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዓ ዚደልያ ሰለስተ ኣዋልድ ኣለዋ፣ ኰይኑ ግና፡ ተራአን ክሳዕ ዚበጽሕ ኪጽበያ ነገርክወን። ኣብዚ ዓመት እዚ ብዙሓት ዜጽንዓ ሰባት ከም ዘለዋኺ እፈልጥ እየ’ በለታ። ሽዑ ኣዝዩ ደንጸወኒ። ንየሆዋ ኺፈልጥዎ ዚደልዩ ሰባት፡ ሪጋ ኺሕዙ ኣድለዮም። ኣብ ጉባኤና፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝመርሓሉ ሓደ ሰብ ጥራይ ንኽረክብ እኳ የጸግመኒ እዩ ነይሩ። ሽዑ፡ ኣብ ቤት እታ ተመሃሪት መጽሓፍ ቅዱስ ከለኹ፡ ኣብታ ንእሽቶ ኸተማ ንዚነብሩ ሰባት ክሕግዞም ተመነኹ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸናሕኩ፡ ነታ ዝነብረላ ዓባይ ከተማ ገዲፈ፡ ናብታ ሳንድራ ፈላሚት ኰይና እተገልግለላ ንእሽቶ ኸተማ ገዓዝኩ።”

ሩብያ ብዛዕባ ዘጋጠማ ነገር ክትገልጽ ከላ፡ “ናብታ ኸተማ ምስ ከድና ኣብ ውሽጢ ኽልተ ወርሒ፡ 15 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክመርሕ ጀመርኩ” በለት። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንሳውን ከም ሳንድራ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንእትመርሓለን ሰባት ሪጋ ኸተትሕዘን ጀመረት።

ኣገልግሎቱ ኺምርምር ተደረኸ

ኣብ መጀመርታ 20ታት ዕድሚኡ ዚርከብ ድየጎ (3) ዚብሃል ሓው፡ ኣብ ፕሩዴንቶፑሊስ (ኣብ ደቡብ ብራዚል እትርከብ ንእሽቶ ኸተማ) ንዜገልግሉ ፈለምቲ ኺበጽሖም ከደ። ኣብታ ኸተማ ዝገበሮ ምብጻሕ፡ ኣገልግሎቱ ንኺምርምር ደረኾ። ኣብ ጉባኤኡ፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ሒደት ሰዓታት ጥራይ እዩ ዜሕልፍ ነይሩ። ነቶም ፈለምቲ ምስ በጽሖም እሞ ተመክሮኦም ምስ ሰምዐ ግና፡ ብኣገልግሎቶም ዝያዳኡ ኸም ዚሕጐሱ ኣስተውዓለ። ኣስዒቡ ድማ፡ “ክሳዕ ክንደይ ሕጉሳት ምዃኖም ምስ ረኣኹ፡ ከማታቶም ትርጕም ዘለዎ ህይወት ኪመርሕ ተመነኹ” በለ። ብድሕሪኡ፡ ፈላሚ ዀይኑ ኼገልግል ጀመረ።

ንስኻኸ ኸም ድየጎ፡ ኣገልግሎት ትኸይድን ኣብ ክርስትያናዊ ጉባኤ ትካፈልን እኳ እንተ ዀንካ፡ ኣገልግሎትካ ዜሰልኪ ዀይኑ ዚስምዓካ መንእሰይ ዲኻ፧ ከምዚ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ኣብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታ ኼድካ ብምግልጋል ዚርከብ ሓጐስ ምእንቲ ኸተስተማቕር፡ ኣብ ህይወትካ ለውጢ ኽትገብር ምኸኣልካዶ፧ ምሾት ዘለዎ ናብራ ህይወት ገዲፍካ ዓዲ ምቕያር፡ ኬፍርሃካ ኸም ዚኽእል ፍሉጥ እዩ። ኰይኑ ግና ሓያሎ መንእሰያት ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ወሲዶም እዮም። ንየሆዋ ብዝያዳ ምእንቲ ኼገልግልዎ፡ ብሕታዊ ሸቶታቶምን ባህግታቶምን ብምግምጋም ምትዕርራይ ኪገብሩ ኽኢሎም እዮም። ብሩኖ ዝገደፈልና ኣብነት ንውሰድ።

መምህር ሙዚቃዶ ኣገልጋሊ፧

ሕጂ ኣብ 28 ዓመት ዕድሚኡ ዚርከብ ብሩኖ (4)፡ ገለ ዓመታት ይገብር ኣብ ሓደ ውሩይ ቤት ትምህርቲ ሙዚቃ ተማሂሩ ነበረ። ኣብ ኦርኬስትራ መራሒ ዀይኑ ንኺዓዪ ኸኣ ሸቶ ነበሮ። ብትምህርቱ ጽቡቕ ዕቤት ስለ ዝገበረ ድማ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት፡ ሲምፎኒ ኦርኬስትራ ንኺመርሕ ተዓዲሙ እዩ። ስለዚ ኸኣ፡ ሸቶኡ ኺወቅዕ ቀሪቡ ነበረ። ይኹን እምበር፡ ብሩኖ ኸምዚ በለ፦ “ኣብ ህይወተይ ሓደ ነገር ከም ዝጐደለኒ ዀይኑ ተሰምዓኒ። ርእሰይ ንየሆዋ እኳ እንተ ወፈኹ፡ ምሉእ ነፍሰይ ንየሆዋ እህቦ ኸም ዘይነበርኩ ብምፍላጠይ፡ ተረበሽኩ። ብዛዕባ ስምዒተይ ንየሆዋ ብጸሎት ነገርክዎ፡ ኣብታ ጉባኤ ንዝነበሩ ምኩራት ኣሕዋት እውን ኣማኸርክዎም። ነዚ ኣጸቢቐ ምስ ሓሰብኩሉ፡ ንኣገልግሎተይ ካብ ሙዚቃይ ንላዕሊ ከቐድሞ ወሰንኩ፣ ነቲ ቤት ትምህርቲ ሙዚቃ ገዲፈ፡ ኣብቲ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታ ኸይደ ንኸገልግል ከኣ ቈረጽኩ።” እቲ ዝገበሮ ውሳነኸ እንታይ ኣፍረየ፧

ብሩኖ ኻብ ከተማ ሳኦ ፓውሎ ናብታ 260 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ፡ ኣስታት 7,000 ተቐማጦ ዘለውዋ ኸተማ ግዋፒያራ ገዓዘ። ዓብዪ ለውጢ ድማ እዩ ገይሩ። ብዛዕባ እዚ ኸዘንቱ ኸሎ፡ “መዝሓሊ፡ ቲቪ፡ ወይ ኢንተርነት ናብ ዘይብሉ ንእሽቶ ቤት ገዓዝኩ። ይኹን እምበር፡ እታ ቤት ቅድሚ ሕጂ ዘይነበረኒ ነገራት፡ ማለት ኣሕምልትን ፍረታትን ዘለዎ ግራት ነበራ” በለ። ኣብታ ኸተማ፡ ኣብ ንእሽቶ ጉባኤ ኼገልግል ከሎ፡ ኣብ ሰሙን ሓንሳእ፡ ኣብ ቦርሳኡ ምግብን ማይን ጽሑፋትን ሒዙ፡ ብብሽክለታ ሞተር ኣብ ገጠራት ኪሰብኽ ይኸይድ ነበረ። ኣብቲ ኸባቢ ዚነብሩ መብዛሕትኦም ሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ሰሚዖም ኣይፈልጡን እዮም ነይሮም። ብሩኖ፡ “ክሳዕ 18 ኣቢሉ ዚበጽሕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እመርሕ ነበርኩ። ነቲ እዞም ተመሃሮ እዚኦም ኣብ ህይወቶም ዝገበርዎ ለውጢ ምርኣየይ ድማ ዓብዪ ሓጐስ ኣምጽኣለይ” በለ። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ “ሽዑ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ህይወተይ ኣምሊጡኒ ዝነበረ ነገር፡ ማለት ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ብምቕዳም ዚርከብ ዕግበት ከም ዝረኸብኩ ተገንዘብኩ። ስጋዊ ሸቶታት እንተ ዚስዕብ ነይረ፡ ከምዚ ዓይነት ሓጐስ ኣይምረኸብኩን” በለ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ከተማ ግዋፒያራ ብኸመይ እዩ ዚናበር፧ ብሩኖ፡ ፍሽኽ እናበለ “ጊታር እናመሃርኩ እየ ዝናበር” በለ። ሕጂ እውን ዳርጋ መምህር ሙዚቃ ዀይኑ እዩ ዚዓዪ ዘሎ።

‘ክጸንሕ ወሰንኩ’

ሕጂ ኣብ መወዳእታ 20ታት ዕድሚኣ እትርከብ ማሪያና (5)፡ ምስቲ ናይ ብሩኖ ዚመሳሰል ኵነታት ኣጋጢምዋ ነበረ። ከም ጠበቓ መጠን ብዙሕ ገንዘብ እኳ ትረክብ እንተ ነበረት፡ ብዕዮኣ ዕግብቲ ኣይነበረትን። ሓሳባታ ኽትገልጽ ከላ፡ “‘ደድሕሪ ንፋስ እጐዪ’ ኸም ዝነበርኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ” በለት። (መክ. 1:17) ሓያሎ ኣሕዋትን ኣሓትን ብዛዕባ ዕዮ ፈላምነት ንኽትሓስብ ኣተባብዕዋ። ማሪያና ነዚ ምስ ሓሰበትሉ፡ ምስተን መሓዙታ ዝዀና ቢያንካ (6)፡ ካሮሊን (7)፡ ከምኡውን ጁሊያና (8) ዀይና ኻብ ዓዳ ኣሽሓት ኪሎ ሜተራት ብምጕዓዝ፡ ኣብ ጥቓ ቦሊቭያ ኣብ እትርከብ ባራ ቡግረስ እትብሃል ግልልቲ ኸተማ ንዘላ ጉባኤ ንኽትሕግዝ ወሰነት። እንታይ ውጽኢትከ ተረኽበ፧

ማሪያና፡ “ኣብታ ኸተማ ንሰለስተ ወርሒ ጥራይ ክጸንሕ እየ ሓሲበ ነይረ። ኰይኑ ግና ኣብ መወዳእታ እተን ሰለስተ ወርሒ፡ 15 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እመርሕ ነበርኩ። እዘን ተመሃሮ እዚአን ኣብ ሓቂ ዕቤት ንኺገብራ ተወሳኺ ሓገዝ ከም ዜድልየን ፍሉጥ እዩ። ስለዚ፡ ደፊረ፡ ‘እኸይድ ኣለኹ’ ኽብለን ኣይከኣልኩን። ክጸንሕ ወሰንኩ” በለት። በዚ ኸምዚ፡ ኣርባዕቲአን ኣሓት ኪጸንሓ ወሰና። ሕጂ ማሪያና ህይወታ ዝያዳ ትርጕም ዘለዎ ዀይኑ ተሰምዓ። ኣስዒባ እውን፡ “የሆዋ ብኣይ ተጠቒሙ፡ ሰባት ህይወቶም ኪቕይሩ ይሕግዞም ከም ዘሎ ምፍላጠይ ጽቡቕ ስምዒት ኣሕደረለይ። ግዜይን ጕልበተይን ጠቓሚ ኣብ ዝዀነ ነገራት አውዕሎ ብምህላወይ እውን ተባሪኸ እየ” በለት። ካሮሊን ናይ ኣርባዕቲአን ስምዒት ኣጠቓልል ኣቢላ ኽትገልጽ ከላ፡ “ለይቲ ኽድቅስ ከለኹ፡ ርእሰይ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ብምውፋየይ ዓሚቝ ዕግበት እዩ ዚስምዓኒ። ህይወተይ ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምሕጋዝ ዘተኰረ እዩ። እተን ተመሃሮ ዕቤት ኪገብራ ኸለዋ ኽትርኢ ዜሐጕስ እዩ። እተን፡ ‘የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን’ ዚብላ ቓላት ሓቂ ምዃነን እምከሮ ኣለኹ” በለት።—መዝ. 34:8 NW።

የሆዋ ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ሓያሎ መንእሰያት ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ ርሑቕ ቦታታት ከይዶም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኺሰብኩ ‘ፈትዮም ኪመጹ’ ኸለዉ ኺርእዮም ከሎ ኽንደይ ኰን እዩ ዚሕጐስ! (መዝ. 110:3፣ ምሳ. 27:11) ኵሎም እዞም ብፍታው ዚዓዩ ዓየይቲ፡ ከምኡ ብምግባሮም በረኸት የሆዋ ይረኽቡ እዮም።—ምሳ. 10:22

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

“ምንም ነገር ኣይጐደለናን”

ዥዋኡ ፓኡሉ ምስ ሰበይቱ ናኦሚ፡ ኣብቲ ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩሉ ቦታ ኸይዶም ኬገልግሉ ኸም ዚደልዩ ምስ ገለጹ፡ ገሊኦም ኣባላት ጉባኤ ተስፋ ዜቝርጽ ርእይቶ ይህብዎም ነበሩ። ገሊኣቶም፡ “ናብ ንእሽቶ ኸተማ ብምግዓዝኩም ቍጠባዊ ጸገም ኬጋጥመኩም ይኽእል እዩ፣” “ንምንታይ እትግዕዙ፡ ኣብ ጉባኤና ብዙሕ ዚዕየ ኣሎ” ይብልዎም ነበሩ። ዥዋኡ ፓኡሉ፡ “ከምዚ ዝኣመሰለ ብቕኑዕ ድራኸ ዚውሃብ ግናኸ ተስፋ ዘቝርጽ ምኽሪ ንመንፈስና ኸይደቝሶ ምክልኻል ቀሊል ኣይነበረን” በለ። ይኹን እምበር፡ ሎሚ፡ ዥዋኡ ፓኡሉን ናኦሚን ኣብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ ዜድልዩሉ ኸባቢ ንነዊሕ ዓመታት ድሕሪ ምግልጋሎም ብዛዕባ እቲ ዝገበርዎ ውሳነ ኺሓስቡ ኸለዉ ሕጉሳት እዮም። ዥዋኡ ፓኡሉ፡ “ኣነን ሰበይተይን ኣብዚ ኣብ ዝነበርናሉ እዋናት፡ ምንም ነገር ኣይጐደለናን። ብዛዕባ እቲ ብሓቂ ዜገድስ ነገራት ከኣ፡ ካብ ናይ ቀደም ኣዝዩ ዚዛይድ ኣሎና” ብምባል ገለጸ። ናኦሚ እውን ብጻዕሮም ከም እተባረኹ ገለጸት።

ኣብ ናእሽቱ ኸተማታት፡ ናብራ ኣጸጋሚ እዩ። እቶም ናብ ርሑቕ ቦታታት ዝገዓዙ ሰባት፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ስራሕ ብምፍጣር እዮም ዚናበሩ። ገሊኣቶም፡ እንግሊዝኛ ወይ ካልእ ቋንቋ ብምምሃር፡ ንቘልዑ ኣብ ገዛኦም ከይዶም ብምምሃር፡ ክዳውንቲ ብምስፋይ ወይ ገዛ ብምልማጽ ወይ ካልእ ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ ብምዕያይ ርእሶም ይኽእሉ። ኵሎም እቶም ኣብቲ ዝያዳ ኣስፋሕቲ ዜድልይሉ ኸባቢ ኸይዶም ዜገልግሉ ሰባት እንታይ ስምዒት እዩ ዘለዎም፧ እቲ ዝረኸብዎ በረኸት መወዳድርቲ ኸም ዘይብሉ እዮም ዚገልጹ።

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ናፍቖት

ትያጎ፡ “ኣብታ ሓዳስ ጉባኤ ምስ በጻሕኩ፡ ተስፋ ክቘርጽ ጀሚረ ነይረ። ኣብታ ኸተማ ኣዝዮም ሒደት ኣስፋሕቲ ጥራይ እዮም ነይሮም፡ መዘናግዒ ዚብሃል እውን ኣይነበረን። ሽዑ ኽናፍቕ ጀመርኩ። ንርእሰይ ምእንቲ ኸደዓዕስ ሓደ ነገር ክገብር ከም ዘሎኒ ፈለጥኩ። ስለዚ ድማ፡ ምስቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ኣጸቢቐ ምእንቲ ኽፋለጥ ጻዕሪ ገበርኩ። እዚ ኸኣ ጽቡቕ ውጽኢት ነበሮ። ሓደስቲ ፈተውቲ ኣጥረኹ፡ ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኸኣ ኣዝየ ኽሕጐስን ኣብ ዓደይ ከም ዘሎኹ ዀይኑ ኺስምዓንን ጀመረ” በለ።

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ናኦሚ ከምኡውን ዥዋኡ ፓኡሉ፡ ኣስኩራ፡ ሳንታ ካታሪና