ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ በኒን እተላእከት ደብዳበ

ኣብ ምንታይ እየ ኣትየ፧

ኣብ ምንታይ እየ ኣትየ፧

እዋኑ፡ ንግሆ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ሰባት ኣዘውቲሮም ንጥፈታቶም ዚገብሩሉ እዋን እዩ ነይሩ። እቲ ዚኽሸን ዝነበረ ስጎን ሩዝን ሃገግ ይብል ነበረ። ኣንስቲ ኣብ ርእሰን ክንዲ ገለ ዚኸውን ኣቕሓ ተሰኪመን ሚዛነን ሓልየን ይኸዳ ነበራ። ልባዊ ሰሓቕን ብዋጋ ዕዳጋ ዚግበር ክርክርን ይስማዕ ነበረ። ጸሓይ ድማ ቀልጢፋ ኽትመርር ጀመረት።

ቈልዑ፡ ከምቲ ዮቮ ወይ ጻዕዳ ሰብ ኪርእዩ ኸለዉ ዚገብርዎ፡ ርእይ ምስ ኣበሉኒ እናደረፉ ሳዕስዑለይ። እቲ ደርፊ፡ “ዮቮ፡ ዮቮ፡ ቦን ሱዋር” ብዚብል ተጀሚሩ፡ “መቝሽሽናኸ ደኣ፧” ብዚብል ተደምደመ። ሓደ ቘልዓ ግና ስቕ ኢሉ ነበረ። መገደይ ምስ ቀጸልኩ፡ ደድሕረይ እናሰዓበ ብኣእዳዉ ምልክት ኪገብር ጀመረ። እቲ ምንቅስቓስ፡ ቋንቋ ምልክት እዩ ዚመስል ነይሩ። ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ቋንቋ ምልክት ኣመሪካ (ASL) ተማሂረ እኳ እንተ ነበርኩ፡ በኒን ግና ፈረንሳይኛ ዚዝረበላ ሃገር እያ።

ነቲ ቘልዓ፡ ነተን ሸሞንተ ፊደላት ስማተይ ብምልክት ክነግሮ ፈተንኩ። እቲ ቘልዓ ተሓጒሱ ፍሽኽ በለ። ብኢደይ ሒዙ ድማ ብጸቢብ ጐደናታት ናብታ ኽልተ ኽፍሊ ዝነበራ ገዛኡ መርሓኒ። ስድራ ቤቱ ዕጉግ ኢሎም ከበቡኒ። ኵሎም ከኣ ብምልክት ቋንቋ ይዛረቡ ነበሩ። ሽዑ እንታይ ገበርኩ፧ ስመይ ብምልክት ቋንቋ ነጊረ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዝምህር ሚስዮናዊት ምዃነይን ተመሊሰ ኸም ዝበጽሖምን ኣብ ወረቐት ጽሒፈ ኣርኣኽዎም። ኪሰምዑ ዚኽእሉ ገሊኦም ጐረባብቲ እውን ተኣከቡ፣ ኵሎም ከኣ ርእሶም እናነቕነቑ ኸም እተሰማምዑ ገለጹለይ። ‘ኣብ ምንታይ እየ ኣትየ፧’ ኢለ ኸኣ ሓሰብኩ።

ናብ ገዛይ ምስ ተመለስኩ፡ ‘ነዞም ሰባት እዚኣቶም ነቲ “ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን” ዚብልመብጽዓ ኣምላኽ ኪምህሮም ዚኽእል ሰብ ኪህሉ ኣለዎ’ ኢለ ሓሰብኩ። (ኢሳይያስ 35:5) ምርምር ድማ ገበርኩ። ኣብ ቀረባ እዋን ብእተገብረ ቘጸራ ህዝቢ፡ ኣብ በኒን 12,000 ዝዀኑ ፍሉጣት ጽሙማንን ምስማዕ ዜሸግሮምን ሰባት ከም ዘለዉ ተሓቢሩ ነበረ። ኣብያተ ትምህርቲ ጽሙማን፡ ምልክት ቋንቋ ፈረንሳይኛ ዘይኰነስ፡ ምልክት ቋንቋ ኣመሪካ ኸም ዚጥቀማ ምስ ፈለጥኩ፡ ኣዝየ ተሓጐስኩ። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ ዓዲ ኻብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓደ እውን ይኹን ቋንቋ ምልክት ኣመሪካ ዚፈልጥ ዘይምህላዉ ዜሕዝን እዩ። ንሓንቲ ኣባል ጉባኤና ዝዀነት ናይ የሆዋ ምስክር ከኣ እናጐሃኹ፡ “ቋንቋ ምልክት ኣመሪካ ዚኽእል ሰብ ናብዚ መጺኡ እንተ ዚሕግዝ መን ምሃበ!” በልክዋ። ንሳ ኸኣ፡ “ንስኺ እንዶ ኣየለኽን፧” ኢላ መለሰትለይ። ሓቃ እያ ነይራ! ሽዑ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ብቛንቋ ምልክት ኣመሪካ እተዳለወ ዲቪዲን ብዘይሓገዝ መምህር ንኽትፈልጥ ዚሕግዝ መጽሓፍን ኪልኣኸለይ ሓተትኩ። ቋንቋ ምልክት ኣመሪካ ጽቡቕ ገይራ እትኽእል ናይ የሆዋ ምስክር፡ ካብ ካመሩን ናብ በኒን ምስ መጸት፡ ጸሎተይ ተመለሰ።

ቋንቋ ምልክት ንኽመሃር ጻዕሪ እገብር ከም ዝነበርኩ፡ ሓያሎ ሰባት ፈለጡ። ናብ ሓደ ብሪስ ዝስሙ ምልክታት ዚቐብእ ሰብ ክኸይድ ከኣ ተሓበርኩ። እታ ብስየ እተሰርሐት ቤት ዕዮኡ፡ ኣብቲ ምውቕ ክሊማ ዘለዎ ኸባቢ፡ ባህ ዜብል ፍሽ ፍሽ ዚብል ኣየር ኣለዋ። ነቲ ንቕብኣ ዚጥቀመሉ ብሩሽ ንዓመታት ዚኣክል ኣብቲ መንደቕ ይጸርጎ ስለ ዝነበረ፡ እቲ መንደቕ ከም ቀስተ ደበና ሕብርታት ዝበዝሖ እዩ ነይሩ። ድኳታት ነጊፉ ኣዳለወለይ እሞ፡ ንኺጅምረሉ ብምጽባይ ኣተኲሩ ጠመተኒ። ኣብታ ብኢድ እትተሓዝ፡ ዲቪዲ እተጻውት ኣቕሓይ፡ ዲቪዲ ኣእተኹ። ድኳኡ ስሒቡ ናብታ ንእሽቶ መርኣዪት ብምጽጋዕ፡ ብቛንቋ ምልክት፡ “ተረዲኡኒ! ተረዲኡኒ!” በለ። ኣብቲ ጐረባብቲ ዚነብሩ ቘልዑ እውን ክሳዶም ኣወጥዊጦም ይርእዩ ነበሩ። ሓደ ኻብኣቶም፡ “ንምንታይ እዮም ድምጺ ዘይብሉ ፊልም ዚርእዩ ዘለዉ፧” በለ።

ንብሪስ ኪበጽሖ ኣብ ዝኸድኩሉ መዓልቲ፡ ቍጽሪ እቶም ዲቪዲ ዚርእዩ ሰባት ይውስኽ ነበረ። ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ፡ ብሪስን ካልኦትን ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ኺመጹ ጀመሩ። ክትርጕመሎም ጻዕሪ ምግባረይ ከኣ ዕቤት ክገብር ሓገዘኒ። እታ ጕጅለ እናዓበየት ምስ ከደት፡ ገሊኣቶም ባዕሎም ኪደልዩኒ ጀመሩ። ንኣብነት፡ ሓደ መዓልቲ ማኪና እናዘወርኩ ኸለኹ፡ ካብ ኣጣልን ሓሰማታትን ክርሕቕ ኢለ ኣብ ጐዳጕዲ ምስ ኣተኹ፡ እታ ኣረጊት ማኪናይ ዓጠጥ በለት። ድሕሪኡ ኸኣ፡ ብሸነኽ ድሕሪት ሃንደበት ‘ገው’ ዚብል ድምጺ ሰማዕኩ። ‘ሕጂ ኸኣ ማኪናይ ተሰይራ ጥራይ ከይትኸውን፧’ ኢለ እውን ሓሰብኩ። ሓደ ጽሙም እዩ ደድሕሪ ማኪናይ እናጐየየ፡ ንማኪናይ ድማ እናደግደገ፡ ብእተኻእሎ መጠን ቈላሕታ ኺገብረሉ ዚጽዕር ነይሩ።

ኣብ ካልኦት ከተማታት እውን ቋንቋ ምልክት ኣመሪካ ዚጥቀማ ጕጅለታት ተመስረታ። ኣብ ዓመታዊ ዓበይቲ ኣኼባታትና ብቛንቋ ምልክት ዚውሃብ መደባት ምስ ተገብረ፡ ሓንቲ ኻብቶም ንኺትርጕሙ እተሓትቱ ሰባት ነበርኩ። ናብቲ መድረኽ ደይበ ነቲ ተዛራባይ መደረኡ ንኺጅምር ክጽበዮ ኸለኹ፡ እቲ ኣብዛ ሃገር ምስ መጻእኩ መጀመርታ ዝሓስቦ ዝነበርኩ ነገራት ትዝ በለኒ። ‘ኣብ ኣፍሪቃ ኸም ሚስዮናዊት መጠን ብዘይካዚ እንታይ ክገብር ምኸኣልኩ’ ኢለ እየ ዝሓስብ ነይረ። ናብቶም ተኣከብቲ ኽጥምት ከለኹ፡ መልሱ ኸም ዝረኸብክዎ ፈለጥኩ። እቲ መልሲ፡ ‘ንጽሙማን እትሕግዝ ሚስዮናዊት ኴንኪ ዕየዪ’ ዚብል እዩ። ድሕሪ ደጊም፡ ‘ኣብ ምንታይ እየ ኣትየ፧’ ኢለ ኣይክሓትትን እየ።