ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር | ንጭንቀትብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧

ብዛዕባ ገንዘብ ምጭናቕ

ብዛዕባ ገንዘብ ምጭናቕ

ብዓል ሓዳርን ኣቦ ኽልተ ቘልዑን ዝዀነ ፖል፡ “ኣብ ሃገርና ኻብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ናህሪ ዋጋታት ምስ ኣጋጠመ፡ ምግቢ ብቐሊሉ ዘይርከብን ኣዝዩ ኽቡርን እዩ ዀይኑ” በለ። ቀጺሉ ኸኣ፡ “ንሰዓታት ዚኣክል ደው ኢልና ሪጋ ንሕዝ ነበርና፣ መብዛሕትኡ ግዜ ግና ሪጋና ቕድሚ ምብጻሑ እዩ እቲ ምግቢ ዚውዳእ ነይሩ። ብዙሓት ሰባት ብሰንኪ ጥሜት ኣዝዮም ዓቢሮም ነበሩ፣ ገሊኣቶም እሞ ኸኣ ኣብ ጐደናታት ይወድቁ ነበሩ። ዋጋታት እቲ መሰረታዊ ነገራት ናብ ሚልዮናት ጸኒሑ ኸኣ ናብ ቢልዮናት ደየበ። ኣብ መወዳእታኡ፡ ባጤራ እታ ሃገር ዋጋ ዘይብሉ ዀነ። እቲ ኣብ ባንክ ዘዋህለልክዎ ገንዘብን መድሕንን ጡረታን ከኣ ሰኣንኩ።”

ፖል

ፖል፡ ስድራ ቤቱ ነዚ ዅነታት እዚ ምእንቲ ኽትዋጽኣሉ ግብራዊ ዝዀነ “ጥበብ” ኪጥቀም ከም ዘለዎ ኣስተውዓለ። (ምሳሌ 3:21) ከምዚ ኸኣ በለ፡ “ብኰንትራት ዚዓዪ ዓራይ ኤለክትሪክ እየ ነይረ፣ እንተዀነ ግና ብኣዝዩ ትሑት ደሞዝ፡ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ስራሕ ክሰርሕ ጀመርኩ።” ወሲኹ ድማ “ገሊኦም፡ ምግቢ ወይ ኣቕሑ ገዛ ኸም መሃያ ይህቡኒ ነበሩ። ኣርባዕተ ሳሙና ምስ ዚኽፈል፡ ነተን ክልተ እጥቀመለን፡ ነተን ዝተረፋ ኽልተ ድማ እሸጠን ነበርኩ። ድሕሪ ግዜ፡ 40 ዝዀና ጨቓዊት ኣጥረኹ። ምስ ዓበያ ድማ ንዕአን ብምሻጥ፡ ካልኦት 300 ዓደግኩ። ጸኒሐ ኸኣ፡ 50 ደርሁ ብኽልተ ነናይ 50 ኺሎ ኸረጺት ኵርኵሮ ዕፉን ተላወጥክወን። በዘን ከረጺት ኵርኵሮ እዚአን፡ ንስድራ ቤተይን ንኻልኦት ስድራ ቤታትን ንነዊሕ እዋን ክናቢ ኽኢለ እየ” በለ።

ኣብ ርእሲ እዚ፡ ፖል፡ እቲ ዝዀነ ሰብ ኪገብሮ ዚኽእል ግብራዊ ጥበብ፡ ኣብ ኣምላኽ ትውክልቲ ምግባር ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። ነቲ ኣምላኽ ዚእዝዘና ነገራት ምስ እንገብር፡ ንሱ ይሕግዘና እዩ። የሱስ፡ ብዛዕባ እቲ ንህይወት ዜድልየና ነገራት፡ “ኣይትጨነቑ፡ . .  እዚ ኸም ዜድልየኩም ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ” በለ።—ሉቃስ 12:29-31

እቲ ዜሕዝን ግና፡ እቲ ቐንዲ ጸላኢ ኣምላኽ ዝዀነ ሰይጣን ንመብዛሕትኦም ሰባት፡ ህይወቶም ኣብ ንዋታዊ ነገራት ጥራይ ከም እተተኵር ብምግባር የታልሎም ኣሎ። ሰባት በቲ ብሓቂ ዜድልዮምን ዜድልዮም ኰይኑ ዚስምዖም ነገራትን ኣዝዮም እዮም ዚጭነቑ፣ ነቲ ብሓቂ ዘየድልዮም ነገራት ንምውናን ከኣ ላዕልን ታሕትን ይብሉ እዮም። ብዙሓት ሰባት ድማ ኣብ ዕዳ ይኣትዉ እዮም፣ ‘ተለቃሒ ባርያ እቲ ዜለቅሖ’ ኸም ዝዀነ ኸኣ ኣብ ሽግር ምስ ኣተዉ እዩ ዚርድኦም።—ምሳሌ 22:7

ገሊኦም ሰባት፡ ጐዳኢ ሳዕቤን ዘለዎ ውሳነታት ይገብሩ እዮም። ፖል፡ “ብዙሓት ጐረባብትና፡ ዝሓሸ ዅነታት ንምርካብ ስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን ሓዲጎም ናብ ወጻኢ ሃገር ከይዶም እዮም” በለ። ቀጺሉ ኸኣ፡ “ገሊኣቶም ግቡእ ዝዀነ ሕጋዊ ወረቓቕቲ ሒዞም ስለ ዘይከዱ፡ ስራሕ ኪረኽቡ ኣይከኣሉን። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ካብ ፖሊስ ይሕብኡን ኣብ ጐደናታት ይድቅሱን ነበሩ። ኣምላኽ ንኺሕግዞም ኣጋጣሚ ኣይሃብዎን። ንሕና ግና ብደረጃ ስድራ ቤት፡ ነቲ ቝጠባዊ ሽግራት ብሓገዝ ኣምላኽ ንኽንጋጠሞ ቘሪጽና ነበርና” በለ።

ንምኽሪ የሱስ ምስዓብ

ፖል ወሲኹ ኸምዚ በለ፦ “የሱስ፡ ‘ጽባሕ ናይ ርእሳ ጭንቀት ኣለዋ እሞ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ’ ኢሉ እዩ። ስለዚ፡ ብህይወት ምእንቲ ኽንነብር፡ ‘ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና’ ብምባል ጥራይ እየ መዓልታዊ ዝጽሊ ነይረ። ከምቲ የሱስ ዘተስፈዎ ኸኣ ኣምላኽ ሓጊዙና እዩ። ሓቂ እዩ፡ እቲ ብቐዳምነት እንደልዮ ነገራት፡ ኵሉ ግዜ ኣይኰንናን እንረኽቦ ነይርና። ሓደ መዓልቲ፡ እንታይ ይሽየጥ ከም ዘሎ ኸይፈለጥኩ፡ ምግቢ ንምዕዳግ ሪጋ ሓዝኩ። ሪጋይ ምስ በጽሐ፡ እቲ ዚሽየጥ ዝነበረ ርግኦ ኸም ዝዀነ ፈለጥኩ። ርግኦ ኸኣ ኣይፈቱን እየ። ይኹን እምበር ምግቢ እዩ፣ ስለዚ በታ ምሸት እቲኣ ርግኦ ተደረርና። ኣብቲ ዅሉ ዝሓለፈ ግዜ፡ ስድራ ቤተይ ብጥሙይ ከብዶም ሓዲሮም ስለ ዘይፈልጡ ንኣምላኽ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ። *

ኣምላኽ፡ “ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ” ዚብል ተስፋ ሂቡና ኣሎ።—እብራውያን 13:5

“ኣብዚ ግዜ እዚ ቝጠባዊ ጸገም የብልናን። ካብ ተመክሮና ግና እቲ ዝበለጸ መከላኸሊ ጭንቀት፡ ኣብ ኣምላኽ ምውካል ከም ዝዀነ ተማሂርና ኢና። የሆዋ፡ * ፍቓዱ ንምግባር ብቐጻሊ ኽሳዕ ዝጸዓርና፡ ወትሩ ኺሕግዘና እዩ። ንሓቅነት እተን ኣብ መዝሙር 34:8 ዚርከባ፡ “እግዚኣብሄር ሰናይ ምዃኑ ጥዐሙን ርአዩን፡ ኣብኡ ዚውከል ሰብ ብጹእ እዩ” ዚብላ ቓላት ተመኪርናየን ኢና። ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ ነቲ ብሕጂ እውን ኬጋጥም ዚኽእል ኣጸጋሚ ቝጠባዊ ዅነታት ንምግጣሙ ኣይንፈርህን ኢና።

ኣምላኽ ንእሙናት ኣገልገልቱ ‘ናይ ዕለት እንጌራኦም ኪረኽቡ’ ይሕግዞም እዩ

“ሕጂ፡ ሰባት ብህይወት ንኺነብሩ ዜድልዮም ስራሕ ወይ ገንዘብ ዘይኰነስ፡ ምግቢ ኸም ዝዀነ ብንጹር ተረዲእና ኢና። ነቲ ኣምላኽ፡ “ብዝሒ እኽሊ ኣብ ሃገር” ከም ዚኸውን ዘተስፈዎ ተስፋ ዚፍጸመሉ ግዜ ብሃንቀውታ ኢና እንጽበዮ። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ‘ምግብን ክዳንን ስለ ዘሎና፡ በዚ ዕጉባት ኢና።’ ካብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ ‘ንሱ፡ “ከቶ ኣይክሓድገካን፡ ከቶ እውን ኣይክጥንጥነካን እየ” ኢሉ እዩ እሞ፡ ናብራኹም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፣ በቲ ዘሎኩም እውን ዕገቡ። ስለዚ፡ ተቢዕና፡ “የሆዋ ረዳእየይ እዩ፣ ኣይክፈርህን እየ።” ክንብል ንኽእል ኢና’ ዚብል ቃላት ድማ ብርታዐ ንረክብ ኢና።” *

ከምቲ ፖልን ስድራ ቤቱን ዚገብርዎ ዘለዉ፡ ‘ምስ ኣምላኽ ንምምልላስ’ ናይ ሓቂ እምነት የድሊ። (ዘፍጥረት 6:9) ነቲ ሎሚ ዜጋጥመና ዘሎን ኣብ መጻኢ ኼጋጥመና ዚኽእልን ጽንኩር ቍጠባዊ ቕልውላው ንኽንዋጽኣሉ፡ እቲ ፖል ዘርኣዮ ኣብነት እምነትን ግብራዊ ዝዀነ ጥበብን ኣገዳሲ ትምህርቲ እዩ ዚምህረና።

ጸገማት ስድራ ቤት ከም እንጭነቕ ይገብረና እንተ ኣልዩኸ፧

^ ሕ.ጽ. 10 የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።