ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እያ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መንግስቲ ኣምላኽ ንዅለን ሰብኣውያን መንግስትታት ተኪኣ፡ ኣብ ልዕሊ ዅላ ምድሪ ኽትገዝእ እያ። (ዳንኤል 2:44፣ ራእይ 16:14) ክትገዝእ ምስ ጀመረት ከኣ፦

  •   ንዅሎም እቶም ንጥቕሚ ርእሶም ኢሎም ዚጐድኡና እኩያት ሰባት ከተጥፍኦም እያ። “እኩያት ግና ካብ ምድሪ ኺምንቈሱ . . . እዮም።”—ምሳሌ 2:22

  •   ንዅሉ ውግእ ደው ከተብሎ እያ። ኣምላኽ “ንውግእ ኣብ ብዘላ ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ።”—መዝሙር 46:9

  •   ኣብ ምድሪ፡ ሃብትን ድሕንነትን ከም ዚሰፍን ክትገብር እያ። “ነፍሲ ወከፍ ኣብ ትሕቲ ተኽሊ ወይኑን ኣብ ትሕቲ ኦም በለሱን ኪቕመጥ እዩ፣ ሓደ እኳ ኣይኬፍርሆምን እዩ።”—ሚክያስ 4:4

  •   ንምድሪ ገነት ክትገብራ እያ። “በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪፍሳህ፡ ጐልጐል ምድረ በዳ ኺሕጐስ፡ ከም ሳፍሮን ድማ ኪዕምብብ እዩ።”—ኢሳይያስ 35:1

  •   ኵሉ ሰብ፡ ትርጉም ዘለዎን ዜሐጕስን ስራሕ ከም ዚህልዎ ክትገብር እያ። “ሕሩያተይ ድማ ንግብሪ ኣእዳዎም ምሉእ ብምሉእ ኪሕጐሱሉ እዮም። ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን . . . እዮም።”—ኢሳይያስ 65:21-23

  •   ሕማም ከተጥፍእ እያ። “ካብቶም ነበርቲ ሓደ እኳ፡ ‘ሓሚመ’ ኣይኪብልን እዩ።”—ኢሳይያስ 33:24

  •   ካብ እርጋን ክትገላግለና እያ። “ስጋኡ ኻብ ናይ መንእሰይ ይለምልም፣ ናብ መዓልትታት ንእስነቱ ይመለስ” ይብል።—እዮብ 33:25

  •   ንምዉታት ከተተንስኦም እያ። “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ድምጺ የሱስ] ዚሰምዑላ . . . ትመጽእ ኣላ።”—ዮሃንስ 5:28, 29