ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ቅዱሳት ክጽልስ ግቡእ ድዩ፧

ናብ ቅዱሳት ክጽልስ ግቡእ ድዩ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ኣይፋልን። መጽሓፍ ቅዱስ ብስም የሱስ ናብ ኣምላኽ ጥራይ ክንጽሊ ኸም ዚግብኣና እዩ ዚገልጽ። የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ፦ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ” ኢልዎም እዩ። (ማቴዎስ 6:9) ንደቀ መዛሙርቱ ናብ ኣምላኽ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናብ ቅዱሳት፡ ናብ ጻድቃን፡ ናብ መላእኽቲ፡ ወይ ናብ ካልእ ኪጽልዩ ኣይመሃሮምን።

 የሱስ ንሰዓብቱ፡ “መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይካ ብኣይ፡ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን” እውን ኢልዎም እዩ። (ዮሃንስ 14:6) የሱስ ጥራይ እዩ ንኣምላኽ ምእንታና ኺልምን ዚኽእል።—እብራውያን 7:25

ናብ ኣምላኽን ናብ ቅዱሳትን ክጽሊ እኽእል ድየ፧

 ኣምላኽ ኣብተን ዓሰርተ ትእዛዛት፡ “ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ” ኢሉ እዩ። (ዘጸኣት 20:5ትርጉም 1956) ኣምላኽ “ቀናእ” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ ኣብ ኒው ኣመሪካን ባይብል ዘሎ እግረ ጽሑፍ፡ “ንበይኑ ተኣማንነት ይደሊ” ይብል። ኣምላኽ ተኣማንነትና ወይ ኣምልኾና ንበይኑ ጥራይ ኪኸውን፡ ጸሎትና ድማ ናብኡ ጥራይ ኪቐርብ እዩ ዚደሊ።—ኢሳይያስ 48:11

 ናብ ካልእ ናብ ዝዀነ ይኹን፡ ዋላ እውን ናብ ቅዱሳት ወይ ናብ መላእኽቲ እንተ ጸሊና፡ ንኣምላኽ ነጕህዮ ኢና። ሃዋርያ ዮሃንስ ንሓደ መልኣኽ ኪሰግደሉ ምስ በለ፡ እቲ መልኣኽ፡ “ከይትገብሮ ተጠንቀቕ! ኣነስ ከማኻን ከምቶም ብዛዕባ የሱስ ዕዮ ምስክርነት ዘለዎም ኣሕዋትካን ባርያ እየ። ንኣምላኽ ደኣ ኣምልኮ” ኢሉ ኸልኪልዎ እዩ።—ራእይ 19:10