ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ እንታይ ክገብር እዩ ዚደልየኒ፧

ኣምላኽ እንታይ ክገብር እዩ ዚደልየኒ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ኣምላኽ፡ ክትፈልጦን ናብኡ ኽትቀርብን ብምሉእ ልብኻ ኸተፍቅሮን ከተገልግሎን እዩ ዚደልየካ። (ማቴዎስ 22:37, 38፣ ያእቆብ 4:8) ካብ ህይወትን ትምህርትታትን የሱስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። (ዮሃንስ 7:16, 17) የሱስ፡ ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምሂሩ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ህይወቱ ተግቢርዎ እዩ። ከመይሲ፡ ቀንዲ ዕላማ ህይወቱ እንታይ ምዃኑ ኺገልጽ ከሎ፡ “ፍቓድ እቲ ዝለኣኸኒ እምበር፡ ፍቓደይ ክገብር ኣይኰንኩን” ኢሉ ኣሎ።—ዮሃንስ 6:38

ኣምላኽ እንታይ ክገብር ከም ዚደልየኒ ምእንቲ ኽፈልጥ፡ ፍሉይ ምልክት ክርኢ ወይ ራእይ ኪግለጸለይ የድሊ ድዩ፧

 ኣይፋልን። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዚኸውን መልእኽቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስፊሩ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ‘ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቕካ እተዳለኻ’ ይገብረካ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ኣምላኽ፡ ፍቓዱ እንታይ ከም ዝዀነ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ‘ብኣእምሮኻ ተጠቒምካ’ መጽሓፍ ቅዱስ ክትምርምር ይደልየካ እዩ።—ሮሜ 12:1, 2፣ ኤፌሶን 5:17

ፍቓድ ኣምላኽ ክገብር እኽእል ድየ፧

 እወ፡ ትኽእል ኢኻ። ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ትእዛዛቱ . . . ከቢድ ኣይኰነን” ይብል እዩ። (1 ዮሃንስ 5:3) ከምኡ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ትእዛዛት ኣምላኽ ምሕላው፡ ወትሩ ቐሊል እዩ ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ ክትሕልዎ እንተ ጽዒርካ ብዙሕ ጥቕሚ ትረክብ ኢኻ። የሱስ፡ “ሕጉሳትሲ እቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰምዑን ዚሕልዉን . . . እዮም!” ኢሉ እዩ።—ሉቃስ 11:28