ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ልዝብ

ሓቢርኩም ጽቡቕ ግዜ ኣሕልፉ

ሰብኣይን ሰበይትን ብሓባር ኣብ ዚዀኑሉ እውን ከይተረፈ፡ እሂን ምሂን ከይብሃሃሉ ይኽእሉ እዮም። ሰብ ሓዳር መብዛሕትኡ ግዜኦም ብሓባር ኬሕልፍዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

ንተክኖሎጂ ኣብ ግቡእ ቦታኡ ኽትሕልዎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ንተክኖሎጂ እትጥቀመሉ መገዲ ንሓዳርካ ኺጠቅም ወይ ኪጐድእ ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ንሓዳርካ ብኸመይ ይጸልዎ ኣሎ፧

ንጸገማት ብኸመይ ከም እትመያየጠሉ

ሰብኡትን ኣንስትን ሓሳብ ንሓሳብ ዚለዋወጡሉ እተፈላለየ ኣገባብ ኣለዎም። ነቲ ዘሎካ ፍልልያት ምርዳእካ ኻብ ብዙሕ ጭንቀት ኪሰትረካ እዩ።

ብኸመይ ጽን በሃሊ ኸም እትኸውን

ጽን ኢልካ ምስማዕ፡ ክእለት ጥራይ ዘይኰነስ፡ መግለጺ ፍቕሪ እውን እዩ። ብኸመይ ጽን በሃሊ ኽትከውን ከም እትኽእል ርአ።

ብኸመይ ተዓጻጻፊ ኸም እትኸውን

ንዓኻ ዀነ ንመጻምድትኻ፡ ቈየቛ ሓዲግኩም፡ ብሓባር ኴንኩም መፍትሒ ንኽትደልዩ ኺሕግዘኩም ዚኽእል ኣርባዕተ ነጥብታት።

ኣብ ቤትካ ብኸመይ ሰላም ተስፍን፧

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ሰላም ኣብ ዘይብሉ ቦታ ሰላም ኬስፍን ይኽእልዶ፧ ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ዘውዓልዎ ሰባት እንታይ ከም ዚብሉ ንርአ።

ንምስጕዳም ብኸመይ ከም እትሓድጎ

ገሊኦም ሰብ ሓዳር፡ ክሳዕ ምስጕዳም ዚበጽሑ ብኸመይ እዮም፧ ንፍልልያቶም ንምፍታሕከ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

ንቝጥዓኻ ብኸመይ ትቈጻጸሮ፧

ቍጥዓኻ ምፍናውካ፡ ንጥዕናኻ ይሃስዮ እዩ፣ ቍጥዓኻ ምዕባጥካ እውን፡ ኪጐድኣካ ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ መጻምድትኻ ኼበሳጭወካ ኸሎ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ንቘየቛ ብኸመይ ደው ከም እተብሎ

ንስኻን መጻምድትኻን ወትሩ ትቋየቑ ዲኹም፧ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓዳርካ ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ተምሃር።

ሃሳዪ ዘረባ ብኸመይ ከም እተወግድ

ሃሳዪ ዘረባ ንርክብኩም ይጸልዎ እንተ ኣልዩ፡ እንታይ ክትገብሩ ትኽእሉ፧

ይቕረታ ብኸመይ ክትሓትት ትኽእል፧

ምሉእ ብምሉእ ጌገኛ እንተ ዘይኰንኩኸ፧

ብኸመይ ይቕረ ኸም እትብል

ይቕረ ምባል ከቢድ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘካ ኸም ዚኽእል ርአ።

ሰብኣይ ኣደ ወይ ሰይተቦ ንዘለወን ስድራ ቤታት ዚሕግዝ ምኽሪ

መጽሓፍ ቅዱስ ንሰብኣይ ኣደ ወይ ንሰይተቦ ምስ ፈተውትን ኣዝማድን ምስ ናይ ቅድም መጻምድትን ጥዑይ ርክብ ንኺህልዎም ኪሕግዞም ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧