ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ውሉዳት

ንባብ ንቘልዑ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧—1 ክፋል፦ ምንባብዶ ወይስ ምርኣይ፧

ንባብ ንቘልዑ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧—1 ክፋል፦ ምንባብዶ ወይስ ምርኣይ፧

 ኣብ እዋን ዕረፍቲ ደቅኹም ቪድዮ ኽርእዩ ድዮም ወይስ ኬንብቡ ዚደልዩ፧ መብዛሕትኡ ግዜ ሞባይል ድዮም ወይስ መጽሓፍ ዚሕዙ፧

 ንነዊሕ ዓመታት፡ ተለቪዥንን ኢንተርነትን ንሰባት ከየንብቡ ዕንቅፋት ኰይንዎም እዩ። ጄን ሄይሊ ዝስማ ጸሓፊት ኣብታ ብ1990 ዝጸሓፈታ ኢንዳንጀርድ ማይንድስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ድሕሪ ግዜ ሰባት ንንባብ ፈጺሞም ዚሓድግዎ እዩ ዚመስል” ኢላ ኣላ።

 ኣብቲ እዋን እቲ፡ እዚ ሓሳብ እተጋነነ እዩ ዚመስል ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ኣብዚ እዋን እዚ ድሕሪ ሰላሳ ዓመት ቴክኖሎጂ ብስፍሓት ኣብ ዚርከበን ሃገራት ዚነብሩ መምሃራን፡ ብሓፈሻ ኺርአ ኸሎ ንባብ መንእሰያት ከም ዝነከየ ኣስተብሂሎም እዮም።

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ

  • ንባብ ንቘልዑ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ቈልዑ ምእንቲ ኼንብቡ ብኸመይ ከተተባብዕዎም ትኽእሉ፧

  • ወለዲ እንታይ ይብሉ፧

ንባብ ንቘልዑ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  •   ንባብ ብኣእምሮኻ ኽትስእል ይሕግዝ። ንኣብነት፡ ሓደ ዛንታ ኸተንብብ ከለኻ፡ ድምጺ እቶም ገጸ ባህርያት ከመይ ዓይነት እዩ፧ ትርኢቶም እንታይ ይመስል፧ እቲ ቦታ እንታይ ይመስል፧ እቲ ደራሲ ይእምት፡ ነቲ ሓሳብ ዚመልኦ ግና፡ እቲ ኣንባቢ እዩ።

     ሎራ ዝስማ ኣደ፡ “ፊልም ወይ ቪድዮ ኽንርኢ ኸለና ኻልእ ሰብ ብኣእምሮኡ ዝሰኣሎ ኢና እንርኢ፣ ቪድዮ ምርኣይ ባህ ዜብል እኳ እንተ ዀነ፡ ምንባብ ግና ዚበለጸ እዩ። ከመይሲ፡ ሓደ ሰብ ዝጸሓፎ ሓሳብ ብኣእምሮኻ ኽትስእሎ የኽእለካ እዩ” በለት።

  •   ንባብ ጽቡቕ ባህርያት ከተማዕብል ይሕግዝ። ቈልዑ ምስ ዜንብቡ፡ ጸገማቶም ኣለልዮም ናይ ምፍታሕ ክእለቶም የማዕብሉ እዮም። ብዘይካዚ፡ ንባብ ንቘልዑ ኼተኵሩ ስለ ዚገብሮም ከም ዓቕሊ፡ ርእሰ ግትኣት፡ ድንጋጽ ዚኣመሰለ ጽቡቕ ባህርያት ኬማዕብሉ ይሕግዞም እዩ።

     ድንጋጽ፧ እወ! ቈልዑ ብጥንቃቐን ብህድኣትን ኬንብቡ ኸለው፡ ስምዒት እቲ ገጸ ባህርያት ከም ዚግንዘቡ ገሊኦም ተመራመርቲ ይኣምኑ እዮም። እዚ ኸኣ፡ ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ንዚረኽብዎም ሰባት ኪድንግጹሎም ኪሕግዞም ይኽእል እዩ።

  •   ኣተሓሳስባኻ ኸተስፍሕ ይሕግዝ። ንፉዓት ኣንበብቲ ንሓሳብ እቲ ደራሲ ምእንቲ ኺርድእዎ፡ ብናታቶም ፍጥነት እዮም ዜንብቡ። ኣድላዪ ኣብ ዚዀነሉ ግዜ እውን ደጊሞም የንብብዎ እዮም። ስለዚ፡ ነቲ ዘንበብዎ ዳርጋ ንዅሉ ይዝክርዎ እዮም። ካብኡ እውን ይጥቀሙ እዮም።—1 ጢሞቴዎስ 4:15

     ሓደ ጆሰፍ ዚብሃል ኣቦ፡ “ከተንብብ ከለኻ ናይቲ ሓሳብ ትርጉም ብቐሊሉ ኸተስተንትን፡ ምስቲ እትፈልጦ ኸተተሓሕዞ፡ ነቲ ኻብኡ እትረኽቦ ትምህርቲ ኽትሓስብ ትኽእል ኢኻ። ቪድዮ ኽትርኢ ኸለኻ ግና፡ ከምኡ ምግባር ከቢድ እዩ” ኢሉ ትዕዝብቱ ገሊጹ ኣሎ።

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ቪድዮ ይኹን ካልእ ዚርአ ነገራት ጠቓሚ እኳ እንተ ዀነ፡ ደቅኹም ንንባብ ዚኸውን ግዜ እንተ ዘይኣልዩዎም ግና፡ ንህይወቶም ዚጠቅም ኣገዳሲ ነገር ኬምልጦም ይኽእል እዩ።

ቈልዑ ምእንቲ ኼንብቡ ብኸመይ ከተተባብዕዎም ትኽእሉ፧

  •   ብኣጋኡ ጀምሩ። ኣደ ኽልተ ቘልዑ ዝዀነት ክሎይ ከምዚ ትብል፦ “ንደቅና ኣብ ማሕጸን ከለዉ ነንብበሎም ኔርና፡ ምስ ተወልዱ ድማ ቀጺልና። ከምኡ ብምግባርና ድማ ሕጉሳት ኢና። ከመይሲ፡ ድሕሪ ግዜ ደቅና ናይ ንባብ ልምዲ ኣማዕቢሎም እዮም፣ ወረግ ከም መዘናግዒ ገይሮም እውን ይርእይዎ እዮም።”

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ካብ ሕጻንነትካ ኣትሒዝካ . . . ቕዱሳት ጽሑፋት ትፈልጦ ኢኻ።”—2 ጢሞቴዎስ 3:15

  •   ንንባብ ዚኸውን ምሹእ ሃዋህው ፍጠሩ። ኣብ ቤትኩም ዚንበብ ነገራት ብቐሊሉ ኸም ዚርከብ ብምግባር፡ ናይ ንባብ ሃዋህው ፍጠሩ። ኣደ ኣርባዕተ ውሉዳት ዝዀነት ታማር “ንውሉድካ ኺፈትዎ ዚኽእል መጽሓፍ ድለየሉ፡ ኣብ ጥቓ ዓራቱ ድማ ኣቐምጠሉ” ዚብል ሓሳብ ሂባ ኣላ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንቘልዓ በታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣሰልጥኖ፣ ምስ ኣረገ እኳ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።”—ምሳሌ 22:6

  •   ንኣጠቓቕማ ኢንተርነት ደረት ግበሩሉ። ዳንኤል ዝስሙ ሓደ ኣቦ፡ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒ ዘይትጥቀመሉ ምሸት ኪህልወካ ጽቡቕ ከም ዚዀነ ይገልጽ። ኣስዒቡ ድማ “ኣብ ሰሙን እንተ ወሓደ ሓንቲ ምሸት ተለቪዥን ኣይንውልዕን ኔርና። ነታ ምሸት እቲኣ ብሓባር ወይ ብብሕቲ ንንባብ ንጥቀመላ ኢና” ኢሉ ኣሎ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ‘እቲ ዚሓይሽ መርምሩ።’—ፊልጲ 1:10

  •   ኣብነት ኩኑ። ኣደ ኽልተ ቘልዑ ዚዀነት ካሪና፡ “ንደቅኹም ዛንታ ኸተንብቡሎም ከለኹም ህያው ብዝዀነ መገድን ብውዕውዕ ስምዒትን ኣንብቡሎም። ንባብ ትፈትዉ እንተ ዄንኩም ደቅኹም እውን ኣብነትኩም ኪስዕቡ እዮም” ትብል።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንህዝቢ ኣብ ምንባብ . . . ትጋህ።”—1 ጢሞቴዎስ 4:13

 ንባብ ዚፈትዉ ዅሎም ቈልዑ ኣይኰኑን። ይኹን እምበር፡ ንደቅኹም እንተ ኣተባቢዕኩምዎም ንባብ ኪፈትዉ ኺድረኹ ይኽእሉ እዮም። ክልተ ኣዋልድ ዘለዋኦ ዴቪድ ዚብሃል ኣቦ እንታይ ከም ዝበለ እስከ ንርአ። “ነቲ ደቀይ ዜንብባኦ አንብቦ ነይረ። እዚ ኸኣ ድሌተን ክፈልጥን ምስኣተን እነዕልለሉ ናይ ሓባር ነገር ክንረክብን ሓጊዙኒ እዩ። ናይ ገዛ ርእስና ዝዀነት ንእሽተይ ናይ ንባብ ጕጅለ ነይራትና። ባህ ዜብል እዩ ነይሩ።”