ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ውሉዳት

ንደቅኻ ኻብ ዚርብሽ ዜናታት ኣዕቍቦም

ንደቅኻ ኻብ ዚርብሽ ዜናታት ኣዕቍቦም

 ብቪድዮታት እተሰነየ ዜሰምብድ ዜናታት ኣብ ቲቪ፡ ኣብ ሞባይላት፡ ኣብ ታብለታት፡ ኣብ ኮምፕዩተራት ለይትን መዓልትን ይዝርጋሕ እዩ።

 ቈልዑ ኸኣ ይርእይዎ እዮም።

 ደቅኻ በዚ ዚርብሽ ዜናታት ምእንቲ ኸይጭነቑ ብኸመይ ከተዕቍቦም ትኽእል፧

 ውሉዳትካ በቲ ዜና ብኸመይ ይጽለዉ፧

  •   ብዙሓት ቈልዑ በቲ ኣብ ዜና ዚርእይዎ ዜሕዝን ነገራት ይርበሹ እዮም። ገሊኦም ቈልዑ ብዛዕባ እቲ ዚርእይዎ ዜሕዝን ዜናታት ስምዒቶም እኳ እንተ ዘይገለጹ፡ ብውሽጦም ግና ይርበሹ እዮም። a ወለዶም እምብዛ ኺጭነቑ ኸለዉ ኸኣ ውጥረቶም ይውስኽ።

  •   ቈልዑ ነቲ ዚርእይዎ ዜና ብጌጋ ኺርድእዎ ይኽእሉ እዮም። ንኣብነት፡ ገሊኦም እቲ ዚርእይዎ ንስድራ ቤቶም እውን ኬጋጥማ ኸም ዚኽእል ይሓስቡ። ዜሕዝን ዜና ብተደጋጋሚ ዚርእዩ ንኣሽቱ ቘልዑ ኸኣ፡ እቲ ፍጻመ ዚደጋገም ዘሎ ኺመስሎም ይኽእል እዩ።

  •   ቈልዑ ብዛዕባ ዜና ግቡእ ኣመለኻኽታ ኸይህልዎም ይኽእል እዩ። መደበራት ዜና መኽሰብ ንምርካብ ብዙሓት ሰማዕቲ ኺስሕባ ኸም ዚጽዕራ ኸየስተውዕሉ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ ድማ፡ ሓደ ጸብጻብ ትዅረት ሰማዕቲ ንምስሓብ ኢልካ ኺጋነን ይኽእል እዩ።

 ውሉዳትካ ዚርብሽ ዜና ምእንቲ ኸየጨንቖም ብኸመይ ክትሕግዞም ትኽእል፧

  •   ዜሕዝን ዜና ዚርእዩሉ መጠን ገደብ ግበረሉ። ውሉዳትካ ኣብ ዓለም እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ኺፈልጡ የብሎምን ማለት ኣይኰነን። እንተዀነ ግና፡ ዚርብሽ ዜና ብተደጋጋሚ ኪቐርብ ከሎ ብምክትታል ኣይጥቀሙን እዮም።

     “ሓድሓደ ግዜ ነቶም ዚሰምዑና ዘለዉ ደቅና ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜጨንቖም ከየስተብሃልና፡ ብዛዕባ ሓደ ዜና ፍትፍት ኣቢልና ንዛረብ ኢና።”—ማርያ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣብ ልቢ ሰብ ዝሓደረ ጭንቀት ንዕኡ ይኸብዶ።”—ምሳሌ 12:25

  •   ብትዕግስቲ ስማዕ፡ ብርሕራሐ መልስ። ውሉድካ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ስምዒቱ ኺገልጽ እንተ ኸቢድዎ፡ ብስእሊ ኺገልጾ ኣተባብዓዮ። እቲ ንውሉድካ ዜተሓሳስቦ ዘሎ ነገር በቲ ንሱ ኺርድኦ ዚኽእል መገዲ ምስኡ ተዛራረቡሉ፣ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዘየድሊ ዝርዝር መግለጺታት ግና ኣይትሃብ።

     “ጓልና ኾፍ ኢልና ምስ ሰማዕናያ ፍዅስ ኢልዋ። ‘እንታይ ደኣ ኺግበር፡ ዝወረደካ ምቕባል እዩ እምበር’ ኢልካ ምዝራብ ከም ዘይሕግዛ ስለ እንፈልጥ፡ ከምኡ ኣይንብላን ኢና።”—ሳራሂ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኵሉ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ . . . ይኹን።”—ያእቆብ 1:19

  •   ውሉድካ ብዛዕባ ዜና ግቡእ ኣመለኻኽታ ኺህልዎ ሓግዞ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ጭውያ ዚድህስስ ዜና፡ እቲ ዓይነት ገበን እቲ ብቐጻሊ ዜጋጥም ኣምሲሉ ኬቕርቦ ይኽእል እዩ። ስለዚ ንደቅኻ፡ ንዓታቶም ንምዕቋብ እንታይ ጥንቃቐታት ከም እትገብር ግለጸሎም። ክንዝክሮ ዚግባእ ነገር ከኣ፡ ዜሕዝን ፍጻመ ኣብ ዜና ዚቐርብ ዘይልሙድ ስለ ዝዀነ ደኣ እምበር ልሙድ ብምዃኑ ኣይኰነን።

     “ነቲ ተረቢሹ ዘሎ ስምዒታቶም ኬሰንፉ ንደቅኻ ሓግዞም። መብዛሕትኡ ግዜ ሓሳባት ንስምዒታት ይጸልዎ እዩ፣ ስለዚ፡ ንደቅና ኣብ ኣወንታዊ ነገራት ኬተኵሩ እንተ ሓጊዝናዮም፡ ብሩህ ተስፋ ኺርኣዮም ይጅምር እዩ።”—ሎርደስ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ልቢ ጥበበኛ ንኣፉ ልቦና ይህቦ፣ ንዘረባኡ ኸኣ ዜእምን ይገብሮ።”—ምሳሌ 16:23

a ንኣሽቱ ቘልዑ እንተ ተጨኒቖም፡ ኣብ ዓራት ኪሸኑ ወይ ድማ ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ኪፈርሁን ካብ ወለዶም ምፍላይ ኪኣብዩን ይኽእሉ እዮም።