ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሳቶም ጥራይ ዚድሕኑ ድዩ ዚመስሎም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሳቶም ጥራይ ዚድሕኑ ድዩ ዚመስሎም፧

 ኣይፋልን። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ዚነብሩ ዝነበሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ ሰባት፡ ኪድሕኑ ኣጋጣሚ ኪኽፈተሎም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም፡ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ” ኸም ዚኸውን ይገልጽ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 24:15) ብተወሳኺ፡ ሎሚ ብህይወት ዘለዉ ሰባት፡ ንኣምላኽ ኬገልግልዎ ይጅምሩ ይዀኑ፡ በዚ ድማ ድሕነት ኪረኽቡ እዮም። ዝዀነ ዀይኑ፡ መን ከም ዚድሕን ወይ ከም ዘይድሕን ምፍራድ ናትና ዕዮ ኣይኰነን። እዚ ሓላፍነት እዚ ንየሱስ እዩ ተዋሂብዎ።—ዮሃንስ 5:22, 27