ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣጽኒዐ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ኣሎኒ ድዩ፧

ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ኣጽኒዐ፡ ናይ የሆዋ ምስክር ክኸውን ኣሎኒ ድዩ፧

 ኣይፋልን፡ ብዝዀነ ይኹን መገዲ ናይ የሆዋ ምስክር ክትከውን ኣይትግደድን ኢኻ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኣባላት ጉባኤታትና ኪዀኑ ኸየድለዮም ምሳና መጽሓፍ ቅዱስ የጽንዑ እዮም። a ዕላማ እዚ መደብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር ክትፈልጥ ንምሕጋዝ እዩ። ነዚ ፍልጠት እዚ ተጠቒምካ እትወስዶ ውሳነ ኣባኻ ዚምርኰስ እዩ። እምነት ብሕታዊ ጕዳይ ከም ዝዀነ ንግንዘብ ኢና።—እያሱ 24:15

ከጽንዕ ከለኹ ናተይ መጽሓፍ ቅዱስ ክጥቀም እኽእልዶ፧

 እወ። ነቲ ብዘመናዊ ቛንቋ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ክንጥቀም ንፈቱ እኳ እንተ ዀንና፡ እዚ መጽሓፍ ኪህልወካ እንተ ደሊኻ ድማ ብዘይ ክፍሊት ክንህበካ ንኽእል እኳ እንተ ዀንና፡ ናትካ መጽሓፍ ቅዱስ ክትጥቀም እንተ መሪጽካ ሕጉሳት ኢና። ብዝዀነ ትርጉም ጌርካ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መልእኽቲ ተስፋን ድሕነትን ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

ከም ናትኩም እምነት ምስ ዘይብሎም ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ እተጽንዑ ስለምንታይ ኢኹም፧

  •   ከምኡ ኽንገብር ዚድርኸና ቐዳማይ ምኽንያት ነቲ ክርስትያናት ንእተማህርዎ ዘበለ ንኻልኦት ኪምህሩ ዚደልዮም የሆዋ ኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ እዩ። (ማቴዎስ 22:37, 38፣ 28:19, 20) ሰባት ቃል ኣምላኽ እንታይ ከም ዚምህር ኪፈልጡ ኣብ ምሕጋዝ “መዓይይቲ ኣምላኽ” ካብ ምዃን ዚዓቢ መሰል ከም ዘየልቦ ኢና እንኣምን።—1 ቈረንቶስ 3:6-9

  •   ካልእ ዚድርኸና ምኽንያት ከኣ እቲ ንብጾትና ዘሎና ፍቕሪ እዩ። (ማቴዎስ 22:39) ነቲ እተምሃርናዮ ዜደንቕ ነገራት ንኻልኦት ከነካፍሎም ከለና የሐጕሰና እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

a ኣብ 2023፡ ኣብ ወወርሒ 7,281,212 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መሪሕና ኢና፣ ሓያሎ ኻብዚ ኣብ ሓደ እዋን ምስ እተፈላለዩ ሰባት እተመርሐ መጽናዕቲ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ኣብታ ዓመት 269,517 ሰባት ጥራይ እዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ተጠሚቖም።