ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዓል ልደት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዓል ልደት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧

ግጉይ ርድኢት

  ጌጋ፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዓል ልደት ዘየብዕሉ ብየሱስ ስለ ዘይኣምኑ እዩ።

 ቅኑዕ፦ ክርስትያናት ኢና። ድሕነት ዚርከብ ብየሱስ ጥራይ ከም ዝዀነ ድማ ኢና እንኣምን።—ግብሪ ሃዋርያት 4:12

  ጌጋ፦ ንኣባላትኩም በዓል ልደት ከየብዕሉ ብምምሃር ስድራ ቤታት ትፈላልዩ ኢኹም።

 ቅኑዕ፦ ብዛዕባ ስድራ ቤታት ንግደስ ኢና፣ ብመጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒምና ድልዱላት ስድራ ቤታት ንምህናጽ ድማ ንጽዕር ኢና።

  ጌጋ፦ ኣብ በዓል ብዘይምክፋልኩም፡ ከም ልግስን ዓለምለኻዊ ሰላምን ጽቡቕ ትምኒትን ዝኣመሰለ ነገራት ኣይትረኽቡን ኢኹም።

 ቅኑዕ፦ ኵሉ መዓልቲ ለጋሳትን ሰላማውያንን ክንከውን ኢና እንጽዕር። (ምሳሌ 11:25፣ ሮሜ 12:18) ንኣብነት፡ ምስቲ “ብናጻ ተቐቢልኩም ኢኹም እሞ፡ ብናጻ ሃቡ” ዚብል ትእዛዝ የሱስ ብዚሰማማዕ መገዲ ኢና ኣኼባታትና እነካይድን እንሰብኽን። (ማቴዎስ 10:8) ብዘይካዚ፡ ኣብ ምድሪ ናይ ሓቂ ሰላም እተምጽእ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃና ንዛረብ ኢና።—ማቴዎስ 10:7

ናይ የሆዋ መሰኻኽር በዓል ልደት ዘየብዕሉ ስለምንታይ እዮም፧

  •   የሱስ ንሞቱ እምበር፡ ንልደቱ ኸነብዕል ኣይኣዘዘናን።—ሉቃስ 22:19, 20

  •   ሃዋርያት የሱስን ቀዳሞት ክርስትያናትን በዓል ልደት ኣየብዓሉን። ዘ ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ከም ዚገልጾ፡ “በዓል ልደት እተኣታተወ፡ ድሕሪ 243 [ድ.ክ.] እዩ።” እዚ ድማ እቲ ናይ መወዳእታ ሃዋርያ ምስ ሞተ፡ ልዕሊ ሓደ ዘመን ጸኒሑ ማለት እዩ።

  •   የሱስ ብ25 ታሕሳስ (ወይ ብ29 ታሕሳስ) ከም እተወልደ ዜእምን መርትዖ የልቦን። ዕለት ልደቱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይተመዝገበን።

  •   መበቈል በዓል ልደት ኣረማዊ ልምድታትን ጽምብላትን ስለ ዝዀነ፡ ኣምላኽ ከም ዘይቅበሎ ኢና እንኣምን።—2 ቈረንቶስ 6:17

በዓል ልደት ብዘይምብዓል ስለምንታይ ዘየድሊ ትዅረት ትስሕቡ፧

 ሓያሎ ሰባት፡ በዓል ልደት ኣረማዊ መበቈል ከም ዘለዎን መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይድግፎን እናፈለጡ እኳ የብዕሉ እዮም። እዞም ሰባት እዚኦም፡ ‘ካልኦት ዘይፈትውዎ መትከል ስለምንታይ እወስድ፧ ስለምንታይ ዘየድሊ ትዅረት እስሕብ፧’ ይብሉ ይዀኑ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ብርእስና ኽንሓስብ፡ ‘ኣእምሮና ኽንጥቀም’ እዩ ዚነግረና። (ሮሜ 12:1, 2) ንሓቂ ኣኽቢርና ኽንርእያ እውን ይምህረና እዩ። (ዮሃንስ 4:23, 24) ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ኻልኦት ንዓና ዘለዎም ኣረኣእያ ንግደስ እኳ እንተ ዀንና፡ ዋላ እውን ዘይተፈተውቲ ይግበረና ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኢና እንስዕብ።

 በዓል ልደት ዘይነብዕል እኳ እንተ ዀንና፡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብዛዕባ እዚ ንዚገብሮ ውሳነ ግና ነኽብር ኢና። ካልኦት በዓል ልደት ምስ ዜብዕሉ፡ ዕንቅፋት ኣይንዀኖምን ኢና።