ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ እየን ዚውደባ፧

ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ እየን ዚውደባ፧

 ጉባኤታት ብኣካል ሽማግለታት እየን ዚምርሓ። ዳርጋ 20 ዝዀና ጉባኤታት ኣብ ትሕቲ ሓደ ወረዳ ይጥርነፋ እየን። ሓለውቲ ወረዳ ዚብሃሉ ገየሽቲ ሽማግለታት ድማ ንጉባኤታት በብግዜኡ ይበጽሑወን እዮም።

 ኣብ ብሩክሊን፡ ኒውዮርክ ኣብ ዚርከብ ዓለምለኻዊ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚዓይዩ ገዳይም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣመሓዳሪ ኣካል የቝሙ እዮም። እዚ ኣመሓዳሪ ኣካል እዚ ድማ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መምርሒታትን ትምህርትታትን የመሓላልፍ እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 15:23-29፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:1-7