ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሓዘንተኛታት ዚኸውን ሓገዝ

ንሓዘንተኛታት ዚኸውን ብሉጽ ሓገዝ

ንሓዘንተኛታት ዚኸውን ብሉጽ ሓገዝ

ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ሞት ሰብና ዜስዕቦ ሓዘን ብዙሕ ምርምር ኪግበረሉ ጸኒሑ እዩ። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ ግና፡ መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ኽኢላታት ዚህብዎ ብሉጽ ምኽሪ ምስቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥንታዊ ጥበብ ይሰማማዕ እዩ። እዚ ኸኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ግዜ ዘይሓልፎ ምዃኑ እዩ ዜርኢ። ኰይኑ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዜተኣማምን ምኽሪ ጥራይ ኣይኰነን ሒዙ ዘሎ። ንሓዘንተኛታት ብዙሕ ኬጸናንዖም ዚኽእል ኣብ ካልእ ዘይርከብ ሓበሬታ እውን ሒዙ ኣሎ።

  • ዝሞቱ ሰብና ይሳቐዩ ኸም ዘየለዉ ዚሕብር መረጋገጺ

    መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መክብብ 9:5፡ “ምዉታት . . . ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም” ይብል እዩ። ከመይሲ፡ ‘ሓሳባቶም ይጠፍእ’ እዩ። (መዝሙር 146:4) ስለዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ንሞት ምስ ድቃስ ዜመሳስሎ።—ዮሃንስ 11:11

  • ፈቃር ኣምላኽ ከም ዘሎ ብጽኑዕ ምእማንና ዜምጽኣልና መጸናንዒ

    መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዝሙር 34:15፡ “ኣዒንቲ የሆዋ * ናብ ጻድቃን፡ ኣእዛኑ ኸኣ ንኣውያቶም ይሰምዓ እየን” ይብል እዩ። ስምዒታትና ብጸሎት ንኣምላኽ ምግላጽና፡ ጽቡቕ ከም ዚስምዓና ወይ ሓሳባትና ኸም እንእክብ ጥራይ ኣይኰነን ዚገብር። ምስቲ ብሓይሉ ገይሩ ኼጸናንዓና ዚኽእል ፈጣሪና ብሕታዊ ርክብ ክንምስርት እውን የኽእለና እዩ።

  • ብሃንቀውታ እንጽበዮ ዝሓሸ መጻኢ

    ኣብ መቓብር ዘለዉ ሰባት ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ዚትንስኡሉ እዋን እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ! መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ እዋን እቲ ብተደጋጋሚ ይገልጽ እዩ። ሽዑ ኣብ ምድሪ ኸመይ ዝበለ ዅነታት ከም ዚህሉ ኺገልጽ ከሎ፡ “ኣምላኽ . . . ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ” ይብል እዩ።—ራእይ 21:3, 4

ብዙሓት በቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ የሆዋ ኣምላኽ ዚኣምኑ ሰባት፡ ነቲ ምዉታቶም ከም ዚትንስኡ ዚገልጽ ተስፋ ብምቕባሎም፡ ንሓዘኖም ኪኽእልዎ ብዙሕ ሓጊዝዎም እዩ። ንኣብነት፡ ሓንቲ ድሕሪ ናይ 65 ዓመት ሓዳር ሰብኣያ ዝሞታ ኣን፡ “መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንፈትዎም ዝሞቱ ሰብና ይሳቐዩ ኸም ዘየለዉን ኣምላኽ ንዅሎም እቶም ኣብ ተዘክሮኡ ዘለዉ ኸም ዜተንስኦምን የረጋግጸልና እዩ። ብዛዕባ ሓዘነይ ክዝክር ከለኹ፡ እዚ ሓሳባት እዚ ይመጸኒ እዩ፣ ስለዚ ድማ፡ ነቲ ኽሳዕ ሕጂ ዘጋጠመኒ ዝኸፍአ ነገር ክኢለዮ ኣለኹ” ትብል።

ኣብዘን ተኸታታሊ ዓንቀጻት ኣቐዲማ እተጠቕሰት ቲና ኸምዚ ትብል፦ “ካብታ ቲሞ ዝሞተላ ዕለት ኣትሒዘ፡ ካብ ኣምላኽ ሓገዝ ከም ዝረኸብኩ ተሰሚዑኒ እዩ። ኣብ እዋን ጭንቀይ ኢድ የሆዋ ኸም ዝደገፈትኒ ኣጸቢቑ ተሰሚዑኒ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ተስፋ ትንሳኤ ኸኣ ብዝያዳ ጋህዲ ዀይኑለይ እዩ። ክሳዕ እታ ምስ ቲሞ እንራኸበላ መዓልቲ ኸይሕለል እውን የበርትዓኒ እዩ።”

እዚ ቓላት እዚ ንስምዒታት እቶም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜተኣማምን መጽሓፍ ገይሮም ዚርእይዎ ሰባት ዜቃልሕ እዩ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዜተስፍዎ ተስፋታት ዘይመስል ወይ ሕልሚ መሲሉ ይርኣየካ ይኸውን። ኰይኑ ግና፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ምኽርን ነቲ ዜትስፍዎ ተስፋታትን ክትምርምሮ ኣሎካ። መን ይፈልጥ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓዘንተኛታት ዚኸውን ብሉጽ ሓገዝ ዝሓዘ ዀይኑ ኽትረኽቦ ትኽእል ትኸውን።

ብዛዕባ ተስፋ ምዉታት ብዝያዳ ፍለጥ

ኣብ jw.org ዚብሃል ወብሳይትና ምስዚ ዚተሓሓዝ ቪድዮታት ርአ

መጽሓፍ ቅዱስ ንዝሞቱ ሰብና ብትንሳኤ ብዛዕባ እንረኽበሉ መጻኢ የተስፉ እዩ

ምዉታት ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዮም ዘለዉ፧

ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ንጹር መልሲ የጸናንዓናን የደዓዕሰናን እዩ

ኣብ ትሕቲ ቤተ መጻሕፍቲ > ቪድዮታት ርአ (ኣብ ትሕቲ ቪድዮታት፦ መጽሓፍ ቅዱስ)

ብስራት ክትሰምዕ ትደሊዶ፧

ኣብዛ ብኽፉእ ወረ ዝመልአት ዓለም፡ ብስራት ክትረክብ እትኽእል ኣበይ ኢኻ፧

ኣብ ትሕቲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ > ሰላምን ሓጐስን ርአ

^ ሕ.ጽ. 7 የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ እዩ።