ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስለምንታይ እዮም ሰባት ዚሞቱ፧

ስለምንታይ እዮም ሰባት ዚሞቱ፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ምናዳ እንቐርቦም ሰባት ኪሞቱ ኸለዉ፡ ስለምንታይ ሰባት ከም ዚሞቱ ምሕታት ባህርያዊ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “መንደፍ ሞትሲ ሓጢኣት እዩ” ይብል።—1 ቈረንቶስ 15:56

ስለምንታይ እዮም ኵሎም ሰባት ዚሓጥኡን ዚሞቱን፧

 እቶም ቀዳሞት ሰባት ዝዀኑ ኣዳምን ሄዋንን፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ስለ ዝሓጥኡ፡ ህይወቶም ስኢኖም እዮም። (ዘፍጥረት 3:17-19) ካብቲ “ምንጪ ህይወት” ዝዀነ ኣምላኽ ብምዕላዎም፡ እዚ ሞት ኣስዒቡሎም እዩ።—መዝሙር 36:9፣ ዘፍጥረት 2:17

 ኣዳም ንዅሎም ዘርኡ ሓጢኣት ኣመሓላሊፉሎም እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከምቲ ብሓደ ሰብ ሓጢኣት ናብ ዓለም ዝኣተወ፡ ብሓጢኣት እውን ሞት፡ ኵላቶም ስለ ዝሓጥኡ ድማ ሞት ናብ ኵሉ ሰብ ሓሊፉ ኣሎ” ይብል። (ሮሜ 5:12) እምበኣር፡ ኵሎም ሰባት ሓጥኣን ስለ ዝዀኑ እዮም ዚሞቱ።

ሞት ብኸመይ ይውገድ፧

 ኣምላኽ ‘ንሞት ንዘለኣለም ከም ዚውሕጦ’ ኣተስፍዩ እዩ። (ኢሳይያስ 25:8) ንሞት ንምውጋድ ከኣ፡ ነቲ ሱር ጠንቁ ዝዀነ ሓጢኣት ኬወግዶ እዩ። ነዚ ድማ በቲ “ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ” እተባህለሉ የሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ኺገብሮ እዩ።—ዮሃንስ 1:29፣ 1 ዮሃንስ 1:7