ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከመይ ይመስል ነበረ፧

ኣል-ሓሰን

ኣል-ሓሰን

ምናልባት ብዛዕባ ኣቡ ዓሊ ኣል-ሓሰን ኢብን ኣል-ሃይሰም ሰሚዕካ ኣይትፈልጥን ትኸውን። ኣብ ምዕራባውያን፡ በቲ ኻብቲ ኣል-ሓሰን ዚብል ዓረብኛ ስሙ እተወስደ ብላቲን ኣልሃዘን ዚብል ኣደማምጻ እዩ ዚፍለጥ። ይኹን እምበር፡ ካብቲ ዕዮኡ ብዙሕ ጥቕሚ ረኺብካ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። “ኣብ ታሪኽ ስነ ፍልጠት፡ ሓደ ኻብቶም ኣዝዮም ኣገደስትን ሓያል ጽልዋ ዘሕደሩን ሰባት” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ።

ኣል-ሓሰን ኣብ ባስራ፡ ሕጂ ዒራቕ፡ ኣብ ከባቢ 965 ድ.ክ. እዩ ተወሊዱ። ተገዳስነቱ ድማ ኣብ ስነ ኰዀብን ስነ ቐመምን ሕሳብን ሕክምናን ሙዚቃን ኦፕቲክስን ፊዚክስን ግጥምን እዩ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ እንታይ ብፍላይ ዚምስገነሉ ነገር እዩ ገይሩ፧

ሓጽቢ ኒል

ብዛዕባ ኣል-ሓሰን ዚውረ ዛንታ፡ ንነዊሕ እዋን እዩ ኺንገር ጸኒሑ። ካብቲ እቲ ኣብ ኣስዋን ብ1902 እተሃንጸ ሓጽቢ ኣስታት 1,000 ዓመት ኣቐዲሙ፡ ኣል-ሓሰን ንዋሕዚ ፈለግ ኒል ንምቍጽጻር ዝወጠኖ ውጥን ነይርዎ እዩ።

ብመሰረት እቲ ዛንታ፡ ኣል-ሓሰን ኣብ ፈለግ ኒል ሓጽቢ ብምስራሕ፡ ነቲ ኣብ ግብጺ ብተደጋጋሚ ዜጋጥም ምዕልቕላቕ ማይን ደርቅን ንምቍጽጻር ዜኽእል ውጥን ነበሮ። እቲ መራሒ ካይሮ ዝነበረ ከሊፋ ኣል-ሓኪም፡ ብዛዕባ እቲ ኣል-ሓሰን ዘቕረቦ ሓሳብ ምስ ሰምዐ፡ ንኣል-ሓሰን ነቲ ሓጽቢ ምእንቲ ኺሃንጾ ናብ ግብጺ ኺመጽእ ዓደሞ። ኰይኑ ግና፡ ኣል-ሓሰን ነቲ ፈለግ ብዓይኑ ምስ ረኣዮ፡ እቲ ፕሮጀክት ህንጸት ልዕሊ ዓቕሙ ምዃኑ ተረድአ። እቲ ጠባዩ ዓሰርተ ሳዕ ዚቀያየር መራሒ ኸይቐጽዖ ስለ ዝፈርሀን ንህይወቱ ምእንቲ ኼድሕንን፡ እቲ መራሒ ኣስታት 11 ዓመት ጸኒሑ ብ1021 ክሳዕ ዚመውት፡ እተጸለለ መሲሉ ኺነብር ጀመረ። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ኣል-ሓሰን ጽሉል መሲሉ ኣብ ዚነብረሉ ዝነበረ እዋን ብዙሕ ግዜ ስለ ዝነበሮ፡ ካልእ ዜገድሶ ዝነበረ ነገራት ኪገብር ጀመረ።

መጽሓፍ ኦፕቲክስ

ኣል-ሓሰን ካብ እተዓቝበሉ ቦታ ኣብ ዝወጸሉ እዋን፡ ንመብዛሕትኡ ኽፋል እታ ሸውዓተ ጥራዝ ዘለዋ መጽሓፍ ኦፕቲክስ ጽሒፍዋ ነበረ፣ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ድማ፡ “ኣብ ታሪኽ ፊዚክስ፡ ሓንቲ ኻብተን ኣዝየን ኣገደስቲ መጻሕፍቲ” ጌርካ እያ እትቝጸር። ኣል-ሓሰን ኣብታ መጽሓፍ ብዛዕባ ባህርይ ብርሃን ዝገበሮ ምርምር፡ ንኣብነት፡ ብርሃን ብኸመይ ናብ መሰረታዊ ሕብርታት ከም ዚመቓቐል፡ ብኸመይ ኣብ መስትያት ከም ዚንጸባረቕ፡ ከምኡ እውን ካብ ሓደ ነገር ናብ ካልእ ኪሓልፍ ከሎ ብኸመይ ከም ዚዕጸፍ ገሊጹ እዩ። ብዘይካዚ፡ ብዛዕባ ርእየትን ብዛዕባ ዓይንን ኣጽኒዑ እዩ።

ኣብ መበል 13 ዘመን፡ እታ ኣል-ሓሰን ዝጸሓፋ መጽሓፍ ካብ ዓረብኛ ናብ ላቲን ተተርጐመት፣ ንነዊሕ ዘመናት ድማ፡ ምሁራት ኤውሮጳ ኻብኣ ይጠቕሱ ነበሩ። ኣል-ሓሰን ንባህርይ ለንስ ብዚምልከት ዝጸሓፎ ጽሑፋት፡ ነቶም ኤውሮጳውያን ሰራሕቲ መነጸር፡ ንሓደ ለንስ ኣብ ልዕሊ ኻልእ ብምድራብ ተለስኮፕን ማይክሮስኮፕን ኪምህዙ መሰረት ኰይንዎም እዩ።

ፍልማዊት ካሜራ

ኣል-ሓሰን ነታ ኣብ ታሪኽ ናይ መጀመርታ ኽትከውን እትኽእል ፍልማዊት ካሜራ ምስ ሰርሓ፡ ንዕዮ ፎቶግራፍ ብዝያዳ ዜራጕድ መሰረታዊ ሕጊ ኼለሊ ኸኣለ። እዛ ካሜራ እዚኣ፡ ብዅሉ ሸነኻ እተዓጽወት “ጸልማት ክፍሊ” ዀይና፡ ብርሃን ናብኣ ብሓንቲ ንእሽቶ ነዃል ኣቢሉ ይኣቱ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኣብቲ ኣብ ውሽጢ ዚርከብ መንደቕ፡ እተገምጠለ ምስሊ እቲ ብግዳም ኣብ መንጽር እታ ነዃል ዘሎ ነገር ይዓልብ።

ኣል-ሓሰን ነታ ናይ መጀመርታ ኽትከውን እትኽእል ፍልማዊት ካሜራ ሰሪሕዋ

ኣብ 1800ታት ነታ ፍልማዊት ካሜራ፡ ቀጸላታት ፎቶግራፍ ስለ እተወሰኸላ፡ ነባሪ ዝዀነ ስእልታት ክትስእል ጀመረት። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ እዛ ሕጂ ዘላ ካሜራ ኽትምሃዝ ከኣለት። ሎሚ ዘለዋ ዅለን ዘመናውያን ካሜራታት ኰነ ኣዒንትና ዚጥቀማሉ መሰረታዊ ሕጊ፡ ምስቲ እታ ፍልማዊት ካሜራ እትጥቀመሉ ሕደ እዩ። *

ስነ ፍልጠታዊ ሜላ

ንኣል-ሓሰን ፍሉይ ዚገብሮ ሓደ መዳይ፡ ብዛዕባ ተፈጥሮ ምርምር ኣብ ዚገብረሉ እዋን፡ ብደቂቕን ብሜላን ዚግበሮ ምንባሩ እዩ። እዚ ኣገባብ እዚ፡ ኣብቲ ንሱ ዝነበረሉ እዋን እተለምደ ኣይነበረን። ኣል-ሓሰን ሓደ ኻብቶም ንኽልሰ ሓሳብ ብፈተነ ዚምርምሩ ዝነበሩ ቐዳሞት ተመራመርቲ እዩ ነይሩ፣ ብዘይካዚ፡ ነቲ መርትዖ ዘይብሉ፡ ግናኸ ተቐባልነት ዝረኸበ ኣተሓሳስባ ኣብ ሕቶ ኻብ ምእታው ድሕር ኣይብልን እዩ ነይሩ።

ዘመናዊ ስነ ፍልጠት፡ “ነቲ እትኣምነሉ ነገር ብመርትዖ ደግፎ!” ብዚብል ብሂል ኪግለጽ ይከኣል እዩ። ገሊኦም ሰባት ንኣል-ሓሰን፡ “ኣቦ ዘመናዊ ሜላ ስነ ፍልጠት” ከም ዝዀነ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ስለዚ እምበኣር፡ ንኣል-ሓሰን ብዙሕ እነመስግነሉ ምኽንያት ኣሎና።

^ ሕ.ጽ. 13 ኣብ መንጎ እታ ፍልማዊት ካሜራን ኣዒንትናን ዘሎ ምስስል፡ ክሳዕ እቲ ዮሃንስ ኬፕለር ኣብ መበል 17 ዘመን ዝገለጸሉ እዋን፡ ምዕራባውያን ምሉእ ብምሉእ ኣይርድእዎን እዮም ነይሮም።