ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከመይ ገይረ እየ ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ክረኽባ ዝኽእል፧

ከመይ ገይረ እየ ነታ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ክረኽባ ዝኽእል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መንጎ ሰዓብቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖትን ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ዘሎ ፍልልይ ብምሳሌ ኼብርህ ከሎ፡ “ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾዅዶ ወይኒ፡ ካብ ተዀርባዶኸ በለስ ይቕንጠብ እዩ፧” ይብል እዩ። (ማቴዎስ 7:16) ከምቲ ተኽሊ ወይኒ ኻብ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ብፍሪኡ እተለልዮ፡ ንናይ ሓቂ ሃይማኖት እውን ካብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ብፍሪኣ ወይ በዚ ዚስዕብ ነጥብታት ከተለልያ ትኽእል ኢኻ።

  1.   ናይ ሓቂ ሃይማኖት ኣብ ሰብኣዊ ፍልስፍና ዘይኰነስ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ሓቂ ትምህር። (ዮሃንስ 4:24፣ 17:17) ገለ ኻብዚ ሃይማኖታዊ ሓቅታት፡ ብዛዕባ ነፍስን ኣብ ገነታዊት ምድሪ ብዛዕባ ዚህሉ ናይ ዘለኣለም ህይወትን ኪጥቀስ ይከኣል። (መዝሙር 37:29፣ ኢሳይያስ 35:5, 6፣ ህዝቅኤል 18:4) ሃይማኖታዊ ሓሶታት ካብ ምቅላዕ እውን ድሕር ኣይትብልን እያ።—ማቴዎስ 15:9፣ 23:27, 28

  2.   ናይ ሓቂ ሃይማኖት ንሰባት፡ ንኣምላኽ ኪፈልጥዎ ትሕግዞም፣ ንኣብነት፡ የሆዋ ዚብል ስሙ ተፍልጦም እያ። (መዝሙር 83:18፣ ኢሳይያስ 42:8፣ ዮሃንስ 17:3, 6) ክትርድኦ ዘይከኣል ወይ ካባና ዝረሓቐ ኸም ዝዀነ ገይራ ኣይትምህርን እያ፣ ኣብ ክንዳኡስ፡ ምስኡ ርክብ ክንምስርት ከም ዚደልየና እያ እትምህር።—ያእቆብ 4:8

  3.   ናይ ሓቂ ሃይማኖት፡ ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ጥራይ ድሕነት ከም ዚህብ ትገልጽ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:10, 12) ሰዓብታ ድማ ትእዛዛት የሱስ የኽብሩ፡ ኣርኣያኡ ንምስዓብ እውን ይጽዕሩ እዮም።—ዮሃንስ 13:15፣ 15:14

  4.   ናይ ሓቂ ሃይማኖት፡ መንግስቲ ኣምላኽ እንኮ ተስፋ ደቂ ሰብ ምዃና ተጕልሕ። ሰዓብታ ድማ ብዛዕባ እታ መንግስቲ እቲኣ ንኻልኦት ሰባት ብንጥፈት ይነግሩ እዮም።—ማቴዎስ 10:7፣ 24:14

  5.   ናይ ሓቂ ሃይማኖት፡ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ተተባብዕ። (ዮሃንስ 13:35) ኵሎም ዓሌታት ኪኽበሩ ኸም ዘለዎም ትምህር፣ ካብ ኵሉ ዓሌት፡ ባህሊ፡ ቋንቋ፡ ኣተዓባብያ ዝመጹ ሰባት ድማ ትቕበል። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35) ሰዓብታ እውን ንኻልኦት ሰባት ፍቕሪ ስለ ዘለዎም፡ ኣብ ውግእ ኣይሳተፉን እዮም።—ሚክያስ 4:3፣ 1 ዮሃንስ 3:11, 12

  6.   ናይ ሓቂ ሃይማኖት ብገንዘብ ዚዓይዩ ኣቕሽሽቲ የብላን፣ ንዝዀነ ኣገልጋሊኣ ድማ፡ ክብ ዜብል ሃይማኖታዊ መዓርግ ኣይትህብን እያ።—ማቴዎስ 23:8-12፣ 1 ጴጥሮስ 5:2, 3

  7.   ናይ ሓቂ ሃይማኖት ካብ ፖለቲካዊ ጕዳያት ምሉእ ብምሉእ ገለልተኛ እያ። (ዮሃንስ 17:16፣ 18:36) ይኹን እምበር፡ ሰዓብታ ነቲ ኣብ ዚነብሩላ ሃገር ዘሎ መንግስቲ የኽብርዎን ይእዘዝዎን እዮም። እዚ ኸኣ ብመሰረት እዚ ዚስዕብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትእዛዝ እዩ፦ “ናይ ቄሳር ንቄሳር [ንሰበ ስልጣን ዓለም የመልክት]፡ ናይ ኣምላኽ እውን ንኣምላኽ ሃቡ።”—ማርቆስ 12:17፣ ሮሜ 13:1, 2

  8.   ናይ ሓቂ ሃይማኖት፡ መገዲ ህይወት ደኣ እያ እምበር፡ ብልምዲ ዚግበር ጽምብል ወይ ወግዒ ኣይኰነትን። ሰዓብታ እውን ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወቶም ነቲ ልዑል ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ይስዕቡ እዮም። (ኤፌሶን 5:3-5፣ 1 ዮሃንስ 3:18) እንተዀነ ግና፡ ጕሁያት ኣይኰኑን፣ እኳ ደኣስ ነቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ብምግልጋል ሓጐስ ይረኽቡ እዮም።—1 ጢሞቴዎስ 1:11

  9.   እቶም ብናይ ሓቂ ሃይማኖት ዚመላለሱ ውሑዳት እዮም። (ማቴዎስ 7:13, 14) ሰዓብቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት፡ ኣደዳ ንዕቀትን ባጫን ይዀኑ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባሮም ድማ ይስጐጉ እዮም።—ማቴዎስ 5:10-12

ናይ ሓቂ ሃይማኖት ብቓሕታኻ ኣይኰነትን እትልካዕ

 ብስምዒትና ጥራይ ተመርኲስና ሃይማኖት ምምራጽ ሓደገኛ እዩ። ሰባት “ኣእዛኖም ዚዅርኵዑሎም [ናይ ሃይማኖት] መምህራን” ዚእክቡሉ እዋን ከም ዚመጽእ መጽሓፍ ቅዱስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 4:3) ብኣንጻሩ ግና፡ ዋላ እውን ብሰባት ተቐባልነት ኣይሃልዎ፡ “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ዘይረኸሰን ሃይማኖት” ክንስዕብ መጽሓፍ ቅዱስ የተባብዓና እዩ።—ያእቆብ 1:27፡ እግረ ጽሑፍ፣ ዮሃንስ 15:18, 19