ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ገበር

ኣረኣእያኻ ጽልዋ ኣለዎ!

ኣረኣእያኻ ጽልዋ ኣለዎ!

ካብዚ ዚስዕብ ኣብ ሓጐስካ ዓብዪ ጽልዋ ኺገብር ዚኽእል ኣየናይ እዩ፧

  • ኵነታትካ

  • ጂንካ

  • ኣረኣእያኻ

ገሊኦም፡ “ኵነታት” እዮም ዚብሉ። ምናልባት ከኣ ከምዚ ዚስዕብ ይብሉ ይዀኑ፦ “ሕጉስ ክኸውን ዝኽእል፡ . . .

  • “ዝያዳ ገንዘብ እንተ ኣልዩኒ እዩ”

  • “ጽቡቕ ሓዳር እንተ ኣልዩኒ እዩ”

  • “ዝሓሸ ጥዕና እንተ ኣልዩኒ እዩ”

ከም ሓቂ ግና፡ ካብ ኵነታትናን ካብ ጂንናን ብዝያዳ ኣብ ሓጐስና ዓብዪ ጽልዋ ዘለዎ ኣረኣእያና እዩ። እዚ ምፍላጥና ኸኣ ዜሐጕስ እዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ዋላ እኳ ንዅነታትካ ወይ ንጂንካ ኽትቈጻጸሮ እንተ ዘይከኣልካ፡ ንኣረኣእያኻ ግና ክትቈጻጸሮ ትኽእል ኢኻ።

“ጽቡቕ መድሃኒት”

ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምሳሌ፡ “ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፡ ስቡር መንፈስ ግና ነዕጽምቲ የንቅጾ” ይብል። (ምሳሌ 17:22) ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ኣረኣእያኻ ጽልዋ ኣለዎ። ሸቶኻ ኽትወቅዕ ወይ ተስፋ ኽትቈርጽ ኪገብረካ፡ ዜሕዝን ፍጻመ ኼጋጥመካ ኸሎ ድማ መንነትካ ኼቃልዕ ይኽእል እዩ።

ገሊኦም ነዚ ሓሳብ እዚ ኣይሰማምዕሉን እዮም። ከምዚ ዚስዕብ ድማ ይብሉ ይዀኑ፦

  • ‘ንመከራይ ብኣወንታዊ ኣረኣእያ ስለምንታይ እሓብኦ፧’

  • ‘ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ንዅነታተይ ኪልውጦ ኣይክእልን እዩ።’

  • ‘ሓላሚ ኣብ ክንዲ ዝኸውን፡ ነቲ ኽውን ነገር ምቕባል ይሕሸኒ።’

እዚ ሓሳባት እዚ፡ ሓቅነት ዘለዎ ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፡ ነዚ ዚስዕብ ኵነታት ርአ።

ኣሌክስን ብራያንን ነቲ ኣብ ስራሖም እተዋህቦም ነናቶም ፕሮጀክት ብዚግባእ ኪዓይዩ ብዙሕ እዮም ጽዒሮም። ሓለቓኦም ነቲ ስራሖም ምስ መርመሮ፡ ኣብ ነናቶም ፕሮጀክት ዘሎ ቐንዲ ጌጋታት ሓቢርዎም እዩ።

  • ኣሌክስ፦ “ነዚ ፕሮጀክት ብዙሕ ግዜ ኣጥፊአ ሓያል ጻዕሪ እኳ እንተ ገበርኩ፡ ጽቡቕ ገይረ ግና ክሰርሖ ኣይከኣልኩን! ኣብዚ ዕዮ እዚ ፈጺመ ኽዕወት ኣይክእልን እየ። ዝገበርኩ እኳ እንተ ገበርኩ፡ ብቕዓት ኪህልወኒ ኣይክእልን እዩ። ስለምንታይከ ዝጽዕር፧”

  • ብራያን፦ “ሓለቓይ ገለ ኻብቲ ዝፈተዎ መዳያት ስራሐይ እዩ ኣጕሊሑለይ፣ ሒደት መሰረታዊ ጌጋታት እውን ገይረ እየ። ካልእ እዋን ጽቡቕ ገይረ ኽዓዪ ዚሕግዘኒ ጠቓሚ ትምህርቲ ረኺበ ኣለኹ።”

እንታይ ይመስለካ፧

  • ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ክኢላ ሰራሕተኛ ዚኸውን መን እዩ፧ ኣሌክስ ወይስ ብራያን፧

  • ኣስራሒ እንተ ትኸውን፡ ካብዞም ክልተ ንመኖም ምቘጸርካ ወይ ንመኖም ኣብ ስራሑ መጽናሕካዮ፧

  • ዜጕሂ ዅነታት ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ከም መኖም ምዀንካ፧

ኣንድርያን ብሪታኒን ጽምዋ ይስምዐን እዩ። ክልቲአን ነቲ ዅነታት ብእተፈላለየ መገዲ እየን ዚሕዛኦ።

  • ኣንድርያ ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ርእሳ እያ እተተኵር። ካልኦት ጽቡቕ እንተ ዘይገይሮምላ፡ ጽቡቕ ክትገብረሎም ኣይትደልን እያ። ‘ዋላ ሓንቲ ንዘይገብሩለይ ሰባት ስለምንታይ እየ ግዜይ ዘጥፍእ፧’ ኢላ ድማ እያ እትሓስብ።

  • ብሪታኒ ኻልኦት ዚህብዎ ምላሽ ብዘየገድስ፡ ንሰባት ክትልውሃሎምን ጽቡቕ ነገራት ክትገብረሎምን እያ እትጽዕር። ኣብ ህይወታ፡ ነቲ ንኻልኦት ከምቲ ኺገብሩልና እንደልዮ ኽንገብረሎም ዚእዝዝ ወርቃዊ ሕጊ እያ እትስዕብ። (ሉቃስ 6:31) ንብሪታኒ፡ ጽቡቕ ምግባር ከም ዓስቢ ዀይኑ እዩ ዚስምዓ።

እንታይ ይመስለካ፧

  • ካብዘን ክልተ ምስ መነን ምሕዝነት ክትፈጥር ምደለኻ፧

  • ምስ ካልኦት ጽቡቕ ርክብ ኪህልዋ ዚኽእል ኣየነይተን እያ፧

  • ጽምዋ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ ከም መነን ምዀንካ፧ ከም ኣንድሪያ ወይስ ከም ብሪታኒ፧

ከም ብራያንን ከም ብሪታኒን ዝኣመሰሉ ሰባት ትፈልጥ ትኸውን ኢኻ። ንሳኻ እውን ከማታቶም ከም ዝዀንካ ይስምዓካ ይኸውን። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኣረኣእያኻ ኣብ ህይወትካ ጽልዋ ዚገብር ምዃኑ ኸም እተገንዘብካ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ከም ኣሌክስን ኣንድርያን እንተ ዄንካኸ፧ እምበኣር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወትካ ዜጋጥመካ ጸገማት ዝያዳ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኺህልወካ ኺሕግዘካ ዚኽእለሉ ሰለስተ መገዲ ርአ።

1 ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኣወግድ

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ብመዓልቲ መከራ እንተ ተሐለልካ፡ ሓይልኻ ቕሩብ እዩ።” —ምሳሌ 24:10

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣሉታዊ ኣረኣእያ፡ ነቲ ዅነታትካ ኸተመሓይሽ ወይ ክትዋጽኣሉ ዜኽእለካ ሓይሊ ይጽንቅቖ እዩ።

ኣብነት፦ ጁሊዛ ብቝልዕነታ ሕጉስ ህይወት ኣየሕለፈትን። ኣቦኣ ሰታይ እዩ ነይሩ፣ ስድራ ቤታ እውን ድኻታት እዮም ነይሮም። ካብ ቦታ ናብ ቦታ ድማ ይግዕዙ ነይሮም። ኣብ ፈለማ፡ ጁሊዛ ብህይወታ እተማርር እያ ነይራ። ጸኒሓ ግና ተለወጠት። ለውጢ ኽትገብር ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧ ጁሊዛ ኸምዚ ትብል፦ “ወለደይ ገና ጸገማቶም ቅድሚ ምፍታሖም እውን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያይ ክልውጥ ሓጊዙኒ እዩ። ሕጂ እውን እንተ ዀነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኸወግድ ይሕግዘኒ እዩ። ሰባት ኣነ ዘይፈትዎ ባህርያት ኬርእዩ ኸለዉ፡ ንምንታይ ከምኡ ኸም ዚገብሩ ኽርድኣሎም እየ ዝጽዕር።”

ከምቲ ጁሊዛ እተገንዘበቶ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጠቓሚ ስርዓታት ይርከብ እዩ። እቲ ኻብኡ ዚርከብ ምኽሪ፡ ንዜጋጥመካ ሕማቕ ኵነታት ክትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ኤፌሶን 4:23፡ “ብኣተሓሳስባኹም ከኣ ተሓደሱ” ትብል።

እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ኣረኣእያኻ ኺልወጥ ከም ዚኽእል እያ እትሕብር። ብኣተሓሳስባኻ ‘ኽትሕደስ’ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ከምዚ ዓይነት ለውጢ ምእንቲ ኽትገብር፡ ቀጻሊ ዝዀነ ጻዕሪ ኽትገብር ኣሎካ።

2 ኣብ ኣወንታዊ ነገራት ኣተኵር

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ኵለን ዕለታት እቲ ሕዙን ክፉኣት እየን፡ ሕጉስ ልቢ ዘለዎ ግና ኵሉ ጊዜ ደስ ዜብል መኣዲ እዩ።”—ምሳሌ 15:15

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ንዅሉ ነገራት ብኣሉታዊ ኣረኣእያ ትርእዮ እንተ ዄንካ፡ “ሕዙን” ኢኻ እትኸውን፣ ኵለን መዓልትታትካ ድማ፡ “ክፉኣት” ወይ ባህ ዘየብላ እየን ዝዀና። ኣብ ኣወንታዊ ነገራት ተተኵር እንተ ዄንካ ግና፡ “ሕጉስ ልቢ” እዩ ዚህልወካ። እምበኣር፡ እቲ ምርጫ ናትካ እዩ።

ኣብነት፦ ያንኮ ነቲ ኣብ ሓንጐሉ ዝነበረ ጥረ ንምውጻእ ሓያሎ መጥባሕቲ ሓንጐል ምስ ገበረ፡ ከም ቀደሙ ኺንቀሳቐስን ኪዛረብን ኣይከኣለን። እቲ ዘጋጠሞ ዅነታት ሸቶኡ ኸይወቅዕ ኪዓግቶ ኸም ዚኽእል ምስ ሓሰበ ድማ፡ ንብዙሕ ዓመታት ተስፋ ቘሪጹ ነይሩ። ጸኒሑ ግና ተለዊጡ እዩ። ለውጢ ኺገብር ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ያንኮ ኸምዚ በለ፦ “ኣብቲ ዘሎኒ ናይ ዓቕሚ ድሩትነት ኣብ ክንዲ ዘተኵር፡ ኣብ ዜተባብዕ ነገራት ከተኵር ከም ዚግብኣኒ ተማሂረ እየ።”

ያንኮ ኸምኡ ኽገብር ዝኸኣለሉ ሓደ መገዲ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥቕስታት ብምንባብ እዩ። ንሱ ኸምዚ በለ፦ “እዚ፡ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ኺህልወኒ ሓጊዙኒ እዩ። ነቲ ናይ ነዊሕ እዋን ሸቶይ እንተ ዘይገደፍክዎ እኳ፡ ሕጂ ግና ኣብቲ ሎሚ ኽበጽሖ ዝኽእል ንኣሽቱ ሸቶታት እየ ዘተኵር። ተስፋ ዜቝርጽ ሓሳባት ሰላሕ እናበለ ናብ ኣእምሮይ ኪኣቱ ኸሎ፡ ብዛዕባ እቲ ኽሕጐሰሉ ዝግብኣኒ ነገራት እሓስብ እየ።”

ንስኻ እውን ከም ያንኮ ንኣሉታዊ ሓሳባትካ ኣወንታዊ ብዝዀነ ነገራት ክትትክኦ ትኽእል ኢኻ። ሕማቕ ኵነታት ኬጋጥመካ፡ ንኣብነት፡ ከም ያንኮ ጸገም ጥዕና ኺህልወካ ይኽእል እዩ። ከምኡ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ ‘ኵነታተይ ተስፋ ዘይብሉ ድዩ፧ ፈጺምካ ኺስገር ዘይከኣል ድዩ ወይስ ግዜያዊ ጸገም ጥራይ እዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተታ። ሃናጺ ኣብ ዝዀነ ነገራት ብምትኳር ድማ፡ ንኣሉታዊ ሓሳባት ካብ ኣእምሮኻ ኸተውጽኦ ጽዓር።

3 ንኻልኦት ጽቡቕ ግበር

መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፧ “ካብ ምቕባል፡ ምሃብ የሐጕስ።”—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ብዘይስስዐ ንኻልኦት ምስ እትህብ፡ ብዙሕ ዕግበት ኢኻ እትረክብ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ጥራይ ከም እንሓስብ ኴንና ኣይኰንናን ተፈጢርና። (ፊልጲ 2:3, 4፣ 1 ዮሃንስ 4:11) እቲ ብምሃብ እንረኽቦ ሓጐስ፡ ነቲ ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና ሕማቕ ኵነታት ክንዋጽኣሉ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።

ኣብነት፦ ሆስዌ ስፒና ባይፊዳ ዚብሃል ሕማም ዓንዲ ሕቖ ኣለዎ። መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ፡ ሓያል ቃንዛ ይስምዖ እዩ። ይኹን እምበር፡ ንኻልኦት ብምሕጋዝ ትርጉም ዘለዎ ህይወት እዩ ዚነብር። ሆስዌ ኸምዚ በለ፦ “‘እዚ ኽገብር ኣይክእልን እየ’ ኣብ ክንዲ ዝብል፡ ብዛዕባ እቲ ንሰባት ኣብ መዓልታዊ ህይወቶም ክሕግዞም ዝኽእለሉ ግብራዊ መገድታት እየ ዝሓስብ። ንኻልኦት ክሕግዝ ዝኽእለሉ መገድታት ምርካበይ ድማ፡ ኣብ ህይወተይ ሕጉስ ከም ዝኸውን ገይሩኒ እዩ።”

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ጥቕሚ ርእስኻ ሰዊእካ ንኻልኦት ክትሕግዘሉ እትኽእል ኣጋጣሚታት ድለ። ንኣብነት፡ ንዝሓመመ ብጻይካ ምግቢ ኸተዳልወሉ ትኽእልዶ፧ ኣብ ዕዮ ገዛ ሓገዝ ዜድልዮ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ትፈልጥዶ፧

ከምቲ ንስፍራ ኣታኽልቲ ተጠንቂቕካ እትከናኸኖ፡ ንኣረኣእያኻ እውን ክትጥንቀቐሉ ኣሎካ። ኣሉታውን ሕማቕን ኣተሓሳስባ መርዛም ስለ ዝዀነ፡ ምሒኻ ኣወግዶ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወትካ ዘጋጠመካ ነገራት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ብምሓዝ ትስፉው ኣተሓሳስባ ዝራእ። ከምቲ ንመሬት ጽቡቕ ፍረ ምእንቲ ኼፍሪ ድዅዒ እትገብረሉ፡ ኣብ ህይወትካ ሓጐስ ኬምጽኣልካ ዚኽእል ተግባራት ግበር። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ዝያዳ ፍረ ዘለዎ ህይወት ክትመርሕ ኢኻ። በዚ ኸምዚ ድማ፡ ኣረኣእያ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኽትርዳእ ኢኻ።

ከምቲ ገሊኦም ሰባት ምእንቲ ጥዕናኦም ኢሎም ንገሊኡ ዓይነት ምግቢ ዜወግዱ፡ ንስኻ እውን ኣሉታዊ ኣረኣእያ ኸተወግድ ትኽእል ኢኻ