ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ትፈልጥ፧

ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ትፈልጥ፧

ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ክንካፈል ከለና ትርእየና ትኸውን። ብዛዕባና ኣብ ዜና ወይ ካልኦት ኪዛረቡ ኸለዉ እውን ሰሚዕካ ትኸውን። ኰይኑ ግና፡ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓቂ ኽሳዕ ክንደይ ኢኻ እትፈልጥ፧

ፍልጠትካ ገምግም

ነዚ ዚስዕብ ሓሳባት ‘ቅኑዕ’ ወይ ‘ጌጋ’ ኢልካ መልስ፦

ቅኑዕ ጌጋ

  1. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክርስትያናት እዮም።

  2. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኵሉ ነገር ቅድሚ ሒደት ኣሽሓት ዓመታት ጥራይ ከም እተፈጥረ እዮም ዚኣምኑ።

  3. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሕክምና ኣይኣምኑን እዮም።

  4. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንብምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ይኣምኑሉ እዮም።

  5. ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ እዮም ዚጥቀሙ።

  6. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመጽሓፍ ቅዱሶም ምስ እምነቶም ከም ዚሰማማዕ ገይሮም ቀይሮምዎ እዮም።

  7. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ማሕበራዊ ንጥፈታት ኣይሓብሩን እዮም።

  8. ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካልእ ሃይማኖት ንዘለዎም ሰባት ይንዕቅዎም እዮም።

መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ንምርካብ፡ ኣብ ዚቕጽል ገጻት ርአ።

  1. 1 ቅኑዕ። ብእተኻእለና መጠን፡ ትምህርትታትን ባህርያትን የሱስ ክርስቶስ ክንስዕብ ኢና እንጽዕር። (1 ጴጥሮስ 2:21) ይኹን እምበር፡ ካብቶም ክርስትያናት ተባሂሎም ዚጽውዑ ሃይማኖታት ብብዙሕ መገዲ እተፈለና ኢና። ንኣብነት፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ከም ዝዀነ እምበር፡ ክፍሊ ስላሴ ኸም ዘይኰነ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ተማሂርና ኢና። (ማርቆስ 12:29) ነፍሲ ኸም ዘይትመውት ኣይንኣምንን ኢና፣ ኣምላኽ ንሰባት ኣብ ገሃነም ንዘለኣለም ከም ዜሳቕዮም ዚገልጽ ሓሳብ ድማ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይረኸብናን። እቶም ኣብ ሃይማኖታዊ ንጥፈታት መሪሕ ግደ ዘለዎም፡ ካብ ካልኦት ክብ ኢሎም ከም ዚርኣዩ ዚገብሮም መዓርጋት ኪህልዎም ከም ዚግባእ እውን ኣይንኣምንን ኢና።—መክብብ 9:5፣ ህዝቅኤል 18:4፣ ማቴዎስ 23:8-10

  2. 2 ጌጋ። ኣምላኽ ንዅሉ ነገር ከም ዝፈጠረ ንኣምን ኢና። ኰይኑ ግና፡ ምስቶም ኵሉ ነገር ቅድሚ ሒደት ኣሽሓት ዓመታት ጥራይ ከም እተፈጥረ ዚኣምኑ ሰባት ኣይንሰማማዕን ኢና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እዚ ሓሳብ እዚ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም እተን ሽዱሽተ ናይ ፍጥረት መዓልቲ፡ ቃል ብቓሉ 24 ሰዓት ዘለወን መዓልትታት ከም ዝዀና እዮም ዚዛረቡ። እታ “መዓልቲ” እትብል ቃል ግና፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንንውሕ ዝበለ እዋን ከተመልክት ትኽእል እያ። (ዘፍጥረት 2:4፣ መዝሙር 90:4) ገሊኦም ድማ ምድርና ኻብ እትፍጠር ኣሽሓት ዓመታት ጥራይ ከም ዝገበረት እዮም ዚምህሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና፡ ምድርን ዩኒቨርስን እተን ሽዱሽተ ናይ ፍጥረት መዓልትታት ቅድሚ ምጅማረን ከም ዝነበረ እዩ ዚሕብር። 1ዘፍጥረት 1:1

  3. 3 ጌጋ። ክንሓምም ከለና ንሕከም ኢና። ወረግ ገሌና ኸምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ሉቃስ ዝስሙ ክርስትያን፡ ሓካይም ኢና። (ቈሎሴ 4:14) ኰይኑ ግና፡ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይሰማማዕ ዝዀነ ይኹን ሕክምና ኣይንቕበልን ኢና። ንኣብነት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ደም ምውሳድ ስለ ዘይፈቅድ፡ ምምሕልላፍ ደም ኣይንቕበልን ኢና።—ግብሪ ሃዋርያት 15:20, 28, 29

    ይኹን እምበር፡ ንርእስናን ንስድራ ቤትናን ብሉጽ ሕክምና ኽንረክብ ኢና እንጽዕር። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዝዀኑ ሕሙማት ተባሂሉ እተጀመረ ደም ንምዕቃብ ዚሕግዝ ሜላታት ድማ ሎሚ ዅሉ ማሕበረሰብ ይጥቀመሉ ኣሎ። ሕጂ ኣብ ሓያሎ ሃገራት፡ ዝዀነ ይኹን ሕሙም ሰብ፡ ብዘይምምሕልላፍ ደም ዚውሃብ ሕክምና ኺመርጽ ይኽእል እዩ። በዚ ኸምዚ፡ ብሰንኪ ምምሕልላፍ ደም ካብ ዚመጽእ ሕማማትን ብሰብ ካብ ዚፍጠር ሕክምናዊ ጌጋታትን ምምሕልላፍ ደም ኣብ ስርዓተ ምክልኻል ሰብነቱ ኻብ ዚህልዎ ጽልዋን ኪስተር ይኽእል እዩ።

  4. 4 ቅኑዕ። መጽሓፍ ቅዱስ ብምሉኡ፡ “ብመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ” ምዃኑ ንኣምን ኢና። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) እዚ መጽሓፍ እዚ፡ ብልምዲ ብሉይ ኪዳንን ሓድሽ ኪዳንን ተባሂሉ ዚጽዋዕ ክፋላት መጻሕፍቲ የጠቓልል። ነዚ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓፈሻ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጥን ክርስትያናዊ ቕዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛን ኢልና ኢና እንጽውዖ። ከምኡ እንብለሉ ምኽንያት ድማ፡ ገሊኡ ኽፋላት መጽሓፍ ቅዱስ ግዜኡ ዝሓለፎ ወይ ዘይረብሕ ከም ዘይኰነ ንምምልካት እዩ።

  5. 5 ጌጋ። መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕ ከለና፡ እተፈላለየ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ንጥቀም ኢና። ብቛንቋና መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም እንተ ኣልዩ ግና፡ እዚ ትርጉም እዚ ስም ኣምላኽ ስለ ዘለዎን ቅኑዕን ንጹርን ስለ ዝዀነን፡ ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኽንጥቀመሉ ኢና እንመርጽ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ እቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ንርአ። ኣብ መእተዊ ሓደ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስማት እቶም ኣብቲ ትርጉም እጃም ዝነበሮም 79 ሰባት ተዘርዚሩ ኣሎ። ይኹን እምበር፡ እዚ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ንስም እቲ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ኣይጠቐሰን! ብኣንጻሩ ግና፡ትርጉም ሓዳስ ዓለም ነቲ መለኮታዊ ስም ኣብቲ ኣብ በዅሪ ጽሑፍ ዝነበረሉ ኣሽሓት ቦታታት ኣስፊርዎ ኣሎ። 2

  6. 6 ጌጋ። ገሊኡ እምነታትና ምሉእ ብምሉእ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይሰማማዕ ምስ ፈለጥና፡ ነቲ ዝነበረና ግንዛበ ምትዕርራይ ጌርናሉ ኢና። ብ1950 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም ቅድሚ ምሕታምና፡ ንነዊሕ ዓመታት እተፈላለየ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ንጥቀም ኔርና ኢና፣ እምነታትና ድማ ምስ እተፈላለየ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ እዩ።

  7. 7 ጌጋ። ኣገልግሎትና ንማሕበረሰብ ዚጠቅም እዩ። ንብዙሓት ሰባት፡ ከም ምውሳድ ሓሽሽን ምብዛሕ ኣልኮላዊ መስተን ዝኣመሰለ ጐዳኢ ወልፍታት ኬሰንፉ ሓጊዝናዮም ኢና። ሳላ እቲ ኣብ መላእ ዓለም እነካይዶ መደባት ምጥፋእ መሃይምነት ድማ፡ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ምንባብን ምጽሓፍን ተማሂሮም እዮም። ዕንወት ኣብ ዘጋጠመሉ ኸባቢታት ከኣ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንዝዀኑን ንዘይኰኑን ሰባት ግብራዊ ሓገዝ ንገብረሎም ኢና። ነቶም ግዳያት፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግዜ ዜድልዮም ስምዒታውን መንፈሳውን ደገፍ ክንገብረሎም ንጽዕር ኢና። 3

  8. 8 ጌጋ። ሰባት ዚኣምኑሉ ሃይማኖት ብዘየገድስ፡ ነቲ “ንዅሉ ዓይነት ሰብ ኣኽብሩ” ዚብል ምኽሪ መጽሓፍ ቅዱስ ክንስዕብ ኢና እንጽዕር። (1 ጴጥሮስ 2:17) ንኣብነት፡ ኣብ ገሊኡ ሃገራት ብዝሕና ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸር እኳ እንተ ዀነ፡ ፖለቲከኛታት ወይ ሓገግቲ ሕጊ ንኻልኦት ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ቀይድታት ኪገብሩሎም ወይ ኪእግድዎም ጸቕጢ ኣይንገብረሎምን ኢና። ብዘይካዚ፡ ማሕበረሰብ ነቲ ናትና ስነ ምግባራውን ሃይማኖታውን ስርዓት ኪስዕብ ዜገድድ ሕጊ ምእንቲ ኺወጽእ ወፈራ ኣይንገብርን ኢና። የግዳስ፡ ከምቲ ኻልኦት ተጻዋርነት ዜርእዩና፡ ንሕና እውን ከምኡ ንገብር ኢና።—ማቴዎስ 7:12

እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ካብቲ jw.org ዚብሃል ወግዓዊ ወብ ሳይትና ተሓርዩ እተወስደ ሓበሬታ ዝሓዘት እያ። ብዛዕባ እዚ ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብቲ ብእንግሊዝኛ ዚርከብ፡ ኣብ ትሕቲ ABOUT US > FREQUENTLY ASKED QUESTIONS ርአ።

^ 1. በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ነቲ ምድርና ቢልዮናት ዓመታት ገይራ ኽትከውን ከም እትኽእል ዚሕብር ዜእምን ስነ ፍልጠታዊ መርትዖታት፡ ከምቶም ኵሉ ነገር ቅድሚ ሒደት ኣሽሓት ዓመታት ጥራይ ከም እተፈጥረ ዚኣምኑ ሰባት ዚቃወምዎ ኣይንቃወሞን ኢና።

^ 2. ትርጉም ሓዳስ ዓለም ካልእ ሓለፋ እውን ኣለዎ። እዚ መጽሓፍ እዚ፡ ብናጻ እዩ ዚዕደል። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ብቛንቋኦም ኬንብብዎ ኽኢሎም እዮም። ሕጂ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብ130 ቋንቋ ይርከብ እዩ። ኣብ ኢንተርነት እውን፡ ኣብ www.mt711.com ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

^ 3. ነቲ እንረኽቦ ወፈያታት፡ ዕንወት ንዘጋጠሞም ሰባት ንምሕጋዝ እውን ንጥቀመሉ ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 11:27-30) ዕዮና ደሞዝ ብዘይክፈሎም ወለንተኛታት ስለ ዚዕየ፡ እቲ ወፈያታት ረድኤት ብምሃብ እምበር፡ ንሰራሕተኛታት ረድኤት ደሞዝ ብምኽፋል ኣይኰነን ዚጠፍእ።