ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንናይ ምምራጽ ናጽነትካ ኣኽቢርካ ርኣዮ

ንናይ ምምራጽ ናጽነትካ ኣኽቢርካ ርኣዮ

“ኣብቲ መንፈስ የሆዋ ዘለዎ ድማ፡ ኣብኡ ሓርነት ኣሎ።”—2 ቈረ. 3:17

መዝሙር፦ 40, 54

1, 2. (ሀ) ሰባት ብዛዕባ ናይ ምምራጽ ናጽነት እንታይ እተፈላለየ ኣረኣእያታት ኣለዎም፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ምምራጽ ናጽነት እንታይ ይምህረና፧ እንታይ ሕቶታትከ ኢና ኽንምርምር፧

ሓንቲ ሰበይቲ ብሕታዊ ምርጫ ኽትገብር ምስ ኣድለያ፡ ንሓደ ፈታዊኣ፡ “‘ሕሰብሉ’ ኣይትበለኒ፣ እንታይ ከም ዝገብር ደኣ ንገረኒ። ከምኡ ይቐልል” በለቶ። እታ ሰበይቲ ነቲ ፈጣሪኣ ዝሃባ ኽቡር ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣብ ክንዲ እትጥቀም፡ እንታይ ከም እትገብር ኪንገራ እያ ደልያ። ንስኻኸ ባዕልኻ ውሳነታትካ ኽትገብር ዲኻ እትደሊ፡ ወይስ ካልኦት ኪውስኑልካ፧ ንናይ ምምራጽ ናጽነት ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧

2 ሰባት ነዚ ጕዳይ እዚ ንዘመናት ተኸራኺሮምሉ እዮም። ገሊኦም፡ ‘ናይ ምምራጽ ናጽነት ዚብሃል የልቦን፣ ኣምላኽ ንዅሉ ተግባርና ኣቐዲሙ ወሲንዎ እዩ’ ይብሉ። ገሊኦም ከኣ፡ ‘ምሉእ ናጽነት ምስ እንረክብ ጥራይ ኢና ናይ ሓቂ ናጽነት እንረክብ’ ኢሎም ይማጐቱ። ግናኸ፡ ነዚ ጕዳይ እዚ ብግቡእ ምእንቲ ኽንርድኦ፡ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምሮ ኣሎና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ባዕልና ኣስተውዒልና ኽንመርጽ ዓቕምን ናጽነትን ሂቡ ኸም ዝፈጠረና እዩ ዚገልጸልና። (እያሱ 24:15 ኣንብብ።) ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት እውን ይምልሰልና እዩ፦ ውሳነ ንምግባር ዘሎና ናጽነት ብኸመይ ኢና ኽንጥቀመሉ ዚግባእ፧ ደረት ኣለዎ ድዩ፧ ንናይ ምምራጽ ናጽነትና እንጥቀመሉ መገዲ ንዕምቈት እቲ ንየሆዋ ዘሎና ፍቕሪ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧ ውሳነታት ካልኦት ብኸመይ ከነኽብር ንኽእል፧

ካብ የሆዋን ካብ የሱስን እንታይ ንምሃር፧

3. የሆዋ ኣብ ኣጠቓቕማ ናጽነቱ እንታይ ኣብነት እዩ ሰሪዑልና፧

3 ምሉእ ናጽነት ዘለዎ፡ የሆዋ በይኑ ጥራይ እዩ፣ እቲ ንናጽነቱ ዚጥቀመሉ መገዲ ኸኣ ኣብነት ይዀነና እዩ። ንኣብነት፡ ንህዝቢ እስራኤል ከም ህዝቡ፡ ከም “ፍሉይ ጥሪቱ” ገይሩ ሓርይዎም እዩ። (ዘዳ. 7:6-8) እዚ ብሃውሪ እተገብረ ምርጫ ኣይነበረን። የሆዋ ነቲ ዘመናት ኣቐዲሙ ንፈታዊኡ ኣብርሃም ዝኣተዎ ቓል እዩ ዚሕሉ ነይሩ። (ዘፍ. 22:15-18) ብተወሳኺ፡ የሆዋ ንናጽነቱ ወትሩ ምስ ፍቕሩን ፍትሑን ብዚሳነ መገዲ እዩ ዚጥቀመሉ። እዚ ድማ ኣብቲ ነቶም ብተደጋጋሚ ዝዓለዉ እስራኤላውያን ዝገሰጸሉ መገዲ ተራእዩ እዩ። ካብ ልቦም ምስ ተነስሑ፡ የሆዋ፡ “ጥልመቶም ከሕዊ እየ። . . . ብፍታወይ ከፍቅሮም እየ” እናበለ ብፍታው ፍቕሩን ምሕረቱን የርእዮም ነይሩ እዩ። (ሆሴ. 14:4) እወ፡ ንናጽነቱ ንኻልኦት ብዚጠቅም መገዲ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ዝመጸ ጽቡቕ ኣብነት እዩ ዚዀነና።

4, 5. (ሀ) ኣምላኽ ፈለማ ንመን እዩ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂብዎ፧ ንሱኸ ነቲ ውህበት ብኸመይ ተጠቒሙሉ፧ (ለ) ነፍሲ ወከፍና እንታይ ኢልና ኢና ኽንሓትት ዘሎና፧

4 የሆዋ ኺፈጥር ምስ ጀመረ፡ ብፍቕሪ ተደሪኹ ነቶም መስተውዓልቲ ፍጡራቱ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂብዎም እዩ። እዚ ውህበት እዚ እተዋህቦ ቐዳማይ ፍጡር፡ እቲ “ምስሊ እቲ ዘይርአ ኣምላኽ” እተባህለ በዅሪ ወዱ እዩ። (ቈሎ. 1:15) የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ እውን ከይተረፈ፡ ንኣቦኡ እሙን ኪኸውንን ኣብ ዕልወት ሰይጣን ከይሓብርን መሪጹ ነይሩ እዩ። ደሓር ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ በቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቱ ተጠቒሙ ኻብቲ ቐንዲ ተጻራሪ ንዝቐረበሉ ፈተናታት ነጺግዎ እዩ። (ማቴ. 4:10) የሱስ ኣብታ ድሮ ሞቱ ኣብ ዝነበረት ለይቲ ኺጽሊ ኸሎ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብር ከም ዝቘረጸ ዳግም ኣረጋጊጹ እዩ። ሽዑ፡ “ኣቦ፡ እንተ ፈቲኻስ፡ ነዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣልግሳ። ግናኸ፡ ከም ፍቓድካ እምበር፡ ከም ፍቓደይ ኣይኹን” በለ። (ሉቃ. 22:42) ንሕና እምበኣር ንየሱስ ንምሰሎ፡ ናይ ምምራጽ ናጽነትና እውን ንየሆዋ ንምኽባርን ፍቓዱ ንምግባርን ነውዕሎ! እዚ ግና ብሓቂ ዚከኣል ድዩ፧

5 እወ፡ ንሕና እውን ብመልክዕን ብምስልን ኣምላኽ ስለ እተገበርና፡ ንየሱስ ክንመስሎ ንኽእል ኢና። (ዘፍ. 1:26) ኰይኑ ግና፡ ናጽነትና ደረት ኣለዎ። ከምቲ ንየሆዋ ዘለዎ ዓይነት ምሉእ ናጽነት የብልናን። ናጽነትና ደረት ከም ዘለዎን ነቲ የሆዋ ዝገበረልና ደረት ክንሕልዎ ኸም ዚግብኣናን ቃል ኣምላኽ ይገልጸልና እዩ። ኣብ ርእሲ እዚ፡ ኣንስቲ ንሰብኡተን ኪግዝኣኦም ኣለወን፣ ውሉዳት ድማ ንወለዶም ኪእዘዝዎም ኣለዎም። (ኤፌ. 5:22፣ 6:1) እዚ ድሩትነት እዚ ነቲ ንናይ ምምራጽ ናጽነትና እንጥቀመሉ መገዲ ብኸመይ ይጸልዎ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንዘለኣለማዊ መጻኢና ኺጸልዎ ይኽእል እዩ።

ንናይ ምምራጽ ናጽነትና ብኸመይ ንጥቀመሉ፧

6. ናጽነትና ድሩት ኪኸውን ከም ዚግባእ ብምሳሌ ኣብርህ።

6 ድሩት ናይ ምምራጽ ናጽነት፡ ናይ ሓቂ ናጽነት ድዩ፧ እወ እዩ። ስለምንታይ ኢና ኸምኡ እንብል፧ ምኽንያቱ፡ ኣብ ናጽነት ሰባት ዚጽዓን ደረት፡ ንዕቝባኦም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ናብ ሓንቲ ኣብ ርሑቕ እትርከብ ከተማ ብማኪና ኽትጐዓዝ ሓሲብካ ንበል። ኰይኑ ግና፡ ሕጊ ትራፊክ ብዘይብሉ መገዲ፡ ንበል ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኽንደይ ዚኣክል ፍጥነት ወይ በየናይ ኣንፈት መገዲ ኺጐዓዝ ከም ዚደሊ ባዕሉ ብዚውስነሉ መገዲ ኽትጐዓዝሲ ድሕንነትዶ ምተሰምዓካ፧ ኣይምተሰምዓካን። ካብቲ ናይ ሓቂ ናጽነት ዜምጽኦ በረኸት ኵሉ ምእንቲ ኺጥቀም፡ ደረት ኣድላዪ እዩ። ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነትና በቲ የሆዋ ዝገበረልና ደረት ቀዪድና ምጥቃምና ጥበባዊ ምዃኑ ዜርኢ ገለ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣብነታት እስከ ንርአ።

7. (ሀ) ናይ ምምራጽ ናጽነት ንኣዳም ካብቶም ኣብ ኤደን ዝነበሩ ኻልኦት ፍጥረታት ዝፈለዮ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ኣዳም ንናይ ምምራጽ ናጽነቱ እተጠቕመሉ ሓደ መገዲ ግለጽ።

7 ኣምላኽ ነቲ ቐዳማይ ሰብ ኣዳም ምስ ፈጠሮ፡ ከምቲ ነቶም መስተውዓልቲ ሰማያውያን ፍጡራቱ ዝሃቦም ዓይነት ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂብዎ እዩ። እዚ ኸኣ ንኣዳም ካብቶም ብባህረት ዚምርሑ ዘየስተውዕሉ እንስሳታት እተፈልየ ገይርዎ እዩ። ኣዳም ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቱ ኸመይ ገይሩ ብግቡእ ከም እተጠቕመሉ እስከ ንርአ። እንስሳታት ቅድሚ ሰባት እዮም ተፈጢሮም። ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ነቶም ፍጥረታት እቲኦም ስም ናይ ምውጻእ ዜሐጕስ ዕዮ፡ ነቲ ቐዳማይ ሰብኣዊ ወዱ እዩ ሂብዎ። እወ፡ ኣምላኽ፡ “እንታይ ኢሉ ኸም ዚሰምዮም ምእንቲ ኺርኢ ኸኣ፡ ናብቲ ሰብኣይ ኣምጽኦም።” ኣዳም ንዅሎም እቶም እንስሳታት በብሓደ ተዓዚቡ ዘዚግብኦም ስም ምስ ኣውጽኣሎም፡ የሆዋ ንምርጫ ኣዳም ንምቕያር ጣልቃ ኣይኣተወን። የግዳስ፡ “ህያው ፍጡር ዘበለ . . . ስሙ ኸምቲ እቲ ሰብኣይ ዝሰመዮ ዀነ።”—ዘፍ. 2:19

8. ኣዳም ንናይ ምምራጽ ናጽነቱ ኸመይ ገይሩ እዩ ብዘይግቡእ እተጠቕመሉ፧ እዚኸ እንታይ ኣስዒቡ፧

8 እቲ ዜሕዝን ግና፡ ኣዳም በቲ ኣምላኽ ነታ ገነታዊት ምድሪ ኺዓይያን ኪከናኸናን ዝሃቦ ዕዮ ኣይዓገበን። ነቲ ኣምላኽ፡ “ፍረዩን ተባዝሑን፡ ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ግዝእዋን፣ ንዓሳ ባሕርን ንበረርቲ ፍጡራት ሰማያትን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ህያው ፍጡርን ከኣ ግዝኡ” ኢሉ ዝሃቦ ሰፊሕ ናጽነት ብምፍጻም ኣይዓገበን። (ዘፍ. 1:28) ኣብ ክንዳኡስ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝሰርዖ ደረት ብምጥሓስ፡ ካብታ እተኸልከለት ፍረ ኺበልዕ መረጸ። በዚ ኸምዚ ንናይ ምምራጽ ናጽነቱ ብዘይግቡእ ስለ እተጠቕመሉ፡ ንዘርኡ ናይ ኣሽሓት ዓመታት መከራን ስቓይን ኣስዒቡሎም እዩ። (ሮሜ 5:12) ሳዕቤናት እቲ ኣዳም ዝገበሮ ውሳነ ምፍላጥና፡ ንናጽነትና ኣብ ውሽጢ እቲ የሆዋ ዝሰርዖ ደረት ብግቡእ ክንጥቀመሉ ድራኸ ኼሕድረልና ይግባእ።

9. የሆዋ ነቶም ህዝቡ ዝነበሩ እስራኤላውያን እንታይ ምርጫ እዩ ሂብዎም፧ እቶም ህዝቢኸ እንታይ ምላሽ እዮም ሂቦም፧

9 ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ካብቶም ዘይእዙዛት ወለዶም ዘይፍጽምናን ሞትን ወሪሶም እዮም። ኰይኑ ግና፡ ነቲ እተዋህቦም ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣየጥፍኡን። እዚ ኸኣ ኣብቲ የሆዋ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝነበሮ ርክብ ግሁድ ኰይኑ እዩ። የሆዋ ብጊልያኡ ሙሴ ኣቢሉ ነቶም ህዝቢ፡ ፍሉይ ጥሪቱ ናይ ምዃን ክብሪ ኪቕበሉ ወይ ኪኣብዩ ምርጫ ሂብዎም እዩ። (ዘጸ. 19:3-6) እሞኸ እንታይ ምላሽ ሂቦም፧ ብስም ኣምላኽ ዚጽውዑ ህዝቢ ምዃን ዜምጽኦ ሓላፍነት ብፍታዎም ተቐቢሎም፡ “ኵሉ እቲ የሆዋ ዝበሎ ንገብር” ኢሎም ድማ ብሓደ ዀይኖም መሊሶም እዮም። (ዘጸ. 19:8) እቲ ዜሕዝን ግና፡ እቶም ህዝቢ ጸኒሖም ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ብዘይግቡእ ተጠቒሞምሉን ቃሎም ኣፍሪሶምን እዮም። እምበኣር፡ እዚ መለበሚ ይዅነና፣ ናብ የሆዋ ብምልጋብን ነቲ ቕኑዕ ስርዓታቱ ብምሕላውን ከኣ ወትሩ ንናይ ምምራጽ ናጽነትና ኣኽቢርና ንሓዞ።—1 ቈረ. 10:11

10. ዘይፍጹማት ሰባት ንናይ ምምራጽ ናጽነቶም ንኣምላኽ ብዜኽብር መገዲ ኺጥቀሙሉ ኸም ዚኽእሉ መርትዖ ዚዀኑ እንታይ ኣብነታት ኣሎ፧ (ኣብ መእተዊ ዘላ ስእሊ ርአ።)

10 ኣብ እብራውያን ምዕራፍ 11፡ ስማት እቶም ንናይ ምምራጽ ናጽነቶም ኣብ ውሽጢ እቲ የሆዋ ዝሰርዖ ደረት ኪጥቀሙ ዝወሰኑ 16 ገላዉ ኣምላኽ ንረክብ ኢና። ከም ውጽኢቱ፡ ብዙሕ በረኸትን ንመጻኢ ርግጽ ተስፋን ረኺቦም እዮም። ንኣብነት፡ ኖህ ዓባይ እምነት ኣርእዩ፡ ንምድሓን ስድራ ቤቱን ናይ መጻኢ ወለዶታት ደቂ ሰብን እትኸውን መርከብ ከኣ ብትእዛዝ ኣምላኽ ሃኒጹ እዩ። (እብ. 11:7) ኣብርሃምን ሳራን ንመሪሕነት ኣምላኽ ስዒቦም ናብ ምድሪ ተስፋ ኸይዶም እዮም። ነቲ ነዊሕ ጕዕዞ ድሕሪ ምጅማሮም እኳ፡ ናብታ ብልጽግቲ ዝነበረት ከተማ ኡር “ኪምለሱ ኣጋጣሚ ነይርዎም እዩ።” ኰይኑ ግና፡ ናይ እምነት ኣዒንቶም ኣብቲ ኣምላኽ ዝሃቦም “ተስፋታት” እየን ኣተኲረን፣ ‘ዚሓይሽ ኪረኽቡ ድማ ተመጣጢሮም እዮም።’ (እብ. 11:8, 13, 15, 16) ሙሴ ድማ ንመዛግብቲ ግብጺ ዝባኑ ሂብዎ እዩ፣ “ንግዜኡ ብሓጢኣት ባህ ካብ ዚብሎስ፡ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ደኣ እዩ መከራ ኺጸግብ ዝሓረየ።” (እብ. 11:24-26) ንናይ ምምራጽ ናጽነትና ኣኽቢርና ብምሓዝን ነቲ ናጽነት እቲ ድማ ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ብምጥቃምን፡ ኣስኣሰር እምነት እቶም ጥንቲ ዝነበሩ ሰብ እምነት ንስዓብ።

11. (ሀ) ሓደ ኻብቲ ናይ ምምራጽ ናጽነትና ዜምጽኦ ዓብዪ በረኸት እንታይ እዩ፧ (ለ) ንናይ ምምራጽ ናጽነትካ ብግቡእ ክትጥቀመሉ ዚድርኸካ እንታይ እዩ፧

11 ንውሳነታትና ኻልእ ኪገብሮ ምሕዳጉ ዝቐለለ ዚመስል እኳ እንተ ዀነ፡ ከምኡ ምስ እንገብር ግና ናይ ምምራጽ ናጽነትና ዜምጽኦ ዓብዪ በረኸት እዩ ዜምልጠና። እቲ በረኸት እቲ፡ ኣብ ዘዳግም 30:19, 20 ተገሊጹ ኣሎ። (ኣንብብ።) ኣብ ፍቕዲ 19፡ እቲ ኣምላኽ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ምርጫ ተገሊጹ ኣሎ። ኣብ ፍቕዲ 20 ኸኣ፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ልቦም ዘሎ እንታይ ምዃኑ ኼርእይዎ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኸም ዝሃቦም ክንግንዘብ ንኽእል ኢና። ንሕና እውን ንየሆዋ ኸነምልኾ ክንመርጽ ንኽእል ኢና። በቲ ኣምላኽ ዝሃበና ናይ ምምራጽ ናጽነት ጌርና ንዕኡ ዘሎና ፍቕሪ ኻብ ምግላጽን ንዕኡ ኽብሪ ኻብ ምምጻእን ዚዓቢ ድራኸ ኺህልወና ኣይክእልን እዩ።

ንናይ ምምራጽ ናጽነትካ ብዘይግቡእ ካብ ምጥቃም ተቘጠብ

12. ንናይ ምምራጽ ናጽነትና እንታይ ኢና ኽንገብሮ ዘይግባእ፧

12 ንፈታዊኻ ኽቡር ህያብ ሂብካዮ ንበል። ነቲ ህያብ እቲ ኣብ እንዳ ጐሓፍ ከም ዝደርበዮ ወይ ንኻልእ ሰብ ንምጕዳእ ከም እተጠቕመሉ እንተ ትፈልጥ መሸም ብዙሕ ምጐሃኻ። ብዙሓት ሰባት ንናይ ምምራጽ ናጽነቶም ብሕማቕ ኪጥቀሙሉ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ንኻልኦት ኪጐድኡሉ ኸለዉ፡ እዚ ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዜጕህዮ እሞ ገምቶ። እወ፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ፡ ኣብዘን “ዳሕሮት መዓልትታት” ሰባት “ዘየመስግኑ” እዮም ኰይኖም ዘለዉ። (2 ጢሞ. 3:1, 2) እምበኣር፡ ነቲ የሆዋ ዝሃበና ኽቡር ህያብ ከቶ ብዘይግቡእ ኣይንጠቐመሉ፡ ወይ ኣቕሊልና ኣይንርኣዮ። ንናይ ምምራጽ ናጽነትና ብዘይግቡእ ካብ ምጥቃም ክንቍጠብ እንኽእል ግና ብኸመይ ኢና፧

13. ንክርስትያናዊ ናጽነትና ብዘይግቡእ ካብ ምጥቃም ክንቍጠብ ዚሕግዘና ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧

13 ኵላትና ብዛዕባ ምሕዝነትናን ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን መዘናግዒናን ናይ ምምራጽ ናጽነት ኣሎና። ኰይኑ ግና፡ ባሮት ትምኒትና እንተ ዄንና፡ ወይ በቲ ነውራም ቅዲ ኽዳውንቲ እዛ ዓለም እንተ ተጸሊና፡ ንናጽነትና “መጐልበቢ ኽፍኣት” ክንገብሮ ንኽእል ኢና። (1 ጴጥሮስ 2:16 ኣንብብ።) ብናጽነትና ተጠቒምና “ደድሕሪ ስጋዊ ትምኒት” ኣብ ክንዲ እንስዕብ፡ ነቲ፡ “ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ዚብል ምዕዶ ኢና ኽንስዕብ እንደሊ።—ገላ. 5:13፣ 1 ቈረ. 10:31

14. ብየሆዋ እንእመን እንተ ዄንና፡ እዚ ኣብ ናይ ምምራጽ ናጽነትና እንታይ ጽልዋ ይህልዎ፧

14 ብተወሳኺ፡ ብየሆዋ እንእመን እንተ ዄንና፡ በቲ ኼዕቍበና ኢሉ ዝሰርዖ ደረት ገይሩ ኺመርሓና ኸኣ ንፈቕደሉ እንተ ዄንና፡ ናይ ምምራጽ ናጽነትና ኸይበላሾ ኽንሕልዎ ንኽእል ኢና። የሆዋ በይኑ ጥራይ እዩ ‘እቲ ዚጠቕመና ዚምህረና፡ በታ ኽንከደላ ዚግብኣና እውን መገዲ ዚመርሓና።’ (ኢሳ. 48:17) እቲ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ፡ “መገዲ ሰብ ናቱ ኸም ዘይኰነት ኣጸቢቐ እፈልጥ እየ። ዚመላለስ ሰብ እውን ስጕምቱ ኬቕንዕ ናቱ ኣይኰነን” ዚብል ቃላት ሓቂ ምዃኑ ብትሕትና ኽንኣምን ኣሎና። (ኤር. 10:23) ከምቲ ኣዳምን እቶም ዓለወኛታት እስራኤላውያንን ዝገበርዎ፡ ኣብ ኣእምሮና ኸቶ ኣይንጸጋዕ። የግዳስ፡ ‘ብምሉእ ልብና ብየሆዋ ንተኣመን።’—ምሳ. 3:5

ንኻልኦት ሰባት፡ ናይ ምምራጽ ናጽነቶም ነኽብረሎም

15. ካብቲ ኣብ ገላትያ 6:5 ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት እንታይ ንምሃር፧

15 ሓደ ኻብቲ ኣብ ናጽነትና ዘሎና ደረት፡ ካልኦት ኣብ ህይወቶም ናይ ባዕሎም ውሳነታት ኪገብሩ መሰል ዘለዎም ምዃኑ እዩ። ስለምንታይ ከምኡ ንብል፧ ናይ ምምራጽ ናጽነት ንዅላትና ስለ እተዋህበና፡ ክልተ ክርስትያናት ወትሩ ሕደ ውሳነ ኺገብሩ ኣይክእሉን እዮም። ንኣካይዳናን ንኣምልኾናን ኣብ ዚምልከት ጕዳይ እኳ ወትሩ ሕደ ውሳነ ኣይንገብርን ኢና። ነቲ ኣብ ገላትያ 6:5 ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ኣይንረስዓዮ። (ኣንብብ።) ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን “ጸጾሩ ኺጸውር” ከም ዚግባእ ምስ ፈለጥና፡ ነቲ ኻልኦት ንናይ ምምራጽ ናጽነቶም ኪጥቀሙሉ ዘለዎም መሰል ከነኽብረሎም ኢና።

ውሳነታትና ኣብ ካልኦት ከይጸዓንና፡ ብሕታዊ ውሳነ ኽንገብር ንኽእል ኢና (ሕጡብ ጽሑፍ 15 ርአ)

16, 17. (ሀ) ኣብ ቈረንቶስ፡ ምስ ናይ ምምራጽ ናጽነት እተተሓሓዘ እንታይ ጕዳይ እዩ ተላዒሉ፧ (ለ) ጳውሎስ ነቲ ጕዳይ ብኸመይ ፈቲሕዎ፧ እዚ ብዛዕባ መሰል ካልኦት እንታይ ይምህረና፧

16 ነቲ ኣሕዋትና ብሕልናኦም ውሳነ ኺገብሩ ዘለዎም ናጽነት ስለምንታይ ከነኽብሮ ኸም ዘሎና ዜርኢ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ንጣኦታት ተሰዊኡ ኪኸውን ዚኽእል፡ ደሓር ግና ኣብ ዕዳጋ ንዚሽየጥ ስጋ ብዛዕባ ምብላዕ እተፈላለየ ርእይቶ ነይርዎም እዩ። ገሊኦም፡ ‘ጣኦት ዋላ ሓንቲ ስለ ዘይኰነ፡ ነቲ ስጋ ብጽሩይ ሕልና ኽበልዖ እኽእል እየ’ ኢሎም ይሓስቡ ነይሮም። ገሊኦም ኣቐዲሞም ጣኦታት ዜምልኹ ዝነበሩ ግና፡ ነቲ ስጋ እቲ ምብላዖም ማዕረ ኣምልኾ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ ነይሮም። (1 ቈረ. 8:4, 7) እዚ ተነቃፊ ጕዳይ ብምንባሩ፡ ነታ ጉባኤ ኸይከፋፍላ ኣስጊኡ ነይሩ እዩ። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ቈረንቶስ ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ኣረኣእያ ኣምላኽ ኪሕዙ ብኸመይ ሓጊዝዎም፧

17 ፈለማ፡ ጳውሎስ ንኽልቲኦም ወገናት፡ ብልዒ ናብ ኣምላኽ ከም ዘየቕርቦም ኣዘኻኺርዎም። (1 ቈረ. 8:8) ቀጺሉ፡ “ናይ ምምራጽ መሰልኩም ነቶም ድኹማት መዐንቀፊ ኸይኰኖም ተጠንቀቑ” ኢሉ ኣጠንቂቕዎም። (1 ቈረ. 8:9) ድሕሪኡ፡ ነቶም ዝያዳ ተኣፋፊ ሕልና ዘለዎም፡ ነቶም ነቲ ስጋ ኺበልዑ ዝወሰኑ ሰባት ኪፈርድዎም ከም ዘይብሎም መምርሒ ሂብዎም። (1 ቈረ. 10:25, 29, 30) ኣብዚ ምስ ኣምልኾ ዚተሓሓዝ ኣገዳሲ ጕዳይ፡ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ብሕልናኡ ኺውስን እዩ ዚግባእ ነይሩ። እሞ ደኣ ኣብቲ ኣገዳስነቱ ኻብዚ ዚትሕት ጉዳያት፡ ሓውና ናይ ብሕቱ ውሳነ ኺገብር ዘለዎ መሰል ከነኽብረሉዶ ኣይግባእን፧—1 ቈረ. 10:32, 33

18. ንናይ ምምራጽ ናጽነትካ ኣኽቢርካ ኸም እትርእዮ ብኸመይ ተርኢ፧

18 የሆዋ ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡና እዩ፣ ምስኡ እውን ናይ ሓቂ ናጽነት ሂቡና ኣሎ። (2 ቈረ. 3:17) እዚ ውህበት እዚ ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም እነፍቅሮ ዜርኢ ውሳነታት ክንገብር ስለ ዜፍቅደልና፡ ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ። ሃየ እምበኣር፡ ነዚ ኽቡር ውህበት እዚ ንኣምላኽ ብዜኽብር መገዲ ብምጥቃምን ነቲ ኻልኦት ንውህበቶም ዚጥቀሙሉ መገዲ ብምኽባርን፡ ከም እነማስወሉ ነርኢ።