ንቕሑ! ሕዳር 2014 | መፍትሕ ዜሐጕስ ህይወት

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ዜሐጕስ ህይወት ንኽትነብር ኪሕግዘካ ዚኽእል ግብራዊ ምኽሪ ዝሓዘ እዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ ዜተኣማምን ምዃኑ ዜርኢ ኣርባዕተ ኣብነት ርአ።

ካብ ከባቢ ዓለም

ተወሳኺ ዛዕባ፦ ንጫካ ኤኳዶር ንምዕቃብ እተገብረ ግናኸ እተጠንጠነ መደብ፡ ኤች.ኣይ.ቪ. ቫይረስ ዘለዎ ደም ንምፍላጥ ዜጋጥም ጸገም፡ ኣብ ኣውስትራልያ እንስሳ ዘቤት ንምውናን ዚግበር ቃልሲ።

ገበር

መፍትሕ ዜሐጕስ ህይወት

እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበብ፡ ዜሐጕስ ህይወት ንኺህልወካ ኺሕግዘካ ይኽእል ድዩ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣዝዩ ጠቓሚ ዝዀነ ኣርባዕተ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ትምርምር።

መትረባት ማይ ሮሜ—ዜደንቕ ምህንድስና

ጥንታውያን ሮማውያን፡ መትረብ ማይ ዝሃነጹ ስለምንታይ እዮም፧ ኣብቲ መትረባት ማይ ኣዝዩ ዜደንቕ ምህንስድና እተንጸባረቐኸ ብኸመይ እዩ፧

ንስድራ ቤት

ውሉድካ ኺሕሱ ኸሎ

ውሉድካ እንተ ሓስዩ፡ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ንውሉድካ ብዛዕባ ኣገዳስነት ሓቀኛነት ንኽትምህሮ ኪሕግዘካ ዚኽእል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምኽሪ ትህብ።

ታሪኽ ህይወት

ኣብ ዜድልየኒ እዋን፡ ተስፋ ረኺበ

ሚክሎሽ ሌክስ ወዲ 20 ዓመት ከሎ ብሰንኪ ዜሕዝን ሓደጋ ለመሰ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ሓቂ ተስፋ ንኺረክብ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

ርእይቶ መጽሓፍ ቅዱስ

ንጽህና

ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ንሚልዮናት ሰባት ንጹህን ጥዑይን ህይወት ንኺመርሑ ዝሓገዞም ሚዛናዊ ምኽሪ እስከ መርምሮ።

“ዘየወላውልን ሓያልን ምልክት”

ኣብ ከተማ ሂሮሺማ፡ ጃፓን፡ ዚርከብ ህንጻ፡ ካብ 1945 ጀሚሩ ከምቲ ዘለዎ ብፍርስራሱ እተሓድገ ስለምንታይ እዩ፧ ብዛዕባ እዚ ፍሉይ ህንጻ እዝን ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ዚህቦ ተስፋ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝን ኣንብብ።