ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ውሉዳት

ውሉድካ ኺሕሱ ኸሎ

ውሉድካ ኺሕሱ ኸሎ

ጸገም

እቲ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ወድኺ፡ ኣብ ካልእ ክፍሊ ዀይኑ ይጻወት ኣሎ ንበል። a ብሃንደበት ድማ፡ ድምጺ እተሰብረ ኣቕሓ ሰሚዕኪ። ተቐላጢፍኪ ናብ ወድኺ ምስ ከድኪ፡ ኣብ ጥቓ ሓንቲ እተሰባበረት መቐመጥ ዕምባባ ደው ኢሉ ጸኒሑኪ። እቲ ኣብ ገጹ ዚንበብ ስምዒት ድማ፡ ነቲ ኣቕሓ ንሱ ኸም ዝሰበሮ ዚሕብር እዩ።

ንስኺ ድማ፡ “ንስኻ ዲኻ ሰቢርካዮ፧” ኢልኪ ብሓርቖት ሓቲትክዮ።

ንሱ ኸኣ ተቐላጢፉ፡ “ኣነ ኣይኰንኩን” ኢሉኪ።

ወድኺ ንፈለማ እዋን ኣይኰነን ዚሕሱ ዘሎ። እሞኸ እዚ ኼስግኣኪ ይግባእ ድዩ፧

ክትፈልጦ ዘሎካ

ኵሉ ሓሶት፡ ሕማቕ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ የሆዋ ኣምላኽ “ሓሳዊት መልሓስ” ከም ዚጸልእ ይገልጽ እዩ። (ምሳሌ 6:16, 17) ኣብቲ ንእስራኤላውያን እተዋህቦም ሕጊ እውን እንተ ዀነ፡ ምሕሳው ብጥብቂ እተኸልከለ እዩ ነይሩ።—ዘሌዋውያን 19:11, 12

ኵሉ ሓሶት ማዕረ ኣይኰነን። ገሊኡ ሓሶት ኣመና ዚሃሲ እዩ፣ ንኻልእ ሰብ ንምጕዳእ ድማ እዩ ዚዝረብ። ገሊኡ ሓሶት ግና፡ ግዜያዊ ጸቕጢ ምስ ኣጋጠመካ፡ ካብ ሕፍረት ወይ ካብ መቕጻዕቲ ንምህዳም እዩ ዚዝረብ። (ዘፍጥረት 18:12-15) ኵሉ ሓሶት ጌጋ እኳ እንተ ዀነ፡ ገሊኡ ሓሶት ግና ካብ ካልእ ብዝያዳ ዝኸበደ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ውሉድካ እንተ ሓስዩ፡ ንዕድሚኡን ነታ ሓቂ ኺሓብኣ ንዝደረኾ ምኽንያትን ኣብ ግምት ኣእቱ።

ንውሉድካ ገና ብሕጻንነቱ ምሃሮ። ዶክተር ዴቪድ ዎልሽ፡ “ንደቅኻ፡ ብፍላይ ከቢድ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ሓቂ ንኺዛረቡ ምምሃር ኣገዳሲ እዩ። ከመይሲ፡ ምስ ሰባት ዘሎካ ርክብ ኣብ ምትእምማን እተመርኰሰ እዩ፣ ሓሶት ከኣ ነቲ ምትእምማን እዩ ዜጥፍኦ” በለ። b

ውሉድካ ኺሕሱ ኸሎ፡ ኣመና ኣይትሰንብድ። ውሉድካ እንተ ሓስዩ፡ ካን ኣኺልዎ ተባላሽዩ ኺተርፍ እዩ ማለት ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ አሎ” ኸም ዚብል ኣይትረስዕ። (ምሳሌ 22:15) ገሊኦም ቈልዑ፡ ነቲ ዕሽነቶም ብምሕሳው እዮም ዜርእይዎ፣ ንሓሶት ድማ ካብ መቕጻዕቲ ኺሃድሙሉ ኸም ዚኽእሉ ቐሊል መገዲ ገይሮም ኪርእይዎ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ውሉድካ ምስ ሓሰወ እትህቦ ምላሽ ኣገዳሲ እዩ።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ውሉድካ ስለምንታይ ከም ዝሓሰወ ኽትፈልጥ ጽዓር። ከይቅጻዕ ስለ ዝፈርሀ ድዩ፧ ንዓኻ ምእንቲ ኸየጕህየካ ኢሉ ድዩ፧ ውሉድካ ብኣዕሩኹ ምእንቲ ኺፍቶ ኢሉ ምህዝ ኣቢሉ ዚዛረብ እንተ ዀይኑ፡ ምናልባት ገና ቘልዓ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ናይ ሓቂ ዅነታትን ኣብ ሓሳብ ዚፍጠር ነገራትን ዘሎ ፍልልይ ስለ ዘይተረድኦዶ ይኸውን፧ ውሉድካ ስለምንታይ ከም ዝሓሰወ ምፍላጥካ፡ ብቕኑዕ መገዲ ንኽትእርሞ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ 1 ቈረንቶስ 13:11

ሓድሓደ እዋን፡ ሕቶ ዘይኰነስ ምሉእ ሓሳባት ተጠቐም። ኣብቲ ኣብ መእተዊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣብነት፡ እታ ኣደ ነቲ እተፈጸመ ነገራት እናፈለጠቶ ኽነሳ፡ ንወዳ፡ “ንስኻ ዲኻ ሰቢርካዮ፧” ኢላ እያ ብሓርቖት ሓቲታቶ። እቲ ወዳ ኸኣ፡ ኣዲኡ ምእንቲ ኸይትሓርቕ ኢሉ ሓስዩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ እታ ኣደ ኣብ ክንዲ ንወዳ ሕቶ እትሓትቶ፡ “እዋይ! ሰቢርካዮ እምበኣር” እንተ ትብሎኸ፧ እታ ኣደ፡ ሕቶ ዘይኰነስ ምሉእ ሓሳባት ክትጥቀም ከላ፡ ንወዳ ኻብ ሓሶት እያ እትሰትሮ፣ በዚ ኸምዚ ድማ፡ ሓቀኛ ንኪኸውን ተሰልጥኖ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ቈሎሴ 3:9

ሓቀኛነት ከም ዜሐጕሰካ ግለጸሉ። ውሉዳት ብተፈጥሮኦም ንወለዶም ኬሐጕስዎም እዮም ዚደልዩ፣ ንስኻ ድማ ነዚ ድሌት እዚ ብዚግባእ ተጠቐመሉ። ንውሉድካ፡ ሓቀኛነት ንስድራ ቤትኩም ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑን ሓቀኛ ኪኸውን ከም እትጽበዮን ንገሮ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ እብራውያን 13:18

ሓሶት ንምትእምማን ከም ዜጥፍኦን ነቲ ዝጠፍአ ምትእምማን እንደገና ንምህናጽ ድማ ነዊሕ ግዜ ኺወስድ ከም ዚኽእልን፡ ንውሉድካ ብንጹር ኣረድኣዮ። ሓቂ ኺዛረብ ከሎ ብምንኣድ፡ ብዝያዳ ጽቡቕ ጠባይ ከም ዜማዕብል ግበር። ንኣብነት፡ “ሓቂ ኽትዛረብ ከለኻ፡ ኣዝየ እየ ዝሕጐስ” ክትብሎ ትኽእል ኢኻ።

ኣብነት ኩኖ። ውሉድካ፡ ተሌፎን ንዝደወለ ሰብ ከተዘራርቦ ስለ ዘይደለኻ፡ “የለኹን በሎ” ኽትብል ከለኻ እንተ ሰሚዑ፡ ወይ ከኣ ከተዕርፍ ደሊኻ ኽነስኻ፡ “ሎሚ ስለ ዝሓመምኩ ኣይመጽእን እየ” ኢልካ ኻብ ስራሕ ክትበኵር ከለኻ እንተ ርእዩ፡ ንሱ ሓቀኛ ኪኸውን ክትጽበዮ ኣይትኽእልን ኢኻ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ያእቆብ 3:17

መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐም። እቲ ኣብኡ ዚርከብ ስርዓታትን ናይ ሓቂ ታሪኽ ህይወትን፡ ሓቀኛነት ዜተባብዕ እዩ። እታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ልቢ ውሉድካ ንኽትተክል ክትሕግዘካ ትኽእል እያ። ምዕራፍ 22 እታ መጽሓፍ፡ “ክንሕሱ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧” ዚብል ኣርእስቲ ኣለዋ። (ካብዛ ምዕራፍ እዚኣ እተወስደ ሓሳባት፡ ኣብታ፡ “ ንውሉድካ እትሕግዞ መጽሓፍ” ዘርእስታ ሳጹን ተጠቒሱ ኣሎ።)

a ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ነቲ ውሉድ ብተባዕታይ ጾታ ጠቒስናዮ ኣሎና። እቲ መሰረታዊ ስርዓታት ግና፡ ንኽልቲኡ ጾታ ዚምልከት እዩ።

b ኖ፦ ዋይ ኪድስ—ኦቭ ኦል ኤጅስ—ኒድ ቱ ሂር ኢት ኤንድ ወይስ ፓረንትስ ካን ሰይ ኢት ካብ ዘርእስታ መጽሓፍ እተወስደ።