ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | መንእሰያት

ናብ ቤት ክትምለስ ምስ ዜድልየካ

ናብ ቤት ክትምለስ ምስ ዜድልየካ

ጸገም

ገሊኦም መንእሰያት ካብ ቤት ወጺኦም ርእሶም ክኢሎም ኪነብሩ ዚፍትኑ እኳ እንተዀኑ፡ ናይ ገንዘብ ጸገም ኬጋጥሞም ከሎ ግና ናብ ቤቶም ይምለሱ እዮም። ንዓኻኸ ኸምዚ ኣጋጢሙካ ድዩ፧

ዋላ እውን ንወለድኻ ተፍቅሮም እንተ ዀንካ፡ ናብ ቤት ምምላስ ኪኸብደካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ሳራ * እትብሃል መንእሰይ፡ “ርእሰይ ክኢለ ኽነብር ምስ ጀመርኩ፡ ኣብ ካልእ ሰብ ክምርኰስ ስለ ዘየድለየኒ፡ ርእሰ ምትእምማነይ ክብ ኢሉ እዩ። ናብ ቤት ምስ ተመለስኩ ግና እንደገና ቘልዓ ዝዀንኩ ዀይኑ ተሰምዓኒ” በለት። ሪቻርድ ዚብሃል መንእሰይ እውን ብተመሳሳሊ፡ “ናብ ቤት ክምለስ ኣይደለኹን፣ ግናኸ፡ ርእሰይ ክኢለ ኽነብር ስለ ዘይከኣልኩ፡ ተመለስኩ። ዝፈሸልኩ ዀይኑ ድማ ተሰምዓኒ” በለ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዅነታት እንተ ኣሊኻ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብቝጠባ ርእስኻ ኽኢልካ ንኽትነብር ክትሕግዘካ እያ።

እቲ ጸገም ዜጋጥመሉ ምኽንያት

ናይ ገንዘብ ጸገም። ብዙሓት መንእሰያት ካብ ቤት ምስ ወጹ፡ በይንኻ ምንባር ብዙሕ ወጻኢታት ዚሓትት ኰይኑ ስለ ዚረኽብዎ ይስንብዱ እዮም። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሪቻርድ፡ “ርእሰይ ክኢለ ኽነብር ምስ ፈተንኩ፡ ኵሉ እቲ ኣዋህሊለዮ ዝነበርኩ ገንዘብ ተወድአ” በለ። ሓንቲ ሻይና እትብሃል ጓል 24 ዓመት ከላ ኻብ ቤት ዝወጸት እሞ ዓመትን መንፈቕን ጸኒሓ እተመልሰት መንእሰይ እውን ብተመሳሳሊ፡ “ካብ ቤት ብዘይ ገንዘብ እየ ወጺአ፡ ዕዳ ተሰኪመ ድማ ተመለስኩ፣ ገንዘበይ ጽቡቕ ገይረ ኸመሓድር ኣይከኣልኩን” ብምባል ተኣመነት። *

ናይ ስራሕ ጸገም። ካብ ስራሕ ምውጻእ፡ ነቲ ርእስኻ ንምኽኣል ብጥንቃቐ ዚወጽእ መደብ እውን ከይተረፈ ኼተዓናቕፎ ይኽእል እዩ። ሻይና ኸምኡ እዩ ኣጋጢምዋ፣ ከምዚ ኸኣ ትብል፦ “ብሞያ ሕክምና እየ ተመሪቐ። ኣብ ሓደ ትካል ተቘጺረ ኽሰርሕ እኳ እንተ ጀመርኩ፡ ካብ ስራሐይ ምስ ወጻእኩ ግና ዝገብሮ ጠፍኣኒ። ኣብ ገጠር እነብር ስለ ዝነበረኩ፡ ብሞያይ ስራሕ ክረክብ ኣይከኣልኩን።”

ዘይክውንነታዊ ትጽቢታት። ገሊኦም መንእሰያት፡ ርእሶም ንምእላይ ዚሰርሕዎ ስራሕ ማዕረ ኽንደይ ከቢድ ኪኸውን ከም ዚኽእል ከይተዳለዉሉ እዮም ኣብ ናይ ስራሕ ዓለም ዚኣትዉ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ስራሖም ካብቲ እተጸበይዎ ንላዕሊ እዩ ዚኸብዶም። እቲ ዜሕዝን፡ በይንኻ ምንባር ከምቲ ዝሓሰብዎ ባህ ዜብል ኰይኑ ኣይረኽብዎን። ግዜ ብጽሕነት ክሳዕ ክንድዚ በዳሂ ኪኸውን ፈጺሞም ኣይጽበይዎን እዮም።

ክትገብሮ እትኽእል ነገራት

ናብ ቤት ብዛዕባ ምምላስ ንወለድኻ ኣዘራርቦም። ነዚ ዚስዕብ ጕዳያት ምስ ወለድኻ ተዘራረበሉ፦ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኢኻ ኣብ ቤት ክትጸንሕ ዜድልየካ፧ ኣብ ቤት ክሳዕ ዘለኻ፡ ወጻኢታት ስድራ ቤት ንምሽፋን እንታይ ኣበርክቶ ኢኻ ኽትገብር፧ እንታይ ዕዮታት ቤት ኢኻ ኽትዓዪ እትኽእል፧ እንደገና ብቝጠባ ርእስኻ ኽኢልካ ንኽትነብርከ እንታይ ስጕምትታት ኢኻ ኽትወስድ፧ ዕድመኻ ብዘየገድስ፡ ኣብ ትሕቲ ወለድኻ ስለ ዘለኻ፡ ንዜውጽእዎ ስርዓታት ክትሕልዎ ኸም ዘሎካ ኣይትረስዕ።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ዘጸኣት 20:12

ንገንዘብካ ብኸመይ ከም እተካውኖ ተምሃር። ዘ ኮምፕሊት ጋይድ ቱ ፐርሰናል ፋይናንስ፡ ፎር ቲንኤጀርስ ኤንድ ኮሌጅ ስቱደንትስ እትብሃል መጽሓፍ፡ “ገንዘብካ እተውጽኣሉ መገዲ፡ ብቝጠባ ዕዉት ንኽትከውን ወይ ንኸይትኸውን ጽልዋ ኣለዎ። . . . እቲ ቐንድን መሰረታውን ሓቂ፡ ኣብ ዘየድልየካ ነገራት ገንዘብ ዘይምውጻእ እዩ” በለት።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ሉቃስ 14:28

ጽቡቕ ምኽሪ ኣናዲ። ወለድኻን ካልኦት ዓበይቲ ሰባትን፡ ገንዘብ ከተዋህልልን ባጀት ከተውጽእን ወጻኢታት ገዛ ኽትሽፍንን ዜኽእለካ ግብራዊ ኽእለት ንኸተጥሪ ኺሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ማሪ ዝስማ መንእሰይ፡ “መሰረታዊ ነገራት ክምሃር ኣድልዩኒ እዩ። ሓንቲ መሓዛይ ዘድልን ዘየድልን ወጻኢታት ብዝርዝር ክጽሕፍ ሓገዘትኒ። እቲ ዜገርም፡ ዚበዝሕ ወጻኢታተይ ዘየድሊ እዩ ነይሩ። ነታ ርእስኻ ኽኢልካ ንኽትነብር ኣገዳሲት ባህርይ ዝዀነት ርእሰ ግትኣት፡ ብኸመይ ከማዕብላ ኸም ዘሎኒ እውን ተማሂረ እየ” በለት።—ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ምሳሌ 13:10

እንታይ ዓይነት ስራሕ ከም እትሰርሕ ዘይኰነስ፡ ኣብ ስራሕካ ኽኢላ ምዃን እዩ ዝያዳ ዜገድስ

ስራሕ ንምርካብ ስጕምቲ ውሰድ። ነቲ ኣብ ስራሕ ከተሕልፎ ዝነበረካ ግዜ፡ ስራሕ ንምንዳይ ተጠቐመሉ። ገሊኦም ሰባት ኣብቲ እትፈትዎ ዓይነት ስራሕ ጥራይ ክትሰርሕ ይነግሩኻ ይዀኑ፣ ነዚ ግና ክትጥንቀቐሉ ኣሎካ። እትፈትዎ ዓይነት ስራሕ ጥራይ ምንዳይ፡ ነቲ ስራሕ ክትረክብ ዘሎካ ዕድል ኬጽብቦን ንኻልእ ኣጋጣሚታት ስራሕ ከም ዘይተስተውዕለሉ ኺገብረካን ይኽእል እዩ። ኣብ እተወሰነ ዓይነት ስራሕ ጥራይ ብምትኳር ግዜኻ ኣብ ክንዲ እተባኽን፡ ካልእ ኣጋጣሚታት ኣናዲ። እንታይ ዓይነት ስራሕ ከም እትሰርሕ ዘይኰነስ፡ ኣብ ስራሕካ ኽኢላ ምዃን ዝያዳ ኸም ዜገድስ ኣይትረስዕ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ሰራሕተኛታት ኣብ ስራሖም ዝያዳ ተመክሮን ክእለትን ብዘጥረዩ መጠን፡ ንስራሖም ዝያዳ ኸም ዚፈትውዎ ተራእዩ እዩ። ንስራሕካ ምእንቲ ኽትፈትዎ፡ እትፈትዎ ዓይነት ስራሕ ጥራይ ክትሰርሕ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን!

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብዛ ዓንቀጽ ዚርከብ ስማት ተቐዪሩ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 8 ተምሃሮ ኮሌጅ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ተመሳሳሊ ዅነታት እዩ ዜጋጥሞም። ብመሰረት እቲ ኣብ ዘ ዎል ስትሪት ጆርናል ዝወጸ ጸብጻብ፡ ሓደ ብልቓሕ ዚምሃር ተምሃራይ፡ ትምህርቱ ዛዚሙ ኺምረቕ ከሎ ብገምጋም 33,000 ዶላር ዕዳ ይህልዎ።