ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ወጻኢታተይ ክቈጻጸር ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

ወጻኢታተይ ክቈጻጸር ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

 “ብቐዳማይ፡ ክርኢ ኢለ ጥራይ ናብ ሓደ ዕዳጋ ኣትየ። ክኣቱ ኸለኹ ኽዕድጎ ዘይሓሰብክዎ ኽቡር ንብረት ዓዲገ ኸኣ ወጺአ።”—ኮሊን።

 ኮሊን ወጻኢታቱ ምቍጽጻር ከም ዜጸግሞ እዩ ተኣሚኑ። ንስኻኸ ኸምዚ ዓይነት ጸገም ኣሎካ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኽትሕግዘካ ትኽእል እያ።

 ወጻኢታትካ ኽትቈጻጸር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

 ግጉይ ኣበሃህላ፦ ገንዘብ ብዛዕባ ናይ ምውጻእ ልማድካ ምጭናቕ ንናጽነትካ ዚቕይድ እዩ።

 ሓቂ፦ ወጻኢታትካ ምቍጽጻር ንናጽነትካ ዚቕይድ ዘይኰነስ፡ ዝያዳ ናጽነት ዚህብ እዩ። ኣይ ኣም ብሮክ! ዘ ማኒ ሃንድቡክ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ብዛዕባ ገንዘብ ዝያዳ ብዝፈለጥካ መጠን፡ ሕጂ ዀነ ኣብ መጻኢ ንእትደልዮ ነገራት ዚኸውን ዝያዳ ገንዘብ ኪህልወካ እዩ” ትብል።

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ወጻኢታትካ ብምቍጽጻር እዚ ዚስዕብ ጥቕምታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፦

  •   ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ዝያዳ ገንዘብ ይህልወካ። ኢነዝ ዝስማ ጐርዞ፡ “ኣብ መጻኢ ናብ ደቡብ ኣመሪካ ኸይደ ኽዛወር እደሊ እየ። ገንዘብ ከዋህልል ከለኹ፡ ነዚ ሸቶ እዚ ኣብ ኣእምሮይ ክሕዞ እየ ዝጽዕር” በለት።

  •   ሒደት (ወይ እውን ዜሮ) ዕዳ ይህልወካ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ተለቃሒ ድማ ባርያ ኣለቃሒ እዩ” ይብል። (ምሳሌ 22:7) ኣና ዝስማ መንእሰይ ምስዚ ትሰማማዕ እያ። “ዕዳ ንህይወትካ ኺቈጻጸራ ይኽእል እዩ። ካብ ዕዳ ናጻ ምዃን ኣብ ሸቶታትካ ኸተተኵር የኽእለካ እዩ” ድማ በለት።

  •   ብሱል ሰብ ምዃንካ ተርኢ። ወጻኢታቶም ዚቈጻጸሩ ሰባት ንብጽሕና ብዝሓሸ ድሉዋት እዮም። ጀን ዝስማ ጓል 20 ዓመት መንእሰይ፡ “እዚ ነቲ ኣብ መጻኢ ርእሰይ ክኢለ ዝነብረሉ እዋን ጽቡቕ ስልጠና እዩ። ሕጂ ምስ ገንዘብ ብዚተሓሓዝ ሓላፍነት ዝስምዓኒ ሰብ ምዃነይ፡ ንመጻኢ እውን ይጠቕመኒ እዩ” በለት።

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ዘ ኮምፕሊት ጋይድ ቱ ፐርሰናል ፋይናንስ፦ ፎር ቲነጀርስ ኤንድ ኮለጅ ስቱደንትስ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ “ርእስኻ ኽትክእለሉ እትኽእል ቀዳማይ ስጕምቲ፡ ንገንዘብካ ባዕልኻ ምክዋን እዩ። ንገንዘብካ ብግቡእ ምጥቃም ንምሉእ ህይወትካ ዚጠቕመካ ኽእለት እዩ።”

 ንወጻኢታትካ ብኸመይ ክትቈጻጸሮ ትኽእል፧

 ድኽመታትካ ፍለጥ። ብቐጻሊ ቐልጢፍካ ገንዘብ ትውድእ እንተ ዄንካ፡ ፈለማ ገንዘብካ ብኸመይ ይጠፍእ ከም ዘሎ ፍለጥ። ንገሊኦም ሰባት፡ ብኢንተርነት ምዕዳግ መፈንጠራ ይዀኖም እዩ። ንገሊኦም ድማ ጸገም ዚዀኖም፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥራይ ጁባኦም ክሳዕ ዚተርፉ ዚገብሮም፡ በብቝሩብ ዜውጽእዎ ሒደት ገንዘብ እዩ።

 “በብመዓልቱ ዚወጽእ ሒደት ወጻኢታት እናተኣከበ እዩ ዚኸይድ። ንእከለ ወይ ንእከሊት ንእሽቶ ህያብ ትዕድገሎም፡ ኣብ ደገ ሻሂ ትሰቲ፡ ኣብ ዕዳጋ ዝረኣኻዮ ተወሳኺ ንብረት ድማ ትዕድግ፣ ንወርሒ ዚኸውን ብኸምዚ ምስ ቀጸልኩ፡ ኣማእታት ዶላራት ናበይ ሽርብ ከም ዝበለ ግርም እዩ ዚብለኒ።”ሃሊ።

 ባጀት ኣውጽእ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ” ይብል። (ምሳሌ 21:5) ባጀት ብምውጻእ፡ ወጻኢታትካ ልዕሊ ኣታዊታትካ ኸይከውን ክትቈጻጸሮ ትኽእል ኢኻ።

 “ወጻኢታትካ ልዕሊ ኣታዊታትካ እንተ ዀይኑ፡ ገንዘብካ ኣበይ ይጠፍእ ከም ዘሎ ፍለጥ፣ ዘየድልየካ ነገራት ከኣ ኣወግድ። ኣታዊታትካ ልዕሊ ወጻኢታትካ ክሳዕ ዚኸውን፡ ወጻኢታትካ ነኪ።”ዳንኤላ።

 ንውጥናትካ ተግብሮ። ገንዘብካ ኽትቈጻጸረሉን ካብ ዘየድሊ ወጻኢታት ክትርሕቀሉን እትኽእል እተፈላለየ መገድታት ኣሎ። ገሊኦም መንእሰያት ነዚ ዚስዕብ ሜላታት ውጽኢታዊ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም፦

  •  “መብዛሕትኡ ግዜ ገንዘበይ ብቐጥታ ኣብ ባንክ ከእትዎ እየ ዝጽዕር፣ ምኽንያቱ፡ ኣብ ባንክ እንተ ኣትዩ፡ ከውጽኦ ብዙሕ ከም ዘይፍተን እፈልጥ እየ።”ዴቪድ።

  •  “ናብ ዕዳጋ ክኸይድ ከለኹ፡ እተወሰነ ገንዘብ ጥራይ እየ ዝማላእ። ከምኡ ኽገብር ከለኹ፡ ካብ ዝሓሰብክዎ ንላዕሊ ኣየውጽእን እየ።”ኢለን።

  •  “ሓደ ነገር ቅድሚ ምዕዳገይ ንእተወሰነ እዋን ምጽናሐይ፡ ብሓቂ ዜድልየኒ እንተ ዀይኑ ብዝያዳ ርትዓዊ ብዝዀነ መገዲ ኽሓስብ ኣጋጣሚ ይህበኒ እዩ።”ጀሲ።

  •  “ናብ ኵሉ ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ክኸይድ ኣየድልየንን እዩ። ገንዘብ ከውጽእ ዓቕሚ ዘይብለይ እንተ ዀይነ፡ ካብቲ ምትእኽኻብ ምትራፈይ ጌጋ ኣይኰነን።”ጀኒፈር።

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ገንዘብ ምክዋን ከቢድ ሓላፍነት እዩ። እቲ ኣብ መእተዊ እተጠቕሰ ኮሊን ነዚ ኺግንዘቦ ጀሚሩ እዩ። ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ሓደ መዓልቲ ርእሲ ስድራ ቤት ዝኸውን እንተ ዀይነ፡ ሕጂ ገንዘብ ክዘሩ ኣይክእልን እየ። ከይተመርዓኹ ኸለኹ ኣብ ኣተሓሕዛ ገንዘብ ንፉዕ እንተ ዘይኰይነ፡ ምስ ተመርዓኹ እዚ ብዙሕ ጸገማት ክፈጥረለይ ይኽእል እዩ” በለ።

ምኽሪ፦ “ንሓደ ሰብ ብዛዕባ ዘውጻእካዮ ባጀት ሓብሮ፣ ምስ ባጀትካ ተሰማሚዕካ ትኸይድ እንተ ኣሊኻ ሓሓሊፉ ኺከታተለካ ድማ ሕተቶ። ተሓታትነት ጽቡቕ እዩ።”ቨነሳ።