ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ድልድልቲ እምነት ትሃሉኻ

ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ድልድልቲ እምነት ትሃሉኻ

“እምነት ናይቲ ተስፋ ዚግበሮ ርግጽ ትጽቢት . . . እያ።” እብ 11:1

1, 2. መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ኸም እትፍጽም ንዘሎና እምነት ዜደልድሎ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይከ፧ (ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘላ ስእሊ ርአ።)

ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ ጸገማት ደቂ ሰብ እንኮ መፍትሒት ከም ዝዀነት ብዙሕ ሳዕ ንጠቅስ ኢና፣ ሰባት ነዚ ኣገዳሲ ዝዀነ ቕዱስ ጽሕፋዊ ሓቂ እዚ ኸም ዜቕልቡሉ ንምግባር ከኣ ንህንጠ ኢና። ብዘይካዚ፡ ካብቲ እታ መንግስቲ እትህቦ ተስፋ ዓብዪ ምጽንናዕ ንረክብ ኢና። ይኹን እምበር፡ እታ መንግስቲ ንዕላማኣ ኽትፍጽም እትኽእል ናይ ሓቂ መንግስቲ ኸም ዝዀነት ዘሎና እምንቶ ክሳዕ ክንደይ እዩ ድልዱል፧ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ድልድልቲ እምነት ከም እትህልወና ዚገብር እንታይ ምኽንያት ኣሎና፧—እብ. 11:1

2 መሲሓዊት መንግስቲ፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ነቲ ንፍጥረት ዚምልከት ዕላማኡ ንኺፍጽም ኢሉ ዝገበሮ መሰናድዎ እያ። እታ መንግስቲ ኣብ ድልዱል መሰረት፡ ማለት ኣብቲ የሆዋ ንኺገዝእ ዘለዎ ምሉእ መሰል እተሰረተት እያ። ኣገዳሲ መዳያት እታ መንግስቲ፡ ማለት ንጉሳን መጋዝእቱን ግዝኣቶምን ብኺዳናት ኣቢሉ ብሕጋዊ መገዲ ቘይሙ እዩ። እዚ ኺዳናት እዚ ሕጋዊ ውዕላት ወይ መሰናድዎታት ዜመልክት ኰይኑ፡ ሓደ ኻብቶም ተሳተፍቲ፡ ኣምላኽ ዚዀነሉ ግዜ ኣሎ፡ ወዱ የሱስ ክርስቶስ ዚዀነሉ  ግዜ እውን ኣሎ። ነዚ ኺዳናት እዚ ምምርማርና፡ ዕላማ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ከም ዚፍጸም ንዘሎና ምርዳእ የስፍሖ፡ እቲ መሰናድዎ ኽሳዕ ክንደይ ጽኑዕ ምዃኑ ንኽንግንዘብ ድማ ይሕግዘና እዩ።—ኤፌሶን 2:12 ኣንብብ።

3. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣን ኣብታ እትቕጽልን እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስታ ክርስቶስ የሱስ ዚቈጻጸራ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ እተተሓሓዘ ሽዱሽተ ቐንዲ ኺዳናት ከም ዘሎ ይሕብር። እቲ ኺዳናት እቲ ኸኣ፡ እዚ ዚስዕብ እዩ፦ (1) ንኣብርሃም እተኣትወሉ ኺዳን፡ (2) ኪዳን ሕጊ ሙሴ፡ (3)  ንዳዊት እተኣትወሉ ኺዳን፡ (4) ከም መልከጼዴቅ ዝበለ ኻህን ንምዃን እተኣትወ ኺዳን፡ (5) ሓድሽ ኪዳን፡ (6) ኪዳን መንግስቲ። ነፍሲ ወከፍ ኪዳን ምስ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝን እቲ ኣምላኽ ንምድርን ንደቂ ሰብን ዘለዎ ዕላማ ንኺፍጸም ብኸመይ ከም ዚሕግዝን ንመርምር።—“ ኣምላኽ ዕላማኡ ብኸመይ ከም ዚፍጽም” ዘርእስቱ ሰሌዳ ርአ

ዕላማ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ዚገልጽ መብጽዓ

4. ከምቲ ኣብ ዘፍጥረት እተገልጸ፡ ኣምላኽ ብዛዕባ ደቂ ሰብ እንታይ ድንጋገታት እዩ ገይሩ፧

4 የሆዋ ነታ ጽብቕቲ ምድርና መንበሪት ሰባት ክትከውን ኢሉ ምስ ኣዳለዋ፡ ብዛዕባ ደቂ ሰብ ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ድንጋገ ገበረ፦ (1) ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ብመልክዑ ኺፈጥሮም፡ (2) ሰባት ንምድሪ፡ ገነት ኪገብርዋን ብጻድቃን ዘርኦም ኪመልእዋን፡ (3) ሰባት ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ከይበልዑ። (ዘፍ. 1:26, 28፣ 2:16, 17) ካልእ ተወሳኺ ድንጋገ ኣድላዪ ኣይነበረን። ሰብ ምስ ተፈጥረ፡ ዕላማ ኣምላኽ ንኺፍጸም፡ እተን ናይ መወዳእታ ኽልተ ድንጋገ ድማ ኪፍጽማ የድሊ ነበረ። ኪዳናት ዘድለየ ደኣ እሞ ስለምንታይ እዩ፧

5, 6. (ሀ) ሰይጣን፡ ዕላማ ኣምላኽ ኬተዓናቕፍ ዝጸዓረ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ነቲ ሰይጣን ኣብ ኤድን ዘልዓሎ ዕልወት እንታይ ምላሽ ሃበሉ፧

5 ሰይጣን ድያብሎስ ዕላማ ኣምላኽ ንምትዕንቓፍ ኢሉ፡ ካብ ኣምላኽ ዓለወ። ካብቲ ኣምላኽ ዝደንገጎ ድንጋገታት ኣብቲ ብዝያዳ ጽልዋ ኺገብረሉ ዚኽእል፡ ማለት ኣብቲ ኻብ ሰብ ተኣዛዝነት ዚሓትት ድንጋገ ድማ ኣተኰረ። ነታ ናይ መጀመርታ ሰበይቲ ዝነበረት ሄዋን ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፈልጥ ኦም በሊዓ ትእዛዝ ኣምላኽ ንኸተፍርስ ፈተና ኣቕረበላ። (ዘፍ. 3:1-5፣ ራእ. 12:9) በዚ ኸምዚ ሰይጣን ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ፍጡራቱ ንኺገዝእ ዘለዎ መሰል ብድሆ ኣቕረበሉ። ጸኒሑ ኸኣ፡ እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንየሆዋ ዜገልግልዎ ብስስዐ ተደሪኾም ከም ዝዀኑ ጠቀኖም።—እዮ. 1:9-11፣ 2:4, 5

6 የሆዋ ነቲ ሰይጣን ኣብ ኤድን ዘልዓሎ ብድሆ ብኸመይ መለሰሉ፧ ነቶም ዓለወኛታት እንተ ዜጥፍኦም ነይሩ፡ ዕልወቶም መኽተመ ነይሩ። ግናኸ፡ እቲ ኣምላኽ፡ ምድሪ ብእዙዛት ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ከም እትመልእ ዝገበሮ ዕላማ እውን ከይተፈጸመ ምተረፈ ነይሩ። ስለዚ፡ እቲ ጥበበኛ ፈጣሪ ነቶም ዓለወኛታት ሽዑሽዑ ኣብ ክንዲ ዜጥፍኦም፡ ቃሉ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ዓሚቝ ትርጕም ዘለዎ ትንቢት ብምንባይ ምላሽ ሃበ። እዚ ትንቢት እዚ ኣብ ኤድን እተኣትወ መብጽዓ እዩ።—ዘፍጥረት 3:15 ኣንብብ።

7. እቲ ኣብ ኤድን እተኣትወ መብጽዓ ብዛዕባ እቲ ተመንን ዘርኡን እንታይ መረጋገጺ እዩ ዚህበና፧

7 የሆዋ በቲ ኣብ ኤድን እተኣትወ መብጽዓ ኣቢሉ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ተመንን ዘርኡን፡ ማለት ኣብ ልዕሊ ሰይጣን ድያብሎስን ኣብ ልዕሊ ዅሎም እቶም ነቲ ኣምላኽ ንምግዛእ ዘለዎ መሰል ዚቃወምዎ ሰዓብቱን ፍርዲ ኣመሓላለፈ። እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዘርኢ እታ ሰማያዊት ሰበይቲ ንሰይጣን ኬጥፍኦ ስልጣን ሃቦ። ስለዚ፡ እቲ ኣብ ኤድን እተኣትወ መብጽዓ፡ ሰይጣንን ኵሉ እቲ ብዕልወቱ ዘምጽኦ ሳዕቤናትን ከም ዚጠፍእ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብኸመይ ከም ዚጠፍእ እውን ይገልጽ እዩ።

8. ብዛዕባ መንነት እታ ሰበይትን ብዛዕባ ዘርኣን እንታይ ክንብል ንኽእል፧

8 ዘርኢ እታ ሰበይቲ መን እዩ፧ እቲ ዘርኢ ንርእሲ  እቲ ተመን ስለ ዚጭፍልቕ፡ ማለት ነቲ መንፈሳዊ ፍጡር ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ስለ ‘ዚስዕሮ፡’ እቲ ዘርኢ እውን መንፈሳዊ ፍጡር ኪኸውን ኣለዎ። (እብ. 2:14) እታ ነቲ ዘርኢ እትወልድ ሰበይቲ እውን መንፈሳዊት ክትከውን ኣለዋ። ዘርኢ እቲ ተመን እናሰሰኑ ኪኸዱ ኸለዉ፡ መንነት እቲ ዘርእን መንነት እታ ሰበይትን ግና፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ኤድን ዝኣተዎ መብጽዓ ድሕሪ ምዝራቡ ንኣስታት 4,000 ዓመት ምስጢር ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። ኣብቲ ዓመታት እቲ፡ የሆዋ እቲ ዘርኢ ዚልለየሉ፡ ንዅሉ እቲ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ዘምጽኦ ዕንወት ከኣ በቲ ዘርኢ እቲ ኣቢሉ ኸም ዜጥፍኦ ዜረጋግጽ እተፈላለየ ኺዳናት ኣቚሙ እዩ።

እቲ ዘርኢ ዚልለየሉ ኺዳን

9. እቲ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ኺዳን እንታይ እዩ፧ መዓስከ እዩ ኺዓዪ ጀሚሩ፧

9 የሆዋ ኻብቲ ንሰይጣን ዝፈረደሉ እዋን ኣስታት ክልተ ሽሕ ዓመት ጸኒሑ፡ ነቲ ኣበው ዝነበረ ኣብርሃም ካብታ ኣብ መሰጶታምያ እትርከብ ዓዱ ኡር ወጺኡ ናብ ምድሪ ኸነኣን ኪኸይድ ኣዘዞ። (ግብ. 7:2, 3) ከምዚ ኸኣ በሎ፦ “ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ። ንዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን ከኣ እየ፡ ንስምካውን ከዕብዮ እየ፡ ንበረኸት ድማ ክትከውን ኢኻ። ንዚባርኹኻ ክባርኾም፡ ንዚረግመካ ድማ ክረግሞ እየ። ዓሌታት ኵላ ምድሪ ብኣኻ ኪባረኹ እዮም።” (ዘፍ. 12:1-3) እዚ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ኺዳን ብመጀመርታ ተመዝጊቡ እንረኽቦ ኣብዚ እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ነቲ ኺዳን መዓስ ከም ዝኣተወሉ ግና ብልክዕ ኣይንፈልጥን ኢና። ይኹን እምበር፡ ብ1943 ቅ.ክ. ኣብርሃም ወዲ 75 ዓመት ከሎ ኻብ ካራን ወጺኡ ርባ ኤፍራጥስ ኣብ እተሳገረሉ እዋን እዩ ኺዓዪ ጀሚሩ።

10. (ሀ) ኣብርሃም ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ድልድልቲ እምነት ከም ዝነበረቶ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ብዛዕባ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ዚገልጽ እንታይ ዝርዝር መብርሂ እዩ በብቝሩብ ዝሃበ፧

10  የሆዋ ነቲ ንኣብርሃም ዝኣተወሉ መብጽዓ፡ ተወሳኺ ዝርዝር መብርሂ ብምሃብ ብዙሕ ሳዕ ደጋጊምዎ እዩ። (ዘፍ. 13:15-17፣ 17:1-8, 16) ኣብርሃም ንወዱ ንምስዋእ ፍቓደኛ ብምዃን ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ድልድልቲ እምነት ከም ዘላቶ ምስ ኣርኣየ ድማ፡ የሆዋ መብጽዓኡ ኸም ዚፍጽም ውሕስነት ብምሃብ ነቲ ኺዳን ኣደልደሎ። (ዘፍጥረት 22:15-18፣ እብራውያን 11:17, 18 ኣንብብ።) እቲ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ኺዳን ኪዓዪ ምስ ጀመረ፡ የሆዋ ብዛዕባ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ዝርዝር መብርሂ በብቝሩብ ሃበ። እዚ ኸኣ፡ እቲ ዘርኢ ኻብ ኣብርሃም ከም ዚወጽእን ከም ዚስስንን ንጉስ ከም ዚኸውንን ንዅሎም ጸላእቲ ኸም ዜጥፍኦምን ንሓያሎ ኻልኦት ከም ዚባርኾምን ዚገልጽ እዩ።

ኣብርሃም ኣብ መብጽዓታት ኣምላኽ ድልድልቲ እምነት ከም ዘላቶ ኣርኣየ (ሕጡብ ጽሑፍ 10 ርአ)

11, 12. ቅዱሳት ጽሑፋት፡ እቲ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ኺዳን ዝዓበየ ፍጻመ ኸም ዘለዎ ዚሕብር ብኸመይ እዩ፧ ንዓናኸ እንታይ ትርጕም ኣለዎ፧

11 እቲ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ኺዳን፡ ዘርኢ ኣብርሃም ምድሪ ተስፋ ኺወርሱ ኸለዉ ቓል ብቓሉ እኳ እንተ ተፈጸመ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት እቲ ኺዳን መንፈሳዊ ፍጻመ ኸም ዘለዎ እውን ይገልጽ እዩ። (ገላ. 4:22-25) ኣብዚ ዝዓበየ ፍጻመ እዚ፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተመሪሑ ኸም ዝገለጾ፡ እቲ ቐዳማይ ክፋል ዘርኢ ኣብርሃም፡ ክርስቶስ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኻልኣይ ክፋል እቲ ዘርኢ ድማ እቶም ብመንፈስ እተቐብኡ 144,000 እዮም። (ገላ. 3:16, 29፣ ራእ. 5:9, 10፣ 14:1, 4) እታ ነቲ ዘርኢ እትወልድ ሰበይቲ፡ እታ ብእሙናት መንፈሳውያን ፍጡራት ዝቘመት ንሰማያዊ ኽፋል ውድብ ኣምላኽ እተመልክት “ናይ ላዕሊ የሩሳሌም” እያ። (ገላ. 4:26, 31) እቲ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ኺዳን ከም ዚሕብሮ፡ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ንደቂ ሰብ በረኸት ዜምጽእ እዩ።

12 እቲ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ኺዳን፡ ንመንግስተ ሰማያት ሕጋዊ መሰረት ዜቕውም፡ ነቲ ንጉስን ነቶም ምስኡ ዚገዝኡን ከኣ ንመንግስቲ ኣምላኽ ንኺወርስዋ መገዲ ዚኸፍት እዩ። (እብ. 6:13-18) እዚ ኺዳን እዚ፡ ክሳዕ መዓስ እዩ ዚቕጽል፧ ዘፍጥረት 17:7፡ “እዚ ናይ ዘለኣለም ኪዳን እዩ” ብምባል ትገልጽ። መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም ጸላእቲ ኽሳዕ እተጥፍኦም፡ ኵሎም ስድራ ቤት ደቂ ሰብ ከኣ ክሳዕ ዚባረኹ ኪቕጽል እዩ። (1 ቈረ. 15:23-26) እቲ በቲ ኺዳን እቲ ዚረክብ ረብሓታት ግና ንዘለኣለም ዚቕጽል እዩ። እቲ ንኣብርሃም እተኣትወ ኺዳን፡ የሆዋ ነቲ ጻድቃን ‘ንምድሪ ኺመልእዋ’ ዝገበሮ ዕላማ ንኺፍጽሞ ኸም ዝቘረጸ ዜረጋግጽ እዩ።—ዘፍ. 1:28

መንግስቲ ኣምላኽ ዘለኣለማዊት ምዃና ዜረጋግጽ ኪዳን

13, 14. እቲ ንዳዊት እተኣትወሉ ኺዳን ብዛዕባ ግዝኣት እቲ መሲሕ እንታይ ውሕስነት እዩ ዚህብ፧

13 እቲ ኣብ ኤድን እተኣትወ መብጽዓን እቲ ንኣብርሃም እተኣትወሉ ኺዳንን፡ እቲ ብመሲሓዊ መንግስቲ ኣምላኽ እተገልጸ ልዑላውነት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ጻድቕ ስርዓታት ኣምላኽ ከም እተመስረተ የረጋግጸልና። (መዝ. 89:14) ኣብ መሲሓዊ መንግስቲ ኣምላኽ ብልሽውና ዚርኣየሉ ግዜ ይህሉ ደዀን ይኸውን፧ እታ መንግስቲ ኽትትካእ ኬድልያ ድዩ፧ እዚ ፈጺሙ ኸም ዘየጋጥም፡ ብኻልእ ሕጋዊ ኺዳን ውሕስነት ተዋሂቡና ኣሎ።

14 የሆዋ ንዳዊት ንጉስ ጥንታዊት እስራኤል መብጽዓ ኣትዩሉ ነይሩ እዩ። እዚ ኸኣ ንዳዊት እተኣትወሉ ኺዳን ተባሂሉ እዩ ዚጽዋዕ። (2 ሳሙኤል 7:12, 16 ኣንብብ።) የሆዋ ነዚ ኺዳን እዚ ንዳዊት ዝኣተወሉ፡ ዳዊት ኣብ የሩሳሌም ይገዝኣሉ ኣብ ዝነበረ እዋን እዩ ነይሩ፣ መሲሕ ካብ ዘርኡ ኸም ዚመጽእ ድማ ተመባጽዓሉ። (ሉቃ. 1:30-33) በዚ መገዲ እዚ፡ የሆዋ ብዛዕባ መስመር ወለዶ እቲ መሲሕ ዝያዳ ንጹር ሓበሬታ ብምሃብ፡ “ሕጋዊ መሰል ዘለዎ” ዘርኢ ዳዊት፡ ንጉስ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ከም  ዚኸውን ገለጸ። (ህዝ. 21:25-27NW) ንግስነት ዳዊት ብየሱስ ኣቢሉ ‘ንዘለኣለም ኪቐውም’ እዩ። እወ፡ ዘርኢ ዳዊት ‘ንዘለኣለም፡ ዝፋኑ እውን ከም ጸሓይ ኪነብር እዩ።’ (መዝ. 89:34-37) ስለዚ፡ ኣብ ግዝኣት እቲ መሲሕ ብልሽውና ዚብሃል ኣይኪህሉን እዩ፣ እቲ ዚዓምሞ ነገራት ከኣ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ።

ኣገልግሎት ክህነት ዜማልእ ኪዳን

15-17. ብመሰረት እቲ ኸም መልከጼዴቅ ዝበለ ኻህን ንምዃን እተኣትወ ኺዳን፡ እቲ ዘርኢ እንታይ ተወሳኺ ሓላፍነት እዩ ተዋሂብዎ፧ ስለምንታይከ፧

15 እቲ ንኣብርሃም እተኣተወሉ ኺዳንን እቲ ንዳዊት እተኣትወሉ ኺዳንን፡ ዘርኢ እታ ሰበይቲ ንጉስ ከም ዚኸውን ዜረጋግጽ እዩ፣ ይኹን እምበር፡ ኵሎም ኣህዛብ ንኺባረኹ ንግስነት ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ኣህዛብ ንኺባረኹ፡ ካብ ሓጢኣት ሓራ ወጺኦም ምስ ስድራ ቤት ኣምላኽ ኪሓብሩ ኣለዎም። እዚ ንኺፍጸም ከኣ፡ እቲ ዘርኢ ኻህን እውን ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ጥበበኛ ፈጣሪ፡ ካልእ መሰናድዎ ብምግባር ነዚ ፈጺምዎ እዩ። እዚ መሰናድዎ እዚ ኸኣ፡ ከም መልከጼዴቅ ዝበለ ኻህን ንምዃን እተኣትወ ኺዳን እዩ።

16 የሆዋ ንኽልተ ዕላማ ኢሉ ምስ የሱስ ብውልቁ ኺዳን ከም ዚኣቱ ብንጉስ ዳዊት ኣቢሉ ገሊጹ ነይሩ እዩ። እቲ ቐዳማይ ዕላማ፡ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ጸላእቱ ኽሳዕ ዚገዝእ “ኣብ የማን ኣምላኽ” ኬቐምጦ እዩ፣ እቲ ኻልኣይ ዕላማ ኸኣ፡ “ከም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን” ኪገብሮ እዩ። (መዝሙር 110:1, 2, 4 ኣንብብ።) “ከም ስርዓት መልከጼዴቅ” ምዃን ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧ ዘርኢ ኣብርሃም ምድሪ ተስፋ ቕድሚ ምውራሶም ነዊሕ ዓመታት ይገብር፡ መልከጼዴቅ ንጉስ ሳሌም፡ “ካህን እቲ ልዑል ኣምላኽ” ኰይኑ የገልግል ነይሩ እዩ። (እብ. 7:1-3) ብየሆዋ ኸኣ እዩ ተሸይሙ። ከም ንጉስን ካህንን ኰይኑ ኸም ዘገልገለ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እተጠቕሰ ንሱ ጥራይ እዩ። ቅድሚኡ ዀነ ድሕሪኡ ኸምኡ ዓይነት መዓርግ ዝነበሮ ሰብ ከም ዝነበረ ዚገልጽ እተመዝገበ ታሪኽ ስለ ዘየለ ድማ፡ “ንሓዋሩ ኻህን ኰይኑ ይነብር” ተባሂሉ ኣሎ።

17 የሱስ በዚ የሆዋ ምስኡ ብውልቂ ዝገበሮ ኺዳን ኣቢሉ፡ ካህን ኪኸውን ተሸመ፣ ‘ከም ስርዓት መልከጼዴቅ ንዘለኣለም ካህን’ ኰይኑ ድማ ኪነብር እዩ። (እብ. 5:4-6) እዚ ኺዳን እዚ፡ የሆዋ ነቲ ብዛዕባ ደቂ ሰብን ብዛዕባ ምድርን ዝገበሮ ዕላማ ብመሲሓዊት መንግስቲ ኣቢሉ ኺፍጽሞ ምዃኑ ሕጋዊ ውሕስነት ከም ዝሃበ ዜረጋግጽ እዩ።

ንመንግስቲ ኣምላኽ ሕጋዊ መሰረት ዜቕውም ኪዳናት

18, 19. (ሀ) እቲ ኽሳዕ ሕጂ እተመያየጥናሉ ኺዳናት፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚገልጽ፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ዓንቀጽ ነየነይቲ ሕቶ ኢና ኽንመያየጠላ፧

18 ነቲ ኽሳዕ ሕጂ ዝረአናዮ ኺዳናት ክንምርምር ከለና፡ እቲ ኺዳናት ምስ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝን መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ጽኑዕ ሕጋዊ ውዕል ከም እተመስረተትን ክንግንዘብ ንኽእል ኢና። እቲ ኣብ ኤድን እተኣትወ መብጽዓ፡ የሆዋ ነቲ ብዛዕባ ምድርን ብዛዕባ ደቂ ሰብን ዝገበሮ ዕላማ ብዘርኢ እታ ሰበይቲ ኣቢሉ ኸም ዚፍጽሞ ዜረጋግጽ እዩ። እቲ ንኣብርሃም እተኣትወ ኺዳን ከኣ እቲ ዘርኢ መን ምዃኑን እንታይ ኣገልግሎት ከም ዚፍጽምን ዜብርህ እዩ።

19 እቲ ንዳዊት እተኣትወ ኺዳን፡ ብዛዕባ መስመር ወለዶ ቐዳማይ ክፋል እቲ ዘርኢ ዝያዳ መብርሂ ይህብ እዩ፣ ነቲ ዘርኢ ድማ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ንዘለኣለም ንኺገዝእ መሰል ይህቦ እዩ። እቲ ኸም መልከጼዴቅ ዝበለ ኻህን ንምዃን እተኣትወ ኺዳን፡ ነቲ ዘርኢ ኻህን ኰይኑ ኼገልግል ውሕስነት ይህቦ። ይኹን እምበር፡ ንደቂ ሰብ ናብ ፍጽምና ዜብጽሖም የሱስ ንበይኑ ኣይኰነን። ካልኦት እውን ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ንኼገልግሉ ተቐቢኦም እዮም። እዚኣቶም ካበይ እዮም መጺኦም፧ እዚ ኣብዛ እትቕጽል ዓንቀጽ ኪግለጽ እዩ።