ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸኒ

ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸኒ

ጓል ትሽዓተ ዓመት ምስ ኰንኩ፡ ኣካላዊ ዕቤት ምግባር ኣቋረጽኩ። እዚ ዝዀነ ቕድሚ 34 ዓመት ኣብ ኮት ዲቭዋር ከለኹ እኳ እንተ ዀነ፡ ሕጂ እውን ቍመተይ ሓደ ሜተር ጥራይ እዩ። ወለደይ ከም ዘይዓቢ ምስ ፈለጡ፡ ኵሉ ሳዕ ብዛዕባ ትርኢተይ ጥራይ ምእንቲ ኸይሓስብ ትግህቲ ዓያዪት ክኸውን ኣተባብዑኒ። ኣብ ኣፍ ደገ ገዛና ጽሩይ መቐመጢ ገይረ ፍረታት ክሸይጥ ጀመርኩ። ብዙሓት ዓማዊል ከኣ ሰሓብኩ።

ብርግጽ፡ ተጊሀ ምዕያየይ ንዅሉ ነገር ዚልውጥ ኣይነበረን። ኣዝየ ሓጻር እየ ነይረ፣ ቀሊል ዚመስል ንጥፈታት እኳ ይኸብደኒ ነበረ፣ ንኣብነት፡ ቍመት ኣብ እንዳ ድኳን ዚርከብ ባንኮ ይነውሓኒ ነበረ። ኵሉ ነገራት ዕጽፊ ቝመተይ ንዝምንዋሖም ሰባት ተባሂሉ እተዳለወ እዩ ዚመስል ነይሩ። ንርእሰይ እሓዝነላ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ጓል 14 ዓመት ምስ ኰንኩ እቲ ዅነታት ተለወጠ።

ሓደ መዓልቲ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዀና ኽልተ ኣንስቲ ካብቲ ዝሸጦ ፍረታት ዓደጋ፣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪገብራለይ ድማ ጀመራ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ኸኣ፡ ካብ ኣካላዊ ቝመናይ ንላዕሊ ንየሆዋን ንዕላማታቱን ምፍላጥ ዝያዳ ኣገዳሲ ምዃኑ ተገንዘብኩ። እዚ ምፍላጠይ ከኣ ብዙሕ ሓገዘኒ። መዝሙር 73:28 ዝፈትዋ ጥቕሲ ዀነት። ቀዳመይቲ ኽፋል እዛ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ እዚኣ፡ “ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሔሸኒ” ትብል።

ስድራ ቤተይ ብሃንደበት ናብ ቡርኪና ፋሶ ገዓዘት፣ ህይወተይ ከኣ ኣዝዩ ተቐየረ። ኣብቲ ኣብ ኮት ዲቭዋር ዝነበርኩሉ ኸባቢ፡ ከም ፍረታት እትሸይጥ ጓል እየ ዝፍለጥ ነይረ። ኣብቲ ሓድሽ ከባቢና ግና፡ ንብዙሓት ሰባት ጋሻን ጉዳም ትርኢትን እየ ነይረ። ሰባት ኣተኲሮም ይጥምቱኒ ነበሩ። ኣነ ኸኣ ኣብ ገሊኡ እዋናት ንሓያሎ ሰሙናት ኣብ ቤት እሕባእ ነበርኩ። ሽዑ፡ ናብ የሆዋ ምቕራብ ክሳዕ ክንደይ ዝሓሸ ኸም ዝነበረ ዘከርኩ። ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ጸሓፍኩ ድማ፡ ናኒ እትብሃል ሞተር ብሽክለታ እትዝውር ክትሕግዘኒ እትኽእል ሚስዮናዊት በጽሓትኒ።

ከባቢና ሑጻ ዝበዝሖ ስለ ዝነበረ፡ ኵሉ ሳዕ ሸታሕታሕ ዜብል ነበረ፣ ኣብ ክራማት ከኣ ጭቃ ይኸውን ነበረ። ናኒ ምሳይ ከተጽንዕ ክትመጽእ ከላ ብዙሕ ሳዕ ካብ ሞተር ብሽክለታኣ እኳ እንተ ወደቐት፡ ተስፋ ኣይቈረጸትን። ናብ ኣኼባታት ክትወስደኒ ኸም እትኽእል ድማ ነገረትኒ። ዓይኒ ሰብ ክኢለ ኻብ ቤት ክወጽእ ከም ዘሎኒ ተገንዘብኩ። ብዘይካዚ፡ ኣብታ ሞተር ብሽክለታ ምውጣሐይ፡ ነታ ዓቕሚ ዘይብላ ሞተር ብሽክለታ ተወሳኺ ኽብደት እዩ ዚዀና ነይሩ። ይኹን እምበር፡ ሳልሰይቲ ኽፋል እታ ዝፈትዋ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እሙንቶይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ገበርኩ” ኸም እትብል ዘኪረ ሕራይ በልኩዋ።

ሓድሓደ ግዜ፡ ኣነን ናኒን ናብ ጭቃ ንወድቕ እኳ እንተ ነበርና፡ ናብ ኣኼባታት ምኻድና ጻማ ረኺብናሉ ኢና። እቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝረኽቦ ፍቕራዊ ፍሽኽታስ፡ ካብቲ ሰባት ኣብ ደገ ዚጥምቱኒ ኣጠማምታ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እተፈልየ እዩ! ድሕሪ ትሽዓተ ወርሒ፡ ተጠመቕኩ።

ካልአይቲ ኽፋል እታ ዝፈትዋ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኵሉ ተግባርካ ምእንቲ ኸዘንቱ” እያ እትብል። ኣገልግሎት ኣዝዩ ኪኸብደኒ ኸም ዚኽእል እፈልጥ ነበርኩ። ነቲ ንፈለማ ግዜ ኣብ በቤት ዝሰበኽኩሉ እዋን ሕጂ እውን እዝክሮ እየ። ቈልዑን ዓበይትን ኣተኲሮም ይጥምቱንን ደድሕረይ ይስዕቡን ኣካይዳይ ይቐድሑን ነበሩ። እዚ ብሓቂ ይጐድኣኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ከምቲ ንዓይ ገነት እተድልየኒ፡ ንዓታቶም እውን ከም እተድልዮም ንርእሰይ ኣዘውቲረ አዘኻኽራ ስለ ዝነበርኩ፡ ጸኒዐ ቐጸልኩ።

ንምንቅስቓስ ኪቐልለኒ ኢለ ብኢድ እትዝወር ሰለስተ እግሪ ዘለዋ ብሽክለታ ዓደግኩ። መገላግልተይ ኣብ ዓቐበት ትደፍኣኒ፡ ብቝልቍለት ክንከይድ ከለና ድማ እታ ብሽክለታ ናህሪ ስለ እትውስኽ ምሳይ ትድይብ ነበረት። ኣገልግሎት ኣብ ፈለማ ኸቢዱኒ እኳ እንተ ነበረ፡ ደሓር ግና ምንጪ ብዙሕ ሓጐስ ስለ ዝዀነለይ፡ ብ1998 ስርዕቲ ፈላሚት ኰንኩ።

ብዙሓት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ መራሕኩ፣ ካባታቶም ከኣ ኣርባዕተ ተጠምቁ። ብዘይካዚ፡ ሓንቲ ኻብ ኣሓተይ ሓቂ ተቐበለት! ካልኦት ብኸመይ ዕቤት ከም ዝገበሩ ምስማዐይ እውን ኣብ ኣድላዪ እዋን ምንጪ ሓጐስ ኰይኑለይ እዩ። ሓደ መዓልቲ ብሕማም ዓሶ ኽሳቐ ኸለኹ፡ ካብ ኮት ዲቭዋር ደብዳበ መጸትኒ። ኣብ ቡርኪና ፋሶ፡ ንሓደ ተምሃራይ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ኣፍ ደገ ዀይነ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ኣጀመርኩዎ፡ ንኻልእ ሓው ሂበዮ ነበርኩ። ጸኒሑ፡ እቲ ተምሃራይ ናብ ኮት ዲቭዋር ገዓዘ። ሽዑ፡ ዘይተጠምቀ ኣስፋሒ ኸም ዝዀነ ምስ ሰማዕኩስ፡ ክሳዕ ክንደይ ኰን እየ ተሓጒሰ!

ብኸመይ እየ ዝናበር፧ ንስንኩላን ዚሕግዝ ሓደ ውድብ ስፌት ኪምህረኒ ደለየ። ሓደ መምህር ትግሃተይ ምስ ረኣየ ግና፡ “ከመይ ጌርኪ ሳሙና ኸም እትሰርሒ ኽንምህረኪ ኢና” በለኒ። መሃሩኒ ድማ። ንኽዳውንትን ንኻልእ ነገራትን መሕጸቢ ዚኸውን ሳሙና ኣብ ገዛይ ኰይነ ኽሰርሕ ጀመርኩ። ሰባት ንሳሙናይ ስለ ዚፈትውዎ፡ ብዛዕባኡ ንኻልኦት ይነግሩ እዮም። ሰለስተ እግሪ ዘለዋ ሞተር ብሽክለታ ገይረ ድማ፡ ባዕለይ እየ ዘበጻጽሕ።

እቲ ዜሕዝን፡ ብ2004 ብሰንኪ እቲ እተማዛበለ ዓንዲ ሕቘይ ብዙሕ እሳቐ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣገልግሎት ፈላምነት ከቋርጽ ተገደድኩ። ይኹን እምበር፡ ሕጂ እውን ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ እካፈል እየ።

ሰባት ዚስሕብ ፍሽኽታ ኸም ዘሎኒ ይዛረቡ እዮም። ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ዚሓይሽ ኰይኑ ስለ ዝረኸብኩዎ ኸኣ እየ ሕጕስቲ ክኸውን ክኢለ።—ሳራ መይጋ ዘዘንተወቶ