ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ጸገማት ምጻር

ናይ የሆዋ መሰኻኽር እቲ ዜጋጥሞም ጸገም ጥዕናን ስንክልናን ንሓጐሶምን ንዕግበቶምን ኬጥፍኦ ኸም ዘይግባእ ተገንዚቦም እዮም።

ፍቕሪ ብግብሪ ርእዮም

ኣባላት ሓንቲ ስድራ ቤት ዝዀኑ ብረይል ኬንብቡ ዘይክእሉ ሰለስተ ዓይነ ስዉራን ብፍቕራዊ ደገፍ ጉባኤ መንፈሳዊ ዕቤት ይገብሩ።

ዜሕዝን ነገር እኳ እንተ ኣጋጠማ ጸንዐት

ቨርጂንያ፡ ሎክድ-ኢን ሲንድሮም ካብ ዚሕዛ 23 ዓመት ገይራ ኣላ፣ ክርስትያናዊ ተስፋኣ ግና የጸናንዓን ንኣእምሮኣ ይሕልወላን እዩ።

ንኣምላኽ ምግልጋል፡ መድሃኒት ኰኖ

ኦኒሲመስ፡ ኦስትዮጀነሲስ ኢምፐርፈክታ ዚብሃል ንኣዕጽምቲ ተሰባሪ ዚገብር ሕማም ኣለዎ። እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መብጽዓታት ኣምላኽ ዜተባብዖ ብኸመይ እዩ፧

ካብ ድኻም ምብርታዕ

ካብ ብሽክለታ ስንኩላን ዘይትፍለ ሰበይቲ፡ ብእምነታ “ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ረኸበት።

የሆዋ ኻብቲ ዚግብኣኒ ንላዕሊ እዩ ሂቡኒ

ፌሊክስ ኣሌርኮን ብብሽክለታ ሞተር እናተጓዕዘ ኸሎ ብሰንኪ ዝወረዶ ሓደጋ ኻብ ክሳዱ ንታሕቲ ለሚሱ እዩ፣ ብድሕሪዚ ግና ትርጉም ዘለዎ ህይወት ኪነብር ጀመረ።

ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይሕሸኒ

ሳራ መይጋ ጓል ትሽዓተ ዓመት ምስ ኰነት፡ ኣካላዊ ዕቤት ምግባር እኳ እንተ ኣቋረጸት፡ መንፈሳዊ ዕቤት ትገብር ነበረት።

ኣብ ዜድልየኒ እዋን፡ ተስፋ ረኺበ

ሚክሎሽ ሌክስ ወዲ 20 ዓመት ከሎ ብሰንኪ ዜሕዝን ሓደጋ ለመሰ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ መጻኢ ናይ ሓቂ ተስፋ ንኺረክብ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

“ኪንዝሊ ኺገብሮ እንተ ኽኢሉ እሞ፡ ኣነ እውን እኽእሎ እየ!”

እዚ ኪንዝሊ ዝስሙ ወዲ ስሪ ላንካ፡ ዓብዪ ዕንቅፋታት ሰጊሩ ንሒደት ደቓይቕ ዚጸንሕ ክፍሊ ኣቕረበ።

ብምድህሳስ ምንባር

ጄምስ ርያን፡ ጽሙም ኰይኑ እተወልደ፡ ጸኒሑ ኸኣ ዓይነ ስዉር ዝዀነ እዩ። ኣብ ህይወቱ ናይ ሓቂ ዕላማ ኺህልዎ ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧

ጽሙም ክነሰይ፡ ንኻልኦት ክምህር ክኢለ

ዎልተር ማርኪን ጽሙም ክነሱ፡ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኣምላኽ ዜሐጕስ ህይወት ነይርዎ።

ኻይሮ ብኣዒንቱ ንኣምላኽ የገልግል

ኻይሮ ኣዝዩ ኸቢድ ዝዓይነቱ ናይ ሓንጎል መልመስቲ እኳ እንተ ኣለዎ፡ ዜሐጕስን ትርጕም ዘለዎን ህይወት ይነብር ኣሎ።

ኣእዳውን ቀላጽምን ዘይብሉ፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተቐቢሉ

ሓደ መንእሰይ ኣካላት ዜማስን ሓደጋ እኳ እንተ ኣጋጠሞ፡ ኣብ ፈጣሪ ኸም ዚኣምን ዚገብሮ ምኽንያት ረኸበ።

“ሕማመይ ንህይወተይ ኪቈጻጸሮ ኣይፈቕደሉን እየ”

ኢላይሳ ነቲ ዘለዋ ሕዱር ሕማም ንኽትጾሮ፡ ሓድሓደ እዋን እውን ንኽትርስዖ ዜኽእላ ብርታዐ እትረክብ ብኸመይ እያ፧

ኣብ እምነታ ጸንዐት

ሶንግ ሂ ካንግ፡ ጓል 14 ዓመት ከላ ንህይወታ ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ምስ ሕክምና ዚተሓሓዝ ጸገም እኳ እንተ ኣጋጠማ፡ ብዓወት ተዋጺኣትሉ።