ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስም የሆዋ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኪህሉ ኣለዎዶ፧

ስም የሆዋ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኪህሉ ኣለዎዶ፧

ስም ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ምህላዉ ወይ ዘይምህላዉ ኣገዳስነት ኣለዎዶ፧ ኣምላኽ ስሙ ኺህሉ ኸም ዚደሊ ንጹር እዩ። እቲ በተን ቴትራግራማተን ዚበሃላ ኣርባዕተ ፊደላት እብራይስጢ ዚውከል ስሙ: ኣብቲ ብልምዲ ብሉይ ኪዳን ተባሂሉ ዚፍለጥ በዅሪ ጽሑፋት እብራይስጢ ዳርጋ 7,000 ሳዕ ተጠቒሱ ይርከብ። a

ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ኣብ ብሉይ ኪዳን ወይ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኸም ዚርከብ: ምሁራት መጽሓፍ ቅዱስ ይኣምኑሉ እዮም። ይኹን እምበር: ብዙሓት ካባታቶም ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዚፍለጥ በዅሪ ኢደ-ጽሑፋት ግሪኽ ዘይርከብ ኰይኑ ይስምዖም።

ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ ሓድሽ ኪዳን ካብቲ እተን ቴትራግራማተን ዚርከባሉ ኽፋል ብሉይ ኪዳን ኪጠቅስ ከሎ ደኣ እንታይ እዩ ኺግበር ዚግባእ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት: መብዛሕትኦም ተርጐምቲ ነቲ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ዘይኰነስ: ብትግርኛ “እግዚኣብሄር:” ብእንግሊዝኛ ድማ “ጐይታ” (Lord) እትብል ቃል እዮም ዚጥቀሙ። ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ነዚ ልምዲ እዚ ኣይስዕብን እዩ። ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ወይ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ነታ የሆዋ እትብል ስም 237 ሳዕ ተጠቒሙላ ኣሎ።

ተርጐምቲ ንስም ኣምላኽ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ኪጥቀሙሉ ወይ ከይጥቀሙሉ ብምውሳን ዝመጸ እንታይ ጸገማት እዩ ዜጋጥሞም፧ ኣብዚ ኽፋል ቅዱሳት ጽሑፋት እዚ ስም ኣምላኽ ምጥቃም ግቡእ ምዃኑ ዚሕብር እንታይ መሰረት ኣሎ፧ ስም ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምዃኑኸ ንዓኻ ብኸመይ ይጸልወካ፧

ጸገም ትርጕም

እዚ ሕጂ ዚርከብ ኢደ-ጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን: እቲ ኣብ መጀመርታ እተጻሕፈ በዅሪ ጽሑፋት ኣይኰነን። ማቴዎስ: ዮሃንስ: ጳውሎስ: ከምኡውን ካልኦት ዝጸሓፍዎ በዅሪ ጽሑፋት ብተደጋጋሚ ኣብ ጥቕሚ ስለ ዝወዓለ: ቀልጢፉ ኸም ዝኣረገ ዜጠራጥር ኣይኰነን። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ቅዳሓት ተዳለወ: እዚ ቕዳሓት እዚ ምስ ኣረገ ኸኣ ካልእ ቅዳሓት እውን ተዳለወ። መብዛሕትኡ ኻብቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ዚርከብ ብኣሽሓት ዚቝጸር ቅዳሓት ሓድሽ ኪዳን: እቲ በዅሪ ጽሑፋት ምስ ተጻሕፈ እንተ ወሓደ ኽልተ ዘመን ጸኒሑ እዩ ተዳልዩ። እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ኻብቲ ኢደ-ጽሑፋት ዚቐድሑ ዝነበሩ ሰባት: ነተን ቴትራግራማተን በታ “ጐይታ” ተባሂላ እትትርጐም ኩሪዮስ ወይ ኪሪዮስ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ዝተክእወን ወይ ከኣ ካብቲ እዚ ለውጢ እዚ እተገብረሉ ኢደ-ጽሑፋት ዝቐድሕወን እዩ ዚመስል። b

ሓደ ተርጓሚ ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው: እተን ቴትራግራማተን ኣብቲ በዅሪ ኢደ-ጽሑፋት ግሪኽ ምንባረን ዚሕብር መርትዖ እንተ ኣልዩ ኼረጋግጽ ኣለዎ። እሞኸ ኸምዚ ዝኣመሰለ መርትዖ ኣሎዶ፧ ነዚ ስዒቡ ዘሎ ኣብነታት እስከ ንርአ:-

  • የሱስ ካብ ብሉይ ኪዳን ኪጠቅስ ወይ ኬንብብ ከሎ ነቲ መለኮታዊ ስም ተጠቒሙሉ እዩ። (ዘዳግም 6:13, 16፣ 8:3፣ መዝሙር 110:1፣ ኢሳይያስ 61:1, 2፣ ማቴዎስ 4:4, 7, 10፣ 22:44፣ ሉቃስ 4:16-21) ብግዜ የሱስን ደቀ መዛሙርቱን እተን ቴትራግራማተን ኣብ ቅዳሓት እቲ መብዛሕትኡ ግዜ ብሉይ ኪዳን ተባሂሉ ዚፍለጥ ጽሑፋት እብራይስጢ ይርከባ ነይረን እየን: ሎሚ እውን እንተ ዀነ ኣብዚ ጽሑፋት እዚ ይርከባ እየን። ይኹን እምበር: ንሓያሎ ዘመናት ምሁራት: እተን ቴትራግራማተን ኣብ ኢደ-ጽሑፋት እቲ ናብ ቋንቋ ግሪኽ እተተርጐመ ሰፕቱጀንት ዚበሃል ብሉይ ኪዳን ከምኡውን ኣብ ኢደ-ጽሑፋት ሓድሽ ኪዳን ከም ዘይርከባ ይሓስቡ ነበሩ። ድሕሪኡ ኣብ መፋርቕ መበል 20 ዘመን ንኣቓልቦ ምሁራት ዝሰሓበ ነገር ተፈጥረ። ብግዜ የሱስ ዝነበረ ኣዝዩ ጥንታዊ ቝርጽራጽ ናይ ግሪኽ ሰፕቱጀንት ተረኽበ። እዚ ቝርጽራጽ እዚ ብፊደላት እብራይስጢ እተጻሕፈ ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ዝሓዘ እዩ።

  • የሱስ ንስም ኣምላኽ ይጥቀመሉን ንኻልኦት የፍልጦምን ነበረ። (ዮሃንስ 17:6, 11, 12, 26) የሱስ ብንጹር: “ኣነ ብስም ኣቦይ መጻእኩ” ኢሉ እዩ። ዕዮኡ ‘ብስም ኣቦኡ’ ኸም ዚገብር እውን ኣጕሊሑ እዩ። እቲ የሱስ ዚብል ስሙ እውን እንተ ዀነ: “የሆዋ ምድሓን እዩ” ዚብል ትርጕም እዩ ዘለዎ።—ዮሃንስ 5:43፣ 10:25

  • ኣሕጽሮት እቲ መለኮታዊ ስም ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ይርከብ እዩ። ኣብ ራእይ 19:1, 3, 4, 6: እቲ መለኮታዊ ስም ኣብ ውሽጢ እታ “ሃሌሉያ” እትብል ቃል ይርከብ። እዛ ቓል እዚኣ ኸም ዘለዋ ምስ እንወስዳ “ንያህ ወድስዎ!” ዚብል ትርጕም ኣለዋ። ያህ ከኣ ኣሕጽሮት እቲ የሆዋ ዚብል ስም እዩ።

  • ጥንታዊ ጽሑፋት ኣይሁድ: ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁድ ነቲ መለኮታዊ ስም ኣብ ጽሑፋቶም ይጥቀሙሉ ምንባሮም ይሕብር። እቲ ቶሰፍታ ተባሂሉ ዚፍለጥ ብ300 ድ.ክ. ኣቢሉ ኣብ ጽሑፍ እተጠርነፈ ትውፊት: ነቲ ኣብ ሰንበት እተቓጸለ ጽሑፋት ክርስትያናት ብዚምልከት ከምዚ ይብል:- “መጻሕፍቲ ወንጌላውያን ኰነ መጻሕፍቲ ሚኒም [ክርስትያናት ዝዀኑ ኣይሁድ ተባሂሉ እዩ ዚሕሰብ] ካብ ሓዊ ኣይደሓነን። የግዳስ: ኣብ ዘለዎ ንኺቃጸል ተፈቕደ: . . . ንሱን እቲ ኣብኡ ዚርከብ መለኮታዊ ስምን።” እዚ ጽሑፍ እዚ ነቲ ኣብ መጀመርታ ኻልኣይ ዘመን ድ.ክ. ዚነብር ዝነበረ ረቢ ዮሴ ዚበሃል ገሊላዊ ዝበሎ ጠቒሱ ኣሎ፣ ንሰንበት ሓዲግካ ኣብ ካልእ መዓልትታት “እቲ ኣብኡ [ኣብ ጽሑፋት ክርስትያናት] ዚርከብ መለኮታዊ ስም ቈሪጽካ ኣውጺእካ ይኽዝን: እቲ ዝተረፈ ኸኣ ይቃጸል” ነበረ። እምበኣር: እቶም ኣብ ካልኣይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበሩ ኣይሁድ: ክርስትያናት ንስም የሆዋ ኣብ ጽሑፋቶም ከም ዚጥቀሙሉ ይኣምኑሉ ምንባሮም ሓያል መርትዖ ኣሎ።

ተርጐምቲ ነዚ ጕዳይ እዚ ብኸመይ ሒዞምዎ፧

ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኣብ ዚትርጐመሉ እዋን: ነቲ መለኮታዊ ስም ኣብቲ ግቡእ ቦታኡ ዝመለሶ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ጥራይ ድዩ፧ ኣይኰነን። ብዙሓት ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ መርትዖ ተመርኲሶም: ሓድሽ ኪዳን ኪትርጕሙ ኸለዉ መለኮታዊ ስም ኣብ ቦታኡ ኺመልስዎ ወሲኖም እዮም።

ንኣብነት: ናብ ሓያሎ ቛንቋታት ኣፍሪቃን ኣመሪካን እስያን ደሴታት ፓስፊክን ኣብ እተተርጐመ ሓድሽ ኪዳን: መለኮታዊ ስም ብብዝሒ ይርከብ እዩ። (ኣብ ገጽ 21 ዚርከብ ሰሌዳ ርአ።) ገሊኡ ኻብዚ ትርጕማት ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝወጸ እዩ፣ ከም ኣብነት: ነቲ Jihova (ጂሆቫ) ዚብል ስም ኣብ 48 ቍጽርታት ሓድሽ ኪዳን 51 ሳዕ ዚጥቀም መጽሓፍ ቅዱስ ሮቱማኛ (1999): ከምኡውን ኣብ ኢንዶነዥያ ዚርከብ ነቲ Jahowa (ጃሆዋ) ዚብል ስም ኣብ ሓድሽ ኪዳን 110 ሳዕ ዚጥቀም ትርጕም ባታክ-ቶባ (1989) ኪጥቀስ ይከኣል። እቲ መለኮታዊ ስም ኣብ ትርጕማት ስጳንኛን ጀርመንኛን ፈረንሳይኛን እውን ይርከብ እዩ። ንኣብነት: ኣብ መጀመርታ መበል 20 ዘመን ፓብሎ በሶን ንሓድሽ ኪዳን ናብ ስጳንኛ ተርጐመ። ኣብቲ ትርጕሙ ነታ Jehová (ሄዮቫ) እትብል ስም ኣብ ይሁዳ 14 ተጠቕመ: ዳርጋ 100 ኣብ ዚኸውን ቦታታት ዚርከብ እግረ-ጽሑፍ ድማ እቲ ትርጕም መለኮታዊ ስም ኪኸውን ከም ዚኽእል ሓበረ።

ንስም ኣምላኽ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ካብ እተጠቕመ ትርጕማት እንግሊዝኛ እውን እተወሰነ ቐጺሉ ተዘርዚሩ ኣሎ:-

  • ኤ ሊተራል ትራንስሌሽን ኦቭ ዘ ኒው ተስታመንት . . . ፍሮም ዘ ቴክስት ኦቭ ዘ ቫቲካን ማኑስክሪፕት: ብሀርማን ሃይንፈተር (1863)

  • ዘ ኢምፋቲክ ዲያግሎት: ብቤንጃሚን ዊልሰን (1864)

  • ዘ ኢፒስትልስ ኦቭ ፖል ኢን ሞደርን ኢንግሊሽ: ብጆርጅ ባርከር ስቲቨንስ (1898)

  • ሰይንት ፖልስ ኢፒስትል ቱ ዘ ሮማንስ: ብዳብሊው. ጂ. ራዘርፎርድ (1900)

  • ዘ ክርስቺያንስ ባይብል—ኒው ተስታመንት: ብጆርጅ ኤን. ለፈቭረ (1928)

  • ዘ ኒው ተስታመንት ሌተርስ: ብጀይ. ዳብሊው. ሲ. ዋንድ: ኣቡን ለንደን (1946)

ኣብዚ ቐረባ ግዜ: ናይ 2004 ሕታም እቲ ህቡብ ዝዀነ ኒው ሊቪንግ ትራንስሌሽን ኣብ መቕድሙ: ኣብ ትሕቲ “ኣተራጕማ መለኮታዊ ስማት” ዚብል ኣርእስቲ ኸምዚ በለ:- “ነተን ቴትራግራማተን (የሀወሀ) ብስሩዕ ‘እቲ ጐይታ’ (‘the LORD’) ኢልና: በቲ ኣብ ትርጕማት እንግሊዝኛ ልሙድ ዝዀነ ዓበይቲ ፊደላት ጽሒፍናየን ኣለና። እዚ ኸኣ ኻብቲ ‘ጐይታ’ (‘Lord’) ኢልና እንጽሕፎ ኣዶናይ ዚብል ስም ንምፍላይ የገልግል።” ኣስዕብ ኣቢሉ ብዛዕባ ሓድሽ ኪዳን ሓሳብ ኪህብ ከሎ ኸኣ ከምዚ በለ:- “እታ ኩሪዮስ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል: ብዘይካ ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ብንጹር ካብ ብሉይ ኪዳን ዚጠቕሰሉ ቦታታት ‘ጐይታ’ (LORD’) ኢልና ብዓብዪ ፊደላት ዘስፈርናዮ እንተ ዘይኰይኑ: ብስሩዕ ‘ጐይታ’ (‘Lord’) ተባሂሉ ተተርጒሙ ኣሎ።” (ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እምበኣር: ተርጐምቲ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ: እተን ቴትራግራማተን (የሀወሀ) ኣብቲ ኻብ ብሉይ ኪዳን እተጠቕሰ ኽፋል ሓድሽ ኪዳን ኪኣትዋ ኸም ዘለወን ኣሚኖምሉ እዮም።

ዘ ኣንከር ባይብል ዲክሸነሪ ኣብ ትሕቲ “ቴትራግራማተን ኣብ ሓድሽ ኪዳን” ዚብል ኣርእስቲ ኸምዚ ዚብል ሓሳብ ሃበ:- “ሓ[ድሽ] ኪ[ዳን] ፈለማ ኣብ እተጻሕፈሉ እዋን: እተን ቴትራግራማተን: እቲ መለኮታዊ ስም: ወይ ያህወህ ኣብ ገሊኡ ወይ ኣብ ኵሉ እቲ ኣብ ሓ[ድሽ] ኪ[ዳን] ዚርከብ ካብ ብ[ሉይ] ኪ[ዳን] እተጠቕሰ ጥቕስታት ከም ዝነበረ ዚሕብር እተወሰነ መርትዖ ኣሎ።” ጆርጅ ሃዋርድ ዚበሃል ምሁር እውን ከምዚ በለ:- “ቴትራግራም ኣብ ቅዳሓት እቲ ንቕዱሳት ጽሑፋት ቀዳመይቲ ቤተ-ክርስትያን መሰረት ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ግሪኽ [ሰፕቱጀንት] ይጸሓፍ ስለ ዝነበረ: ጸሓፍቲ ሓ[ድሽ] ኪ[ዳን] ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኪጠቕሱ ኸለዉ ነቲ ቴትራግራም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዓቀብዎ ንኽንኣምን ብቑዕ ምኽንያት ኣሎና።”

ክልተ ዜእምን ምኽንያት

እምበኣር: ነቲ መለኮታዊ ስም ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘእተወ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ጥራይ ከም ዘይኰነ ንጹር እዩ። ልክዕ ከምቲ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንዘይተረኽቦ ጕዳይ ዚውስን ዳኛ ዚገብሮ: ኮሚተ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ሓዳስ ዓለም እውን ንዅሉ እቲ ብቑዕ መርትዖታት ብጥንቃቐ መርመረ። ኣባላት እቲ ኮሚተ ኣብቲ መርትዖታት ተመርኲሶም ንስም የሆዋ ኣብቲ ዝተርጐምዎ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኣእተውዎ። ነዚ ኺገብሩ ዝደረኾም ክልተ ዜእምን ምኽንያት እስከ ንርአ።

(1) ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ መወሰኽታ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ስለ ዝዀነ: ስም ኣምላኽ ሃንደበት ካብቲ ጽሑፍ ምውጻኡ ምስዚ ዚጋጮ እዩ ዚመስል።

እዚ ሓሳባት እዚ ርትዓዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ መፋርቕ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ኣቢሉ: ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሽማግለታት: “ኣምላኽ ካብ ኣህዛብ ንስሙ ህዝቢ ምእንቲ ኼውጽእ: ቅድም ከመይ ከም ዝበጽሖም: ስምኦን ኣዘንትዩ አሎ” በሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:14) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ንስም ኣምላኽ ዘይፈልጥዎ ወይ ዘይጥቀምሉ ነይሮም እንተ ዝዀኑ: ያእቆብ ከምዚ ኢሉ ምዝራቡ ርትዓዊዶ ምበልካዮ፧

(2) ነታ ኪሪዮስ (ጐይታ) እትብል ቃል ዘይኰነስ መለኮታዊ ስም ዚጥቀም ቅዳሓት ሰፕቱጀንት ምስ ተረኽበ: ኵሉ እቲ ብግሪኽኛ ይኹን ብእብራይስጢ እተዳለወ ኣብ ግዜ የሱስ ዝነበረ ቕዳሓት ጥንታዊ ጽሑፋት: ስም ኣምላኽ ዝሓዘ ምዃኑ ንተርጐምቲ ነጸረሎም።

እቲ ንኣምላኽ ዜሕስር: ንመለኮታዊ ስም ካብ ናይ ግሪኽ ኢደ-ጽሑፋት ናይ ምልጋስ ልምዲ ጸኒሑ እተኣታተወ እዩ ዚመስል። የሱስን ሃዋርያቱን ነዚ ልምዲ እዚ መተባብዑዶ ይመስለካ፧—ማቴዎስ 15:6-9

“ስም የሆዋ” ጸውዕ

ቀዳሞት ክርስትያናት ብፍላይ ካብ ብሉይ ኪዳን ኪጠቕሱ ኸለዉ: ንስም የሆዋ ኣብ ጽሑፋቶም ይጥቀሙሉ ኸም ዝነበሩ ዚሕብር “ናይ ዓይኒ ምስክር:” ቅዱሳት ጽሑፋት ባዕሉ እዩ። ስለዚ እምበኣር: ትርጕም ሓዳስ ዓለም ነቲ የሆዋ ዚብል መለኮታዊ ስም ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ ኣብ ቦታኡ ንኺመልሶ ብቑዕ ምኽንያት ከም ዘለዎ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

እዚ ሓበሬታ እዚ ንዓኻ ብኸመይ ይጸልወካ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ጠቒሱ: “ስም [“የሆዋ:” NW] ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ” ኢሉ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣዘኻኸሮም። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን “ነቲ ብእኡ ዘይአመኑ ኸመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኸ: ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺአምኑ፧” ኢሉ ሓተተ። (ሮሜ 10:13, 14፣ ዮኤል 2:32) እቲ ኣብ ግቡእ ቦታኡ ንስም ኣምላኽ ዚጥቀም ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ ክትቀርቦ ይሕግዘካ። (ያእቆብ 4:8) ነቲ የሆዋ ዚብል ብሕታዊ ስም ኣምላኽ ክንፈልጦን ክንጽውዖን ምኽኣልናስ ዓብዪ ኽብሪዶ ኸይኰነ!

a እተን ቴትራግራማተን ነተን ኣብ እብራይስጢ ንስም ኣምላኽ ዚውክላ የሀወሀ ዚብላ ኣርባዕተ ፊደላት የመልክታ። መብዛሕትኡ ግዜ ብትግርኛ የሆዋ ወይ ያህወህ ተባሂለን ይትርጐማ።

b ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም ዘርእስታ ብሮሹር: ኣብ ገጽ 23-27 ርአ።

[ስእሊ]

ሃይራም ቢንጋም

ቢንጋም ዝተርጐሞ መጽሓፍ ቅዱስ ጊልበርትኛ

[ምንጪ ስእሊ]

Top photos from Alfred M. Bingham’s book: “The Tiffany Fortune”

[ኣብ ገጽ 18, 19 ዘሎ ካርታ/ስእልታት]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

200

ዘዳግም 6:4

ፓፒሩስ ናሽ

2ይ ወይ 1ይ ዘመን ቅ.ክ.

[ስእሊ]

ኣብ ጥንታዊ ጽሑፍ እብራይስጢ መለኮታዊ ስም ዚርከበሉ ኽልተ ቦታታት

100

ቍራጽ ዘዳግም 18:15, 16

ፒ. ፎዋድ 266

1ይ ዘመን ቅ.ክ.

[ስእሊ]

ነቲ መለኮታዊ ስም ብፊደላት እብራይስጢ ዝሓዘ ናይ ግሪኽ ሰፕቱጀንት ትርጕም

[ምንጪ ስእሊ]

Société Royale de Papyrologie du Caire

ቅ.ክ.

ድ.ክ.

100

300

400

ዘዳግም 18:15, 16

ኮዴክስ እስክንድርያ

5ይ ዘመን ድ.ክ.

[ስእሊ]

እቲ መለኮታዊ ስም ወጺኡ ብK̇Ċ ከምኡውን ብKY እትብል ኣሕጽሮት እታ ኪሪዮስ ወይ (“ጐይታ”) እትብል ናይ ግሪኽ ቃል ተተክአ

[ምንጪ ስእሊ]

From The Codex Alexandrinus in Reduced Photographic Facsimile, 1909, by permission of the British Library

500

 

1900

1950

ግብሪ ሃዋርያት 3:22: ካብ ዘዳግም 18:15

ዝጠቐሰቶ ትርጕም ሓዳስ ዓለም

መበል 20 ዘመን ድ.ክ.

[ስእሊ]

“ትርጕም ሓዳስ ዓለም” ንመለኮታዊ ስም ናብ ቦታኡ መለሶ

2000

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ እተፈላለየ ትርጕማት: ኣብ ሮሜ 10:13 ዚርከብ መለኮታዊ ስም

ብሃተር እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ እብራይስጥን ግሪኽን ላቲንን ጀርመንን

መጽሓፍ ቅዱስ ሮቱማኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ባታክ-ቶባ

ትርጕም ሓዳስ ዓለም