ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት

ኣብ ቃል ኪዳን ምጽናዕ

ኣብ ቃል ኪዳን ምጽናዕ

ንሳ እትብሎ፦ “ማይክል ሰብኣየይ ልቡ ኻባይን ካብ ደቅናን ርሒቑ ኸም ዘሎ ኻብ ዘስተብህል እተወሰነ እዋን ሓሊፉ እዩ። a ኢንተርነት ምስ ኣእተና ነዊሕ ከይጸንሐ ባህርያቱ ኪቕየር ጀመረ፡ ኣብ ኮምፕዩተር ስእለ-ጽዩፍ ይርኢ ኸም ዘሎ ድማ ጠርጠርኩ። ሓደ ምሸት ደቅና ምስ ደቀሱ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኣፋጠጥክዎ፡ ንሱ ድማ ስእለ-ጽዩፍ ዘለዎ ወብ-ሳይት ይርኢ ኸም ዝነበረ ተኣመነ። ምድረ-ሰማይ እዩ ጽልምት ኢሉኒ። ንዓይ እውን ከምዚ የጋጥመኒ ኸም ዘሎ ኽኣምን ኣይከኣልኩን። ኣብኡ ዝነበረኒ ዅሉ እምነት ጠፍአ። እዚ ኸይኣኽለኒ ኸኣ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ሓደ መሳርሕተይ ንፍቕሪ ኸም ዚደልየኒ ኼርእየኒ ጀመረ።”

ንሱ ዚብሎ፦ “ቅድሚ እተወሰነ እዋን ማሪያ ሰበይተይ ኣብ ኮምፕዩተርና ሓደ ስእሊ ምስ ረኸበት፡ መጺኣ ኣፋጠጠትኒ። ስእለ-ጽዩፍ ዜርኢ ወብ ሳይት ኣዘውቲረ ኸም ዝርኢ ምስ ኣመንኩላ፡ ሓዊ ዀይና። ኣብዛ ዝኣትዋ ጨኒቑኒ፡ ብዙሕ ድማ ጕህየ። መወዳእታ ሓዳርና ዝዀነ መሲሉኒ።”

ሓዳር ማይክልን ማሪያን እንታይ ዝዀነ ይመስለካ፧ ቀንዲ ጸገም ማይክል፡ ስእለ-ጽዩፍ ምርኣይ ከም ዝዀነ ጌርካ ትሓስብ ትኸውን። ጸኒሑ ማይክል ከም ዘስተውዓሎ ግን፡ እዚ ኣመል እዚ ናይ ዝዓበየ ጕዳይ ምልክት እዩ ነይሩ፣ እቲ ጕዳይ ከኣ ንቓል ኪዳኑ ዘለዎ ኣኽብሮት ምጕዳሉ እዩ። b ማይክልን ማሪያን ኣብ እተመርዓዉሉ እዋን፡ ብሓባር ኰይኖም ፍቕርን ሓጐስን ዝመልኦ ህይወት ኬሕልፉ እዮም ዚጽበዩ ነይሮም። ኰይኑ ግን፡ ከም ብዙሓት ሰብ ሓዳር፡ ምስ ምሕላፍ ግዜ ቓል ኪዳኖም እናሃሰሰ ኸደ፡ በብቝሩብ ድማ ተረሓሓቑ።

ዓመታት እናሓለፈ ምስ ከደ፡ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ መጻምድትኻን ዘሎ ማእሰር እናላሕልሐ ዝኸደ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ ነቲ ማእሰርኩም ከም ብሓድሽ ከተደልድሎ ትደሊዶ፧ ትደሊ እንተ ዄንካ፡ መልሲ እዘን ዚስዕባ ሰለስተ ሕቶታት ክትፈልጥ ኣሎካ፦ ኣብ ቃል ኪዳንካ ምጽናዕ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ንቓል ኪዳንካ ኼዳኽሞ ዚኽእል እንታይ ጸገማት ኣሎ፧ ኣብ ቃል ኪዳንካ ንምጽናዕ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ቃል ኪዳን እንታይ እዩ፧

ኣብ ሓዳር ዚግበር ቃል ኪዳን ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ ብዙሓት ሰባት፡ ግቡእካ ጌርካ ኻብ ምርኣይ ዝነቐለ ምዃኑ ይኣምኑ። ንኣብነት፡ ሰብ ሓዳር ምእንቲ ደቆም ኢሎም ወይ ነቲ መስራቲ ሓዳር ዝዀነ ኣምላኽ ካብ ዘለዎም ኣኽብሮት ተላዒሎም፡ ንቓል ኪዳኖም እሙናት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። (ዘፍጥረት 2:22-24) ልክዕ እዩ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ድራኸታት ዚነኣድ እዩ፡ ንሓዳር ድማ ኣብ ጽንኩር እዋን ንኸይፈርስ ይሕግዝ እዩ። ሰብ ሓዳር ሓጐስ ኪረኽቡ እንተ ዀይኖም ግን፡ ግዴታ ጥራይ ኣይኰነን ኪስምዖም ዘለዎ።

የሆዋ ኣምላኽ፡ ሰብ ሓዳር ካብ ሓዳሮም ዓሚቝ ሓጐስን ዕግበትን ከም ዚረኽቡ ገይሩ እዩ ንሓዳር ሰሪትዎ። ሰብኣይ ‘ብሰበይቱ ባህ ኪብሎ፡’ ሰበይቲ ኸኣ ንሰብኣያ ኸተፍቅሮን ንሱ እውን ከም ርእሱ ገይሩ ንዓኣ ኸም ዜፍቅራ ኺስምዓን እዩ የሆዋ ሓሊኑ ነይሩ። (ምሳሌ 5:18፣ ኤፌሶን 5:28) ከምዚ ዓይነት ማእሰር ንኺፍጠር፡ ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ዚተኣማመኑ ኪዀኑ ኣለዎም። ብማዕሪኡ ድማ ኣብ ምሉእ ህይወቶም ዚቕጽል ዕርክነት ኬማዕብሉ ኣለዎም። ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ዚተኣማመኑን ስጡም ዕርክነት ንኺህልዎም ዚጽዕሩን እንተ ዀይኖም፡ ቃል ኪዳኖም እናጸንዐ እዩ ዚኸይድ። ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጾ ኣመና ኻብ ምቅርራቦም እተላዕለ፡ “ሓደ ስጋ” ይዀኑ።—ማቴዎስ 19:5

እምበኣር፡ ቃል ኪዳን ምስቲ ንናይ ሓንቲ ጽንዕቲ ቤት ሕጡባት ዜላግብ ጭቃ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ። እዚ ጭቃ እዚ ሑጻን ስሚንቶን ማይን ብምትሕውዋስ እዩ ዚዳሎ። ብተመሳሳሊ፡ ቃል ኪዳን ከም ግቡእን እምነትን ዕርክነትን ዝኣመሰለ ረቛሒታት ዘጠቓለለ እዩ። ነዚ ማእሰር እዚ ኼዳኽሞ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

እንታይ ጸገማት ኬጓንፍ ይኽእል፧

ቃል ኪዳን ጻዕርን ጥቕሚ ርእስኻ ምስዋእን ይሓትት። ንመጻምድትኻ ንኸተሐጕስ ኢልካ ምርጫታትካ ንኽትሓድግ ፍቓደኛ ኽትከውን ኣሎካ። ይኹን እምበር፡ ‘እንታይ ጥቕሚ እየ ዝረኽበሉ፧’ ከይበልካ ንድሌት ካልእ እተቐድም ምዃን ዚብልዎ ሓሳብ፡ ብዙሓት ኣይፈትዉዎን እዮም፡ ገሊኦም እውን ይጸልእዎ እዮም። እንተዀነ ግን፡ ‘ጥቕሚ ርእሶም ዚደልዩ እሞ ሕጉስ ሓዳር ዘለዎም ክንደይ ሰባት እፈልጥ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ዝደለኻ ዋላ እንተ ደለኻ፡ ኣይክትረክብን ኢኻ። ስለምንታይ፧ ጥቕሚ ርእሱ ዚደሊ ሰብ ብሕታዊ መስዋእቲ ኪኸፍል ኣብ ዜድልየሉ ዅነታት፡ ብፍላይ ከኣ ነቲ ዚኸፍሎ መስዋእቲ ብኡንብኡ ጥቕሚ ዘይረኽበሉ እንተ ዀይኑ፡ ቃል ኪዳኑ ኣይሕሉን እዩ። እቶም ሰብ ሓዳር ፈለማ ኺፋቐሩ ኸለዉ ፍቕሮም ሽሕ ሳዕ ምቁር ይንበር ብዘየገድስ፡ ቃል ኪዳኖም ዘይሕልዉ እንተ ዀይኖም፡ ሓዳሮም መሪር እዩ ዚኸውን።

ሓዳር ጻዕሪ ኸም ዚሓትት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይእመን እዩ። “እቲ እተመርዐወ . . . ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜሐጕሳ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዚሐሊ፡” “እታ ምርዕውቲ . . . ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጕሶ፡ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትሐሊ” ይብል። (1 ቈረንቶስ 7:33, 34) ንጥቕሚ ኻልእ ዚሓስቡ ሰብ ሓዳር እውን እንተ ዀኑ፡ ኵሉ ሳዕ ኣይኰኑን ነቲ ብጻዮም ዚገብሮ ሓልዮት ዜስተውዕሉሉ ወይ ንመስዋእቱ ኣኽቢሮም ዚርእይዎ። ሰብ ሓዳር ነቲ መጻምድቶም ዚገብሮ ዘየማስውሉ እንተ ዀይኖም፡ ኣብ ሓዳሮም ዜጋጥም “ብስጋ መከራ” ተባሂሉ ዘሎ ነገር መሊሱ ኺጋደድ ይኽእል እዩ።—1 ቈረንቶስ 7:28

ሓዳርካ ንሕማቕ ግዜያት ሰጊሩ ኣብ ጽቡቕ ግዜያት ኪድልድል እንተ ዀይኑ፡ ብዛዕባ ርክብኩም ኣርሒቕካ እትሓስብ ክትከውን ኣሎካ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣረኣእያ ብኸመይ ከተማዕብል ትኽእል፧ መጻምድትኻ ኣብ ቃል ኪዳኑ ንኺጸንዕከ ብኸመይ ምትብባዕ ክትህብ ትኽእል፧

ቃል ኪዳንኩም ብኸመይ ከም እተደልድሎ

ሓደ ወሳኒ ረቛሒ፡ ነቲ ኣብቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ብትሕትና ኣብ ግብሪ ምውዓል እዩ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ንርእስኻን ንመጻምድትኻን ‘ክትጠቅም’ ኢኻ። (ኢሳይያስ 48:17) ክትወስዶ እትኽእል ክልተ ግብራዊ ስጕምትታት ጥራይ እስከ ንርአ።

1. ንሓዳርካ ቐዳምነት ሃቦ።

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። (ፊልጲ 1:10) ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ዚሕዙሉ መገዲ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ንሰበይቱ ዜኽብር ሰብኣይ፡ ብኣምላኽ ይኽበር እዩ። ንሰብኣያ እተኽብር ሰበይቲ እውን ‘ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክብርቲ’ ጌርካ እያ እትርአ።—1 ጴጥሮስ 3:1-4, 7

ንሓዳርካ ኽሳዕ ክንደይ ኢኻ ኣኽቢርካ እትርእዮ፧ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ነቲ ኣኽቢርካ እትርእዮ ነገር፡ ዝያዳ ግዜ ኢኻ እተጥፍኣሉ። ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ምስ መጻምድተይ ጥራይ ዘሕልፎ ኽንደይ ዚኣክል ግዜ እየ መዲበ፧ ስጡም ዕርክነት ከም ዘሎና ንመጻምድተይ ንምርግጋጽ እንታይ ንጹር ነገራት ገይረ፧’ ንሓዳርካ ንምድልዳል ሒደት ግዜ ጥራይ ተሕልፍ እንተ ዄንካ፡ ወይ ዋላ ሓንቲ ግዜ ዘይተሕልፍ እንተ ዄንካ፡ መጻምድትኻ ንቓል ኪዳንካ ኸም እትሕሉ ገይሩ ንኺርእየካ ኼጸግሞ እዩ።

መጻምድትኻ ንሓዳርካ ቐዳምነት ከም እትህብ ገይሩ ድዩ ዚርእየካ፧ ነዚ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧

ነዚ ፈትኖ፦ ነዚ ዚስዕብ ሓሙሽተ ነጥብታት ኣብ ወረቐት ጽሓፎ፦ ገንዘብ፡ ስራሕ፡ ሓዳር፡ መዘናግዒ፡ ኣዕሩኽ። ብመሰረት እቲ መጻምድትኻ ነዚ ዚሰርዓሉ ተርታ እትብሎ ቝጽሪ ሃቦ። ንመጻምድትኻ ኸምኡ ኺገብር ሕተቶ። ምስ ወዳእኩም፡ ነቲ ወረቓቕቲ ተቐያየሩ። መጻምድትኻ ንሓዳርኩም እኹል ግዜን ጕልበትን ትውፊ ኸም ዘየለኻ ዀይኑ እንተ ተሰሚዕዎ፡ ንቓል ኪዳንኩም ንምድልዳል እንታይ ለውጥታት ክትገብሩ ኸም ዜድልየኩም ተመያየጡ። ብተወሳኺ ድማ፡ ‘ብዛዕባ እቲ ንመጻምድተይ ዜገድሶ ነገራት ንኽግደስ እንታይ ክገብር እኽእል፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።

2. ካብ ኵሉ ዓይነት ጥልመት ርሓቕ።

የሱስ ክርስቶስ፡ “ንሰበይቲ ኺብህጋ ዚጥምታ ዅሉ ብልቡ ፈጺሙ ኣብኣ ዘመወ” በለ። (ማቴዎስ 5:28) ሓደ ሰብ ካብ ሓዳሩ ወጻኢ ጾታዊ ርክብ ምስ ዚፍጽም፡ ንሓዳሩ ኸቢድ ጕድኣት ስለ ዜውርደሉ፡ እዚ ንፍትሕ መሰረት ከም ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱስ ገሊጹ ኣሎ። (ማቴዎስ 5:32) ይኹን እምበር፡ እተን ኣብ ላዕሊ እተጠቕሳ ቓላት የሱስ፡ ሓደ ሰብ ዝሙት ቅድሚ ምፍጻሙ ኣቐዲሙ ሕማቕ ትምኒት ኬሕድር ከም ዚኽእል እየን ዚሕብራ። ከምዚ ዝኣመሰለ ግጉይ ትምኒት ምሕዳር ንባዕሉ ሓደ ዓይነት ጥልመት እዩ።

ኣብ ቃል ኪዳንካ ንምጽናዕ፡ ስእለ-ጽዩፍ ከይትርኢ ጽኑዕ መብጽዓ እቶ። ብዙሓት ዚብልዎ ብዘየገድስ፡ ስእለ-ጽዩፍ ስሚ ሓዳር እዩ። ሓንቲ ሰበይቲ ብዛዕባ እቲ ሰብኣያ ዘለዎ ስእለ-ጽዩፍ ናይ ምርኣይ ልማድ ስምዒታ ኽትገልጽ ከላ ዝበለቶ እሞ ኣስተብህል፦ “ሰብኣየይ፡ ስእለ-ጽዩፍ ምርኣይ ንናይ ፍቕሪ ህይወትና ኸም ቀመም ከም ዚኸውን ይዛረብ እዩ። ንዓይ ግን ዋጋ ኸም ዘይብለይን ንዕኡ ኸም ዘይኣኽሎን ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ። ንሱ ኺርኢ ኸሎ፡ ክሳዕ ድቃስ ዚወስደኒ እየ ዝበኪ።” እዚ ሰብኣይ እዚ ንቓል ኪዳኑ የደልድሎ ድዩ ዘሎ ወይስ ይሃስዮ፧ ሰበይቱ ንሓዳራ እምንቲ ንኽትከውን ዜቕልለላ ዘሎዶ ይመስለካ፧ ከም ናይ ቀረባ ዓርኩ ድዩ ዚርእያ ዘሎ፧

እቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ እዮብ፡ “ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተአታቶኹ” ብምባል ንቓል ኪዳኑን ንኣምላኽን እሙን ምዃኑ ገሊጹ እዩ። ‘ናብ ቈንጆ ግልጽ ከይብል’ ቈሪጹ ነበረ። (እዮብ 31:1) ንእዮብ ብኸመይ ክትመስሎ ትኽእል፧

ካብ ስእለ-ጽዩፍ ኣብ ርእሲ ምርሓቕካ፡ ምስ ኣንጻር ጾታ ዘይግቡእ ምቅርራብ ከይትገብር እውን ንልብኻ ኽትሕልዎ ኣሎካ። ሓቂ እዩ፡ ብዙሓት ሰባት፡ ምስ ኣንጻር ጾታ ምኵሻም ኣብ ሓዳር ጕድኣት ከም ዘይብሉ ዀይኑ ይስምዖም እዩ። ቃል ኣምላኽ ግን፡ “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ፡ መንከ የስተውዕሎ፧” ኢሉ እዩ ዜጠንቅቐና። (ኤርምያስ 17:9) ልብኻ ኣዐሽዩካዶ ይፈልጥ፧ ንርእስኻ እስከ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ንመን እየ ዝያዳ ቘላሕታ ዝህብ፧ ንመጻምድተይ ድየ ወይስ ንኻልእ ኣንጻር ጾታ፧ ዜሐጕስ ነገር ኬጋጥመኒ ኸሎ ፈለማ ንመጻምድተይ ድየ ዝነግር ወይስ ንኻልእ፧ መጻምድተይ ነቲ ምስ ኣንጻር ጾታ ዘሎኒ ርክባት ደረት ክገብረሉ እንተ ነጊሩኒ፡ ከመይ ይስምዓኒ፧ እቕየም ድየ ወይስ ብሓጐስ እየ ነቲ እተሓተትክዎ ለውጢ ዝገብር፧’

ነዚ ፈትኖ፦ ናብ ሓደ መጻምድትኻ ዘይኰነ ኣንጻር ጾታ እንተ ተሳሒብካ፡ ምስቲ ሰብ ዘሎካ ርክብ ኣብ ኣድላዪ ጕዳያት ጥራይ ሕጸሮ፡ ኵሉ ርክባትኩም ድማ በቲ ጕዳይ ጥራይ ኪኸውን ኣለዎ። ኣብቲ እቲ ሰብ ካብ መጻምድትኻ ዚበልጸሉ መገድታት ኣይተተኵር። ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ ናይ መጻምድትኻ ኣወንታዊ ባህርያት ኣተኵር። (ምሳሌ 31:29) ንመጻምድትኻ ዘፍቀርካሉ ምኽንያታት ዘክር። ‘እዚ ባህርያት እዚ ኽሳዕ ሕጂ ምስ መጻምድተይ ኣሎዶ፡ ወይስ ኣነ እየ ዘይርእዮ ዘለኹ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።

ተበግሶ ውሰድ

እቶም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ማይክልን ማሪያን ንጸገማቶም ብኸመይ ከም ዚፈትሑ ምኽሪ ኺሓቱ ወሰኑ። ልክዕ እዩ፡ ምኽሪ ምድላይ፡ ቀዳማይ ስጕምቲ ጥራይ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ንጸገማቶም ኬለልዩን ሓገዝ ኪደልዩን ፍቓደኛታት ብምዃኖም፡ ክልቲኦም ንቓል ኪዳኖም ኣኽቢሮም ከም ዚርእዩ፡ ሓዳሮም ዕዉት ንኺገብርዎ ኸኣ ኣበርቲዖም ኪዓዩ ፍቓደኛታት ከም ዝዀኑ ኣርእዮም እዮም።

ሓዳርካ ድልዱል ይኹን ወይ ውጥረት ዝሰፈኖ ብዘየገድስ፡ ንሓዳርኩም ዕዉት ንምግባር ቈሪጽካ እተለዓልካ እንተ ዄንካ፡ መጻምድትኻ ኺፈልጥ ይደሊ እዩ። በዚ መዳይ እዚ ንመጻምድትኻ ንኸተእምን ግቡእ ስጕምትታት ውሰድ። ከምኡ ንምግባር ፍቓደኛ ዲኻ፧

a ስማት ተቐዪሩ እዩ።

b ኣብዚ ስእለ-ጽዩፍ ብምርኣይ ከም ኣብነት ተጠቒሱ ዘሎ ሰብኣይ እኳ እንተ ዀነ፡ ከምኡ እትገብር ሰበይቲ እውን ቃል ኪዳና ኸም ዘይተኽብር እያ እትቝጸር።

ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦

  • ንመጻምድተይ ዝያዳ ግዜ ንምሃብ፡ እንታይ ንጥፈታት ክንኪ እኽእል፧

  • ኣብ ቃል ኪዳነይ ከም ዝጸንዕ ንመጻምድተይ ንኸረጋግጽ እንታይ ክገብር እኽእል፧

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእሊ]

ንመጻምድትኻ ግዜ ሃብ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእሊ]

ጥልመት ኣብ ልቢ ይጅምር